Saturday , May 18 2024

ስራሕን ቁጠባን

ናብ ሃገረ ጣልያን ዝኣትዉ ገያሾ፡ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ውሸባ ክገብሩ ተሓቢሩ

ናብ ሃገረ ጣልያን ዝኣትዉ ገያሾ፡ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ውሸባ ክገብሩ መምርሒ ኣመሓላሊፉ ከምዘሎ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር፡ ሓቢሩ። እዚ መምርሒ፡ ንዜጋታት ዓዲ ጣልያን ውን ዝምልከት ምዃኑ እቲ ሚኒስትሪ ምሕባሩ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ሓድሽ መምርሒ፡ ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ክሳብ ክንደይ ግዜ ክጸንሕ ምዃኑ ግን ኣይተፈልጠን ክብል ሚኒስተር ጥዕና ጣልያን፡ ሮቤርቶ ስፔራንዛ፡ ገሊጹ። ካብ …

Read More »

Harmony Media News 29/03/2021

Read More »

ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ፡ ንፍርያቱ ዝኾነ ክታበት፡ ሓድሽ መለለይ ስም ገይርሉ

ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ክታበት፡ ብቫክዘቭርያ ዝብል መለለይ ስም ከምተዋህቦ፡ እቲ ኩባንያ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ክታበት፡ ሓድሽ መለለይ ስም ምርካቡ፡ ካብቲ ብስም ክታበት ኣስትራ ዘነካ ዝፍለጥ ዝነበረ ዝኾነ ዓይነት ለውጢ ከምዘይብሉ በዓል መዚ ውጽኢት መድሃኒት ሽወደን ሓቢሩ።

Read More »

ፋሽታ. . . ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኣቋሪጹ

ሎሚ ሰኑይ፡ ናይ ንግሆ፡ ኣብ ፋሽታ፡ ስቶክሆሎም፡ ዝርከቡ 3000 ዝኾኑ ህንጻታት፡ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ከም ዘቋረጸን ናይዚ ምቁራጽ ምኽንያት ድማ ብሰንኪ እቲ 10 ሽሕ ቮልት ዘመሓላልፍ ነሓስ ዝዓይነቱ ናይ ኤሌክትሪክ ስልኪ (ገመድ) ብሰረቕቲ ተቖሪጹ ተወሲዱ ክኸውን ከምዝኽእል ናይቲ ከባቢ ዜናዊት ጋዜጣ ሚት (Mitt) ሓቢራ ክብል፡ ማዕከን ዜና ተተ ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ። ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ክጅምር ትጽቢት ይግበር።

Read More »

ኣብ መትረብ ስዌዝ፡ ተሸኺላ ዝነበረት መርከብ ተላቒቓ

ካብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣትሒዛ ኣብ መትረብ ስዌዝ ተሸኺላ ዝነበረት ኣዝያ ዓባይ መርከብ ኤቨርግሪን፡ ካብቲ ተሸኺላቶ ዝነበረት፡ ዳግማይ ከተንሳፍፍ ከም እተገብረ ቢቢሲ ሓቢራ። እታ መርከብ፡ ኣፍንጫኣ ናብ ገማግም እቲ መትረብ ገጹ እናምርሐ ከም እተራእየት፡ ሎሚ ሰኑይ ብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን እተፈነዉ ስእሊታት ኣመልኪቶም ኣለዉ። እዛ መርከብ፡ ካብቲ ታኼላ ሓራ ምውጽኣ፡ ኩባንያ ኣገልግሎት ማያት ኢንችኬፕ እውን ገሊጹ ኣሎ። ነዛ መርከብ ዳግማይ ከተንሳፍፍ …

Read More »

መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣወንታዊ ኣንፈት የርኢ

መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ ካብ ሰሙን ናብ ሰሙን፡ ምንቁልቋል እንዳ ኣርኣየ ይመጽእ ምህላዉ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ይሕብሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሎሚ ሶኑይ ኣቃሊሑ። ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቁጽሪ ናይ ስራሕ ኣልቦ ሰባት፡ 442 ሽሕን 5 ሚእትን፡ ምዃኑ መዝገባት ኣርቤትስፎርሜድሊን ይሕብሩ። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ ኣብ መጀመርታ ናይቲ ሰሙን ዝነበረ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ 8.6%፡ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ሰሙን ናብ …

Read More »

Harmony Media News 26/03/2021

Read More »

ምዕጻው መትረብ ስዌዝ፡ ቁጠባዊ ስምብራት ይገድፍ

ብሰንኪ ምዕጋት መትረብ ስዌዝ፡ መዓልታዊ 9.6 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ኣቕሑ፡ ናብ ዕዳጋ ይቐርብ ዘይምህላዉ ጸብጻብ መጓዓዝያ መራኽብ ኣመልኪቱ። ኣብ ማያት መትረብ ስዌዝ፡ በብሰዓቱ ናይ 400 ሚልዮን ዶላር ንግድ ናብ ምብራቕን ምዕራብን ከም ዝሓልፍን ብማእከላይ ገምጋም፡ መዓልታዊ ናይ 5.1 ቢልዮን ዶላር ኣቕሑ፡ ከም ዝሓልፉን ይፍለጥ። ነታ መርከብ ካብ እተዓግተቶ ንምልቓቕ ጻዕርታት ይግበር እኳ እንተሃለወ፡ ምናልባት ሰሙናት ክወስድ ከም ዝኽእል ክኢላታት ይሕብሩ። …

Read More »

ኣብ ወርሒ የካቲት፡ ንግዳዊ መኽሰብ ሽወደን 7.3 ቢልዮን ክሮነ ነይሩ

ንግዳዊ መኽሰብ ሃገረ ሽወደን፡ ኣብ ወርሒ የካቲት 2021፡ ክሳብ 7.3 ቢልዮን ክሮነ ምብጽሑ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ሽወደን ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ሃገረ ሽወደን፡ ኣብ ወርሒ የካቲት ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ዋጋ 122.9 ቢልዮን ክሮነ፡ ንብረት ንሰደድ ክተብቅዕ እንከላ፡ ካብ ደገ ናብ ውሽጢ ሃገር ዘእተወቶ ንብረት ድማ ብዋጋ 115.6 ቢልዮን ክሮነ ምንባሩን ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፡ መጠን …

Read More »

Harmony Media ዜና መጽሔት 25 መጋቢት 2021

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com