Friday , May 3 2024

ገበን

ኣብ ያርቫ፡ ጎነጽ ገበናውያን ጭፍራታት ጥርዙ በጺሑ ተባሂሉ

መጠን ጎነጽ ገበናውያን ጭፍራታት ኣብ ከባቢ ያርቫ፡ ጥርዙ ከምዝበጸሐን ከምሳዕቤኑ ድማ ብዙሓት ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ’ኳ እንተኣተዉ፡ ፖሊስ ግን ነቶም መራሕቲ እዘን ጭፍራታት ዝኾኑ ሰባት ኣብ ምህዳን ኣቶኪሩ ይሰርሕ ምህላዉ ምክትል ሓላፊ ፖሊስ ስቶክሆሎም፡ ሮበርት ካርልሶን፡ ምስ መርበብ ሓበሬታ SVT ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ኣብ ከባቢ ያርቫ፡ ኣስታት ዓሰርተ ምስ ገበናውያን ጉጅለታት ምትሕሓዝ ዘለዎም ናይ ቅትለት ፍጻሜታት …

Read More »

ምምሕዳር ማልመ፡ ኣብ ማልመ ዝተላዕለ ናዕቢ፡ ሃይማኖታዊ ድርኺት ከምዘይነበሮ ሓቢሩ

ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ኣኽረርቲ የማናውያን፡ “ቁርኣን” እናኣንደዱ እንከለዉ ዘርኢ፡ ብማሕበራዊ መራኺቢታት ዘመሓላለፍዎ ቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ኣብ ከተማ ማልመ፡ ዓቢ ናዕቢ ከምዝተላዕለ ፖሊስ ሓቢሩ። ብመሰረት ክኢላ ጸጥታዊ ጉዳያትን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ስትራተጂ ከተማ ማልመ፡ ፒር ኤሪክ ኢፒስቶል፡ እቲ ፍጻሜ ናዕቢ፡ ሃይማኖታዊ ድፊኢት ዘይብሉ እዩ ክብል ከምዝገለጾን ምምሕዳር ከተማ ድማ ንገለ ካብቶም ኣብ ናዕቢ ዝተስተፉ ሰባት ከምዘለለዮምን ዝኾነ ዓይነት ሃይማኖታዊ ዝምባለ ዘለዎም ሰባት …

Read More »

12 ሰባት ኣብ ውሽጢ ገዛ እንከለዉ፡ ሓዊ ብምስዋር ማዕጾ ዝዓጸወት ሰበይቲ ኣብ ፍርዲ ቀሪባ

ኣብ ከተማ ሉልዮ ዝርከብ ቤት ፍርዲ፡ ሓንቲ ጓል 30 ዓመት ሰበይቲ፡ ብሰንኪ ኣብቲ ዋኒን ምምሕዳር በርቪከን ዝኾነ መንበሪ ዝፈጸመቶ ገበን ተኸሲሳ ኣብ ፍርዲ ምቕራባ SVT ሓቢሩ። ኣብ መኻዚኖን ኣብ መንቀጺ ገዛን ናይቲ ህንጻ ሓዊ ከምዘሳወረት ኣብ ግዜ መርመራ ከምተኣመነት ተገሊጹ። እታ ገበነኛ ሰበይቲ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ህንጻ፡ 12 ሰባት ምህላዎም እናፈለጠት ነቲ ማዕጾ ኣትሪራ ክትዓጽዎ ስልዝፈተነት ውን ክሲ ወሪድዋ ኣሎ። ፖሊስ፡ …

Read More »

ኣብ ከተማ ማልመ፡ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ናይ ዕንወት ተግባራት ኣጋጢምዋ

ኣብ ከተማ ማልመ እትርከብ ቤተ ክርስትያን፡ ቬስትራ ስክራቭሊንየ (Västra Skrävlinge)፡ ብሰንክኒ ዘጋጠማ ናይ ዕንወት ተግባር፡ 30 ዝኣኽሉ ቬትሮ ናይ መሳኹቲ ከምተሓምሽሹን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ዝነበሩ ሃይማኖታዊ ሓወልታት ከምተሰብሩን መርበብ ሓበሬታ TT ሓቢሩ። ቤተ ክርስትያን፡ ብኣርባዕተ መንደቕ ዝተሰርሐ ህንጻ ጥራይ ዘይኮነ፡ መንፈሳዊ ርግኣትን ሰላምን ዝረኽበሉ ቦታ እዩ። እዚ ከምዚ ዓይነት ፍጻሜ ድማ ንሸውዓተ መዓልታት ዝቐጸለ እዩ። ኣብ ልዕሊ ሰባት ፍርሂ፡ …

Read More »

ጾታዊ ዓመጽ ክፍጽሙ ዝፈተኑ ብፖሊስ ይድለዩ ኣለዉ

ሎሚ ረቡዕ ንግሆ፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ስቶክሆልም፡ ኣብ ኦርሚንየ ከባቢ ናካ፡ ዝርከብ ኣግራብ ዝበዝሖ ኣከባቢ፡ ሰለስተ ካብ 18 ክሳብ 20 ዓመታት ዝዕድሚኦም መንእሰያት፡ ንሓንቲ ጓል ክዕምጹ ብምፍታኖም፡ ፖሊስ ይደልዮም ከምዘሎ ሓቢሩ። እታ ብሰለስተ መንእሰያት መጥቃዕቲ ዝወረዳ ግዳይ ዝኾነት ጓል፡ ዓው ኢላ ድምጺ ብምግባርን ብምቅላስን ካብ ኢድ እቶም ዓመጽቲ ከተምልጥ ከምዝኸኣለት ወሃቢ ቃል ፖሊስ ስቶክሆልም፡ ፔር ፋልስትሩም፡ ን TT ኣብ ዝሃቦ …

Read More »

ኣብ ልዕሊ፡ ፍሉይ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት፡ ዝፍጸም ናይ ስርቂ ገበናት ምውሳኹ ተሓቢሩ

ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመት ናይ 2020፡ ኣስታት 173 ገበናት ስርቂ ኣብ ልዕሊ ፍሉይ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ከምተፈጸሙ መዝገባት ሽወደናዊ ኣሃዱ ምክልኻል ገበናት ይሕብሩ። ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣስታት 31 ተመሳሰልቲ ናይ ስርቂ ገበናት ምፍጻሞም ይዝከር። ፍሉይ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት፡ ኣብ መብዛሕትኡ እዋናት “ኣይፋል” ክብሉ ዓቕሚ ስለዘይብሎም፡ ግዳያት ናይ ገበናውያን ጉጅለታት ይኾኑ ክብል ኣባል ንጉዳያት ስነኣእምራዊ ስንክልና ዝከታተል ማሕበር …

Read More »

ኣብ ሃሉንዳ ዝርከብ እንዳ ወርቂ፡ ብዕጡቓት ተዘሪፉ

ሎሚ ረቡዕ ኣብ ሰዓታት ፍርቂ መዓልቲ፡ ገጾም ብዝተሸፈኑ ዕጡቓት ሰባት እትምራሕ ኣውዲ ዝዓይነታ መኪና ናብ ሓደ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ስቶክሆልም፡ ኣብ ቦትሽርካ፡ ማእከል (ሞል) ሃሉንዳ፡ ዝርከብ እንዳ ወርቂ ሰይራ ከምዝኣተወት ጸብጻባት ሓቢሮም። እቶም ገበነኛታት፡ ተመለስ . . . ተመለስ ወይ ክትመውት ኢኻ፡ እናበሉ ይጭድሩ ምንባሮም ሓደ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ናይ ዓይኒ ምስክር ሓቢሩ። መርበብ ሓበሬታ ኣፍቶንብላደት፡ ሓንቲ ብሩራዊ ሕብሪ ዘለዋ …

Read More »

ዩኒቨርስቲ ሕርሻ ንኸቃጽል ዝፈተነ ገበነኛ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ

ሎሚ ረቡዕ፡ ሰዓት 4፡00 ወጋሕታ፡ ኣብ ከባቢ ኣልናርፕ፡ ሉማ፡ ዝርከብ ኣካል ናይ ዩኒቨርስቲ ሕርሻ ዝኾነ ህንጻ ብኸቢድ ባርዕ ከምዝተጠቕዐ ጸብጻባት ሓቢሮም። ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ነቲ ባርዕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘእተዎ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብ ሰዓት 5፡30 ናይ ንግሆ ድማ ሓደ፡ ኮነ ኢሉ ነቲ ባርዕ ከምዘናኸሰ፡ ዝጥርጠር ወዲ 27 ዓመት ሰብኣይ፡ ብፖሊስ ተሃዲኑ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ SVT ሓቢሩ። …

Read More »

ብሓባር ምስኣ ዝቕመጥ ንዝነበረ ብምቕታላ፡ ናይ 16 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዳ

ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ፡ ኣብ ላንድስክሮና፡ ሓንቲ ጓል 23 ዓመት መንእሰይ፡ ንሓደ ብሓባር ምስኣ ዝቕመጥ ዝነበረ ወዲ 25 ዓመት መንእሰይ ብምቕታላ፡ ሎሚ፡ ናይ 16 ዓመት ማእሰርቲ ፍርዲ ከምተበየነላ ተገሊጹ።ኣብቲ እዋን’ቲ፡ እታ ጓል፡ ናብ ፖሊስ ደዊላ፡ ብጌጋ ንሓደ ሰብ ብካራ ጌራ ከምዝሃረመትን ስለምንታይ ከምኡ ከምዝገበረት ከምዘይተረዳኣን ገሊጻ ምንባራ ጸብጻባት ፖሊስ ይሕብሩ። ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ፍጻሜ ምስ በጽሐ፡ ሓደ ሰብ ብኻራ ኣብ …

Read More »

ኣብ ላንድስክሮና፡ ሓያል ነውጺ ዝፈጠረ ነትጒ ኣጋጢሙ

ሎሚ ንግሆ፡ ኣብ ማእከል ከተማ ላንድስክሮና ንሓደ ዱኳን ዕላማ ዝገበረ ሓያል ነውጺ ዝፈጠረ ነትጒ ከምዘጋጠመን ኣብቲ ፍጻሜ ሰብኣዊ ክሳራ ከምዘየጋጠመን ፖሊስ ሓቢሩ።እቲ ነትጒ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዱኳን ከቢድ ክሳራ ከምዘውረደ ጋዜጣ ሄልሲንቦሪስ ዳግብላድ (Helsingborgs Dagblad) ሓቢሩ።ፖሊስ፡ ነቲ ከባቢ ድሕሪ ምሕጻር፡ ንኽኢላታት ተፈንጀርቲ ናብቲ ቦታ ፍጻመ ከምዝመጹ ገይሩ።ኣብ ልዕሊ ንብረት፡ ከቢድ ጉድኣት ወሪዱ ኣሎ። ኣብ ሰባት ግን ዝወረደ ጉድኣት የለን ክትብል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com