Thursday , May 16 2024

ካብዝን ካብትን

መድሓኒት ናይ ፕሮስቴት መንሽሮ: ካብ ኮቪድ-19 ኣየድሕንን ተባሂሉ

ሽወደናውያን ተመራመርቲ: ናይ ፕሮስቴት መንሽሮ መድሓኒት ተጠቂሞም ንሕሙማት ናይ ኮቪድ-19 ክሕክሙ ተስፋ ዝነበሮም እኳ እንተኾነ፡ ሕጂ ክርአ ከሎ ግና ከምዘይሰርሕ ጋህዲ ኮይኑ ኣሎ።  እቲ ዝነበረ ትጽቢት፡ እቲ ሕክምና መጠን ናይቲ ኣብ ሳምቡእ ዝበጽሕ ቫይረስ ክቕንስ ይኽእል እዩ ዝብል ‘ዩ ነይሩ። ይኹን እምበር ድሕሪ እቲ ኣብ ኡምዮን ዮቶበሪን ዩኒቨርስቲታት ዝተገብረ ተወሳኺ መጽናዕቲ፡ እቶም ኣቐድም ኣቢሎም ተራእዮም ዝነበሩ ኣዎንታዊ ውጽኢታት ክረጋገጹ ከምዘይከኣሉ …

Read More »

ባህጊ! . . . ሓቐኛ ዛንታ . . . ብጸጋብርሃን ጎይትኦም . . . ካልኣይን ናይ መወዳእታ ክፋል

“እንድዒ ጓለይ እዚ ቅልጥፍ ኢልካ ትገብሮ ነገራት፡ መወዳእታኡ ሳዕቤን ኣለዎ። ንስኺ ድማ ክትጥቀቒ ኣለኪ” ዕትብ ኢላ ተዛረበታ። “በሊ ከይትቕየምኒ እምበር፡ ኣነ’ስ መታን ክኣምንኒ ውዒለዮ’የ። ደጋጊሙ ምስ ለመነኒ ከይከስሮ ብምባል ውዒለዮ፡” እቲ ሓቂ ተናስሓትላ። “ክኸውን ኣይነበሮን ሄለን! ግና ዝፈሰሰ ስለዘይሕፈስ፡ ኣብ ፍታሕ ጥራይ ነድህብ ሕጂ። ቀልጢፍኪ ወድኣለይ በልዮ። ንሱ’ዩ እቲ ዝሓሸ እምበር፡ ኣብ ዘይጭበጥ ሕልሚ ተህተፍትፊ ከይትህልዊ’ዩ ፍርሐይ። ባህጊ ወጻኢ ክትፍጽሚ …

Read More »

ቱርኪ . . . ብሰንኪ ኣብ ገዛ ዝተሰርሐ ኣልኮላዊ መስተ፡ 22 ሰባት ሞይቶም

ኣብታ ዝዓበየት ከተማ ቱርኪ ዝኾነት ኢስታምቡል፡ ኣብ ገዛ ዝተሰርሐ ኣልኮላዊ መስተ ድሕሪ ምስታዮም፡ ብውሑዱ 22 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 16 ሰባት ድማ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዘለዉ ኮይኖም ኣብ ሆስፒታል እታ ከተማ ተዓቑቦም ከምዘርከቡ ከንቲባ ከተማ ኢስታንቡል ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። 11 ካብቶም ዝሞቱ ሰባት፡ ዜጋታት ናይ ወጻኢ ሃገር ምዃኖም፡ እቲ ከንቲባ ወሲኹ ሓቢሩ። ሰብ መዚ ቱርኪ፡ ኣብ ልዕሊ …

Read More »

ኣውስትራልያ . . . ሓሙሽተ ቖልዑ፡ ብሰንኪ ህቦብላ ሞይቶም

ኣብ ኣውስትራልያ ብሰንኪ ሓደጋ ህቦብላ ንፋስ፡ ኣብ ናይ ፕላስቲክ መጻወቲ ቤት፡ ካብ ዝዘናግዑ ዝነበሩ ህጻናት፡ ሓሙሽተ በቲ ሓደጋ ምሟቶም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ፡ ስኮት ሞሪሰን፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ማዕበል ንፋስ፡ ነቲ ናይ ፕላስቲክ ቤት፡ ካብ መሬት ቀንጢጡ ናብ 10 ሜትሮ ብራኸ ድሕሪ ምንስፋፉ፡ እቶም ኣብኡ ዝጻወቱ ዝነበሩ ቆልዑ፡ ካብቲ ብራኸ ናብ መሬት ከምዝወደቑ ተፈሊጡ። በዚ ድማ ሓሙሽተ …

Read More »

ጃፓን . . . ብሰንኪ ሓደጋ ባርዕ፡ 27 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ኦሳካ፡ ጃፓን፡ ብሰንኪ ኣብ ሓደ ህንጻ ዝተኸስተ ባርዕ፡ 27 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ሓደጋ ባርዕ፡ ኮነ ተባሂሉ ብሰብ ዝተሳወረ ድዩ ወይስ ካልእ ንምጽራይ፡ ፖሊስ ኣብ መርመራ ምህላዎም NHK ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ነቲ ኣብ ራብዓይ ደርቢ እተኸስተ ባርዕ ድሕሪ ምጥፍኦም በቲ ባርዕ ዝጠቀረ መሳዂቲን መናድቕን እቲ ህንጻ ዘርኢ ደረቕን ተንቀሳቓሲን ስእሊታት …

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብኣማኑኤል ሳህለ …. ዘይትጽበዮ መልሲ (How’s That Again? )

ሳሚ፥ — (ወዲ ሰለስተ ዓመት፡ ናይ ኣቦኡን ኣዲኡን ናይ መርዓ ስእሊ ይርኢ) ወላዲ፥ — (ንዋዛ) ሳሚ ወደይ፡ ምስ ዓበኻ ክትምርዖ ዲኻ? ሳሚ፥ — እወ ወላዲ፥ — ንመን ኢኻ እትምርዖ? ሳሚ፥– ንኣዴኻ ወላዲ፥ — ዋእ! ….. ስለምንታይ? ሳሚ፥– እንታይ ደኣ ንስኻ ንኣደይ ትምርዓዋ!! (ተመሃሮ 1ይ ክፍሊ ሀ) መምህር፥ — እሺ፡ እምበኣር ሕጂ ምድማር ክንምሃር ኢና…….፡ ዳኒኤል፡ እዛ ሕቶ ንኣኻ ኢያ። ዳኒኤል፥ …

Read More »

Harmony Media News 17/12/2021

Read More »

መንነት ናይቶም ኣብ ሓደጋ መትረብ እንግሊዝ ዝሞቱ ስደተኛታት፡ ተፈሊጡ

መንነት ናይቶም ብዕለት 24 ሕዳር ዘጋጠመ ሓደጋ መትረብ እንግሊዝ ዝሞቱ 27 ስደተኛታት፡ ከምዝተፈልጠ፡ ኣብ ፓሪስ ዝርከብ ኣኽባሪ ሕጊ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። መብዛሕትኦም ካብቶም ዝሞቱ ስደተኛታት፡ ኩርዳውያን ዒራቓውያን ኮይኖም፡ 4 ኣፍጋኒስታናውያን፡ 3 ኢትዮጵያውያን፡ 1 ሶማላዊ፡ 1 ቬርናማዊ፡ 1 ግብጻውን 1 ኩርዳዊ ኢራናዊ ምንባሮም ተፈሊጡ ኣሎ። እቶም ግዳያት፡ 7 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም ደቂ ተባዕትዮ እዮም ነይሮም። ሓደ ሱዳናውን ሓደ …

Read More »

ፈረንሳ፡ ካብን ናብን ዓባይ ብሪጣንያ ዝግበር ጉዕዞታት ኣቋሪጻ

ናይ ኦሚክሮናዊ ጅር ቫይረስ ምስፍሕፋሕ ንምቕናስ ብዝብል፡ መንግስቲ ፈረንሳ ካብን ናብን ዓባይ ብሪጣንያ ንዝግበሩ ኩሎም ዓይነታት ዘየድልዩ ወይ ድማ ኣገደስቲ ዘይኮኑ ጉዕዞታት ንግዚኡ ከምዘቋረጸት ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቶም እገዳታት ድማ ካብ ቀዳም ፍርቂ ለይቲ ጀሚሮም ተግባራዊ ክኾኑ እዮም ተባሂሉ። ንቱሪዝምን ንስራሕ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ከም ኣገደስቲ ጉዕዞታት ኣይቁጸሩን እዮም። ይኹን እምበር ናይ ፈረንሳን ሕብረት ኣውሮጳን ዝኾኑ ዜጋታት ካብ …

Read More »

ማሕበራዊ ሞዴል ሃገረ ሽወደን . . . 6ይ ክፋል . . . ስልጣንን ጽልውኡን

ድሕሪ መፋርቕ 1960’ታት፡ ተሳትፎ መጠን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ናይ ሽወደን ናይ ስራሕ ዕዳጋ ብቕልጡፍ እንዳወሰኸ ዝመጸ ኾይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ደቂ ተባዕትዮ ማዕረ ብዝኾነ መጠን፡ ኣብ ስራሕ ዓለም ተዋፊረን ይርከባ።  ኮይኑ ግና ኣብ ዝተፋላለዩ ንጥፈታት ኣብ ሞንጎ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዘሎ ሚዛን ናይ ስልጣንን ጽልዋታትን ክሳብ ሕጂ ኣይተመጣጠነን ዘሎ። ፖለቲካ፡ ካብቶም ክልቲኦም ጾታታት ብማዕረ ዕድል ዝሳተፉሎም ንጥፈታት እቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com