Tuesday , May 21 2024

ካብዝን ካብትን

Harmony Media News 24/01/2022

Read More »

መንግስታውያን በዓል መዚታት፡ ዘይሕጋውያን ናይ ጽሬት ኩባንያታት ይቖጽራ ኣለዋ ተባሂሉ

ልዕሊ 10 ዝኾኑ መንግስታውያን በዓል መዚታት፡ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት፡ ነቲ ኤሊየንስ ኣክት (Alien’s Act) ተባሂሉ ዝፍለጥ መስርሕ ዝጥሕሳ ናይ ጽሬት ኩባንያታት ቆጺረን ስራሓተን ከም ዘሰላስላ፡ SVT ኣቃሊሑ ክብል፡ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ሓደ ካብዚኦም፡ ሃገራዊ ቦርድ ንብረት (National Property Board፡  SFV) ተባሂሉ ዝፍለጥ ትካል ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ሽወደን ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ቆጺሮም ከምዘስርሑ ዝፍለጡ ክልተ ኩባንያታት …

Read More »

ሓንቲ ጋዜጠኛ፡ ንኡርዶጋን ‘ብምጽራፋ’ ተኣሲራ

ሓንቲ ቱርካዊት ጋዜጠኛ፡ ንፕረዚደንት ሬሴፕ ጠይብ ኡርዶጋን፡ ኣብ ናይ ቴለቪዥን መደብ ‘ጸሪፍክዮ’ ብዝብል ክሲ ከምዝተኣሰረት ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። “ዘውዲ ዝደፍአ ርእሲ ጥበበኛ ይኸውን ዝብል ብሂል ኣሎ፡ ይኹን እምበር እዚ ሓቂ ኮይኑ ኣይረኸብናዮን” ክትብል ሴዴፍ ካባስ ዝተባህለት ውርይቲ ናይ ቴለቪዥን ጋዜጠኛ ንቴለ 1 ሓቢራ። ብዕራይ ናብ ቤተ-መንግስቲ ስለዝኣተወ ንጉስ ኣይከውንን’ዩ፡ እቲ ቤተ-መንግስቲ ደኣ ናብ ዛሬባ ይቕየር እምበር። ከም …

Read More »

Harmony Media መደብ 50 ደቒቕ፡ DEL-2 Ingormativ Inervju med Nasser Nuru från folkhälsomyndigheten.

Read More »

ኤውሮጳ . . . ናይ ተቛውሞ ሰልፍታት ተኻይዶም

ፖሊስ ናይ ቤልጅዩም ናይ ማይ መዳፍዕ (water canons) ብምጥቃም ነቲ ኣብታ ርእሰ ከተማ ብራሰልስ፡ ኣንጻር ክታበት ኮቪድ፡ ዘጋጠመ ሓያል ተቓውሞ ክብትኖ ከምዝፈተነ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣስታት 50,000 ዝኾኑ ሰባት ነቲ ብሰንኪ ኮቪድ ቫይረስ ኣጋጢሙ ዘሎ እገዳታት ንምቅዋም ከምዝወጹ ተፈሊጡ። እቲ ተቓውሞ ካብ ፈረንሳን ጀርመንን ሓዊሱ ካብ ብዙሓት ሃገራት ተሳተፍቲ ከምዘተኣናገደ ተፈሊጡ’ሎ። እቶም ሰልፈኛታት “ናጽነት” ዝብል ጭርሖ እንዳስምዑ …

Read More »

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ልዕሊ ፖላንድ፡ ናይ 70 ሚልዮን ዩሮ መቕጻዕቲ በይኑ

ኮሚሽን ኤውሮጳ፡ ናይ ኣስታት 70 ሚልዮን ዩሮ (ልዕሊ 725 ሚልዮን ክሮኖር ዝግመት) ዝኸውን መቕጻዕቲ ከምዝበየነ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ምኽንያት ድማ፡ መንግስቲ ፖላንድ፡ ነቲ ብሕብረት ኤውሮጳ ‘ ንናይ ቤር ፍርዲ ናጽነት የዳኽም እዩ’ ዝበሎ Disciplinary Board of the Supreme Court ምፍራስ ስለዝኣበየት ከምዝኾነ እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ። ካብ ኮሚሽን ኤወሮጳ ተጸሒፉ ብሮቡዕ ዝተላእኸ ደብዳቤ ከምዝሕብሮ፡ ፖላንድ ነቲ …

Read More »

ብሰንኪ ሕማም ኣንደርሶን፡ እቲ ክትዕ፡ ንኻልእ እዋን ተሰጋጊሩ

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሸወደን፡ ማግዳሊን ኣንደርሶን፡ ክሳብ ሕጂ ምልክታት ሕማም ኮቪድ ተርእይ ከምዘላ ተፈሊጡ። እዚ ብምዃኑ ድማ እዩ፡ እቲ ኣብ TV4 ንሎሚ ሰኑይ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ መደብ ናይ መራሕቲ ሰልፊታት ክትዕ ተሰሪዙ ናብ ካልእ እዋን ከምዝሰጋገር ዝኾነ ክትብል ወሃቢት ቃል መንግስቲ ሽወደን፡ ዳሪና ኣቓ፡ ዝገለጸት ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። TV4፡ እቲ ናይዚ ዓመት ናይ መጀመርታ ናይ መራሕቲ ክትዕ ኣብ ተሌቪዥን ከመሓላልፍ …

Read More »

ሃብታማት ሰባት፡ ከም ስሱዓት እዮም ዝቑጸሩ ተባሂሉ

ሃብታማት ዝኾኑ ሰባት፡ ካብቶም ድኻታት ዝሰዑ ስለዝኾኑ ድዮም ኣብ ናብርኦም ዝሃብተሙ ኾይኖም? እዚ ክለሰ-ሓሳባዊ ሕቶ ንልዕሊ 60 ዝኾና ሃገራት ብመጽናዕቲ ተደጊፉ ክቐርብ ተገይሩ – እቲ መልሲ ድማ ብዓብላሊ ድምጺ ‘እወ’ ዝብል ኮይኑ ተረኺቡ። ካብቶም 26,000 ዝኾኑ ኣብዚ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት፡ እቶም 52% ምስ’ዚ መልሲ ከምዝሳማማዑ ኣፍሊጦም። እቲ ዝሓየለ መርኣያ ናይዚ ክለሰ-ሓሳብ ዝተራእየሉ ቦታታት ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ፣ ደቡብ ኤውሮጳ፣ ኣፍሪቃን ገለ …

Read More »

ቤዞስ፡ ብሰንኪ ዋጋ ብርኪታት ምውዳቁ፡ 18.4 ቢሊዮን ዶላር ይኸስር

እቲ ነቲ ብመስርሕ ኢ-ኮመርስ (e-commerce) ሰርሑ ዝሰርሕ ገዚፍ ዝኾነ ኣማዞን ዝባሃል ትካል ብምምስራት፡ ውሩይ ዝኾነ በዓል ብዙሕ ሃብቲ፡ ጀፍ ቤዞስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሰንኪ ዝወደቐ ዋጋ ብርኪ ናይቲ ትካል፡ 20 ቢሊዮን ዶላር ከምዝኸሰረ ተፈሊጡ። ይኩን እምበር ካብቶም ኣብ ዓለምና ዘለዉ ሃብታማት ንሱ ጥራሕ ንበይኑ ኣይነበረን በቲ ዘጋጠመ ፍጻመ ዝተሃስየ። ኢሎን ማስክ፡ እቲ ናይ ዓለም ዝሃብተመ ወልቀ-ሰብ፡ 25.1 ቢልዮን ዶላር ከምዝኸሰረ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ …

Read More »

ተጻዋርነት ኣንጻር ጸረ-ነፍሳት፡ ሚልዮናት ሰባት ይቐትል

ብመሰረት ሓደ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዓመተ 2019፡ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት፡ ብሰንኪ `ቲ ንብዙሓት ሕማማት ንክከላኸለሎም ኢሎም ዝወስድዎ መድሃኒት ጸረ-ነፍሳት ንብዙሓት ሕማማት ክቃወም ብዘይ ምኽኣሉ ሂወቶም ስኢኖም፡፡ መስራትን ፕሮፈሶርን ናይ ኣህጉራዊ ውድብ ተጻዋርነት ኣንጻር ጸረ-ነፍሳት ዝኾነ፡ ኦቶ ካርስ፡ ቁጽሪ ናይ`ቲ ድምጺ ኣልቦ ለበዳ ኢሉ ዝጸወዖ ተጻዋርነት ኣንጻር ጸረ-ነፍሳት፡ ብዘሰንብድ ኩነታት ይውስኽ ምህላዉ ንረድዮ ስዊድን ገሊጹ፡፡ ብመሰረት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com