Sunday , May 5 2024

ኮረና ቫይረስ

September, 2021

  • 8 September

    ሓልክታ፡ ብዛዕባ ቀይድታት ኮሮና

    ካብ ዕለት 29 መስከረም ጀሚሩ፡ ኣብ ልዕሊ ሙዚቃኢ ምርኢታት፡ ትያትራትን ስፖርታዊ ንጥፈታት ተጻዒኑ ዝነበረ ቀይድታት ክለዓል ምዃኑን ኣብ መጨረሽታ ናይቲ ወርሒ ድማ ዝበዝሑ ንጥፈታት፡ መናብሮም ብተዓዘብቲ ክመልእ ምዃኑን ሚኒስተር ባህልን ስፖርትን ሽወደን፡ ኣማንዳ ሊንድ፡ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ዝቕጽል ስጉምትና፡ ሕብረተ ሰብ ሽወደን፡ ብዘይ ቀይድታት ኮሮና፡ ሂወቱ ንኽመርሕን ናብቲ ንቡር መዓልታዊ ሂወትና ንምምላስን እዩ ክትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት …

  • 8 September

    ወፍርታት ክታበት፡ ኣብ ናእሽቱን ዓበይትን ክግበር፡ ክኢላታት ይመኽሩ

    ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና እንተድኣ ቀጺሉ፡ ንዓበይቲ ዝኸውን ሳልሳይ ብልቃጥ ክታበትን ነቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 12 ክሳብ 15 ዓመት ዘለዉ ድማ ክታበት ክወሃብን ክኢላታት ካብ  ሽወደናዊ ኣካዳሚ ሳይነስ መኺሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ። ብሰንኪ ጅር ኮሮና፡ ደልታ፡ ዝሰዓበ ምስፍሕፋሕ ለበዳ፡ ክቕጽል እንተድኣ ክኢሉ፡ ተወሰኽቲ ቀይድታት ኮሮናን መምርሒታት ክታበትን ክቃልሑ ከምዝኽእሉ እቶም ክኢላታት ሓቢሮም። ውጽኢት ክታበት ንምግምጋም፡ እዞም ክኢላታት፡ ብዓለም ደረጃ …

  • 8 September

    ብሕማም ኮቪድ ዝተታሕዙ ሰባት፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ምልክታት ሕማም ይርእዩ

    ኩሎም እቶም ብሕማም ኮቪድ-19 ተታሒዞም ኣብ ሆስፒታላት ዝተሓከሙ ሰባት፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ውን ምልክታት ሕማም ይረኣዮም ከምዘሎ ዘ ላንሴት ዝተባህለ ጆርናል ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ከተማ ዉሃን፡ ቻይና፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ብሕማም ኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኩነታቶም ከመይ ከምዘሎ፡ እቲ ጆርናል፡ መጽናዕቲ ድሕሪ ምክያዱ ዝተረኽበ ውጽኢት እዩ ክብል ጋዜጣ ዳገንስ መዲስን ጽሒፉ። ኣብ ክሊ ዕድመ …

  • 8 September

    ቬንስተር ፓርትየት፡ ንወረቐት ምስክር ክታበት፡ ኣይፋል ይብል

    ብርክት ዝበላ ባይቶኣዊ ሰልፍታት፡ ንምትእትታው ወረቐት ምስክር  ክታበት፡ ክቕበላ እንከለዋ፡ ሰልፊ ቬንስተር፡ ግን ነቲ ዝቐረበ እማመ፡ ከምዘይሰማማዓሉ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ንጸብጻባት ተሌቪዥን SVT Nyheter ብምጥቃስ ሓቢሩ። ሰልፍታት ሊበራልና፡ ሞደራትናን ክሪስትያን ዲሞክራትናን ንወረቐት ምስክር ክታበት ክቕበላ እንከለዋ፡ ኣብ ከመይ ኩነታት፡ ንዝብል ሕቶ ግን፡ እተን ሰልፍታት፡ ዝተፈላለየ ርእይቶ ከምዘለወን ተገሊጹ። ከም ኣብነት ክጥቀስ እንተድኣ ኮይኑ፡ ወረቐት ምስክር ክታበት፡ ኣብ ዓበይቲ ኣጋጣሚታት …

  • 7 September

    ኣብ ልዕሊ ፓርላማ ዝነበረ ቀይድታት ኮሮና ተላዒሉ

    ኣብ ልዕሊ ባይቶ ሽወደን ቆይሙ ዝነበረ ቀይድታት ኮሮና፡ ከምዝተላዕለ ፕረዚደንት ባይቶ፡ ኖርለን፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ካብ ዕለት 16 መጋቢት 2020 ጀሚሩ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ልዕሊ ባይቶ ሽወደን (ሪክስዳግ)፡ ቀይድታት ከም ዝተገብረን፡ ኣኼባ ባይቶ ኣብ ዝካየደሉ እዋን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምቁጽጻር ተባሂሉ እቲ ቁጽሪ ካብ 349 ናብ 55 ክጎድል፡ ብብዝሒ ድምጺ ኣባላት ባይቶ፡ ከምዝተወሰነ ይዝከር። ካብ ዕለት …

  • 7 September

    ሆስፒታላት፡ ንሕሙማት ኮቪድ-19 ዘገልግል ሓድሽ ኣሃዱ፡ ኣቚመን

    ኣብ ስቶክሆልም ዝርከብ ሆስፒታል፡ ሶደርኹክሁሰት፡ ንሕሙማት ኮቪድ-19 ዘገልግል ሓድሽ ኣሃዱ ከቕዉም ምዃኑ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ሕማም ኮቪድ-19 ንቐጻሊ ምሳና ዝጸንሕ እዩ ዝመስል፡ ስለዝኾነ ድማ፡ ንሕሙማት ኮቪድ ዘገልግል ተባሂሉ ሓድሽ ኣሃዱ ከነቕውም መዲብና ኣለና ጥራይ ዘይኮነ፡ ንድሕሪ ሕጂ፡ ድሉው ዝኾነ ጨንፈር ክህልወና እዩ ክትብል፡ ከባብያዊ ኣመሓዳሪት ውሽጣዊ መድሃኒት፡ ኣነሊ ሊለግረን፡ ምስ ጋዜጣ ዳገንስ ኒሀተር ኣብ ዝገበረቶ ርክብ ገሊጻ። …

  • 7 September

    Harmony Media News 06/09/2021

  • 6 September

    ሃብታማት ሃገራት: 1.2 ቢልዮን ዶዛት ተረፍ ክታበት ኮቪድ ይህልወን 

    ኣብ ምውዳእ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት: ሃብታማት ሃገራት: ናይ 1.2 ቢልዮን ዶዛት ዝኸውን ተረፍ ክታበት ኮቪድ ክህልወን እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ተረፍ ዛጊት ንድኻታት ሃገራት ብመልክዕ ረድኤት ክወሃብ ኣይተመደበን ኣሎ ክብል ጸብጻብ ኣልጀዚራ ኣመልኪቱ። ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዘሎ መጠን ክታበት: ኣብዚ ወርሒ: 500 ሚልዮን ዶዛት ከም ዝበጽሐ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ: 360 ሚልዮን ዝኸውን ዛጊት ንረድኤት ዘይተመደበ ተረፍ ክታበት ተኸዚኑ ምህላዉ ወሲኹ …

  • 6 September

    ሃገረ ኩባ፡ ህጻናት ምኽታብ ጀሚራ

    ሃገረ ኩባ፡ ነቶም ካብ ክልተ ዓመት ክሳብ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ፡ ባዕላ ብዘፍረየቶም፡ ኣብዳላን ሶበርናን ዝተባህሉ ክታበታት ተጠቂማ ክትከትቦም ጀሚራ ከምዘላ ሓቢራ፡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። መብዛሕትአን ቤት ትምህርታት፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣፍደጊአን ዓጽየን፡ ናይ ርሕቀት ኣገባብ ኣመሃህራ ክጥቀማ ምጽነሐን ይፍለጥ። ኣብዚ ዓመት፡ ተማሃሮ ናብ ክፍሎም ዝምለስሉ እዋን፡ ካብ ዝቕጽል ሰሙን ዝጅምር ብምዃኑ፡ ኩሎም ተማሃሮ ክታበቶም …

  • 6 September

    ሓድሽ ዓይነት ቫይረስ ኮሮና፡ ኣብ ሕርሻ እንስሳ ሚንክ ተረኺቡ

    ሳርስ ኮቪድ-2 ዝተባህለ ዓይነት ቫይረስ፡ ኣብቲ ኣብ ስካራ ዝርከብ ሕርሻ እንስሳ ሚንክ ከምዝተረኽበ GT ኣብ ዘቕረቦ ጽሑፍ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ዓይነት ቫይረስ፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2020 ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረትን ዓለምን ክረአ ምጽንሑን ሕጂ ድማ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ሽወደን ከምዝተራእየ ተፈሊጡ። እዚ ዓይነት ቫይረስ ዘይከም ሓደስቲ ተቐየርቲ ጅር ቫይረስ፡ እቲ መሰረታዊ ዓይነት ሳርስ ኮቪድ-2 …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com