Sunday , May 5 2024

ኮረና ቫይረስ

September, 2021

  • 23 September

    ኣብ እዋን ለበዳ ክስራሓሎም ዝጸንሑ ናይ ካሕሳ ሕጋጋት፡ ከብቅዑ እዮም

    ኣብ እዋን ለበዳ ክስራሓሎም ዝጸንሑ ናይ ካሕሳ ሕጋጋት፡ ካብ ዕለት 1 ጥቅምቲ ከብቅዑ ምዃኖም ቤት ጽሕፈት ፎርሸክሪንስካሳን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዞም ግዝያውያን ንማሕበራዊ ውሕስነት ተባሂሎም ዝጸደቑ ሕግታት፡ ኣብ እዋን ለበዳ ዝተሓገጉ ኮይኖም፡ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ፡ ምስፍሕፋስ ለበዳን መልከፍትን ንኸይዓቢ ተባሂሎም ብበዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ንዝወጹ መምርሒታት ንምትግባር፡ ዝሕግዙ ዝነበሩ እዮም። ኣብ እዋን ለበዳ፡ ቤት ጽሕፈት ፎርሸክሪንስካሳን፡ …

  • 22 September

    Harmony Media News 22/09/2021

  • 22 September

    ሃገረ ሽወደን፡ ንማዕከን ኮቫክስ፡ ተወሳኺ ሓገዝ ሂባ

    ሃገረ ሽወደን፡ ንኣህጉራዊ ማዕከን ኮቫክስ፡ ተወሳኺ ክታበት ኮቪድ፡ ብመልክዕ ሓገዝ ክትህብ ምዃና ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ንኣህጉራዊ ማዕከን ኮቫክስ፡ ቅድሚ ሕጂ ሓገዝ ሂብና ኔርና፡ ዝበለ ሎቬን፡ ሕጂ ድማ ዕጽሪ ናይቲ ዝሃብናዩ ብመልክዕ ሓገዝ ክንህብ ኢና ክብል ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ገሊጹ። ኣቐድም ኣቢላ ሽወደን፡ ኣስታት 3.7 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ንማዕከን ኮቫክስ ሂባ ምንባራ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ ዓመተ …

  • 22 September

    ጸብጻብ መጠን መልከፍቲ ኮቪድ ኣብ ሽወደን

    ካብ መላእ ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ህዝቢ ሽወደን፤ እቶም 7,094,601፤ እንተወሓደ፤ ሓንቲ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ ኮይኖም ንመጠን ዝተኸትቡ ሰባት ናብ 83.1% ክብ ኣቢልዎ ይርከብ ክብሉ ጸብጻባት ሃገራዊ መዝገብ ክትባት ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። 6,396,156 ዝኾኑ ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፤ ክልተ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ ኮይኖም፤ እቲ መጠን 74.9% በጺሑ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ፤ ብዝሒ መልከፍቲ ኮሮና ኣብ ሽወደን፤ 1,146,968 …

  • 21 September

    እንግሊዛውያን፡ ንሳልሳይ እብረ ክታበት ይዳለዉ ምህላዎም ተሓቢሩ

    ኣብዚ ሰሙን’ዚ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን እንግሊዛውያን፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ክወስዱ ተዳልዮም ምህላዎም ዘ ጋርድያን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኩሎም ልዕሊ 50 ዓመት ዝዕድሚኦም፡ ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ጥዕናን ኣብ ካልእ ስራሕ ዘለዉ ጥዕናዊ ጸገማት ዘለዎምን ካብ ሰኑይ ጀሚሩ፡ መልእክታትን ደብዳቤታትን ክመጾም ምዃኑ ተሓቢሩ። ብድሕሪ’ዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ሳልሳይ እብረ ክታበት ክወስድ ዝደልየ ሰብ፡ ቆጸራ ብምሓዝ፡ ክታበት ፋይዘር ወይ ድማ ፍርቂ ብልቃጥ …

  • 21 September

    ክታበት ፋይዘር፡ ንህጻናት ንኽፍቀድ ተሓቲቱ

    ኩባንያ ፋይዘር-ቢዮንቴክ፡ ፍርያቱ ዝኾነ ክታበት፡ ነቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 5 ክሳብ 11 ዓመት ዘለዉ ህጻናት ብትሑት ዓቐን (መጠን) ንኽወሃብ፡ ካብ ኣሜሪካ፡ ኤውሮፓን ካልኦት ሃገራትን ፍቓድ ሓቲቱ ከምዘሎ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ክታበት ፋይዘር፡ ነዞም ዝተጠቕሱ ክሊ ዕድመ፡ ተወሳኺ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዝፈጥረሎምን ዝኾነ ዓይነት ኣሉታዊ ጽልዋ ዘይብሉ ምዃኑ፡ እቲ ኩባንያ፡ ገሊጹ። ክታበት ፋይዘር፡ ንኣብ ትሕቲ …

  • 21 September

    ቆጸራ ዕለተ ክታበት ቆልዑ፡ ተቐይሩ

    በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን፡ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ነቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 12 ክሳብ 15 ዓመት ዘለዉ ህጻናት ብዝምልከት፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ጸረ ኮሮና ክታበት ክህብ መዲቡ ከምዝነበረን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን እቲ ዝነበረ ዕለተ ክታበት፡ ናብ ወርሒ ጥቅምቲ ስሒብዎ ከምዘሎ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ብበዓል መዚ ኣገልግሎት ጥዕና ዝወጸ መግለጺ፡ ድሕሪ ምምሕዳር ከተማ …

  • 21 September

    Harmony Media News 20/09/2021

  • 20 September

    ጣልያን፤ ብዙሓት ሰባት ንክኽተቡ ይቀዳደሙ

    ኩሎም ኣብ ጣልያን ዝሰርሑ ዜጋታት፤ ካብ ዕለት 15 ጥቅምቲ ጀሚሮም፤ ናብ ስራሕ ክኣትዉ እንተድኣ ኮይኖም፤ ክኽተቡ ከምዝግባእ፤ ወይ ድማ ውጽኢት መርመራ ኮቪድ ከርእዩ ወይ ድማ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ መልከፍቲ ኮቪድ ዝሓወዩ ክኾኑ ከምዝግባእ መንግስቲ ጣልያን ድሕሪ ምግላጹ ብዙሓት ሰባት፤ ቆጸራታት ክታበት ክሕዙ ይቀዳደሙ ከምዘለዉ ካብቲ ሃገር ዝተረኽቡ ጸብጻባት ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ብቀጠልያ ፓስፖርት ዝፍለጥ ምስክር ወረቐት፤ …

  • 20 September

    ናብ ሽወደን ንምእታው ዘገልግሉ ሕግታት ኮቪድ፤ ንዓመታት ክቕጽሉ ተኽእሎታት ኣሎ

    ናብ ሽወደን ንምእታው ዘገልግሉ ሕግታት፤ ንዓመታት ክቕጽሉ ተኽእሎታት ኣሎ ክብል ኣማኻሪ ሽወደን ኣብ ጉዳይ ተመሓላለፍቲ ሕማማት፤ ኣንደሽ ተግነል፤ ምስ ዳገንስ ንሄተር ኣብ ዘካየዶ ርክብ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ፤ ኩሎም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝስረሓሎም ምስ ኮቪድ-19 ዝተሓሓዙ መምርሒታት፤ ካብ ስራሕ ወጻኢ ክኾኑ እኳ እንተኾኑ፤ እቶም ናብ ሽወደን ንምእታው ዘገልግሉ መምርሒታት ግን፤ ብውሑዱ ክሳብ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com