Friday , May 17 2024

ዜና

ኖርወይ፥ ሓንቲ መንእሰይ ብመንደራጋሕ በረድ ተቐቲላ

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፥ ምስ ከልባ ንዙረት ወጺኣ ዘይተመልሰት ጓል ኣንስተይቲ፡ ካብ ትሮምሶ ወጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ፊንቪክዳለን ድሕሪ ዘጋጠመ ውሕጅ ሞይታ ከም ዝተረኽበት ፖሊስ ኣረጋጊጾም። ኣትላስ ዝስሙ ከልባ እውን በቶም ኣብ እምባታት በረድ ኲዕታ ዘካይዱ ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት ሞይቱ ተረኺቡ’ሎ። ስድራቤት ጓል 26 ዓመት ካያ ብራትሊ ጉንደርሰን ትማሊ ምሸት ካብቲ ጉዕዞ ክትምለስ ብዘይምኽኣላ ደሃያ ከምዝጠፍአት ሓቢሮም ነይሮም። ፖሊስ ኣብ …

Read More »

ሊበራላውያን፡ “ኩባንያታት ቴክኖሎጂ፥ ህጻናት ክንደይ ግዜ ኣብ ስክሪን ይሕልፉ ኣብ ዝብል ሕቶ ሓላፍነት ክወስዳ ኣለወን”

ሰልፊ ሊበራል፥ ትካላት ቴክኖሎጂ ህጻናት ወልፊ ቪድዮ ጸወታታት ወይ ስክሪን ሞባይል ከይህልዎም ንምርግጋጽ ዝያዳ ሓላፍነት ክወስዳ ዘገድድ ኣገባብ ክተኣታቶ ጸዊዖም። መራሒ እቲ ሰልፊ ዮሃን ፐርሾን፡ እዚ ኣሰራርሓ ተግባራዊ ንክኸውን ብክኢላ ሓይሊ ዕማም ክምርምር ከምዝደሊ ገሊጹ’ሎ። ንሱ ኣብዚ ሰሙን ናብ ሽወደን መንግስታዊ ዑደት ዘካየደ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ተወሳኺ ምትብባዕ ከም ዝሃቦ ኣመልኪቱ’ሎ። እዚ እናኾነ ኣብ ምዕራብ ሽወደን ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት …

Read More »

ኤስ.ጀይ ዳግማይ ምሕዛእ ዝግበረሉ መሸጣ ትኬት ከቋርጽ እዩ

ሽወደናዊ ትካል ባቡር “ኤስ.ጀይ” ኣብ እዋን ጽድያ ዳግማይ ክሕዝኡ ዝኽእሉ ትኬታት ምሻጥ ደው ከብል እዩ። ካብ ባሕቲ ሚያዝያ ጀሚሩ ዓማዊል መደባቶም ክቕይሩ እንተደልዮም፥ ብዋጋ ክብር ዝበለን ተመላስን ትኬት ክገዝኡ ክግደዱ እዮም። SJ እዚ ምቕያር ኣሰራርሓ ድሕሪ ምቕያሩ፡ ዳግመ ምሕዛእ ካብ ትግበራ ክወጽእ እዩ።

Read More »

“ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተወልዱ ሽወደናውያን ዝተሓተ ስምዒት ግደታ ከም ዘለዎም ዘመልክት ሓበሬታ የለን” ማግዳሌና ኣንደርሾን

ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ጸጥታን ምክልኻልን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሰን ብዛዕባ ”ምስ ዜግነት ሽወደን ዝመጽእ ግደታታት”  ብፍላይ ድማ፡ ኩሎም ዜጋታት ነታ ሃገር ንምክልኻል ፍቓደኛታት ክኾኑ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቡ። ቀ/ሚ ሽወደን ሽወደን ነበር ከምኡ’ውን መራሒት ተቓዋሚት ሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራሲ ማግዳሌና ኣንደርን ኣብቲ እዋን ንክሪስተርሾን ነቒፋ ነይራ፡፡ እቲ ዝሃቦ ርእይቶ ከፋፋሊ ምዃኑ፥ ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱ ሽወደናውያን ኣብ ምክልኻል ሽወደን ዝወሓደ ወፍሪ …

Read More »

ኣብ ስቶክሆልም ዝፈሸለ መጥቃዕቲ ኤምባሲ እስራኤል፥ ግብረሽበራዊ ገበን ተባሂሉ ይምርመር ኣሎ።

ሽወደን ነቲ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ እስራኤል ክግበር ተሓሲቡ ዝነበረሞ ዝፈሸለ መጥቃዕቲ፥ ግብረሽበራዊ ገበን ኢላ ብምግላጽ መመራኣ ትገብር ምህላዋ ተገሊጹ። ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን ሳፖ ነዚ ኣብ ቀጽሪ ኤምባሲ እስራኤል ዝተረኽበ ቦምባ ኢድ ምዃኑ ዝንገረሉ ባእታ ንምምርማር ነቲ ቦታ ተቖጻጺርዎ’ሎ። ፖሊስ ዝሓለፈ ረቡዕ ናብቲ ኤምባሲ ተጸዊዕም፡ ኣብ ቀጽሩ ሓደገኛ ነገር ድሕሪ ምርካቦም፡ እቲ ሃገራዊ ጒጅለ ሃንደሳ ነቲ ባእታ ምዕናዉ ዝፍለጥ …

Read More »

ሃገራት ኤውሮጳ ንዩክሬን ወተሃደራዊ ሓገዝ ይቕጽላ

ኩለን 27 መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ ንዩክሬን 50 ቢልዮን ዩሮ ሓገዝ ንምሃብ ተሰማሚዐን። ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ነቲ ሓድሽ ምወላ ብሓጎስ ከም ዝቕበል፥ እዚ ምወላ ንቁጠባውን ፋይናንሳውን ምርግጋእ እታ ሃገር ዘሐይል ምዃኑ ኣስሚሩሉ። ሚኒስትሪ ቁጠባ ዩክሬን ኣብ ዝመጽእ መጋቢት ፈላማይ ክፋል እዚ ገንዘብ ክረክብ ትጽቢት ከምዘለዎ ገሊጹ’ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ከምቲ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኤውሮጳ ዝገበሮ፥ ሕጂ’ውን …

Read More »

ፖሊስ ስቶክሆልም ኣብ ኤምባሲ እስራኤል ዝተረኽበ ሓደገኛ ባእታ ኣዕንዮም

ጉጅለ ሃንደሳ ፖሊስ ሽወደን ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ እስራኤል ብሰራሕተኛታት ዝተረኽበ ”ሓደገኛ ባእታ” ከም ዝፍንጀር ጌሩ። እቲ ባእታ ካብ ህንጻ ኤምባሲ ወጻኢ፡ ግና ኣብ ውሽጢ ቀጽሩ እዩ ተረኺቡ። ፖሊስ እቲ ኣቕሓ ተፈንጂሩ ጒድኣት ከስዕብ ዝኽእል ምንባሩ፡ ሕጂ ግን ባዕሎም ከም ዘዕንውዎ ገሊጾም ኣለዉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሾን ምስ ሃንጋርያዊ መዘናኡ ቪክቶር ኦርባን ጽባሕ ክዘራረብ ምዃኑ ተገሊጹ። ክልቲኦም መራሕቲ …

Read More »

ንግዲ እምኒ ኖርሾፒንግ ቀጻሊ ናይ ድሕነት ስጒምቲታት ክወስድ ምዃኑ ይገልጽ

በዓል መዚ ኣከባቢ ስራሕ ሽወደን፡ ነቲ ሃገረ ኣውስትራልያ ኣብ ጽሩብ ኣእማን ዝገበረቶ መጽናዕቲ ይምርምር ኣሎ፡፡ እዚ መርመራ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ሰራሕቲ እምኒ ምስ ዝረአ ለበዳ ሲሊኮሲስ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። መብዛሕትኡ ግዜ እዞም ኣእማን ብዙሕ ትሕዝቶ መኣዛ ሲሊኮን ዝሓዘ ኮይኑ፡ ነቶም ነቶም ኣብ ምጽራብን ምንጻፍን እዚ እምኒ ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት ሓደገኛ ምዃኑ እዩ ዝንገር። ኣብ ኖርሾፒንግ ትካል ቢዝነስ ምጽራብ ኣእማን ማርሞር፡ …

Read More »

ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን ብርቱዕ ንፋስ ይረአ’ሎ።

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሽወደን ብርቱዕ ንፋስ ይሸብብ ምህላዉ፡ ኣብ ያምትላንድ ኣብ ዝርከብ ስቴከንዮክ ድማ ፍጥነት እቲ ንፋስ ናብ ኣውሎ ንፋስ ደርጃ ምዕራጒ ተገሊጹ። ብሰሪ እዚ ብርቱዕ መሸንቦባ ኣግራብ ኣብ ልዕሊ መስመራት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ጽርግያታትን ብምውዳቖም፡ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኽቋረጽ፥ ብርክት ዝበላ ኣባይቲ ኸኣ ብዘይ ጸዓት ኤሌክትሪክ ክጸንሓ ምኽንያት ኮይኑ’ሎ። እቲ ኢንጉን ተባሂሉ ዝተሰየመ ህቦብላ፡ ካብ ደቡባዊ ምዕራብ ብኖርወይ ኣቢሉ እዩ ዝመጽእ …

Read More »

ሰለስተ ፈነወ ቋንቋታት ሬድዮ ሽወደን ክዕጸዋ እየን

ኣብ ሬድዮ ሽወደን ሰለስተ ጉጅለ ቋንቋታት ጸጋታት ገንዘብ እቲ ትካል ንምቚጣብ ብዝብል ምኽንያት ክዕጸዋ ተወሲኑ። እዘን ፕሮግራማት ኣገልግሎት ቋንቋ ኩርድ፣ ሩስያን ትግርኛን ኮይነን፡ ኣብ መወዳእታ ዝመጽእ መጋቢት ክዕጸዋ እየን። ሬድዮ ሽወደን ብሰንኪ ወሰኽ ወጻኢታት ልዕሊ 225 ሚልዮን ክሮና ክቚጥብ መደብ ኣውጺኡ ምህላዉ፡ እዚ ውሳነ ድማ ኣካል ናይዚ ትግበራን ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com