Saturday , May 18 2024

ገበን

ምምሕዳር ሉንድ፡ ኣብ ቤት ትምህርታት ዘጋጥም ሓደጋታት ባርዕ ንምውጋድ ጽኑዕ ሓለዋ ካሜራታት ንኽትጥቀም መዲባ

ኣብ ደቡብ ሽወደን እትርከብ ምምሕዳር ሉንድ፡ ኣብተን ብዝሐን 114 ዝኾና ቅድመ ትምህርትን መባእታ ቤት ትምህርታትን ብሓገዝ ካሜራታት ተጠቂማ ጽኑዕ ሓለዋ ንኸተካይድ ክፍቀደላ ጠለብ ከምዘቕረበት ተፈሊጡ። እዚ ጠለብ ዝቐረበሉ ምኽንያት ድማ፡ ኣብታ ከተማ፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘሎ ግዜ ድሕሪ ዘጋጠመ ሓደጋታት ባርዕ ናይ 25 ወግዓውያን ህንጻታት እዩ። ኣብ ውሽጢ እዚ ዝተጠቕሰ እዋን፡ 12 ኣብታ ምምሕዳር ዝርከባ ቤት ትምህርታት …

Read More »

ካብ ወርሒ መጋቢት ክሳብ’ዚ እዋን፡ 12 ሓደጋታት ባርዕ ኣጋጢሙ

ሓደ ክፋል ናይ’ታ ኣብ ሉንድ እትርከብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ፓለትስኮላን (Palettskolan)፡ ትማሊ ወጋሕታ ብባርዕ ከምተቓጸለን እዚ ድማ ካብ ወርሒ መጋቢት ክሳብ ሎሚ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሉንድ ዝርከባ ቤት ትምህርታት፡ ናይ መበል 12 ናይ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጣሚ ምኻኑ ተሓቢሩ። ሓላፊ ጸጥታ’ቲ ምምሕዳር፡ ሆልካን ኒልሰን፡ እዞም ፍጻሜታት ብጣዕሚ “ዘሕዝኑ” እዮም ክብል ከምዝገለጾም TT ሓቢሩ። ኣብ ከባቢ ሰዓት 4 ወጋሕታ፡ ፖሊስ’ቲ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Swedish News in tigrigna 15 juli 2020

Read More »

ምዕራብ ሽወደን፡ ብርክት ዝበሉ መምርሒ ፍቓድ መኪና ተሳሒቦም

ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ኣብ ምዕራብ ሽወደን ጥራይ ኣስታት 400 መምርሒ ፍቓድ መኪና ከምተሳሕበ ተፈሊጡ። ኣብ ዓመተ 2019 ኣስታት 170 መምርሒ ፍቓድ መኪና ከምተሳሕቡ ይዝከር ክብል ጋዜጣ P4 ዮቶቦሪ ገሊጹ። መብዛሕትኦም መምርሒ ፍቓድ መኪና ዝተሳሕብሉ ምኽንያት ብሰንኪ ፍጥነት ምኻኑ ፖሊስ’ቲ ከባቢ ሓቢሩ። እቲ ዝተመዝገበ ፍጥነት፡ ካብ 50 ክሳብ 60 ኪሎ ሜትር ኣብ ሰዓት ልዕሊ’ቲ ዝለዓለ ፍጥነት ምኻኑ ሓላፊ ፖሊስ ምዕራባዊ ከባቢ፡ ኣንደሽ …

Read More »

ኩባንያታት ኣማዞንን ጉግልን ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ዝምልከት ናይ ሓሶት ዜና ይምውላ ኣለዋ…. ብኸመይ ኣገባብ?

ዓለማውያን ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ዝኾና ጉግልን ኣማዞንን ናይ ሓሶት ዜና ንምድላው ሚልዮናት ዶላራት ይምውላ ምህላወን ብምምልካት ሓደ በዓልመዚ ምክትታል ዘይቅኑዕ ሓበሬታታት (Global Disinformation Index)  ምስ DW ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ እዘን ኲባንያታት ሓላፍነት ክስከማ ከምዝግባእ ሓቢሩ። እዘን ናይ ሓሶት መርበባት፡ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ናይ ሓሶት ዜናታት ብምፍብራኽን ክልሰ ሓሳባዊ ውዲት ብምፍጣርን ክሳብ 25 ሚልዮን ዶላር ዝበጽሕ ኣታዊ ከኻዕብታ ከምዝኽእላ ተገሊጹ። ብመሰረት …

Read More »

ኩባንያታት፡ መቦቀል ዘይብሉ ናይ ሕማም ዕረፍትን ወሰኽ ደሞዝን ብምቕራብ ናይ ምትላል መስርሕ ፈጺመን ተባሂሉ

ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ምስ ናይ ሕማም ዕረፍቲ ዝተሓሓዝ ናይ ሽርክነታዊ ምትላል ተርእዮታት እናበዝሑ ከምዝመጹ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ  ገሊጹ። ገለ ኩባንያታት ብሃንደበት ካብ ባዶ ተበጊሰን ልዑል መጠን ደሞዝ ብምሕታተን ማዕከን ማሕበራዊ ድሕነት ን300 ጠለባት መርመራ ክግበረሎም ብምባል ከምዘወንዘፎም ተገሊጹ። እቶም ካሕሳ ሓቲቶም ዝተወንዘፉ ጉዳያት፡ ወርሓዊ ካብ 20 ክሳብ 40 ሽሕ ኮሮና ዝሓቱ እዮም። እዞም ጉዳያት’ዚኣቶም ኣብ ናይ ሓሶት …

Read More »

ብቫይረስ ኮሮና ልኽፍቲ ምዃና እናፈለጠት ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝሰርሐት ሰበይቲ ናብ ፍርዲ ቀሪባ

ኣብ ምምሕዳር ሄሊፎሽ ዝርከብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ እትሰርሕ ሰበይቲ ናብ ፍርዲ ቀሪባ ተባሂሉ። እዛ ሰበይቲ መርምራ ገይራ ብቫይረስ ኮሮና ከምተለኽፈት ምስ ተሓበራ፡ ኩነታታ እናፈለጠት ናብ ስራሓ ከምዝኸደት ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ፡ ነቲ ፍጻሜ፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ሓደጋ ዘውርድ ከቢድ ፈተነ መጥቃዕቲ ብዝብል ኣብ ልዕሊ እታ ሰበይቲ ክሲ መስሪቱ ኣሎ። ሕማም ኮቪድ-19፡ ሓደገኛ ማሕበራዊ ሕማም ከም ምዃኑ …

Read More »

ሰለስተ ሰባት ብዝፈጸምዎ ተኸታታሊ ናይ ዝርፋ ገበናት ንማእሰርቲ ተፈሪዶም

ቤት ፍርዲ ኢስታድ፡ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ብገበናት ዝርፋ ዝተኸሰሱ ሰባት ናይ ማእሰርቲ ውሳኔ ኣመሓላሊፉ። እዞም ናይ ዝርፋ ገበናት፡ ኣብ ደቡብ ሽወደን፡ ስኮና፡ ዝርከባ  ኦስተርሊንን ሶደርስሊትን ዝተባህላ ናይ ሕርሻ ከባቢታት ከም ዝተፈጸሙ መርበብ ሓበሬታ TT ኣቃሊሑ። እዞም ሰለስተ ሰባት፡ ሓደ ወዲ 31 ዓመት ሰብኣይ፡ ሓደ ወዲ 24 ዓመት መንእሰይን ሓንቲ ጓል 19 ዓመት ጎርዞን እዮም። ግዳያት ናይቲ ፍጻመ ኣብ ቅድሚ ቤት …

Read More »

ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን ብግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝተኸሰሱ ክልተ ሽወደናውያን ንማእሰርቲ ተፈሪዶም

ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን ዝርከብ ህንጻ፡ ኣሃዱ ኣታዊ ግብሪ ዴኒማርክ፡ ብዕለት 06/08/2019 ምፍንጃሩ ይዝከር። መስርሕ ፍርዲ፡ ናይቶም ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ነይርዎም ተባሂሎም ዝተኸሰሱ ክልተ ሽወደናውያን፡ ዕለት 29/06/2020  ከምዝጀመረን ትማሊ ዕለት 09/07/2020  ድማ ውሳነ ከምእተዋህበ ተሓቢሩ። ክልቲኦም ክሱሳት፡ ብግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ገበነኛታት ኮይኖም ስለዝተረኽቡ፡ ናይ 4 ን 5 ዓመት ማእሰርቲ ከም ዝተበየነሎምን ፍርዶም ምስ ወድኡ ድማ ብቐጥታ ካብ ዴኒማርክ ክባረሩ ምዃኖም መርበብ …

Read More »

ኣብ ኣሊንግሶስ ዝተፈጥረ ከቢድ ናዕቢ ብሰንኪ ንግዲ ዕጸ-ፋርስ ምዃኑ ተፈሊጡ

ኣብ መንጎ ክልተ ኣብ ኣሊንግሶስ ዝከርባ ጉጅለታት ዝተፈጥረ ከቢድ ናዕቢ ብሰንኪ ንግዲ ዕጸ-ፋርስ ዝተኸስተ ምዃኑ ሓድሽ ሓበሬታ ገሊጹ ክብል TT ሓቢሩ። ኣብቲ ዝተኻየደ ናዕቢ፡ ዕድሚኦም ኣብ መንጎ 20 ን 30 ዓመት ዝኾኑ ካብ 15 ሰባት ዝበዝሑ ከምዝተሳተፍዎን ኣርባዕተ ሰባት ድማ ከምዝተጎድኡን ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ። እተን ክልተ ጉጅለታት፡ ኣብ ንግዲ ዕጸ-ፋርስ ዝተዋፈራ ናይ ገበን ጉጅለታት ክኾና ይኽእላ እየን ክብል ኣኽባሪ ሕጊ፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com