Monday , May 6 2024

ስራሕን ቁጠባን

Harmony Media News 09/04/2021

Read More »

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንውጥን ዕድጊ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ኣዋዲቕዎ

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ካብ ትካል ሰሩም፡ ህንዲ፡ ክገዝኦ ወጢንዎ ዝነበረ ፍርያት ኣስትራ ዘነካ፡ ክታበት ቫይረስ ኮሮና፡ ከም ዘዋደቖ ተገሊጹ። ናይዚ ተግባር ምኽንያት፡ ጒዳይ ቀረብ ኮይኑ፡ ኣብ ክንዲ ኣስትራ ዘነካ፡ ናብ ዕዳጋ መድሃኒት ኣመሪካ ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን የቋምት ምህላዉ ተገሊጹ። ዘተኣማምን ቀረብ ክታበት ኣዝዩ የድልየና እዩ፥ ህንዲ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ናይ ሰደድ ሕጋጋት፡ ንነገራት ሓላሊኹ ኣሎ ክብል ሓላፊ ማእከል ምቊጽጻር ሕማማት ኣፍሪቃ፡ …

Read More »

Harmony Media ዜና መጽሔት 07 ሚያዝያ 2021

Read More »

ባየርን፡ ክታበት ኮቪድ-19 ዝኾነ ስፑትኒክ ቪ ክትዕድግ እያ

ምምሕዳር ባየርን (ባቫርያ)፡ ፍርያት ሩስያ ዝኾነ ክታበት ስፑትኒክ ቪ፡ ብበዓል መዚ መድሃኒት ኤውሮፓ ተቐባልነት እንተድኣ ረኹቡ፡ 2.5 ሚልዮን ብልቃጥ፡ ክትዕድግ ድልው ምህላዉ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ምምሕዳር ባየርን ምስቲ ኣብ ከተማ ኢለርቲሰ (Illertissen) ዝተዶከነ ፋብሪካ መፍረ ሩስያዊ ክታበት፡ ኣቐዲሙ ውዕል ከምዝተፈራረሙ ፕረዚደንት’ታ ምምሕዳር፡ ማርኮስ ሶዳ፡ ገሊጹ ክብል መጽሔት ደር ሽፒግል ኣቃሊሑ። ከምዝፍለጥ፡ ሰብ መዚ ሃገረ ሃንጋሪ፡ ንክታበት ስፑትኒክ …

Read More »

Harmony Media News 07/04/2021

Read More »

G20፡ ድኻታት ሃገራት ንምሕጋዝ ዝርርብ ጀሚረን

ሎሚ ረቡዕ፡ ሚኒስተራት ፋይናንስ ኣማሓዳሪ ማእከላይ ባንክን ብመንገዲ ናይ ቪድዮ ኣብ ዘካይድዎ ኣኼባ፡ ድኻታት ሃገራት ዓለማና ንምሕጋዝ፡ እቲ ቀንዲ ኣጀንዳ ናይ G20 ምዃኑ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF)፡ ትማሊ ሰሉስ፡ ንድሕሪ ለበዳ ኮሮና ዘሎ እዋን፡ ቁጠባዊ ምዕባለታት ኣመልኪቱ፡ ገምጋማቱ ከምዘቕረበ ይፍለጥ። ቁጠባዊ ዕብየት፡ ብደረጃ ዓለም ክሳብ 6% ክበጽሕ ከምዝኽእል እኳ እንተገምገመ፡ ኣብ ኩለን ሃገራት ክኸውን …

Read More »

ኢራን፡ 55 ኪሎ ግራም ዝማዕበለ ዩራንዩም ኣፍርያ

ካብ ወርሒ ጥሪ 2021 ክሳብ እዚ እዋን’ዚ፡ ኢራን፡ 55 ኪሎ ግራም ዩራንዩም ከምዘፍረየትን፡ እዚ ዝፈረየ ዩራንዩም ክሳብ 20% ዝማዕበለ ምዃኑ ሰብ መዚ ኢራን ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ብሰብ መዚ ኢራን ዝወጸ መግለጺ፡ ድሕሪ’ቲ ምስ ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝተኻየደ ዘተ ውዕል ኑክላር 2015፡ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ። ከም ዝፍለጥ፡ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኢራንን ዝግበር ዘሎ ዘተ፡ ብመንጎኝነት ኤውሮፓዊ ሕብረት ይካየድ …

Read More »

ድሕሪ መመረቕታ፡ ስራሕ ንምርካብ፡ ከቢድ ኮይኑ

መጠን ናይቶም ኣብ ዓመተ 2020 ካብ ትምህርቲ ተመሪቖም ስራሕ ክረኽቡ ዝኸኣሉ ሰባት፡ ምስቲ ኣብ ዓመተ 2019 ዝነበረ ቁጽሪ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብጣዕሚ ከምዝጎደለ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ሽወደን ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ዓመተ 2020፡ ካብቶም ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ዝወድኡ ተማሃሮ፡ 59% ጥራይ፡ ስራሕ ክረኽቡ ክኢሎም። ኣብ ዓመተ 2019፡ እቲ መጠን፡ 69% ምንባሩ ይዝከር። እቲ ኣብ መንጎ እቶም …

Read More »

ኣሜሪካውያን መንእሰያት፡ ኣብ ዝቕጽል ክልተ ሳምንታት፡ ክታበት ኮቪድ-19 ክኽተቡ እዩም

ኣብ ዕለት 1 ግንቦት 2021፡ ኩሎም ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣሜሪካውያን መንእሰያት፡ ክታበት ኮቪድ-19 ንኽኽተቡ፡ ብመንግስቲ ኣሜሪካ መደብ ተታሒዙ ከምዝነበረ ይዝከር። ይኹን እምበር፡ እቲ ዝተታሕዘ መደብ፡ ክልተ ሳምንታት ብምቕዳም፡ ኣብ ዕለት 19 ሚያዝያ 2021፡ ክዛዘም ከምዝኽእል፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ካብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ሓቢሩ። እቶም ቀዳምነታት ተዋሂብዎም ዝነበረ ከም ሽማግለታት፡ ሕሙማትን ሰራሕተኛታት ጥዕናን ዝኣመሰሉ ክፋላት ሕብረተሰብና፡ ክታበት …

Read More »

ሓድሽ ወፍሪ ድጎማ፡ ንንግዳውያን ትካላት ከተማ ማልመ

ምምሕዳር ከተማ ማልመ፡ ኣብ ጽላት ቱሪዝም ንዝነጥፋ ንግዳውያን ትካላት ዝውዕል፡ ሓድሽ ወፍሪ ድጎማ ከም ዝመደበ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ሓድሽ ወፍሪ ድጎማ፡ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝጸንሕ ኮይኑ ክሳብ 23 ሚልዮን ክሮነ ዝግምገም እዩ። ኣብ ልዕሊ’ዘን ኣብ ጽላት ቱርዚም ዝነጥፋ ንግዳውያን ትካላት ዝግበር ዘሎ ሓድሽ ወፍሪ ድጎማ፡ እዘን ትካላት፡ ኣብ ዝስዕብ ዓመታት ቀጻልነተን ንምውሓስ ተባሂሉ ዝተታሕዘ መደብ እዩ ክትብል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com