Friday , May 17 2024

ዜና

Harmony Media News 15-03-2021

Read More »

ኩባንያ ቮልክስዋገን፡ ሓደስቲ ፋብሪካታት መፍረ ባተሪ ክኸፍት መዲቡ

ጀርመናዊ ኩባንያ ቮልክስዋገን፡ ክሳብ ዓመተ 2030፡ ኣብ መላእ ኤውሮፓ ሽዱሽተ ሓደስቲ ፋብሪካታት መፍሪ ባተሪ ክኸፍት ምዃኑ ሓቢሩ። እዘን ፋብሪካታት፡ ዓመታዊ ፍርያተን ክሳብ 240 GWh (Gigawatt hours) ክበጽሕ ከምዝኽእል፡ ብተወሳኺ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዘን ሓደስቲ ፋብሪካታት፡ ብኩባንያ ቮልክስዋገን ዝመሓደራ ክኾና እንከለዋ፡ ገለ ካብኣተን ድማ ብምትሕብባር ኖርዝቮልት (Northvolt) ክመሓደራ ምዃነን ተፈሊጡ ኣሎ። ኩባንያ ቮልክስዋገን፡ ዋንነቱ ብምዕባይ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓሰርተ …

Read More »

ፔለ፡ ንክርስቲያኖ ሮናልዶ “እንቋዕ ሓጎሰካ” ክብል ሞጊሱ

ክርስቲያኖ ሮናልዶ፡ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ጆቬንቱስ ምስ ካልያሪ፡ ብዘመዝገበን ሰለስተ ሸቶታት (ሃትሪክ) ተሓጊዙ፡ ነቲ ብንጉስ ኲዕሶ እግሪ ዓለምና፡ ፔሌ፡ ተታሒዙ ዝነበረ ክብረ ወሰን፡ ብዝሒ ቊጽሪ ሸቶታት፡ ብምሕላፉ፡ ፔሌ፡ ናይ እንቋዕ ሓጎሰካ መልእኽቲ ሰዲዱ። ሮናልዶ፡ ኣብ መጀመርያ እብረ ጸወታ፡ ኣብ ውሽጢ 32 ደቓይቕ፡ ሃትሪክ ብምስራሕ ኣብ መላእ ዕደመ ጸወታኡ ብጠቕላላ 770 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ኣሎ። በዚ ድማ ነቲ ናይ ፔለ ተመዝጊቡ …

Read More »

ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ፡ ኣብ ላንድቬተር፡ ሓድሽ ናይ መርመራ ኑቕጣ ከፊቱ

ነፍሲ ወከፍ ካብ ሽወደን ወጻኢ ገይሹ ዝጸንሐ ዜጋ፡ ኣብ ዝምለሰሉ እዋን፡ ክሳብ ንብረቱ ዝእክብ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ መርመራ ኮቪድ-19 ክገብረሉ ዝኽእል ሓድሽ ኑቕጣ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ላንድቬተር ካብ ሎሚ ሰኑይ፡ ስርሑ ክጅምር ተዳልዩ ከምዘሎ ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። እዚ ናይ መርመራ መስርሕ፡ ወለንታውን ብነጻን ኮይኑ፡ ነቶም ኣብዚ ምምሕዳር ምዝጉባት ዝኾኑ እሞ ከኣ ካብ መገሻ ዝምለሱ ሰባት …

Read More »

ደቀንስትዮ ኣውስትራልያ፡ ኣንጻር ጾታዊ ዓመጽ ሰላማዊ ስልፊ ይገብራ

ደቀንስትዮ ኣውስትራልያ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ባይቶ ኣውስትራልያ፡ ዝተራእየ ጾታዊ ዓመጽ ምኽንያት ብምግባር ናይ ተቛውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዳ ዝሓበረ ቢቢሲ ኣብ ዓቃባዊ መንግስቲ እታ ሃገር ተወሳኺ መርመራ ክግበር ደሪኹ ኣሎ ኢላ። ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ዓቃቢ ሕጊ፡ ክርስትያን ፖርተር፡ ኣብ 1988 ብጾታዊ ምድፋር ተኸሲሱ ምንባሩ ግና ነቲ ክሲ ከም ዝነጽጎ ድሕሪ ምግላጹ እዩ እዚ ሰልፊ ክዳሎ ጀሚሩ። ብኻልእ ኣጋጣሚ፡ …

Read More »

ሰሙናዊ ሓበሬታ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት

ዝሓለፈ ሰሙን፡ 7150 ሰባት ሓደስቲ ስራሕ ኣልቦ ሰባት ክምዝገቡ እንከለዉ፡ 9500 ሰባት ድማ ስራሕ ወይ ድማ ስሩዕ ትምህርቲ ምጅማሮም ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊን ሓቢሩ። ምስ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰሙን ክነጻጸር እንከሎ፡ ብዝሒ ናይቶም ሰሙናዊ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት፡ ብውሑድ ከምዝነከየ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ። መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝነበረ፡ 8.7% ናብ 8.6% ብምጉዳሉ እቲ ቁጽሪ 450,320 በጺሑ ይርከብ። ኣብዚ ሰሙን’ዚ፡ 930 …

Read More »

ሃገረ ኬንያ፡ ካብ ኣኼባ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ተንሳሕብ

ሃገረ ኬንያ፡ ኣብቲ ሎሚ ምስ ሃገረ ሶማል፡ ዘለዋ ምስሕሓብ ማያዊ ዶባት፡ ኣመልኪቱ ዝካየድ ኣኼባ ኣህጒራዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ከም ዘይትሳተፍ ምንጪታት መንግስቲ ብምጥቃስ ቢቢሲ ሓቢራ። ኬንያ፡ ነቲ ቤት ፍርዲ፡ ሻራዊ መርገጺ ወሲዱ ብምባል ቅሬታኣ ክትገልጽ ከምዝጸንሐት ይፍለጥ። ኬንያን ሶማልን ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ኣብ ዝርከብ 160 ሽሕ ትርብዒት ኪሎሜትር ዝንውሓቱ ስሉስ ኩርናዕ ማያዊ ኣካል፡ ምስሕሓብ ከም ዘለወንን እዚ ምስሓሓብ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ወፍሪ …

Read More »

ካብ ዘኽታም ስደተኛ፡ ናብ ሽወደናዊ ኮኾብ ሙዚቀኛ

ዮሃና ንመንእሰይ ቶሳ ሺዛ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ውድድር ደርፊ ሽወደን ዘመገቦ ዓወት፡ ሕጂ ድማ ንሽወደን ወኪሉ ኣብ ውድድር ደርፊ ኤውሮፓ ክሳተፍ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ንሃገረ ሽወደን፡  ወኪሉ ሓደ ስደተኛ ኣብ ኤውሮፓዊ ውድድራት ከተሳትፍ ምኽኣላ፡ ነቲ ትኣምነሉን ትሰርሓሉን ምውሓስ መሰል ሰብኣውነትን ማዕርነትን ዘንጸባርቕ እዩ፡ በዚ ኣጋጣሚ፡ ንሃገረ ሽወደን፡ ዮሃና ክብል ማዕከን ሓበሬታ ኣልኮምፒስ ዓረብያ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣቃሊሑ። ናይ ሕጂ መንእሰይ ቶሳ፡ …

Read More »

ሃገረ ሶማል፡ ቀዳምይ ዙርያ ክታበት ተቐቢላ

ሃገረ ሶማል፡ 300 ሽሕ ብልቃጥ ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ከምዝተቐበለት ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ሰራሕተኛታት ጥዕናን እቶም ተነቀፍቲ ክፋል ሕብረተሰብ ዝኾኑ ሰባትን ብቐዳምነት ተጠቀምቲ ናይቲ ክታበት ክኾኑ እዮም ክብል፡ መንግስቲ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ። ኣብ ቀረባ እዋን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ኣብታ 15 ሚልዮን ነበርቲ ዘለዋ ሶማል፡ እናወሰኸ ብምኻዱ ክሳብ ሕጂ 367 ሰባት ብሕማም ኮቪድ-19 ከምዝሞቱ ይንገር። ኣብ ሶማል፡ …

Read More »

ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ንሩስያዊ ክታበት ስፑትኒክ ቪ፡ ከፍርያ ይሰማማዓ

ዓዲ ጥልያን፡ ስጳኛ፡ ፈረንሳይን ጀርመንን፡ ንሩስያዊ ክታበት ስፑትኒክ ቪ፡ ኣብ ሃገረን ንኸፍርየኦ ስምምዕ ከምዝኸተማ ካብ ሩስያዊ ቤት ጽሕፈት ወፍሪ (RDIF)፡ ኪሪል ዲሚትሪየቭ (Kirill Dmitriyev)፡ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።   ሩስያዊ ክታበት ስፑትኒክ ቪ፡ ክሳብ ሕጂ ብኤውሮፓዊ ሕብረት ተፈላጥነት እዃ እንተ ዘይረኸበ፡ ነዚ ክታበት ዝምልከት መስርሕ መጽናዕቲ ንኽካየድ ግን ብኤውሮፓዊ ኤጀንሲ መድሃኒት፡ ተበግሶ ተገይሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com