Tuesday , April 30 2024

ኮረና ቫይረስ

September, 2021

  • 6 September

    ኒዊዚላንድ . . . ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ፡ ሓደ ሰብ ሞይቱ

    ኣብ ሃገረ ኒዊዚላንድ፡ ሓንቲ ሕዱር ሕማም ዝነበራ ዓባይ ሰበይቲ፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ፡ ከምዝሞተት ተገሊጹ። በዚ ድማ፡ እዛ ሰበይቲ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ ዝሞተት ናይ ፈለማ ሰብ ኮይና ተመዝጊባ ኣላ ክብል ጋዜጣ ኒዊዚላንድ ሄራልድ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ሃገረ ኒዊዚላድ፡ ብዝሒ ናይቶም ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ ዝሞቱ ሰባት፡ 27 ዝበጽሕ ኮይኑ፡ ቅድሚ እዛ ሰበይቲ እቲ …

  • 5 September

    1500 ሰባት፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ክወስዱ እዮም

    በዓል መዚ ኣገልግሎት ጥዕና ምምሕዳር ኖርቡትን፡ ካብ ዕለት 01 መስከረም ጀምሩ፡ ን 1500 ሰባት፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ንክኸትብ ምዃኑ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዞም ሳልሳይ እብረ ክታበት ክኽተቡ ዝተባህሉ ሰባት፡ ብመሰረት ጸብጻባት ታሪኽ ሕክምናዊ ኩነታቶም ምርኩስ ብምግባር ዝተወሰነ ኮይኑ፡ ልዕሊ 18 ዓመት ዕድመ ዘለዎም፡ ኣባላት ጉጅለ ተነቀፍቲ ኣካል ሕብረተሰብ ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

  • 4 September

    Harmony Media News 03/09/2021

  • 3 September

    ኤውሮጳዊ በዓል መዚ መድሃኒት፤ ሳልሳይ እብረ ክታበት ኣየድልይን እዩ ይብል

    ኣብዚ ሕጂ እዋን፤ ሳልሳይ እብረ ክታበት ዘይኮነ፤ ኩሉ ሰብ፤ ክልተ እብረ ክታበት ከም ዝኽተብ ምግባር እዩ ዘገድሰና ክብል በዓል መዚ መድሃኒትን ማእከል ምክትታል ሕማማት ኤውሮጳ ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን፤ ነቶም ኣብ ጉጅለ ተኣፈፍቲ ክፋል ሕብረተሰብ ዝርከቡ ሰባት፤ ሳልሳይ እብረ ክታበት ንክወሃቦም ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ሓሳብ ኣቕሪቡ ምንባሩ ይዝከር።

  • 3 September

    ኖርወይ: ንኣብ ክሊ ዕድመ 12 ክሳብ 15 ዘለዉ ቆልዑ: ክትከትብ ምዃና ገሊጻ

    መንግስቲ ኖርወይ: ንምኽርታት በዓል መዚ ጥዕና እታ ሃገር ተኸቲሉ፤ ንኹሎም ኣብ ክሊ ዕድመ 12 ክሳብ 15 ዓመት ዝርከቡ ኖርወጃውያን ዝኸውን ክታበት ኮሮና ኣድልዩ ምህላዉ፤ ቀዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገር፤ ኤርና ሶልበሪ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፤ ኣብ ኖርወይ፤ ብሰንኪ ሓድሽ ጅር ቫይረስ ኮሮና፤ ማለት ጅር ማይ (My variant)፤ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ተራእዩ ከምዘሎ፤ ካብታ ሃገር ዝተረኽቡ ምንጭታት ጥዕና …

  • 2 September

    News Magazine 02/09/2021

  • 2 September

    ስራሕ ዝደልዩ ሰባት፡ ከምዝተኸትቡ መረጋገጺ ክሕተቱ እዮም

    ኣብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ክሰርሑ ዝደልዩ ሰባት፡ ክታበት ኮቪድ-19 ከምዝተኸትቡ መረጋገጺ ክሕተቱ ዝኽእልሉ መንገዲ ንምፍጣር፡ ምምሕዳር ዳላርና፡ እማመ ኣቕሪቡ፡ መጽናዕታት ከምዝጀመረ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ጥዕና ናይቶም ሕሙማት ንምውሓስ ተባሂሉ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ እዩ ክብል ኣማኻሪ እቲ ምምሕዳር፡ ኡልፍ በርግ፡ ከም መርተዖ ናይቲ ውሳኔ ኢሉ ዘቕረቦ ምኽንያት እዩ። ከም ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ምዃንና፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ንኸይስዕርር፡ ዝከኣለና ክንገብር …

  • 1 September

    Harmony Media News 01/09/2021

  • 1 September

    ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ጉዳይ ክታበት፡ ዕላማና ወቒዕና ኢና፡ ይብል

    70% ካብ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ዜጋታት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ጸረ ሕማም ኮቪድ-19 ከምዝተኸትቡን እቲ ተነቢሩ ዝጸንሐ ዕላማ ድማ ከምዝተሃረመ፡ ኮሚሽን ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣቃሊሑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ክውቃዕ ተባሂሉ ዝተሓንጸጸ ዕላማ፡ ኣብ ምጅማር ናይ ዓመተ 2021 ከምዝተነድፈ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ነቲ ዕላማ ምህራሙ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ነዊሕ ጉዕዞ ከምዝተጓዕዘ ኣዘኻኺሩ። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ፍልልይ መጠን ክታበት ኣብ ኣባላት  …

  • 1 September

    ናብ ሽወደን ዝኣትዉ በጻሕቲ፡ መርመራ ኮቪድ ከካይዱ ከምዝግባእ ተሓቢሩ

    ካብ ሃገራት ኖርዲክ ወጻኢ ዝመጹ ገያሾ፡ ናብ ሽወደን ክኣትዉ እንከለዉ፡ መርመራ ኮቪድ-19 ክገብሩ ከም ዘለዎም ተመሓላሊፉ ዝጸንሐ ምኽሪ፡ ገደብ ግዚኡ ከምዝተናወሐ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዞም ገያሾ፡ ምልክታት ሕማም እንተ ዘይተራእዮም ውን፡ ተቐላጢፎም መርመራ ኮቪድ-19 ክገብሩ ይግባእ። እቶም ካብ ምሉእ ክታበት ዝተኸትቡን ትሕቲ ሽዱሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናትን ግን ካብዚ መርመራ ነጻ ምዃኖም …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com