Thursday , May 16 2024

ዜና

ቀዳማይ ሚኒስተር ላክሰምበርግ ንነጋውስን ፕረሰንድቲታትን ዓረብ ምስ ሰብኣይ እየ ተመርዕየ ብምባል የሰንብዶም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ላክሰምበርግ ሃቬር ቢትል ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሸርም-ኤል-ሸኽ ኣብ ዝተገብረ ዋዕላ ምስ ሰብኣይ ከም እተመርዓወ ኣብ ዝገለጸሉ ኣዳራሽ መርፍእ እንተትወድቕ ክሰምዕ ብዝኽእል ጸጥታ ከም እተዋሕጠ ተገሊጹ። ቢትል ከምዚ ዝበለ ዘርባ ኣብ ገለ ሃገራት ብሞት ዝቕጽዕ ምዃኑ ከም ዝፈልጥ’ውን ኣብቲ ኣኼባ ገሊጹ’ሎ

Read More »

ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ኢሚግሬሽን ኣብ ሕቶ መንነት ሓተትቲ ዕቚባ ኣገዳሲ ውሳኔ ኣመሓላሊፉ።

ብመሰረት እዚ ውሳኔ ዘተኣታተዎ ሓድሽ መትከላት ሓተትቲ ዕቚባ ናይ መንበሪ ፍቓድ ንኽወሃቦም መንነቶም ከረጋግጹ ግድነት ኣይሕተቱን እዮም። ብመሰረት ሬድዮ ሽወደን እዚ ውሳነ ብዓርቢ ንግሆ እተመሓላልፈ ኮይኑ ኣብ ዒራቕ ብሓይልታት ፐሽመርጋ ምክልባት ከም ዘጋጠሞ ዝገለጸ ሓታቲ ዕቚባ ንገልግሎት ኢሚግሬሽንን ቤትፍርዲ ይግባይ ብዛዕባ መንነቱ ከእምኖም ዘይምኽእሉ ከም ኣብነት ቀሪቡ። ፕረዚደንት ቤትፍርዲ ይግባይ Dag Stegland እዚ ውሳነ ሓተትቲ ዕቚባ መንነቶም ከምስክሩ ኣብ ዓቢ …

Read More »

ዜናታት ሽወደን ብቛንቋ ትግርኛ 20190301

Read More »

በዓል መዚ ኢመግረሽን ይንቀፍ።

ብዙሓት ጠበቓታትን ውድባት ሰብኣዊ መሰላትን ሓተትቲ ዕቚባ ብዘይ ዝኾነ ክሲ ኣብ ኣብያተ ማሕዩር ክጸንሑ ምግባሩ ብምልዓል ንኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ነቒፈን። ብመሰረት ትማል ዝወጸ ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን ኣብቲ ገበነኛታት ዝተሓዝሉ ኣብያተ ማሕዩር ዛጊት 25 ሓተትቲ ዕቚባ ተሓዪሮም ኣለዉ። ኣገልግሎት ኢምግሬሽን ፋይላት ዝተነጽጉ ሓተትቲ ዕቚባ ኩሉ ሕጋዊ መስርሕ ድሕሪ ምጽንቃቑ ሕቶኡ ስለእተንጽገ ናብ ፖሊስ ብምስግጋር ብፍቓዱ ካብ ሽወደን ክለቅቕ እዩ ዝተባባዕ። እንተኾነ …

Read More »

ሚልዮናት ክሮነራት ሒዙ ካብ ሃገር ሽወደን ክወጽእ ዝፈተነ ሰብ ተኣሲሩ።

ፖሊስ ሽወደን ሓደ ሰብኣይ ሚልዮናት ክሮነራት ሒዙ ካብ ሃገር ሽወደን ክወጽእ እናበለ ብሰኑይ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንድ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ። እዚ ሰብኣይ ብዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ ተጠርጢሩ እዩ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ኣትዩ ዘሎ። ኣኽባር ሕጊ ነዚ ማእሰርቲ ከናውሖ ወይስ ክለቆ ኣብ ዝብል ሓሙስ መዓልቲ ክውስን እዩ። ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ጀነራል ኣሽራፍ ኣብ ቀረባ እዋናት ከምዚ ዝመስሉ ተመሳሳሊ ገበናት ተራእዮም …

Read More »

ብዛዕባ ወዲ ኦሳማ ቢንላደን ሓበሬታ ዝሃበ ናይ 1ሚልዮን ዶላር ሽልማት ከም እትህብ ኣመሪካ ገሊጻ።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ ወዲ መራሒ ኣልቓዒዳ ነበር ኦሳማ ቢንላደን ሓበሬታ ዝሃበ ናይ 1ሚልዮን ዶላር ሽልማት ከም እትህብ ገሊጻ። ሓምዛ ቢንላንደን መራሒ እስላማዊ ዕጡቕ ምዃኑን ኣብ ዶብ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን ደጀኑ ጌሩ ይንቀሳቐስ ምህላዉን ሰብ መዚ ኣመሪካ ይገልጹ። ንሱ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝፈነዎ ናይ ቪድዮ ምስሊ ንኣመሪካን መሻርኽታን ብምጥቃዕ ሕነ ደም ኣቡኡ ክፈዲ ምዃኑ ገሊጹ ኔሩ። ፍሉያት ሓይልታት ኣመሪካ ንቢንላደን …

Read More »

ኣልባ ኩንትራቱ ምስ ባርሳ የናውሕ!

ስፓኛዊ ናይ ጸጋም ተኸላኻላይ ክለብ ባርሰሎና  ጆርዲ ኣልባ ኣብ ካምፕኑ ስጋብ 2024 ዘጽንሖ  ሓዱሽ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ኩንትራት ፈርሙኡ ኣንቢሩ። ኣልባ ኣብዚ ናይ ውድድር ወቅቲ ኣብ ትሕቲ ኣሰልጣኒ ኤርነስቶ ቫሌቬርዴ ኣብ ርእሲ ናይ ምክልካል ስርሑ 14 ግዜ ቀረብን 2 ጎላት ብምምዝጋብ ደሚቑ ይርከብ። ነዚ እስጳናዊ ናይ ክንፊ ተኸላኻላይ ትደሊ ክለብ ኣብ ኣግኡ መፍረሲ ውዕሉ 500 ሚልዮን ፓውንድ ምኻኑ ክለብ ባርሰሎና …

Read More »

ሽወደን: ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ስለያዊ ንጥፈት ዘካየደ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።

ሰብመዚ ጸጥታ ሽወደን ብረቡዕ ካብ ሓንቲ ስማ ዘይተነግረ ሃገር እተላእከ ሰላይ ኣብ ስደተኛታት ናይ ስለያ ንጥፈት እናካየደ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ጽባሕ ምትሓዝ ጥርጡር ሰላይ ሩስያ ኣብ ሽወደን እዩ። እዚ ሩስያዊ ሰብ ናይ ዲፕሎማሲ ወረቐት መንነት ሒዙ እዩ ኣብ ስለያዊ ንጥፈት ተዋፊሩ ኔሩ ክብል ወኪል ስለያ ሽወደን ገሊጹ’ሎ። ብመሰረት ነቲ ዜና ዝዘርግሐ ጋዜጣ DN እዚ ሓድሽ …

Read More »

40 % መንሽሮ ማህጸን ኣብ መርመራ ዘይገብራ ደቀንስትዮ ከም ዝርአ ተገሊጹ።

ካብ ሬድዮ ሽወደን እተረኽበ ኣሃዛት ሃገራዊ ጥዕና ከም ዘመልክቶ ዓመታዊ ልዕሊ 500 ዝኾና መንሽሮ ማህጸን ዘጋጥመን ደቀንስትዮ ናጻ መርመራ ማህጸን ከምዘይገብራ ሓቢሩ። “ናጻ መርመራ ዘይምግባር ብመንሽሮ ናይ ምጥቃዕ ዕድልካ የዛይዶ እዩ” ትብል ኣደምንበር ጸረ መርበባት ማህጸናዊ መንሽሮ Barbro Sjölander። ንሳ ወሲኻ ” ኣዝዩ ስሉጥን ምዕቡልን መመርመሪ መሳርሒ ኣሎና። እንተኾነ እዚ ኣዝዩ ዘሕፍር ተግባር ጌረን ዝሓስባ ደቀንስትዮ ኣለዋ” ኢላ።፡ ኣብ 2017 …

Read More »

ሰላይ ሩስያ ዝተባህለ ሰብ ተኣሲሩ።

ወኪል ስለያ ሽወደን ንስለያ ብሩስያ ተላኢኩ ኢሉ ንዝጠርጠሮ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእቱ። ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን ንስለያ ቴክኖሎጂ ኢንዱስትሪ ብሩስያ ተላኢኩ ኢሉ ንዝጠርጠሮ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ። ኣብ ንጥፈት ጸረ ስለያ ዝዋፈር እዚ ወኪል ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መብርሂ እዚ ስርሒት መዛዘሚ ናያ ሓያሎ ዓመታት ስራሕ እዩ ኢሉ። ዛጊት ዕድመ ጾታን ካልኦት ውልቃዊ ዝርዝራትን እዚ ክሱስ ንህዝቢ ኣይተቓልዑን ኣለዉ። እዚ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com