Monday , May 13 2024

ኮረና ቫይረስ

March, 2021

  • 19 March

    Harmony Media News 19/03/2021

  • 19 March

    ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ውሑስን ውጽኢታውን ምዃኑ ተረጋጊጹ

    ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ውሑስን ውጽኢታውን ክታበት እዩ ክብል ኤውሮፓዊ በዓል መዚ መድሃኒት ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ሓቢሩ። ብዙሓት ኤውሮፓውያን ሃገራት፡ ንክታበት ኮሮና ካብ ጥቕሚ ደው ኣቢለንኦ ከምዝጸንሓ ይፍለጥ። ሽወደን፡ ንኣገልግሎት ክታበት ኣስትራ ዘነካ ደው ኣቢልዎ ምጽንሑ፡ ብሰንኪ እቲ ክታበት ድሕሪ ምውሳዶም፡ ገለ ሰባት፡ መድመይቲ ከምዘጓኖፎም ዝገልጽ ጸብጻብ ድሕሪ ምትሕልላፉ ምዃኑ ክብል፡ ኣማኻሪ ሽወደን ኣብ ጉዳያት ተማሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንደሽ ቴግኒል፡ ሓቢሩ። …

  • 19 March

    ጀርመን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ብልዑል ናህሪ ወሲኹ

    ኣብ ጀርመን፡ መጠን መልከፍቲ ኮቪድ-19፡ ብልዑል ናህሪ ይውስኽ ኣሎ ክብል ጀርመናዊ ኤጀንሲ ተመሓላለፍቲ ሕማማት (RKI) ኣጠንቂቑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣመሓላሊፉ። ሓድሽን ብናህሪ ክላባዕ ዝኽእል ጅር ኮሮና፡ ኣብታ ካብ ሃገራት ኤውሮፓ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዎ ጀርመን፡ የስፋሕፍሕ ምህላዉ ጸብጻባት’ቲ ኤጀንሲ ሓቢሮም ኣለዉ። ኣብ እዋን በዓል ፋሲካ፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ክሪስማስ ዝነበረ ተመሳሳሊ ኩነታት ክፍጥር እዩ። ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ ብብዝሒ መልከፍቲ ዘጋጠመ፡ …

  • 19 March

    ፓሪስ፡ መስርሕ ዕጽዋ ክትጅምር ምዃና ሓቢራ

    ፈረንሳ ብምኽንያት ፍርሂ ሳልሳይ ማዕበል ኮቪድ-19 ን ሓደ ወርሒ ዝኸውን ን ፓሪስ ክትዓጽዋ እያ። ኣብ 16 ከባቢታት ፓሪስ ዝቕመጡ 21 ሚልዮን ህዝቢ፡ ካብ ዓርቢ ለይቲ ኣትሒዞም በዚ ኣገባብ እዮም ክተሓዙ ተባሂሉ’ሎ። እዞም ሕጊታት ከምቶም ዝሓልፉ ተረርቲ ኣይክኾኑን እዮም ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ዢን ካስት፡ ሰባት ኣብ ግዳም ምንቅስቓስ ክፍቀደሎም እዩ ኢሉ። ኣብ ዝሓለፋ 24 ሰዓታት ጥራይ ኣብ ፈረንሳ 35 ሽሕ ሰባት …

  • 19 March

    ሓድሽ ክታበት ሃገረ ኩባ፡ ኣብ ናይ መጨረሽታ መጽናዕታዊ መድረኹ በጺሑ

    ሃገረ ኩባ፡ ብውሽጣዊ ዓቕማ ዘፍረየቶ ካልኣይ ክታበት ኮቪድ-19፡ ኣብ ናይ መጨረሽታ መጽናዕታዊ መድረኹ ከምዝበጸሐ ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ። ሃገረ ኩባ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም፡ ለበዳ ኣብ ዝኽሰተሉ እዋን፡ ክታበት ኣፍርየን ዝልእካ ውሑዳትን ምኩራትን ሃገራት እያ። እዛ ሃገር፡ ሓንቲ ካብተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ፡ ክታበት ኮቪድ-19 ዘይጀመራ ውሑዳት ሃገራት ምዃና ውን ይንገረላ። ንሳ፡ ብውሽጣዊ ዓቕማ ዘፍረየቶ ክታበት ኮቪድ-19፡ …

  • 18 March

    ምስፍሕፋሕ ለበዳ ሓድሽ ጅር፡ ልዕሊ 80% በጺሑ

    ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ኣብ ምምሕዳር ያበሎቦሪ፡ ኣሰካፊ እናኾነ ምምጽኡ ወከልቲ ምምሕዳራት ኣብ ዘካየድዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፉ ሳምንታት፡ ምምሕዳር ያቨልቦሪ፡ ብለበዳ ኮቪድ-19ን ሓድሽ ብሪጣንያዊ ጅርን ብኸቢድ ከምዝተጠቕዐት ይፍለጥ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ፡ እቲ ምስፍሕፋሕ ብዓቢ ናሕሪ ይቕጽል ምህላዉ ክብል ሓኪም ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ሻህ ጃላል፡ ሓቢሩ። ኣብቲ ምምሕዳር ዝርከቡ ብኮሮና ዝተልኽፉ ሰባት፡ እቶም 83% በቲ ሓድሽ ብሪጣንያዊ ጅር ዝተለኽፉ ምዃኖም …

  • 17 March

    Harmony Media News 17-03-2021

  • 17 March

    ፍሉይ መደብ 50 ደቒቕ 16 መጋቢት 2021

  • 17 March

    ናይ ቤት መግብታት መጠን ሽያጥ፡ ኣንቆልቊሉ

    ለበዳ ኮሮናን ንዕኡ ንምብዳህ ተባሂሉ ዝወጹ መምርሒታት፡ ንኢንዱስትሪ ቤት መግብታት፡ ብኸቢድ ሃስይወን ይርከብ። ኣብ መላእ ዓመተ 2020፡ መጠን ሽያጥ ናይቲ ኢንዱስትሪ፡ ምስቲ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ20% ከምዝጎደለ፡ እዚ ማለት ድማ 26 ቢልዮን ክሮነ ከምዝበጽሕ፡ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ሽወደን ይሕብሩ። ኣብ ዓመተ 2020፡ ጠቕላላ መጠን ሽያጥ ናይቲ ኢንዱስትሪ፡ 104 ቢልዮን ክሮነ ምንባሩን እቲ 21.5 ቢልዮን ክሮነ ድማ …

  • 16 March

    ክትባት ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ኣብ ሽወደን ውን ኣቋሪጹ

    ሃገረ ሽወደን፡ ብፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ክታበት ምኽታብ፡ ንግዚኡ ከምዘቋረጸቶ ድሕሪ ምሕባር፡ እዚ ናይ ምቁራጽ መስርሕ፡ ንሓጺር እዋን ጥራይ ክኸውን፡ ኣወሃሃዲ ክታበት ሽወደን፡ ሪቻርድ በርግስትሩም፡ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ። በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ድሕሪ’ቲ እቶም ንክታበት ኣስትራ ዘነካ ዝወሰዱ ሰባት፡ ናይ ደም ምርጋእን መድመይትን ዝኣመሰሉ ኣሉታዊ ጽልዋታት ኣጋጢምዎም ብዝብል ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ምርኩስ ብምግባር ነዚ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com