Sunday , May 5 2024

ፖሎቲካ

ሓይልታት ሩስያ ኣብ ቤላሩስ ክጸንሕ ተነጊርዎ።

ወተሃደራዊ ልምምድ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ቤላሩስ ብሰንበት ክውዳእ እኳ እንተነበሮ ብሰንኪ ቅልውላው ዩክሬይን እቲ ሰራዊት ኣብ ዘለዎ ክጸንሕ ከም እተነግሮ ተፈሊጡ። በዚ ድማ እቲ ሰራዊት ምስ ሰራዊት ቤላሩስ ብምዃን ተወሰኽቲ ልምምዳት ክገብር እዩ ክትብል ቤላሩስ ኣነጺራ’ላ። እዚ ውሳነ ነቲ ድሮ እናነሃረ ዝመጸ ቅልውላው ዩክሬይን ተወሳኺ ወጥሪ ዝፈጥር እዩ ክብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ ኣለዉ።

Read More »

ሽወደን ኣምባሳደራ ካብ ኪዬቭ ጸዊዓ።

ብሰንኪ ኣብ ዩክሬይን ዘሎ ጸጥታዊ ወጥሪ ሽወደን ንገለ ኣባላት ኤምባሲኣ ካብ ኪየቭ ናብ ዓዶም ክምለሱ ጌራ። “ብሰንኪ ጽንኲርን ክትንበዮ ዘሸግርን ጸጥታዊ ኲነታት ኤምባሲና ኣባላቱ ካብ ኪዬቭ ከጒድል ወሲኑ’ሎ” ክትብል ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንድ ገሊጻ’ላ። ቤተሰብ እቶም ኣባላት ኤምባሲ ብመሰረት እቲ ሚኒስትሪ ዝገብሮ ጻውዒት ድሮ ናብ ሽወደን ተመሊሶም ኣለዉ። ንምዕባለታት እቲ ከባቢ ብኣንክሮ ይከታተሎ ምህላዉ ዝገለጸ እቲ ሚኒስትሪ ብዘይካ …

Read More »

ቅልውላው ዩክሬይን ኣብ ልዕሊ ሽወደን ቀጥታዊ ጽልዋ ኣለዎ ተባሂሉ።

ኣብ ዩክሬይን ሰፊኑ ዘሎ ወጥሪ ኣብ ፖሊሲ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ቀጥታዊ ጽልዋ ኣለዎ ክብል ሓደ ክኢላ ገሊጹ። ሰብመዚ ሽወደን ኣብ ጒዳይ ምኽታት ሩስያ ጽንክር ዝበለ መርገጺ ዝወሰዱሉ ምኽንያት በዚ እዩ ክብል እቲ ክኢላ ወሲኹ ኣብሪሁ። ኣባል ትካል ኣህጒራዊ ጒዳያት ሽወደን ዝኾነ ያን ሃለንበርግ ነቱ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኔቶ ዘቕረበቶ ጠለብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሩስያ ነቲ ወተሃደራዊ ጥምረት ክትጽንበሮ ምንም …

Read More »

ምሉእ ኲናት ክኽሰት ተኽእሎታት ኣሎ-ዎልፍጋንግ ኢሺንገር::

ኣብ ዝመጽእ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ንጸጥታ ዝመልከት ጒባኤ ዝመርሕ ዘሎ ኣቦመንበር ጸጥታ ሙኒክ ዎልፍጋንድ ኢሺንገር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን መጥቃዕቲ ክትፍኑን እዚ ድማ ናብ ምሉእ ኲናት ከምርሕ ከም ዝኽእልን ሻቕላ ከም ዘለዎ ገሊጹ። ኣብዘን መዓልታት ብዛዕባ ልዝን ዘተን ክሰምዕ ባህጉ ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ጸሓፊ እንተኾነ ግና ኣብ ባይታ ዘሎ ኲነታት ምስዚ ባህጊ ዝሰማማዕ ከም ዘይኮነ ከም ዘሕዝኖ ገሊጹ። …

Read More »

ኤጀንሲ መጓዓዝያ ሽወደን ን ውሳነ ስወዳቭያ ክምርምሮ እየ ኢሉ።

ስወዳቭያ ን መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንድ ኣመልኪቱ ምስ መንግስቲ ቻይና ጥቡቕ ዝምድና ምስ ዘለዎ ኲባንያ ቻይና ውዕል ብምፍጻሙ ኤጀንሲ መጓዓዝያ ሽወደን ንውሳነ ስወዳቭያ ክምርምሮ ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ውዕል ናይ Xray ማሽናት፥ ስካነራትን ነተጒቲ ዝፍትሽ መሳርሒታትን ብሕስር ዝበለ ዋጋ ዝቕርብ ብምዃኑ ጸጥታዊ ኣገልግሎት ንምድንፋዕ ተመራጺ ኮይኑ ከም ዝረኸቦ 10 ኣዝየን ንጡፋት መዓርፎ ነፈርቲ ሽወደን ዘመሓድር ኲባንያ ስወዳቭያ ገሊጹ’ሎ። ኤጀንሲ መጓዓዝያ ሽወደን እዚ …

Read More »

ሩስያ፥ “ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ንዩክሬይን ኣይክወርርን እየ”።

ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር ክትፍጽም ትኽእል እያ ዝብል ዘረባ መሰረት ዘይብሉ ምዃኑ ልኡኽ ሩስያ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ቪላድሚር ቺዞቭ ኣፍሊጡ። ጋዜጣ New York Times ንገለ ስለያዊ ምጪታት ኣመሪካ ብምጥቃስ ሩስያ ረቡዕ 16 ለካቲት ን ዩክሬይን ክትወርራ ትኽእል እያ ዝብል ሓበሬታ ኣመሓላሊፉ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። “ሩስያ ን ዩክሬይን ክትወርር ምንም ባህጊ የብላን” ክብል እቲ ልኡኽ ኣን Der Welt …

Read More »

ሰልፊታት ሽወደን ኣብ ጒዳይ ሓገዝ ዩክሬይን ይፈላለያ።

ኲለን ፖለቲካዊ ሰልፊታት ባይቶ ሽወደን ነቲ ሩስያ ኣብ ዶብ ዩክሬይን እትገብሮ ዘላ ገዚፍ ምኽታት ሰራዊት ኮኒነን ኣብ ጎድኒ ሃገር ዩክሬይን ደው ከም ዝብላ እየን ዝገልጻ። እንተኾነ ግና እዚ ደገፍ ብኸመይ ክግለጽ ኣለዎ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ከም ዝፈላለያ ተገሊጹ። ገሊኣተን ቊጠባዊን ሞራላዊን ሓገዝ ጥራይ እዂል እዩ ክብላ እንከለዋ ዝተረፋ ድማ ወተሃደራዊ ሓገዝ ምግባር ኣገዳሲ እዩ ዝብል መርገጺ ብምሓዘን ምፍልላይ ከም እተራእየ …

Read More »

ምስ ሩስያ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ን ፖሊሲ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ከም ዝዓብለሎ ተገሊጹ።

ሎሚ ዝቐጸለ ክትዓት ፖሊሲ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ብሰንኪቲ ብተጻብኦ ሩስያ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ጸጥታ ኣውሮጳ ዝተደረኸ ምዃኑ ተገሊጹ። ነቲ ክትዓት ብመደረ ዝኸፈተት ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንድ ተጻብኦታት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ፍጹም ተቐባልነት የብሎምን ድሕሪ ምባል ጸጥታን ምርግጋእን ሽወደን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣቱ ጒዳይ ዘይምዃኑ ኣስሚራትሉ። ሽወደን ምስ ረብሓ ሃገራ ብዝሰማማዕ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኣ ናይ ምቕራጽ መሰል ከም …

Read More »

ፑቲን፥ “ንሕና ኲናት ኣይንደልን ኢና”።

መራሕቲ ጀርመንን ሩስያን ኣብ ሞስኮ ተራኺቦም ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ቅልውላው ዩክሬይን ዝዓበየ ኣጀንዳኦም ምንባሩን ተገሊጹ። ኣብቲ ርክብ ጒዳይ ቅልውላው ጸጥታ ኣውሮጳ ብዘተ ክፍታሕ ድሌት ከም ዘለዎ ፕረሲደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ገሊጹ’ሎ። ቻንስለር ጀርመን ብወገኑ “ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ጒዳይ ብዘተ ምፍታሕ ክንክእል ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ” ድሕሪ ምህላጽ ምስ መራሒ ሩስያ ገጽ ንገጽ ተራኺቡ ኣብዚ ኣገዳሲ ጒዳይ ምዝታዩ ዝተሰምዖ ሓጎስ ገሊጹ’ሎ። …

Read More »

ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታት ዝወርድ ጽልኢ ንምንካይ ክስርሓሉ እዩ።

ኣብ ምምሕዳራት ከተማን ኣውራጃታትን ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታት ዝወርድ ጽልኢ፥ ምፍርራህን ምንግልታዕን ንምምሕያሽ ሕጂ’ውን ገና ክስርሓሉ ከም ዝግባእ ተገሊጹ። ዝበዝሑ ካብዘን ትካላት ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታት ዝወርድ ጽልኢን ምፍርራህን እንኣልየሉ ኣገባብ ኣሎና እኳ እንተበሉ ዝያዳ ስግኣታት ዝውገደሊ ኣገባብ ንምንዳይ ክስራሓሉ ከም ዝግባእ ማሕበር ኣመሓደርቲን ዞባታትን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። “ምስ ኣድመጽቲ ደው ኢልካ ኣብ እትዘራረበሉ እዋን ምስ ፖለቲከኛታት ጽልኢ ዘለዎ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com