Sunday , May 19 2024

ውህደት

ኤጀንሲ ስደተኛታት–ዛጊት ውሑዳት ዩክሬናውያን ጥራይ ኣብ ሽወደን ሕቶ ዕቚባ ኣቕሪቦም ኣለዉ።

ብምክንያት ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣስታት 370000 ዩክሬናውያን ካብታ ሃገር ምስዳዶም ላዕለዋይ ወኪል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት UNHCR ሓቢሩ። እንተኾነ ግና ዛጊት 127 ዩክሬናውያን ጥራይ ብዕሊ ሕቶ ዕቚባ ኣቕሪቦም ምህላዎም ዳይረክተር ጀነራል ወኪል ስደተኛታት ሽወደን ሚካኤል ሪበንቪክ ኣመልኪቱ። ናይዚ ምኽንያት ኣብ ሽወደን ሒደት ዜጋታት ዩክሬይን ስለ ዝቕመጡን ሰባት ናብቲ ኣዝማዶም ዘለዉዎ ሃገራት ክኸዱ ዝመርጹ ብምዃኖምን ክኸውን ከም ዝኽእል ዝገለጸ …

Read More »

ፋርማሲታት ኖርዌይ፡ “ሰባት ብጌጋ ከኒናታት ኣዮዲን ይገዝኡ ኣለዉ”

ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት ሃገርና ሰባት ናብ ፋርማሲታትና ይመጹና እዮም። ኣብ መንጎ ድሉው ዓይነት ኣዮዲንን ናይ ኣዮዲን ተወሰኽቲ ከኒናታትን ዘሎ ፍልልይ ኣይፈልጥዎን እዮም። ናይ ኑክሌር መጥቃዕቲ ምስ ዘጋጥም ሰባት ዘድልዮም ጻዕቂ ዘለዎ ባእታ ኣዮዲን እምበር እቲ ከም መግቢ ዝውሰድ ኣዮዲን ኣይኮነን” ክብል ኣካያዲ ርክባት ሰርስቲ ሶልበርግ ኦፍስታድ ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ። ምናልባት ናይ ኑክሌር ሓደጋ ወይ ንዕኡ ዝመስል ምስ ዝወርድ ሰባት …

Read More »

ሚኒስተር ስፖርት ሽወደን ንፊፋ ዘሊፉ።

ኣህጒራዊ ማሕበር ኲዕሶ እግሪ-ፊፋ-ንሃገራዊት ጋንታ ሩስያ ካብ ኣብ ዝመጽእ ቀረባ ግዜያት ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ክእገድ ብዘይምውሳኑ ሚኒስተር ስፖርት ሽወደን ኣንደርስ ይገማን ወቐሳ ኣቕሪቡሉ። ብምኽንያት ወራር ሰራዊት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ብርክት ዝበላ ማሕበራት ኲዕሶ እግሪ እንተላይ ሽወደን ሩስያ ኣብ ዋንጫ ዓለም ክትሳተፍ የብላን ዝብል መርግጺአን ምግውሐን ዝፍለጥ እዩ። ውሳነ ፊፋ ዘርእዮ ነገር እንተሎ መሪሕነቱ ሞራል ዝጐድሎ ምዃኑ እዩ–ኢሉ’ሎ ሚኒስተር ይገማን።

Read More »

ኣብ ልዕሊ ሩስያ እተጻዕነ እገዳ ኣብ ቊጠባ ሽወደን ዝህልዎ ጽልዋ ንእሽቶ እዩ ተባሂሉ።

ብምኽንያት ወራር ሩስያ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘንበሮ እገዳታት ኣብ ልዕሊ ሽወደን ዝህልዎ ጽልዋ ብተዛማዲ ውሱን እዩ ክብል ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን ሚካኤል ዳምበርግ ገሊጹ። ዳምበርግ ትማል ሰኑይ ንግሆ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ እዚ ኲነታት ርግጽነት ዘይብሉን ክቕየር ዝኽእልን እዩ ኢሉ’ሎ። “ተግባራት ሩስያ ኣብ ሽወደን ሓዊስካ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ዋጋ ነዳዲን ጋዝን ንሓጺር ግዜ  ክጽሎ ጌሩ’ሎ። እንተኽዕነ ግና …

Read More »

ባይቶ ሽወደን ናብ ዩክሬይን ኣጽዋር ክለኣኽ ኣድሚጹ።

ባይቶ ሽወደን ናብ ዩክሬይን ወተሃደራዊ ናውቲ ክለኣኽ ንዝብል እማመ ብዓብላሊ ድምጺ ኣድሚጹ። 280 ኣባላት ባይቶ ነቲ እማመ ክድግፉ እንከለዉ 4 ጥራይ ተቓዊሞሞ ኣለዉ። ብመሰረት እዚ ካብ 1939 ንደሓር ንፈለማ ግዜ ዝግበር ዘሎ ውሳነ ሽወደን ጸረታንክ ሚሳይላት፡ ቊራዕ ርእሲ፡ መቑነን ከምኡውን ድርዒ ሰብነት ናብ ዩክሬይን ክትልእኽ እያ።

Read More »

ቀዳማይ ሚኒስተር ኖርዌይ ንዜጋታት ኣጠንቂቑ።

ፕረሲደንት ዩክሬይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣውሮጳውያን ዜጋታት ምስ ሰራዊት ዩክሬይን ኮይኖም ኣንጻር ወራር ሩስያ ክዋግኡ ዘቕረቦ ጻውዒት ኣመልኪቱ ቀዳማይ ሚኒስተር ዮናስ ጋህር ስቶር ዜጋታት ኖርዌይ ናብ ዩክሬይን ቅድሚ ምኻዶም ክልተ ሳዕ ክሓስቡ ከም ዝግባእ ኣጠንቂቑ።. ስቶር ብ TV 2 ኣቢሉ ነቶም ናብ ዩክሬይን ብምኻድ ኣንጻር ወራር ሩስያ ክንቃለስ ኢና ዝብሉ ዜጋታት ንጹር መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ’ሎ። “ኣጸቢቕኩም ክትሓስቡሉ ይግባእ፡ ኲናት ቅጽበታዊ እዩ” ክብል …

Read More »

ፖላንድ ሰደተኛታት ዩክሬይን ንምቕባል ትዳሎ።

ፖላንድ ብሰንኪ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ንዝፈናቐሉ ስደተኛታት ንምቕባል ድልውቲ ምህላዋ ቀዳማይ ሚኒስተር ማቲውዝ ሞራዌኪ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። “ንዝመጸና ክንቅበል ተዳሊና ኣሎና” ክብል ሞራዌኪ ን ፈረንሳዊት ጋዜጣ ክዌስት ፍራንስ ከምኡውን ጀርመናዊት ጋዜጣ ፉንክ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣመልኪቱ። “ፖላንድ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ንምቕባል ተዳልያ’ላ” ኢሉ። ብመሰረት ስምምዕ ዋርሶ ፖላንድ ሓሙስ ድሕሪ ዝጀመረ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን …

Read More »

UN–ብውሕዱ 64 ሲቪላውያን ዩክሬይን ሞይቶም ኣለዉ።

ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ካብ ዝኽሰት ካብ ሓሙስ ንደሓር 64 ሰቪላውያን ዩክሬይን ከም እተቐትሉ ምርግጋጹ UN ገሊጹ። እዚ ኣሃዝ ክሳብ ብቕድሚ ትማል ቀዳም ምሸት ዝነበረ ምዕባለታት ጥራይ ከም ዘጠቓልል ዝገለጸ ጸብጻብ ኖርዌይ ቱደይ ኣዝዩ ጽፉፍ ናይ ሓበሬታ ምእካብ ኣገባብ ተጠቒሙ ኣብዚ ኣሃዝ ከም ዝበጽሐ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጒዳያት ውድብ ሕቡራት ሃገራት –ኦቻ–ኣፍሊጡ። ብዙሓት ግዳያት እዚ ወራር ደሃዮም ገና …

Read More »

ፈረንሳ ናብ ዩክሬይን ተወሳኺ ኣጽዋር ክትልእኽ ቃል ኣትያ።

ፈረንሳ ናብ ዩክሬይን ተወሳኺ ኣጽዋር ክትልእኽ ምዃና ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ገሊጹ። ብዘይካዚ ፈረንሳ ንሰራዊት ዩክሬይን ንምሕጋዝ ነዳዲ ዘይቲ እውን ክትልእኽ እያ። ፕረሲደንት ዩክሬይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ትማል ሰንበት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ካብ መሻርኽቲ ሃገራት ምዕራብ ዝተላእከ ኣጽዋርን ካልእን ናብ ዩክሬይን ይመጽእ ምህላዉ ምግላጹ ኖርዌይ ቱደይ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣመልኪቱ። ፕረሲደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ምጅማር ወራር …

Read More »

በዓልመዚ “ከኒናታት ኣዮዲን ምውሳድ ጠቕሚ የብሉን”

ካብ ምጅማር ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኣትሒዙ ኣብ ሽወደን ከኒናታት ኣዮዲን ዝወስዱ ዜጋታት ቊጽሮም ብናህሪ ምውሳኹ ኣፖትያ ዝተባህለ ብኦንላይን ዝዓዪ ኣፍራዪ መድሃኒት ኣፍሊጡ። ተመሳሰልቲ ፍርያት ኣብ ካልኦት ፋርማሲታት ይሽየጡ ምህላዎም እውን ተፈሊጡ። ናይ ኑክሌር ሓደጋ ምስ ዘጋጥም ዝኽሰት ጨረር ኣብ ኣካላት ዘኸትሎ ሳዕቤን የጒድል እዩ ብምባል እዮም ሰባት ነዚ ከኒና ምውሓት ዝቕጹ ዘለዉ ክትብል ሲድቨንስካ ዝተባህለት ጋዜጣ ሓቢራ’ላ። በዓልመዚ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com