Friday , May 17 2024

ስራሕን ቁጠባን

ስእልታት ሓደጋ መኪናን ባቡርን (ትራም) ኣብ ዮቶቦሪ

ኣብ ሜዳ ሙንሸባክ፡ ዮቶቦሪ፡ ሓንቲ ኣምቡላንስ ምስ ትራም ድሕሪ ምግጫዋ፡ ሰለስተ ሰባት ንሆስፒታል ተወሲዶም። እቶም ሰለስተ ሰባት፡ ሓደ ሕሙምን ክልተ ካብ ኣባላት’ታ ኣምቡላንስ ምዃኖም ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቶም ሰለስተ ግዳያት ሓደጋ፡ ኣብ ዝተረጋገአ ኩነታት ከምዘለዉ ዋሃቢት ቃል ሆስፒታል ዩኒቨርስቲ ሳልግሪኒስካ፡ ካሪን ማርኬድ ሓቢራ። እቲ ሓደጋ፡ ሎሚ ከባቢ ሰዓት ሓደ ከምዘጋጠማን፡ ንምንቅስቓስ መካይንን ትራምን ዕንቂፉ ከምዝወዓለን ተፈሊጡ።

Read More »

ሽወደን፡ ንዜጋታታ ምስክር ወረቐት ክታበት ኮሮና ክትህብ ወሲና

መንግስቲ ሽወደን፡ ምስክር ወረቐት ክታበት ኮሮና፡ ዝውዕል ዲጂታላዊ ትሕተ ቕርጺ ንኸዳልዋ ሰልስተ ወኪላት ተልእኾ ሂቡ ኣሎ። ብኸምዚ ኣገባብ ድማ፡ እቲ ሰርቲፊኬት ዘውጽእ፡ ዝጥቀመሉ ይዂን ዘረጋግጽ ሰብ፡ ብዝቐለለ ኣገባብ ክረዳድኡ ይኽእሉ ክብል ሚኒስተር ዲጂታላዊ መስርሕ፡ ኣንዱሽ ኤግማን፡ ሓቢሩ ብምባል መርበብ ሓበሬታ SVT ኣቃሊሑ። ሰባት፡ ክትባት ከም ዝወሰዱ ንምርግጋጽ እዚ ሰርቲፊኬት ክህልዎም ይግባእ ክትብል ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ …

Read More »

ሽወደን፡ ንኹሎም ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ዜጋታት ምኽታብ ጀሚራ።

ሽወደን ኣብ ቀዳምነት ክትባት ዘለዋ መርገጺ ከም ዝቐየረት በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ሎሚ ኣፍሊጡ’ሎ። ኩሎም ልዕሊ 65 ዝዕድሚኦም ሽማግለታት ኣብዚ መስርሕ ክታበት ካልኣይ ደረጃ ክስርዑ እዮም። እቶም ዝለዓለ ክንክን ዘድልዮም፡ ተነቀፍቲ ክፋል ሕብረተሰብ ዝበሃሉ እዮም ቀዳምነት ክወሃቦም፡ ክብል ዳይረክተር በዓልመዚ ጥዕና ዮሃን ካርልሰን ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣብሪሃ። ኣብዚ ካልኣይ መድረኽ ዝያዳ ጉጅለታት ክኣትዉ ከም እተገብረን እቲ ክሊ ዕድመ ድማ …

Read More »

ክታበት ኣስትራ ዚኒካ፡ ተስፋ ዝህብ ውጽኢት የመዝግብ

ቀዳማይ ብልቃጥ (ዶዝ) ክታበት ኣስትራ ዚኒካ ድሕሪ ምውጋእ፡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝኣክል፡ ብ76%፡ ካብ መልከፍቲ ኮሮና ክከላኸል ከምዝኽእል ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ዝርከቡ ተመራመርቲ ሓቢሮም። እዚ ዝተረኽበ ውጽኢት፡ ንኣድማዕነት ናይቲ ክታበት ዘረጋግጽ እዩ ክብሉ፡ እቶም ተመራመርቲ ገሊጾም ኣለዉ። እቶም ብክታበት ኣስትራ ዚኒካ ዝተኸትቡ ሰባት፡ እቶም ዝተሓተ ዓቕሚ ምምሕልላፍ ናይ ኮቪድ-19 ዘለዎም ሰባት ከምዝኾኑ ኣሜሪካዊት ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ገሊጻ። ክታበት ኣስትራ ዚኒካ፡ ክዕቀበሉ …

Read More »

ሽጋራ ምትካኽ፡ ንመልከፍቲ ኮሮና የቃልዕ እዩ ተባሂሉ

ሽጋራ ምትካኽ፡ ንመልከፍቲ ኮሮና ናይ ምቅላዕ ዘለዎ ተራ ኣካታዒ ኮይኑ እኳ እንተጸንሐ ሓድሽ ኣብ ኣመሪካ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ ግን ሽጋራ ምትካኽ ንመልከፍቲ ኮሮና የቃልዕ እዩ ተባሂሉ። እዚ ውጽኢት፡ ነቲ ዝጸንሐ ክትዕ፡ መደምደምታ ብምግባሩ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ  ክብል ካብ ኣፕሳላ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ሳናቡእ ክሪስተር ጃንሰን ገሊጹ ክብል ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። ድሕሪ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ሽጋራ ምትካኽ ዘይኮነስ፡ ምስ ምትካኽ ሽጋር …

Read More »

ሩስያዊ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ኣድማዒ ምዃኑ፡ ሓደ ኤውሮፓዊ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ

ብስም ‘’ስፑትኒክ ቪ’’ ዝፍለጥ ሩስያዊ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ኣድማዕነቱ ክሳብ 91.6% ክበጽሕ ከምዝኽእል፡ ትማሊ ሰሉስ፡ ዚ ላንሲት ዝተባሃለ ሕክምናዊ መጽሔት፡ ነቲ ብብሕታውያን ተመራመርቲ ዝተረጋገጸ ውጽኢት ከምዘቃለሐ ተፈሊጡ። ውጽኢት ናይ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ስፑትኒክ ቪ፡ ንጹርን ብሳይነሳዊ መርተዖታት ዝተሰነየን እዩ ዝበሉ፡ ክልተ እንግሊዛውያን ክኢላታት’ቲ ዓውዲ ዝኾኑ፡ ፕሮፌሶር ኢያን ጆንዝን ፖሊ ሮይን፡ እቲ ክታበት፡ ኣብቲ ኣንጻር ኮሮና ቫይረስ ዝግበር ቃልሲ፡ ተወሳኺ ጸረ …

Read More »

Harmoy media News 01/02/2021

Read More »

ኩባንያ መንገዲ ኣየር ራያንኤየር (Ryanair)፡ ሓደ ቢልዮን ክሩና ከሲሩ

ብሕሱር ዋጋ ዘጓዓዕዝ ኣየርላንዳዊ ኩባንያ መንገዲ ኣየር ራያንኤየር፡ ኣብ መወዳእታ ናይ ዓመተ 2020፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ዘስዓቦ ቅልውላው፡ መጠን ተጠቀምቲ ገያሾ ናይቲ መንገዲ ኣየር፡ ብ78% ብምጉዳሎም፡ ኣብ ሳልሳይ ርብዒ ዓመት፡ ናይ 306 ሚልዮን ዩሮ (ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ክሩና) ክሳራ ከምዘጋጠሞ ፋይናንሳዊ ጸብጻባት’ቲ ኩባንያ ሓቢሩ። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ መጠን ተሳፈርቲ ከምዘለዎ እንተድኣ ቐጺሉ፡ ካብ 850 ክሳብ 950 ሚልዮን ዩሮ ክሳራ …

Read More »

ነበርቲ ስቶክሆሎም፡ ኣብ መስረሕ ምእላይ ውርጪ፡ ዕጉባት ከምዘይኮኑ ገሊጾም

ኣብዚ ወቕቲ ሓጋይ ጥራይ፡ 2500፡ ብዛዕባ ምእላይ ውርጪ ዝምልከት ጥርዓናት ከም ዝቐረቡን በዚ ድማ ነበርቲ ስቶክሆሎም፡ ኣብ ማርሻቤዲን ጽርግያን ዝዂመር ዘሎ ውርጪን ንዕኡ ናይ ምውጋድ ጻዕርታትን ከም ዘይዓገቡሉ ዘመልክት እዩ ክትብል ሬድዮ ሽወደን ሎሚ ሓቢራ።  መብዛሕቶም እዞም ጥርዓናት ካብ ከባቢታት ሃገስቲን  (Hägersten)፡ ኦሽታ (Årsta) ን ብሮማ (Bromma)ን ዝመጹ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ካልኦት ድማ ማርቻፔዲን መንገዲ ብሽክለታን ብግቡእ ምውጋድ ውርጪ ኣይተገብረሎምን ዝብል …

Read More »

ዓለምና ዝያዳ ሕማምት ለበዳ ከተአንግድ እያ ክብሉ 11 ሽወደናውያን ተመራመርቲ ገሊጾም።

ብምኽንያት ዓመታዊ ዝኽሪ ምኽሳት ሕማም ኮሮና ኣብ ዝተኻየደ ኣጋጣሚ፡ 11 ሽወደናውያን ተመራመርቲ፡  ዓለምና ዝያዳ ሕማምት ለበዳ ከተአንግድ እያ ምባሎም ዳገንስ ኒሂተር ንንባብ ኣብ ዘብቅዓ ዓንቀጽ ተገሊጹ። ንሳቶም ዓለምና ተኸታተልቲ ሕማማት ለበዳ ከተአንግድ ተኽእሎታት እኳ እንተሃለወ፡ ሃገራት ዓለምና፡ ብዝሓሸ ቅሩባት ኮይነን ክጸንሓ ኣዘኻኺሮም። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ እዞም ሕማማት ለበዳ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኮነ ኣብ ዝረሓቐ፡ ናይ ምኽሳት ተኽእሎታቶም ዓቢ እዩ ተባሂሉ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com