Friday , May 17 2024

ዜና

Harmony Sport 01-03-2021

Read More »

Harmony Media News 01-03-2021

Read More »

ሳርኮዚ፡ ንማእሰርቲ ተፈሪዱ

ካብ ዓመተ 2007 ክሳብ 2012  ፕረዚደንት ሃገረ ፈረንሳ፡ ዝነበረ ወዲ 66 ዓመት ኒኮላስ ሳርኮዚ፡ ብጉዳይ ብልሽውና፡ ብቤት ፍርዲ ፓሪስ፡ ንሰለስተ ዓመታት ማእሰርትን ንክልተ ዓመታት ድማ ትዕዝብትን (probation) ከምዝተፈርደ ተፈሊጡ። ሳርኮዚ፡ ብዛዕባ ጉዳይ ቤተንኮርት (Bettencourt case) ዝምልከት ካብ ሓደ ዳኛ ሓበሬታ  ንምርካብ ብምሕታቱን ዓስቢ ናይቲ ዝገብሮ ድማ ኣብ ዓመተ 2014 ኣብ ሞናኮ ተሃራፊ ስራሕ ከውሕሰሉ ምዃኑ ተመባጺዑ ምንባሩ ይፍለጥ። ንሱ፡ ኣብ …

Read More »

ኣባላት ስድራ ቤት፡ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ቻድ፡ ብሓይልታት ጸጥታ ተቐቲሎም

መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ቻድ፡ ያያ ዲያሎ፡ ኣዲኡን ወዱን ካልኦት 3 ኣባላት ስድራ ቤቱን፡ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፡ ከም እተቐትሉ ንጋዜጠኛታት ገሊጹ። እቶም ሓይልታት ጸጥታ፡ ናብቲ ኣብ እንጃሜና ዝርከብ ቤቱ ብምውራር እዮም ነቲ ቕትለት ፈጺሞም ክብል ገሊጹ’ሎ። መራሒ ዕጡቕ ሓይሊ ነበር ከምኡውን ሕጹይ ተወዳዳሪ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ቻድ፡ ያያ ዲያሎ፡ ንሬድዮ ፈረንሳ RFI ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብወዲ ፕረሲደንት ቻድ፡ እድሪስ ደብዒ፡ ዝምርሑ ኣባላት …

Read More »

ኦስሎ፡ መስርሕ ዕጽዋ ጀሚራ

ርእሰ ከተማ ኖርወይ፡ ኦስሎ፡ ካብ ሎሚ ዕለት 01 መጋቢት ጀሚራ ክሳብ 15 መጋቢት ዝጸንሕ ዕጽዋ ከተካይድ ምዃና ተፈሊጡ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ካብ 50% ክሳብ 70%  ናይ ሓደስቲ መልከፍቲ፡ ብብሪጣንያዊ ኮሮና ዝፍለጥ ጅር (ዓሌት)፡ ዝሰዓበ ምዃኑ ብምፍላጡ እዩ። ብሪጣንያዊ ጅር፡ ካብቶም ካልኦት ዓይነታት ኮሮና፡ ዝፈልዮ ነገር እንትድኣ ሃልዩ፡ ቅልጡፍ ናይ ምስፍሕፋሕ ዓቕሚ ዘለዎ ብምዃኑ እዩ። ኣብያተ ንግድን ቤት ምግብታትን ድማ …

Read More »

ኣብ ሃገረ ኮንጎ፡ 10 ሲቪላውያን ተቐቲሎም

ብስም ሚሊሻ ኪዳን ዲሞክራስያውያን ሓይልታት ዝፍለጥ ጉጅለ፡ ኣብ ምብራቕ ሃገረ ዲሞክራስያዊት ሪፓፕሊክ ኮንጎ፡ ብዝገበርዎ መጥቃዕቲ፡ 10 ሲቪላውያን ከም እተቐትሉ፡ እቲ ሰራዊት ትማል ሰንበት ገሊጹ። እዞም ሚሊሻታት፡ ኣብ ቦዮ ዝተባህለት ገጠር፡ ሸሞንተ ሰባት ኣብ ሰሜናዊት ኣውራጃ ኢቱሪ ኸኣ ክልተ ሰባት ከም ዝቐተሉን ወተሃደራት ሃገረ ኮንጎ፡ ነዞም ሚሊሻ ኣብ ምህዳን ተጸሚዶም ምህላዎም ድማጺ ኣሜሪካ ሓቢራ’ላ። ብዘይካ እቲ ዝተፈጸመ ቕትለት፡ ብዙሓት መንበሪ ኣባይቲ’ውን …

Read More »

ፊንላንድ፡ ውሳነ ዕጽዋ ኣመሓላሊፋ

መንግስቲ ፊንላንድ፡ ብመንገዲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር’ታ ሃገር፡ ሳና ማሪን፡ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ካብ ዕለት 8/03 2021 ጀሚሩ፡ ንሰለስተ ሳምንታት ዝጸንሕ ኣብ ዝበዝሐ ክፋል’ታ ሃገር፡ መስርሕ ዕጽዋ ክግበረሉ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኣብ እዋን’ዚ መስርሕ፡ ኩሎም ቤት ምግብታት፡ ባራት፡ ስፖርታዊ ኣደራሻት፡ ቤተ ምዘክራት ካልኦት ህዝባውያን ቦታታትን ክዕጸዉ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ። ዓበይቲ ተመሃሮ ድማ ንንውሕ ዝበለ እዋን፡ ብመንገዲ ናይ ርሕቀት ኣገባብ ትምህርቲ …

Read More »

እስራኤል፡ ኣብ ደቡባዊ ደማስቆ መጥቃዕቲ ፈጺማ ትባሂሉ

እስራኤል ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ዘይመልእ ግዜ፡ ብኢራን ይሕገዝ እዩ ንዝበለቶ ነቚጣታት ወሰናስን ደማስቆ ኣጥቂዓ ክትብል ኣልጀዚራ ገሊጻ። እቲ መጥቃዕቲ፡ ካብ ጎቦታት ጎላን ከም ዝተበገሰ፡ ካብ ሰራዊት ሶርያ ዝተረኽበ መግለጺ ኣመልኪቱ’ሎ። ኣፈኛ ሰራዊት እስራኤል፡ ብዛዕባ’ዚ ጒዳይ ብዝምልከት፡ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ’ሎ። ካብ ምጅማር እዚ ዓመት ኣትሒዛ፡ እስራኤል፡ ካብቲ ንቡር ስፍሕ ዝበለ ቦታታት ብፍላይ ድማ ጥቓ ዶብ ዒራቕ ዘለዉ ምስ ኢራን …

Read More »

ፊንላንድ፡ ውሳነ ዕጽዋ ንኸተመሓላልፍ ትጽቢት ይግበር

ሃገረ ፊንላንድ፡ ኣብ ዝበዝሐ ክፋል እታ ሃገር፡ ውሳነ ዕጽዋ ከተመሓላልፍ ምዃና ሎሚ ሰኑይ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝካየድ ጋዜጣዊ መግለጺ ክተሕብር እያ። ብመሰረት YLE፡ እቲ ተመደቡ ዘሎ መስርሕ ዕጽዋ፡ ንቤት ምግብታትን ባራትን፡ ካብ ዝቕጽል ሰሙን ዝጅምር ንሰለስተ ሳምንታት ዝጸንሕ ክዕጸው፡ ቤት ትምህርታት ድማ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ብናይ ርሕቀት ኣገባብ ክምህራ፡ ኣብ ልዕሊ ስፖርታዊ ንጥፈታትን ናብ ናይ ንግዲ ቦታታትን ዝግበር ምብጻሕ ትርር …

Read More »

ሶማልያ፡ ናይ “ሞባይል ማኒ” ኣገልግሎት ክትህብ እያ

ሰብ መዚ ሶማልያ፡ ኣብታ ሃገር ናይ መጀመርታ ምዃኑ ዝንገረሉ፡ ስሩዕ ኣገልግሎት “ሞባይል ማኒ” ምሃብ ምጅማሮም ዝሓለፈ ቐዳም ኣፍሊጦም። እዚ ድማ ነቲ ብሰፊሑ፡ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ዲጂታላዊ ክፍሊት፡ ስርዓት ንምትሓዝ ክውዕል እዩ ተባሂሉ። ማእከላይ ባንክ ሶማልያ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ ኣቕራቢ ኣገልግሎት ቴለኮምኒኬሽን ዝኾነ፡ ሖርሙድ ተሌኮም፡ ፍቓድ ንግድ ከም ዝሃቦን እዚ ድማ ካብ 3 ሚልዮን ክሳብ 3.6 …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com