Saturday , May 18 2024

ፖሎቲካ

ኣሜሪካ፡ ንሰራዊት ኣውሮጳ ትሕግዝ

ሩስያ፡ ንዩክሬይን ክትወርር እያ ዝብል ስግኣት ኣንጸላልዩሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ኣሜሪካ፡ ኣብዚ ሰሙን ናብ ኣህጒር ኣውሮጳ ተወሳኺ ሰራዊት ክትልእኽ ከም ዝኾነት ን ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብምጥቃስ ፔንታጎን ገሊጹ። ካብ ፎርት ብራግ፥ ሰሜን ካሮላይና 2000 ዝኸውን ሰራዊት ናብ ፖላንድን ጀርመንን፥ 1000 ዝኾኑ ኣብ ጀርመን ዝጸንሑ ኸኣ ናብ ሮማንያ ክለኣኹ እዮም። እዞም ሰራዊት ኣሜሪካ፡ ናብ ኣህጒር ኣውሮጳ ዝለኣኹ ዘለዉ፡ ናብ ኲናት ክኣትዉ …

Read More »

ኣብ ልዕሊ እንስሳታት ንዝፍጸም ጭካነ፡ ዝኸበዱ መቅጻዕታት ክብየኑ እዮም

ባይቶ ሽወደን፡ ኣንጻር እንስሳታት ኣብ ልዕሊ ዝፍጸም ጭካነ፡ ዝኸበደ መቕጻዕቲ ንምትግባር ብዝምልከት በቲ ናይ ገበነኛታት መቕጽዒ ቅጥዒ (Criminal Code) ኣቢሉ ለውጢ ንኽተኣታቶ ከምዘድመጸ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ካልኦት ጉዳያት ሓዊሱ፡ ኣንጻር እንስሳታት ንዝበጽሕ ሕሰም ጽንኩር ዝኾነ ናይ መቕጻዕቲ መስርሕ ዘተኣታተወ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት እቲ መቕጻዕቲ እንተወሓደ ናይ 6 ኣዋርሕ እንተበዝሐ ድማ ናይ 4 ዓመት ማእሰርቲ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ። …

Read More »

12 መንእሰያት፡ ብምሕጻብ ገንዘብ፡ ገበነኛታት ተባሂሎም

ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከተማ ኒሾፒንግ፡ 12 መንእሰያት፡ ካልኦት ገበነኛታት ንዝሰረቑዎ ገንዘብ ኣብ ምሕጻብ ሓጊዞም ብዝብል ተኸሲሶም፡ ገበነኛታት ከም ዝተባህሉ ተፈሉጡ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ኩሉ ጉዳያት፡ እዞም ገበነኛታት፡ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ዜጋታት ብምትላል፡ ናይ ባንክ  ኮዳት ብምውሳድ፡ ኣንጻር እዞም ሽማግለታት ዝተፈጸመ ገበን እዩ ክብል ሶርምላንድስ ኒሄተር ዝባሃል ጋዜጣ ኣፍሊጡ። እቲ መጠን ናይ ገንዘብ ብኣማኢት ኣሽሓት ክሮኖር ዝግመት ከም ዝኾነ’ውን …

Read More »

ሽወደን ንዩክሬይን ናይ 50 ሚልዮን ክሩነር ሓገዝ ሂባ

ብሮቡዕ፡ ነቲ ብሸነኽ ምብራቕን ደቡብን ናይታ ሃገር ክበጽሕ ዝኽእል ወራር ናይ ሩስያ ንምብዳህ፡ ምሕዝነታዊ ገንዘባዊ ደገፍ ንዩክሬን (Partnership Fund for Resilient Ukraine) ዝብል ሓድሽ መደብ ከምዝተመስረተ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ መደብ፡ ንመጀመርታ ግዜ ዝተቓለሐ ብራድዮ ሽወደን ኮይኑ፡ ኣብ ጎኒ እዚ መደብ፡ ሽወደን ብሓንሳብ ምስ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ካናዳ፣ ስዊዘርላንድን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ጠጠው ከምእትብል ተፈሊጡ። ሸወደን ነዚ መደብ …

Read More »

Harmony Media News 02/02/2022

Read More »

ፈተነ ሚሳይል ሰሜን ኮርያ ዘርኢ ናይ ሳተላይት ስእሊ ተፈንዩ

ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዘካየደቶ ዝሓየለ ፈተነ ሚሳይል ኣመልኪታ፡ ካብ ጠፈር እተረኽቡ እዮም ዝበለቶም ስእልታት ፈንያ። ፕዮንግያንግ ብሰኑይ ኣብ ዝፈነዎ ሓበሬታ፡ ማእከላይ ርሕቀት ናይ ዝጐዓዝ ባሊስቲክ ሚሳይል ፈተነ ምክያዳ ኣረጋጊጻ’ላ። እዚ ሚሳይል፡ ኣሽሓት ኪሎሜትራት ክጐዓዝ ዝኽእል ኮይኑ ንከም ጉዋም ዝበለ መሬት ኣመሪካ ክበጽሕ ከም ዝኽእል እዩ ዝግለጽ። ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ ቀረባ ዘካየደቶ ፈተነ ባሊስቲክ ሚሳይል፡ ኣብ ኣህጒራዊ ማሕበረሰብ ብዙሕ …

Read More »

ኬንያ ንጥርጡራት ገበን፡ ኣረኪባ

ኬንያ ነቶም ኣብ ብሪጣንያ ብገበን ቅትለት ዝድለዩ ክልተ ዜጋታት ብሪጣንያ ኣረኪባቶም። እዞም ክልተ ሰባት ኣብ ክሊማኒ ኣብ ዝተባህለ ናይ ዕዳጋ ቦታ ናይሮቢ ከም እተታሕዙ ዳይረክቶረት ምርመራ ገበን እታ ሃገር ኣፍሊጡ። እዞም ኣሌክስ ስሚዝ ንዝተባህለ ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ካምደን ላንደን፡ ኣብ 2019 ብካራ ብምቕታል ዝጥርጠሩ ክልተ ሰባት ክስትለሙ ኣህጒራዊ ናይ መቐየዲ ፍቓድ ከም ዝወጸሎም እቲ ዳይረክቶረት ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ነቲ …

Read More »

ጆንሶን . . . ሩስያ፡ ንዩክሬይን ተፈራርሓ ኣላ ይብል

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ቦሪስ ጆንሶን፡ ናይ ሩስያ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ግንባር ዩክሬይን “ሽጉጥ ዓሊሙ” ኣሎ ክብል ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ክገልጾ ከምዝፈተነን ብተወሳኺ’ውን ሩስያ “ናይ ኤውሮጳ ናይ ጸጥታ ካርታ ከም ብሓድሽ ንምስኣል” ትፍትን ኣላ ክብል ከሲሱ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።። ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ምስ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪይ ንምዝታይ ናብ ዩክሬይን ኣቅኒዑ ከም ዘሎ ተፈሊጡ’ሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግልጺን …

Read More »

ዳድጉስታር፡ ኣካል ናይቲ መንግስቲ ክንከውን ንደሊ ኢና ትብል

እቲ ሰልፊ ጸጋማይ ክንፊ መሰረት ናይቲ ብሶሻል ዲሞክራትና ዝምራሕ መንግስቲ ኣካል እንድሕር ኮይኑ፡ እቲ ሰልፊ ንባዕሉ ኣብቲ መንግስቲ ናይ ምእታው ድልየት ከም ዘለዎ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።  “እቲ መጀመርያ ክንገብሮ ዘለና ነገር ኣብቲ መንግስቲ ምእታው እዩ፡ ኣካል ናይቲ መንግስታዊ ምትሕግጋዝ ብምዃን ኢና ኣብ ፖለቲካ ዝለዓለ ጽልዋ ከነንብር እንኽእል” ክትብል መራሒት ሰልፊ V ዝኾነት ኑሺ ዳድጎስታር ገሊጻ። ከም ዳድጉስታር …

Read More »

Harmony Media News 31/01/2022

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com