Wednesday , May 15 2024

ካብዝን ካብትን

ምብራቕ ቲሞር … ሓደ ቀሺ: ህጻን ብምድፋር ተኸሲሱ

ኣብ ምብራቕ ቲሞር ሪቻርድ ዳሽባኽ ዝተባህለ ኣመሪካዊ ቀሺ ኣብ ትሕቲ ሓላፍነቱ ዝነበራ ዘኻትም ህጻናት ጾታዊ ዓመጽ ብምፍጻሙ ን 12 ዓመታት ማእሰርቲ ከም እተፈርደ ኣልጀዚራ ሓቢራ። ዝበዝሐ ካብ ህዝባ ተኸታሊ እምነት ካቶሊክ ዝኾነ ምብራቕ ቲሞር ን 84 ዓመት ዝዕድሜኡ ቀሺ ብ ምኽንያት ጾታዊ ምድፋር ክትከስስን ናብ ቤት ፍርዲ ክትወስድን እዚ ንፈለማ ግዜኣ ምዃኑ ተገሊጹ። ኣብ 1990ታት ን ዘኽታማት ዝኸውን መዕቆቢ ዝሃነጸ …

Read More »

ሃይቲ … ተጨውዮም ዝጸንሑ ሚስዮናውያን ኣምሊጦም

ኣብ ሃገረ ሃይቲ ተጨውዮም ኣብ ማሕዩር ዝጸንሑ ዓሰርተ-ኽልተ ሚስዮናውያን ምምላጦም ኣብ ኣመሪካ ዝመደብራ ሓንቲ ቤተክርስትያን ኣፍሊጣ። እዞም ሚስዮናውያን ብለይቲ ኣንፈት ከዋኽብቲ እናሰዓቡ በረኻን ጣሻን እናጣሕሰሱ ከም ዝሃደሙ ኣፈኛ እታ ቤተክርስትያን ን ጋዜጠኛታት ሓቢሩ’ሎ። እዞም Christian Aid Missionaries ተባሂሎም ዝፍለጡ ጒጅለ ካብ ወርሓ ጥቅምቲ ኣትሒዞም ኣብ ትሕቲ ማሕዩር ጨወይቶም እዮም ጸኒሖም። ጨዋዪኦም ኣብ ፈለማ ንነፍሲ ወከፎም ናይ ሓደ ሚልዮን ዶላር በጃ …

Read More »

ፓኪስታን: ኣብ ባንክ ብዘጋጠመ ምፍንጃር: 14 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ደቡባዊ ፓኪስታን ኣብ እትርከብ ከተማ ካራቺ: ኣብ ሓደ ባንክ ብዘጋጠመ ምፍንጃር: ብውሕዱ 14 ሰባት ከም ዝሞቱ ፖሊስ እታ ሃገር ገሊጾም። ብሰንኪ ካብ ፈሳሲ ጒሓፍ ዝለሓዀ ጋዝ ዘጋጠመ እዚ ምፍንጃር: ብርክት ዝበሉ ካልኦት መቚሰልቲ ኣጋጢምዎ ኣሎ። ብሰንኪ እቲ ምፍንጃር ዘስዓቦ ምፍራስ ህንጻ ብዙሓት ሰባት ብፍርስራስ ተጸቒጦም ምንባሮም መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም ኣለዉ። ኣብ ከባቢ ሓቢብ ባንክ ዝነበሩ መሳዂቲን መዓጹን ከምኡን ተሽከርከርቲ …

Read More »

ሱዳን: ንዕልዋ መንግስቲ ዝቃወም: ህዝባዊ ሰልፊ ተኻዪዱ

ሱዳናውያን: ንወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ብምቅዋም: ኣብ ጎደናታት ከተማ ካርቱም ሰልፊ ኣካዪዶም። ፖሊስ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ እዞም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቚጸሩ ሰልፈኛታት ዘንብዕ ጋዝ ምትኳሶም እውን ተሓቢሩ። ኣቐዲሙ ኣብ 2019 ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ: ነታ ሃገር ንንውሕ ዝበለ ግዜ ንዝመርሐ ፕረሲደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ምእላዩ ዝፍለጥ እዩ። ድሕሪኡ ሲቪላዊን ወተሃደራዊን መራሕቲ ስልጣን ናይ ምክፍፋል ኪዳን እኳ እንተኣተዉ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ …

Read More »

ቺሊ …. መራሒ ጸጋማይ ሰልፊ: ገብርኤል ቦሪስ: ተዓዊቱ

ኣብ ቺለ ኣብ ዝተኻተደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ: ጸጋማዊ ሕጹይ ተወዳዳሪ: ገብርኤል ቦሪስ ተዓዊቱ’ሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ: ሕሉፍ የማናዊ ሕጹይ: ኣንቶንዮ ካስት: ካብቲ ውድድር ድሕሪ ምንስሓቡ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ናይ ምርጫ ነቚጣታት ተዓጽዮም ፍርቂ ስራሕ ምቚጻር ካርድ ድሕሪ ምውዳኦም ሓደ ሰዓት ጸኒሑ እዩ ካስት ስዕረቱ ክቕበል ተራእዩ። ዝበዝሐ ካርድ ኣብ ዝተቖጽረሉ ድማ 56% ድምጺ ብ ቦሪስ ከም እተዓወተ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርታት …

Read More »

ሽወደናዊ ማሕበራዊ ሞዴል … 7ይ ክፋል … ንህዝቢ ፍቑድ ናይ ምዃን ተኽእሎ

መትከላት ‘ንህዝቢ ፍቑድ ናይ ምዃን ተኽእሎ’ ማለት ብዝተኻእለ መጠን፡ ንጥፈታት ናይ መንግስታዊ ትካላት፣ ናይ ባይቶን ናይ ዞባ ወሰንቲ ኣካላት ናይ መንግስቲን ንህዝቢ ክፉት ክኸውን ምፍቃድ ማለት እዩ። ኣብዞም ንጥፈታት እዚኦም ድማ ግልጽነት ንምስፋን፡ ህዝቢ ነቶም ክፍትሾም ዝደልዮም መንግስታዊ ሰነዳት ክረኽቦም ተኽእሎን ፍቓድን ዝህብ መሰል ኣብቲ ‘ናጽነት ናይ መራኸቢ ብዙሓን (Freedom of the Press Act)’ ኣብ ዝብል መስርሕ ካብቶም መሰረታዊያን ሕግታት …

Read More »

ምያንማር: ጃምላዊ መቕተልቲ ከም እተፈጸመ ተቓሊዑ

ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይዚ ዓመት: ሰራዊት ምያንማር: ኣብታ ሃገር: ጃምላዊ መቕተልቲ ሲቪላውያን ብምክያድ ብውሕዱ 40 ሰባት ከም ዝረሸነ ቢቢሲ ዘካየዶ መርመራ ኣቃሊዑ። ሰራዊት እታ ሃገር: ዓዲታት ብምኽባብ ንሰብኡት ጥራይ ፈልዮም ከም ዝቐተሉ ብህይወቶም ዝወጹን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ገሊጾም። እዞም ዝተቐትሉ ፈለማ ዘስካሕክሕ ምስቓይ ከም እተኻየደሎምን ድሕሪ ምርሻን ድማ ከም ዝቐበርዎምን ክፍለጥ ተኻኢሉ። እዚ መርሸንቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ: ኣብታ ምንጪ ተቓወምቲ …

Read More »

ሓደ ዝቐንአ ሰብ ናይ ተጻራሪኡ ኣስናን ስሒቡ የውጽእ

ኣብ ኢንሾፒን ዝነብር ኣብ ክሊ ዕድመ 20ታት ዝርከብ ሰብ ኣብ ወርሒ መስከረም ሓደ ለይቲ፡ ካብ ድቃሱ ኣብ ዝተባራበረሉ ግዜ ሓደ ሰብ ኣብ ቆጸርኡ ኣትዩ ብስሪንጋ ኣብ መቐመጭኡ ከም ዝወገኦ ተፈሊጡ፡፡ እቲ በቲ ገበነኛ ንማህረምቲ ዝተፈርደ ሰብ ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ከም ዝተገርፈን ከም ዝተሳቐየን ብማርቴሎ ከምዝተቐጥቀጠን ብናይ ንፋስ ሽጉጥ ኣብ ርእሱ ከም ዝተተኮሰሉን ከምኡ `ውን ሰለስተ ኣስናኑ ብጉጥየት ተሳሒቡ ከም ዝወጸን …

Read More »

ኣብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ዝተገብረ ኣድማ: እሱራት: ዝያዳ ከባብ ረኺቦም

ኣብ መወዳእታ ናይ ወርሒ ሕዳር ኣብ ቤት፡ ማእሰርቲ ቲድሆልም እሱራት በቲ ዝወሃቦም ዝነበረ ትሕዝቶ መግብን ዝተገብረ ምቕያር ናይ ዱኳን ቀረባትን ብዘይ ምዕጋቦም ዝሰዓበ ኣድማ ከም ዝተወለዐ ተሓቢሩ፡፡ ኣብዚ ግዜዚ፡ እቲ ቤት ማእሰርቲ: በቶም እሱራት ዝቐረበሉ ሕቶታትን ጠለባትን ድሕሪ ምስምምዑ: እቲ ኣድማ ከምዘብቅዐ ጋዜጣ ዳገንስ ኒሀተር ጽሒፉ፡፡ ምስ እሱራት ብምዝርራብ ኣብቲ ዝነበረ ትሕዝቶ ሞቕነን: ዝተወሰነ ምተዕርራያት ጌርና ኣለና: ማለት: ገሊኡ ብዙሓት …

Read More »

ኦስትሪያ: ብደገፍ ንዝግበር ርእሰ ቕትለት ኣፍልጦ ሂባ

ባይቶ ኦስትሪያ፡ ብሓገዝ ንዝግበር ርእሰ ቕትለት ብዝምልከት ንሕጋዊነቱ ኣፍልጦ ሂባ። እዚ ዕላዊ ዝተገብረ፡ ብወርሒ ታሕሳስ እቲ ናይ ዞባ ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ተግባር ዝነበረ ብሓገዝ ዝግበር ርእሰ ቕትለት ብዝምልከት ተደንጊጉ ዝነበረ እገዳ፡ ምስቲ መሰረታዊ መሰላት ደቂ ሰብ ዝጻባእ እዩ ክብል ድሕሪ ምእዋጁ እዩ። ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ሕጊ እገዳ ምጥሓስ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ክበጽሕ ዝኽእል ማእሰርቲ የስዕብ ምንባሩ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com