Friday , May 3 2024

ቁጠባ

ዓዲ እንግሊዝ…..መጠን ዝቕባበ ብዕጽፊ ወሲኹ

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ መጠን ዝቕባበ ባጤራ ዓዲ እንግሊዝ፡ ምስቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብዕጽፊ ከምዝወሰኸን እዚ ድማ ካብቲ ተገሚቱ ዝነበረ መጠን ብሒደት ምዝያዱ ተፈሊጡ ኣሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ መጠን ዝቕባበ ባጤራ ዓዲ እንግሊዝ፡ 0.7% ከምዝነበረ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ እቲ መጠን 1.4% ምብጽሑ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ። ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ዝቕባበ ተባሂሎም ዝጥቀሱ፡ ምውሳኽ …

Read More »

ሩስያዊ ሰላይ: መጥቃዕቲ ሳይበር ሶላር ዊንድስ: ውዲት ምዕራባውያን እዩ ይብል

ዝሓለፈ ዓመት: ኣብ ኣመሪካ ዝተኻየደ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ሳይበር: ናይ ሩስያ ኢድ የብሉን ክብል ሓላፊ ኣገልግሎት ስለያ ወጻኢ ሩስያ: ሰርገይ ናሪሽኪን: ምስ ወኪል ቢቢሲ ሞስኮ: ስቲቭ ሮዘንበርግ: ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ገሊጹ። ሰብመዚ ኣመሪካን ብሪጣንያን: ስለያ ሩስያ: መጥቃዕቲ ሰላር ዊንድስ ከም ዘካየደትለን ክኸሳ ጸኒሐን እየን። ናሪሽኪን ብወገኑ: እዚ መጥቃዕቲ: ብውዲት ስለያ ምዕራባውያን ከም እተኻየደ እዩ ዝገልጽ። ንሱ ምስ መደበር ስለያ …

Read More »

ቊጠባ ሊባኖስ ብናህሪ የንቈልቊል

ሊባኖስ: ኣብ ዓብዪ ፋይናንሳዊን ቊጠባዊን ምንቊልቋል ተሸሚማ ምህላዋ ተገሊጹ። ባጤራ እታ ሃገር 85%: ናይ ምግዛእ ዓቕሙ ምጒዳሉ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ: እቲ ኲነታት ከምዚ እንተቐጺሉ: ዝበዝሐ ህዝቢ ሊባኖስ ናብ ድኽነት ክኣቱ እዩ ክብል ኣጠንቂቑ። ከም ኲሉ ካልእ ነገራት: መግቢ እውን ዋጋኡ ሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ’ሎ። ብዘይካ’ዚ: ዋጋ መድሃኒት ኣብ ልዕሊ ምውሳኹ ይሰኣን እውን ምህላዉ: ወኪል ቢቢሲ ምስ ሊባኖሳዊ ነርስ: ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት …

Read More »

Harmony Media. News 17 May 2021.

Read More »

ሰሙናዊ ጸብጻብ ሽቕለት ኣልቦነት

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቁጽሪ ናይ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ብ 3 ሽሕ ብምጉዳሉ፡ ጠቕላላ ምዝጉብ ብዝሒ ስራሕ ኣልቦ 420,666 በጺሑ ምህላዉን እዚ ድማ 8.1% ሚእታዊት ናይቲ ሰራሒ ዓቕሚ ዝኾነ ቁጽሪ ምኻኑ፡ ሰሙናዊ ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊን ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣስታት 500 ሰባት፡ ካብ ስራሕ ናይ ምፍናው መጠንቀቕታ በጺሕዎም ከምዘሎ እቲ ጸብጻብ፡ ብምውሳኽ ሓቢሩ።

Read More »

ሃገረ ፖርቱጋል፡ ኣፍደገኣ ንበጻሕቲ ትኸፍት

ሃገረ ፖርቱጋል፡ ካብ ሎሚ ሰኑይ ዕለት 17 ግንቦት ጀሚራ፡ ብጀካ ንውሱናት፡ ንኹሎም ናብ ሃገራ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት  ክኣትዉ ዝደልዮ በጻሕቲ ዜጋታት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ኣፍደጊኣ ክፉት ምዃኑ ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ናብ ሃገረ ፖርቱጋል፡ ብኣገዳሲ ምኽንያት ጥራይ ክኣትዉ ዝፍቀደሎም፡ ዜጋታት ናይተን መጠነ መልከፍቲ ኮሮና ልዕሊ 500 ኣብ ነፍሲ ወከፍ 100 ሽሕ ሰባት ዘጋጥመን ሃገራት እዮም። እዘን ሃገራት ድማ፡ ሳይፕረስ፡ ክሮኤሻ፡ …

Read More »

ቴሌ 2፡ ናይ ኣገልግሎት ጸገማት ኣጓኒፍዎ

ትማሊ ሰንበት ኣብ ከባቢ ሰዓት 9 ድ.ቐ.፡ ኣገልግሎት ቴሌ 2 (Tele2) ተሰናኺሉ ምንባሩን ብፍላይ ድማ እቶም ኣገልግሎት ኮምሄም ዝጥቀሙ ዓማዊል፡ ጸገማት ከም ዘጋጠሞም፡ እቲ ትካል ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እቲ ጸገም፡ ኣብ መላእ ሽወደን ዘጓነፈ ምንባሩን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ዝበዝሑ ዓማዊል ብዘይ ጸገም ክግልግሉ ክኽእሉ እዮም ክብል፡ ሓላፊ መራኸቢታት ቴሌ 2፡ ጆወል ኢብሶን፡ ትማሊ ሰዓት 11 ድ.ቐ. …

Read More »

ኣብ እዋን ክረምቲ፡ ካብ ገዛ ምስራሕ ክቕጸል ምዃኑ ተሓቢሩ

ዝበዝሑ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ስርሖም ከሰላስሉ፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ድልየቱ ምዃኑ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ዝሓለፈ ዓመት፡ መንግስታውያን ኣካላት፡ ነቲ ካብ ገዛ ኮይንካ ናይ ምስራሕ ስጉምቲ ግብራዊ ከምዝኸውን ምግባረን ይዝከር። እቲ ስርሒት፡ ክሳብ 01 ሓምለ ዝጸንሕ ምዃኑ ዝፍለጥ እኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ግን ክሳብ 15 መስከረም ክናዋሕ ከምዝተገብረ ተፈሊጡ። ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮናን ኣብ ልዕሊ ኣሃዱ ጥዕና ዘሎ ጸቕጢ ልዑል …

Read More »

ሓረስቶት ትግራይ፡ መሬቶም ከይሓርሱ፡ ተኸልኪሎም ተባሂሉ

ሓረስቶት ትግራይ፡ መሬቶም ንኸይሓርሱ ኮነ ኢልካ ዕንቅፋት ይግበር ምህላዉ፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓልመዚ ኣቃሊዑ። ንሱ እዚ ዝግበር ዘሎ እንድሕሪ ቀጺሉ ህዝቢ ትግራይ ንዝያዳ ጥሜት ክቃላዕ እዩ ኢሉ። ምክትል ሓላፊ ግዜያዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ኣበበ ገብረሂወት፡ ምስ ተሌቪዥን ትግራይ፡ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ እዞም ብስም ምኽባር ሕጊ ዝተዋፈሩ ሓይልታት፡ ዘርኢ ናብ ሓረስቶት ከይበጽሕ ምእንቲ፡ መንገዲ ከም ዝዓጸዉን፡ ሓረስቶት ናብ ማሕረስ ከይወፍሩ ይኽልከሉ ምህላዎምን ወሲኹ …

Read More »

ቁጠባ ሃገረ ፊንላንድ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብ 2.6% ምውሳኹ ተፈሊጡ

ቁጠባ ሃገረ ፊንላንድ፡  ኣብዚ ዓመት’ዚ ብ 2.6% ከምዝውስኽን ኣብ ዝቕጽል ዓመት ድማ ብ 2.5% ክውስኽ ትጽቢት ከምዘሎ ሚኒስተር ፋይናንስ ፊንላንድ፡ ማቲ ቫንሃነን፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ናይ ዝሓለፉ ገምጋማት፡ ቁጠባ’ታ ሃገር፡ ዘገምታዊ ዕብየት ከርኢ ምዃኑን ኣብ’ዚ ዓመት 2.5% ዕብየት ከርኢ ምዃኑን ኣብ ዝቕጽል ዓመት ድማ 2% ክውስኽ ምዃኑ ትንቢታት ከምዝነበረ ይዝከር።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com