Tuesday , May 21 2024

ካብዝን ካብትን

እወ፡ ማሕበራዊ  ድሕነት፡ ሕጽረት ናይ መሰረታዊ ፍልጠት፡ ከምዘለዎ ተቓሊሑ

ሓንቲ ጓል 13 ዓመት ዝኾነት ምስ ሓደ ስድራ ትቕመጥ ዝነበረት ቆልዓ፡ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ምስ ዝተፋለጠቶ ሓደ ወዲ፡ ጾታዊ ርክብ ከም ዝገበረት ተፈሊጡ። ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ተሓላቒ ናይ ሕጊ (Ombudsman for Justice-JO) ተባሂሉ ዝፍለጥ ትካል፡ ነቲ ኣብ ሶደርቴልየ ዝርከብ ቦርድ ማሕበራዊ ድሕነት (Social Welfare Board) ካልእ ይትረፍ ነቲ ኣብ ዓመተ 2020 ዝተኸሰተ ፍጻመ ኣመልኪቱ ናብ ፖሊስ ጥርዓን ብዘይምቕራቡ ነቒፍዎ ከምዘሎ፡ SVT …

Read More »

ሚኒስተር ብሪጣንያ: ኲናት ኢትዮጵያ ክውዳእ ሓቲታ

ኣብ ብሪጣንያ ሚኒስተር ጒዳያት ኣፍሪቃ: ቪኪ ፎርድ: ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ተራኺባ: እታ ሃገር ተካይዶ ዘላ ኲናት: ደው ክብል ጻውዒት ምቕራባ ተገሊጹ። ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ እትገብሮ ዝነበረት ምብጻሕ ምኽንያት ጌራ ኣብ ኢትዮጵያ ዝበጽሐት እታ ሚኒስተር: እቶም ኣብ ኲናት ኣትዮም ዘለዉ ወገናት: ኣብቲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝመርሖ ናይ ሰላም ተበግሶ ክጽንበሩ ድሕሪ ምሕታት: ንመስርሕ ሰላም ዘለዋ ደገፍ ገሊጻ’ላ። ንሳ: ብኲናት ንዝተሃስዩ …

Read More »

ሰልፊ ክሪስ ዲሞክራትና፡ ዋጋ ናይ ናፍታ ከውርዶ ድሌት ከምዘለዎ ኣፍሊጡ

ሰልፊ ክሪስ ዲሞክራተና፡ ነቲ መስርሕ ምትሕውዋስ ናይ ባዮፉውል ምስ ናፍታ ዝምልከት ረቛሒታት ክንክዮ ድሌት ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ሰልፊ ዋጋ ናይ ናፍታ ‘ኣዝዩ ከቢሩ ኣሎ’ ዝብል እምነት ኣለዎ። “ፈጺምና ክንጻወሮ ኣብ ዘይንኽእል ኩነታት በጺሕና ኣለና። ብዙሓት ሰባት በቲ ኣብ እንዳ መዐድሊ ነዳዲ ኣጋጢሙ ዘሎ ልዑል ወሰኽ ዋጋ ናይ ነዳዲ ተሃስዮም ኣለው” ክትብል ኤባ ቦሽ፡ መራሒት …

Read More »

እታ ብዙሕ ዘይትፍለጥ ዝነበረት ጓል ሙሶሊኒ፡ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልያ

ጓሉ ንፋሺስት ውልቀ-መላኺ ዓዲ ጣልያን ነበር፡ ቤኒቶ ሙሶሊኒ፡ ኣብ መበል 99 ዓመታ ከም ዝሞተት ተፈሊጡ። ኢለና ኩርቲ፡ ኣብቲ ዝዓበየትሉ ገዛ ኣኳፔንደንተ ተባሂላ ኣብ እትጽዋዕ ከተማ እያ ህይወታ ብሰላም ዓሪፋ። ኩርቲ፡ ኣብ ዓመተ 1922 እያ ካብ ውሽማ ሙሶሊኒ ዝነበረት፡ ኣንጀላ ኩቺያቲዮ፡ ዝተወለደት። እታ ጓሉ ነቦኣ ንመጀመርታ ግዜ ዝረኸበቶ ኣብ ሮማ ኣብ ዓመተ 1941 ምንባሩ መዛግብቲ ይሕብሩ። ካሊእ ጣልያናዊ በዓል መዚ ቅድም …

Read More »

ጓል 19 ዓመት ኣብራሪት ነፋሪት፡ ክብረ ወሰን ትሕዝ

ቤልጅማዊት እንግሊዛዊት ጓል 19 ዓመት ዝኾነት፡ ዛራ ሩዘርፎርድ፡ ብውልቃ፡ ንዓለም ብነፋሪት ብምዛር  እታ ዝነኣሸት ጓል ኣንስተይቲ ኣብራሪት ብምዃን ሓድሽ ክብረ ወሰን ከም ዘመዝገበት ተፈሊጡ። በረራ ጀሚራ፡ ድሕሪ 155 መዓልታት፡ ነታ ኣዝያ ፎኳስ ዝኾነት ነፋሪታ ኣብ ምዕራብ ቤልጅየም ከምዘዕረፈታ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ በረራ፡ 3 ኣዋርሕ ክወስድ እኳ ተተሊሙሉ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ሕማቕ ኩነታት ኣየርን ቪዛ ንምርካብ ብዝተፈጥረ ሕልኽላኻትን …

Read More »

ዋጋታት ናይ ናፍታ፡ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ይዓርግ

ኣብ እንዳ መዐደሊ ነዳዲ፡ ኣለው ዝተባህሉ ነጋዶ፡ ዝርዝር ዋጋታት ናይቲ ዝሸጡዎ ቤንዚንን ናፍታን ይውስኹ ምህላዎም ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ዋጋ ናይ ናፍታ ብ20 ሳንቲም ብምውሳኽ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ታሪኽ ተሰሚዑ ብዘይፈልጥ መልክዕ ናብ 21.27 ክሮኖር ልዕል ክብል ከምዝኾነ ተሓቢሩ። ኣብ መዐደሊ ነዳዲታት Cirkle K ን Preem ንዋጋ ናይ 95- octane ቤንዚን ብ20 ሳንቲም ወሲኹ ናብ 18.49 ንሊትሮ ክብ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብኣማኑኤል ሳህለ …. እከይ ከም ልምዲ (When Evil Becomes The Norm) … 1ይ ክፋል

ኣብ ናይዛ ዓለም ነዊሕ ጻንሒት፡ እኩይነት ወይ እከይ፡ ኣገዳሲ ተራ ተጻዊቱ ኢዩ። ምስ ስልጣነን እተሓላለኸ ማሕበራዊ ንጥፈታት እናማዕበለ ከይዱ (spiraling upward)፡ ኣብ መጠረስታ ድማ ናብ ልምዲ ተለዊጡ። መልሓስ ተበራቢሩ፡ ሕልና ግን ሞይቱ። ሕልና ዘይብሉ ህዝቢ ድማ ካብ ኣራዊት ምንም ፍልልይ ኪህሉዎ ኣይክእልን። ሃና ኣረንት እተባህለት ብዛዕባ እቲ ብግዜ ሂትለር ሓላፊ ዝነበረ ህቡብ ጨካን ናዚስታዊ ኣይኽማን ዚምልከት መጽሓፍ ዝጸሓፈት ኣይሁዳዊት ደራሲት፡ …

Read More »

Harmony Media News 21/01/2022

Read More »

መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ኣጽዋርና ናብ ዩክሬይን ክንሰድድ ንኽእል ኢና ክብል የተሓሳስብ

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዘመናዊ ዝኾኑ ኣጽዋር፡ ናብ ዩክሬይን ንኽስደድ ንሃገራት ባልቲክ ፍቓድ ከምዝሃበተን ተገሊጹ። እዚ ዝተገልጸ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ናብ ሃገረ ጀርመን ኣብ ዝገበሮ መገሻ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ብዝነበሩ ሰብ መዚ ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ናይ ሃገረ ኣሜሪካ ላዕለዋይ ዲፕሎማት፡ ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ትገብሮ ዘላ ምፍርራሓት ንኸህድእ ብዝብል ዕላማ፡ ንሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ምብጻሕ …

Read More »

ሰልፊ ሞደራትና፡ ሕጋዊ ወረቐት ናይ ዘይብሎም ስደተኛታት ዝምልከት ሓበሬታ፡ ክባጻሕ ኣለዎ ይብል

ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ሕጋዊ ወረቐት ዘይብሎም ስደተኛታት ብዝምልከት፡ ናታቶም ሓበሬታ፡ ናብ ኩለን መንግስታውያን በዓል መዚ ንኽባጻሕ ምእንቲ፡ እቶም ነዚ ዝቕይዱ ናይ ብሕታውነት ሕግታት ክልወጡ ድሌት ከምዘለዎ ሰልፊ ሞደራትና ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ዕላማ ናይዚ ለውጢ፡ ኣብ ሃገረ ሽወደን ዝነብሩ ኩሎም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብዛዕባ ሃለዋቶም ዘድልይ ሓበሬታ ናብ ኩለን ኣብያተ መዚ መንግስቲ ንክባጻሕ ዝብል ከም ዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ። እቲ ኣብዚ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com