Sunday , May 5 2024

ኮረና ቫይረስ

November, 2021

  • 2 November

    ኢንዶኔዥያ፡ ቀዳመይቲ ንክታበት ኖቫቫክስ፡ ዘፍቀደት ሃገር ኮይና

    ሃገረ ኢንዶኔዥያ፡ እታ ኣብ ዓለም፡ ቀዳመይቲ ንጸረ ኮቪድ-19 ዝኾነ ክታበት ኖቫቫክስ ከም ናይ ህጹጽ እዋን ክታበት ክኾና ዘፍቀደት ሃገር ኮይና ከምዘላ፡ ነቲ ክታበት ዘፍሪ ኩባንያ ኣቃሊሑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ክታበት ኣብ ክልተ እብረ ዝወሃብ ኮይኑ፡ ካብ ፕሮቲን ዝተመስረሐ እዩ። ከምቲ ናይ ካልኦት ክታበታት ባህርያት ዘይብሉ ኮይኑ፡ ኣብ ኣዝዩ ትሑት ሙቐት ዝኽዘን ኣይኮነን። እዚ ባህርያት፡ ናብ ድኻታት ሃገራት …

  • 2 November

    ኣብ ዓለም፡ 5 ሚልዮን ሰብ፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ምሟቶም ተረጋጊጹ

    ለበዳ ኮቪድ-19 ካብ ዝጅምር፡ ድሮ ክልተ ዓመታት ኣቕጺሩ ኣብ ዘሎ እዋን፡ 5 ሚልዮን ሰባት፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ዘስዓቦ ጥዕናዊ ሕልኽላኻት፡ ካብዛ ዓለም ብሞት ከምዝተፈልዩ ጸብጻባት ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ኣረጋጊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ለብዳ ኮቪድ-19፡ ንድኻታት ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሃብታማት ሃገራት ውን ብማዕረ ከምዘጥቀዐን ስታቲስቲካዊ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣሜሪካ፡ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብራዚልን ልዑልን ማእከላይን …

  • 1 November

    ምልክታት ኮቪድ-19 ምስ እተርኢ: እንታይ ክትገብር ይግባኣካ? !

    ካብ ኣገልግሎት ዜና ተተ እተረኽበ ምልክታት ኮቪድ-19 ምስ እተርኢ እንታይ ክትገብር ይግባኣካ ዝብል ሓድሽ መምርሒ ስዒቡ ክቐርብ እዩ። ምሉእ ክትባት ዝረኸቡ ሰባት ኣብ ቤቶም ምጽናሕ እምበር ምምርማር ኣየድልዮምን እዩ። እቶም ምሉእ ክትባት ዝረኸቡን ዘይረኸቡን ብዝመልከት ወኪል ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓድሽ ለበዋታት ኣመሓላሊፉ’ሎ። እዚ መምርሒታት ካብ 1 ሕዳር ኣትሒዙ ተግባራዊ ክኸውን እዩ። ምሉእ ክትባት ዝረኸቡ ወይ ኣብ ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኮቪድ …

September, 2021

  • 29 September

    መጠን መልከፍቲ ኮቪድ፡ ይጎድል ምህላዉ ተገሊጹ

    ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ሽወደን፡ ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ፡ መጠን መልከፍቲ ኮቪድ፡ እናጎደለ ይመጽእ ምህላዉ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቁጽሪ ናይቶም ብኮቪድ ዝተለኽፉ ሰባት፡ ንመበል ካልኣይ ሰሙን ብተኸታታሊ ክጎድል ከምዝተራእየን፡ 787 ሓደስቲ ሰባት ብኮቪድ ከምዝተለኽፉን ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰሙን፡ ብ 45% ምጉዳሉን ተገሊጹ። እቲ ናይ ቁጽሪ ምጉዳል፡ ኣብ ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ክሊ ዕድመ ብንጹር ክረአ …

  • 29 September

    ሳልሳይ እብረ ክታበት ዝኽተቡ ሰባት፡ ክበዝሑ ይግባእ

    ኣቐድም ኣቢሉ፡ ጥዕናዊ  ጸገማት ዘለዎም ተኣፈፍቲ ኣካል ሕብረተስብ፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ንክኽተቡ መደብ ተታሒዙ እኳ እንተነበረ፡ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሌና ኣለንገሪን፡ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘመሓላለፈቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኩሎም እቶም ልዕሊ 80 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ውን ሳልሳይ እብረ ክታበት ክኽተቡ ከምዝኽእሉ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ 83.7% ካብ ህዝቢ ሽወደን፡ ቀዳመይቲ እብረ ክታበት ዝወሰዱ ክኾኑ እንከለዉ፡ …

  • 28 September

    ብርክት ዝበላ ምምሕዳራት ሽወደን፡ ብልቃጥ ክታበት ኮቪድ፡ መሊሰን

    ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ሳምንታት፡ ብርክት ዝበላ ምምሕዳራት ሽወደን፡ ብበዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ዝተዓደለን ብልቃጥ ክታበታት ኮቪድ፡ ከምዝመለሳ ሬድዮ ኤኮት ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ዝሓለፈ ሰሙን፡ 9 ምምሕዳራት፡ ንብልቃጥ ክታበት ኮቪድ ክመልሳ እንከለዋ፡ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰሙን ድማ፡ 8 ምምሕዳራት፡ ምምላሰን ተፈሊጡ ኣሎ። ምምሕዳራት ኡሬብሮ፡ ያቭለቦሪን ዮንሾፒን ከም ኣብነት ክጥቀሳ ይኽእላ። ቁጽሪ ናይቶም ክታበት ክወስዱ ዝደልዩ ሰባት፡ …

  • 23 September

    ጀርመን፣ ንዘይተኸትቡ ዝወሃብ ካሕሳ የለን ትብል

    ጸረ ኮቪድ-19 ዘይተኸትቡ ሰባት: እንድሕሪ ኣድላዪ ኮይኑ ናብ መወሸቢ ክኣትዉ ተጌሮም ደሞዞም ኣይክከሓሱን እዮም ክትብል ጀርመን ኣፍሊጣ’ላ። እዚ ኣብ ዘይተኸትቡ ሰባት ጸቕጢ ንምፍጣር ዝግበር ዘሎ ዝመስሎም ኣለዉ፥ ነዚ ጒዳይ ብኻልእ ሸነኽ ክንርእዮ ይግባኣና፥ እዚ ናይ ፍትሒ ሕቶ እዩ ክብል ሚኒስተር ጥዕና ጀርመን: ሀንስ ሽፓህን: ገሊጹ። መንግስቲ: ነቶም ምስ ሕሙማት ብውሕዱ ንሓሙሽተ መዓልታት ርክብ ዝነበሮም ከምኡውን ካብ ልዑል ሓደጋ ለበዳ ዘለወን …

  • 23 September

    ንድኻታት ሃገራት: ክልተ ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት: ክወሃበን ተጠሊቡ 

    ክሳብ ምዝዛም እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት: ክልተ ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት: ንድኻታት ሃገራት ክዕደል: ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል: ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ። ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዝበዝሐ ሰብ ጸረ ኮቪድ ክትባት ከም ዝወሰደ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ እንተኾነ ግና ኣብ ኣህጉራት ኣፍሪቃ ደቡብ ኣመሪካን ክፋላት እስያን መጠን ክትባት ዛጊት ታሕቲ ምህላዉ ወሲኹ ገሊጹ። ካብቲ ኣብ መላእ ዓለም እተዘርግሐ 5.76 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት: ዛጊት 0.3% ናብ ዝወሓደ ኣታዊ …

  • 23 September

    ኣሜሪካ፡ 500 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት፡ ሓገዝ ክትህብ ኢያ

    ኣሜሪካ፡ ንድኻታት ሃገራት ዝኸውን፡ ተወሳኺ 500 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ፋይዘር፡ ሓገዝ ክትህብ መደብ ከምዘለዋ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ክሳብ ሕጂ፡ ኣሜርካ፡ 1.1 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ከም ሓገዝ ሂባ ከምዘላ ይፍለጥ። ኣሜሪካ፡ 500 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ሓገዝ ክትህብ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ድሕሪ ምግላጻ፡ ነቲ ሓገዝ  ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክትጽዕኖ ከምዝጀመረት ይዝከር። ብምልኡ ሓገዝ ክታበት፡ ክሳብ ወርሒ …

  • 23 September

    ምምሕዳር ስኮነ . . . ኣወንታዊ ኩነታት ይረኣየና ኣሎ

    ኣብ ምምሕዳር ስኮነ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና እናኣንቆልቀለ ይመጽእ ከምዘሎን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተራእየ መልከፍቲ ኮቪድ ምስቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰሙን ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ 25% ብምንካዩ ካብ 1036 ዝተለኽፉ ሰባት ናብ 760 ሰባት ከምዝጎደለ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፋ ሳምንታት፡ ኩነታት መልከፍቲ ኮቪድ፡ ኣብ ኩሎም ክሊ ዕድመ፡ እናኣንቆልቀለ ብምምጽኡ፡ እቲ ኩነታት ኣወንታዊ ኣንፈት ሒዙ ከምዘሎ ሓኪም ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com