Saturday , May 4 2024

ገበን

መስርሕ ምትላል ኣብ ፈተናታት መምርሒ ፍቓድ መኪና

መምርሒ ፍቓድ መኪና ንምርካብ ዝውሰድ ክልሰ ሓሳባዊ ፈተና ድሕሪ 2015 ዓሎቕ ዝመልኦ ኣካይዳ ይረኣዮ ከም ዘሎ ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ።እዚ ሽግር ኣብ መላእ ሃገር ከም እተላብዐ፡ ብፍላይ ድማ ምስ ቅልውላው ኮሮና ከም ዘስፋሕፍሐ ዝፍለጥ ኮይኑ ንጉዳያት ዓሎቕ ኣብ ምፍላጥ በዓልመዚ ትራፊክ ቫርምላንድ እቲ ዝሐሸ ምዃኑ ይንገር።ኣብ መላእ ሃገር ካብ ዝካየዱ ክለሰ ሓሳባዊ ፈተናታት፡ ኣጃም ቫርምላንድ 3.3% ኮይኑ፡ እቲ 8% ናይ …

Read More »

ናይ ህጻናት ኣሰልጣኒ ስፖርት፡ ብጾታዊ ገበን ይጥርጠር

ኣብ ምምሕዳር ኦሬብሮ እትርከብ ናይ ስፖርት ክለብ፡ ሓደ ኣብ 40ታት ዝዕድሚኡ ህጻናት ዘሰልጥን ሰብኣይ፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት፡ ዝተፈላለዩ ጾታዊ ገበናት ፈጺሙ ክኸውን ይኽእል እዩ ብዝብል ጥርጣረ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ክብል ነሪከስ ኣለሃንዳ (Nerikes Allehanda) ጽሒፉ።እዞም ኣብ ኦረብሮን ካልኦት ምምሕዳራትን ካብ ዓመተ 2013 ክሳብ 2017፡ በቲ ወዲ 40 ዓመት ሰብኣይ ተፈጺሞም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝበሃሉ ገበናት፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝተፈጸሙ …

Read More »

ካብ ውሽጢ መኪና፡ ልዑል ድምጺ ሙዚቃ ተሰሚዑ ይብል ኣኽባሪ ሕጊ

ኣብ ማእከል ሞራ፡ ዶለርና፡ ሓደ ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ፡ ካብ ውሽጢ ኣሜሪካዊት ናይ 60ታት መኪንኡ፡ ልዑል ድምጺ ሙዚቃ ብምጽዋቱ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረበ ተፈሊጡ። እቲ ፍጻመ፡ ኣብ መጨረሽታ መዓልታት ናይ ወርሒ ሓምለ፡ ሰሉስ ንግሆ ዝተኻየደ እዩ ኔሩ።መራሕ መኪናን ካልኦት ምስኡ ዝነበሩን ንህዝቢ ብምርባሾም፡ ካብቲ ከባቢ ንኽእለዩ ብፖሊስ ተሓቢሮም። እቶም መንእሰያት ንመጠንቀቕታ ፖሊስ ዕሽሽ ብምባል ነቲ ሙዚቃ ዓው ኣቢሎም ብማእከል ከተማ …

Read More »

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሽወደን ገበናት ይስዕርር

ትማሊ ረቡዕ ምሸት፡ ኣብ ማእከል ከተማ ያቭለ፡ ድምጺ ቶኽሲ ድሕሪ ምስምዑ፡ ፖሊስ፡ ንኽልተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ሓቢሩ።ትማሊ ለይቲ፡ ፖሊስ፡ ነዞም ክልተ ገበነኛታት መርመራ ከምዘካየደሎም ንTT ሓቢሩ። እዚ ዝተኸስተ ኣጋጣሚ፡ ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት፡ ብገበናት ኣጽዋርን ሓደገኛ ናይ ናዕቢ ፍጻሜታትን ተኸሲሶም ኣብ መርመራ ኣብ ዘለውሉ እዋን ዝተኻየደ ምዃኑ ፖሊስ ሓቢሩ።ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ሰዓት 12፡37 ቅ.ቐ. ኣብ ከባቢ ቴኒስታ፡ ሓደ ኣብ …

Read More »

ጉዳይ ዘተ ክፍሊት ትሕጃ ናይቲ መጥቃዕቲ ሳይበር (cyber attack) ዝፈጸመ መንእሰይ ተቛሪጹ

ትማሊ ረቡዕ፡ እቲ ብምስርሳር ሒሳባት ትዊተር ናይ ፍሉጣት ዝኾኑ ሰባት ዝተኸሰ ኣብ ታምፓ፡ ፍሎሪዳ፡ ዝቕመጥ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ፡ ብመንገዲ ኣገልግሎት ቪድዮ ዙም፡ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረበ ተፈሊጡ። ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበሉ ዕላማ፡ መጠን ዝተበየነሉ ገንዘባዊ ዋሕስ ክጎድለሉ ዝኽእል መንገዲ ንምፍጣር ብምባል ዘተ ንኸካይድ እዩ ኔሩ። እንተኾነ፡ እቲ ዝካየድ ዝነበረ መስመር ኣኼባ ብምጭዋዩ፡ ናይ ሙዚቃ ድምጺ፡ ምውጫጭን ዘይተደልዩ ፊልምታትን ክመሓላለፉ …

Read More »

ምስ ቅትለት እታ ጓል 12 ዓመት ቆልዓ ምትሕሓዝ ክህልዋ ዝኽእል ዝተቓጸለት መኪና ተረኺባ

ኣብ ከባቢ ሶለንቱና፡ ሰሜን ስቶክሆልም፡ ሓንቲ ዝተቓጸለት መኪና ብፖሊስ ከምተረኽበት ተፈሊጡ። እዛ መኪና፡ ኣብ ቅትለት ጓል 12 ዓመት ቆልዓ ዝተሳተፈት መኪና ክትከውን ከምትኽእል፡ ፖሊስ ግን ንመንነት እታ መኪና ዝምልከት መግለጺ ከምዘይሃበን፡ ኣብ ተክኒካዊ መርመራታት ተጸሚዱ ከምዘሎን TT ገሊጹ። ፖሊስ’ቲ ከባቢ፡ ብዛዕባ እታ ፈጸምቲ ገበን ቅትለት ዝተጠቀሙላ ጥርጥርቲ መኪና ኣመልኪቱ ትማሊ ስእሊ ዘርጊሑ ከምዝነበረ ዝፍለጥ እዩ። እዛ መኪና ድማ ምስቲ ዘለና …

Read More »

ስእሊ፡ ናይታ ኣብ እዋን ቅትለት ጓል 12 ዓመት ቆልዓ፡ ዝተጠቀሙላ መኪና ብፖሊስ ይዝርግሕ

ስእሊ ናይታ ኣብ እዋን ቅትለት ጓል 12 ዓመት ቆልዓ ዝተጠቀሙላ ተባሂሉ ዝንገረላ ኮምቢ ዝዓይነታ ጻዕዳ መኪና ብፖሊስ ምዝርግሑ ተፈሊጡ። ፖሊስ፡ ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ምጽራይ እናካየደ እንከሎ፡ ነዛ ስእሊ፡ ካብ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ መቆጻጸሪ ካሜራ ናይ ማክዶናልድስ ከምዝረኸባ ብምግላጽ፡ ብዛዕባ እዛ መኪና ዝኾነ ዓይነት ሓበሬታ ዘለዎ ሰብ፡ ናብ ፖሊስ ብምቕራብ ሓበሬትኡ ከመሓላልፍ ምሕጽንትኡ ኣቕሪቡ ክብል መርበብ ሓበሬታ SVT ኣቃሊሑ። ኣብ እዋን ገበን …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Tigringa News 04/08/2020

Read More »

ፖሊስ፡ ጻዕዳ ናይ መመላለሲት መኪና ኣብ ምድላይ ምውፋሮም ተገሊጹ።

ሰንበት ምሸት ኣብ ናይ ቶኽሲ መጥቃዕቲ ከም እተዋፈረት ትጥርጠር ጻዕዳ ዝሕብራ  መመላለሲት መኪና ብፖሊስ ትድለ ምህላዋ ናይ ከባቢ ቡትሽርካ፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ፖሊስ፡ ፓለ ኒልሰን፡ ንኣገልግሎት ዜና SVT ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ። ዋላኳ ዛጊት ብዙሓት ሰባት ንሕቶ እንተቐረቡ፡ ፖሊስ፡ ብጉዳይ እታ ዝተቐትለት ጓል 12 ዓመት ኰተቴ ዝተሓሓዝ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘእተዎ ሰብ የለን። እዚ ቅትለት ናብ ሰንበት ዘውግሕ፡ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ …

Read More »

ኣብ ቡትሺርካ፡ ኖሽቦሪ፡ ጓል 12 ዓመት ብጥይት ተቐቲላ

ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ስቶክሆልም ቡትሽርካ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፡ ሓንቲ ጓል 12 ዓመት ቆልዓ ዛጊት መንነቶም ብዘይተረጋገጸ ሰባት ብዝተኸፍተ ተኩሲ ሂወታ ከምዝሳኣነትን፡ ኣብቲ ከባቢ ዓቢ ቁጠዐን ስንባደን ፈጢሩ ከምዘሎ ጸብጻባት ፖሊስ ብምጥቃስ ዝፍነዉ ዘሎዉ ሓበሬታት ኣረጋጊጾም።እታ ትሕቲ ዕድመ ቆልዓ ብመንን ስለምንታይን ከምዝተቐትለትን በዚ ዓቢ ገበን ዝሕተቱ ሰባት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ንምእታው፡ ፖሊስ ሽወደን ፍሉይ ፍጻመ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣገባብ ብምቛም መርመራ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com