Sunday , May 5 2024

ኮረና ቫይረስ

September, 2021

  • 14 September

    ማሕበር ሓካይም፤ ልዕሊ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ንክኽተቡ ጸዊዑ

    ልዕሊ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ፤ ጸረ ኮሮና ቫይረስ ክኽተቡ ኣለዎም ክብል ማሕበር ሓካይም ተመሓላለፍቲ ሕማማት ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። መሰረት ናይዚ ሓበሬታ ድማ፤ ውጽኢት ናይተን ኣብዚ ክሊ ዕድመ ዘለዉ ሰባት ዝኸተባ ሃገራት ድሕሪ ምርኣይ ዝተወስደ ምዃኑ ኣባል እቲ ማሕበር ዝኾነት ማሊን በንግኔር ምስ ሪአድዮ ኢኮት ኣብ ዝገበረቶ ርክብ፤ ገሊጻ። ዋላ ኳ ቆልዑ፤ ከቢድ ዝኾነ ምልክታት ሕማም ኮቪድ ዘየርእዩ …

  • 13 September

    Harmony Media News 13/09/2021

  • 13 September

    ፈረንሳ፡ ጣሊባን ሓሰውቲ እዮም ክትብል ገሊጻ

    ፈረንሳ ምስ ሓድሽ መንግስቲ ጣሊባን ዝኾነ ዝምድና ኣይክህልዋን እዩ ክብል ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፡ ዢን ይቬስ ለ ድርያን (Jean-Yves Le Drian)፡ ኣፍሊጡ ክብል ተተ ሓቢሩ። ለ ድርያን፡ ብዛዕባ ኣብ ቀጻሊ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝግበር ምውጻእ ንምዝታይ ኣብ ቐጠር ይላዘብ ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ። “ጣሊባን ወጻእተኛታት ይዂኑ ኣፍጋናውያን ክወጹ፥ ንዂሉ ዘሳትፍን ዝውክልን መንግስቲ ከኣ ክቐውም ድሌት ከም ዘለዎም እዮም ዝገልጹ፥ እዚ ግና …

  • 11 September

    ዓበይቲ ትካላት፡ ክታበት ኮቪድ ክግድዳ፡ ፕረዚደንት ባይደን፡ ጸዊዑ

    ልዕሊ 100 ሰራሕተኛታት ዘለወን ትካላትን ኩባንያታትን፡ ሰራሕተኛታተን፡ ክታበት ኮቪድ ክኽተቡ፡ ወይ ድማ ሰሙናዊ መርመራ ኮቪድ ከካይዱ ክጠልባ ከምዘለወን። ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ጸዊዑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ንምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምቁጽጻር ተባሂሉ ክውሰድ ዝሕሰብ ዘሎ ስጉምቲ፡ ንልዕሊ 100 ሚልዮን፡ ኣብ ብሕታውን መንግስታውን ሰክተራት ዝሰርሑ ዜጋታታ ኣሜሪካ ክጸሉ ከምዝኽእል AFP ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።   ኣሜሪካዊ ክፍሊ ዕዮ፡ ኣብ ልዕሊ 80 …

  • 11 September

    ንምስፍሕፋሕ ለበዳ ጠንቂ ብምዃኑ፡ ንሓሙሽተ ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ

    ሓደ ካብ ቬትናማዊት ከተማ ሆ ቺ ሚንህ ናብታ ኣብ ዞባ ካ ማው እትርከብ ዓዱ ክበጽሕ ዝኸደ ቬትናማዊ ሰብኣይ፡ መምርሒታት ውሽባ ብዘይምኽታሉ፡ ቤት ፍርዲ እቲ ከባቢ፡ ንሓሙሽተ ዓመታት ማእሰርቲ ከምዝበየነሉ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ፡ ንናይ እቲ ከባቢ ምንጭታት ብምጥቃስ ሓቢሩ። እቲ ወዲ ዓመት ሰብኣይ፡ ኣብ ምጅማር ናይ ወርሒ ሓምለ፡ ብሕማም ኮቪድ ተለኺፉ ምንባሩ ዝሓበረ እቲ ቤት ፍርዲ፡ ብሰንኪ ጥሕሰት ናይ …

  • 10 September

    Harmony Media News 10/09/2021

  • 10 September

    ሃገረ ዴኒማርክ፡ ናይ መጨረሽታ ቀይዲ ኮሮና ዝነበረ ሕጊ፡ ኣልዒላ

    ብሰልፊ ሶሻል ዲሞክራት ዝምራሕ መንግስቲ ዴኒማርክ፡ ካብ ሎሚ ዓርቢ ጀሚሩ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣንቢርዎም ዝነበረ ቀይድታት ኮቪድ-19 ንብምልኦም ከምዘልዓሎም ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ መንግስቲ ዴኒማርክ፡ ንኹሎም ቀይድታት ኮቪድ-19 ከልዕሎም ምዃኑ ሓቢሩ ከምዝነበረ ይዝከር። ካብ ሎሚ ጀሚሩ ድማ፡ ሕማም ኮቪድ-19፡ ከም ሓደገኛ ማሕበራዊ ሕማም ካብ ምዃን ተሪፉ ኣሎ ክብል ገሊጹ። እዚ ማለት ድማ፡ ካብ …

  • 10 September

    ሳልሳይ እብረ ክታበት ንኽወሃብ፡ ኣብ ምድላዋት ይርከብ

    ልዕሊ ፍርቂ ካብ ምምሕዳራት ሽወደን፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ክህባ ጀሚረን ኣለዋ ክብል ብ ማዕከን ዜና TV4  ዝቐረበ ዳህሳስ ብምጥቃስ፡ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን፡ ብዕለት 01 መስከረም፡ ድሕሪ ዘመሓላለፎ ፍቓድ፡ ምምሕዳራት ቨስትራጎትላንድ፡ ኦረብሮ፡ ዮምትላንድ፡ ዮንሾፒን፡ ካልማርን ቨስተርቦተንን ሳልሳይ እብረ ክታበት ክኸትባ ምጅማረን ተፈሊጡ ኣሎ። ሳልሳይ እብረ ክታበት፡ ነቶም ብሰንኪ ምትካል ኣካላት ወዲ ሰብ (transplants)፡ ሕማም …

  • 9 September

    ልዕሊ 6 ሚልዮን ሰባት፡ ክታበት ኮቪድ-19 ተኸቲቦም

    ኣብ ሽወደን፡ ኣስታት 6.98 ሚልዮን ሰባት እንተወሓደ፡ ሓደ እብረ ክታበት ኮቪድ-19 ዝተኸትቡ ናብ ሃገራዊ መዝገብ ክትባት ሽወደን ካብ ምምሕዳራት ዝተላእኩ ጸብጻባት ይሕብሩ። በዚ ድማ፡ መጠን ናይቶም ዝተኸትቡ ሰባት፡ 81.7% ካብ ጠቕላላ ቁጽሪ ናይቶም ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ሸወደናውያን ምዃኑ ተገሊጹ። ኣስታት 6 ሚልዮን ካብቶም ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽወደናውያን፡ ክልተ እብረ ክታበት ዝወሰዱ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቲ መጠን ድማ ናብ 70.7% …

  • 9 September

    Harmony Media News 08/09/2021

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com