Thursday , May 16 2024

ዜና

ብዋጋ መግቢ መጺእና እተን ዝበለጻ ከተማታት ሽወደን እኒመን እየን?

ኣብ ዋጋ መግቢ ካብ ድኳን ናብ ድኳን ፍልልይ ኣሎዶ? ነዚ ንምፍላጥ ውድብ ጡረተኛታት እወደን ኣብ ከባቢ 700 ድኳናት መጽናዕቲ ተጌሩ ኔሩ። ብመሰረት እቲ ዳህሳስ ኣብ ዱካን ዝሽየጥ ዘንቢል መኣዲ 100 ክሮነር ኣብ ካልእ ድማ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ብ 142 ክሮነር እዩ። ብመሰረት እቲ ዳህሳስ ካብ ዓበይቲ ድኳናት ናእሽቱ ድኳናት ብዝያዳ ከም ዝኸብራን ኣተን ዝሓሰራ ኣብ Värmland ዝርከባ ክኾና እንከለዋ እቲ ዝኸበረ …

Read More »

ዝርገሐ ድጓሕ ሓጋይ( vinter kräkningar ) 40% በጺሑ።

ብመሰረት ሓበሬታ ስታቲስቲክስ ክንክን ጥዕና ፕሪቭያ ኣብተን ፈለማ ሒደት ሳምንቲ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ብምኽንያት ድጓሕ ሓጋይ( vinter kräkningar ) ብሕማም ካብ ስራሕ ናይ ዝበዂሩ ሰባት ቊጽሪ ብናህሪ ምውሳዂ፥ ብኣንጻሩ ድማ ናይ ሕማም ሰዓል ቊጽሪ ንታሕቲ ምውራዱ ተገሊጹ። ብመሰረት እዚ ስታቲስቲክስ ሕማም ደጒሒ ሓጋይ ( vinter kräkningar )ናይ ዝሓዞም ሰባት ቊጽሪ ምስ ናይ ዓሚ ብምውድዳር ዝለዓለ መጠን ሒዙ 40%ሚእታዊት በጺሑ’ሎ። …

Read More »

ክኢላታት ሽወደን ዓሳ ምብላዕ ኣብ ጥዕና ኣዎንታዊ ተራ ኣለዎ ይብሉ።

ተመራመርቲ ሽወደን ዓሳ ንጥዕና ኣካላትን ከባቢን ኣዝዩ ኣገዳሲ ብምዃኑ ሰባት ዝያዳ ዓሳ ንኽምገቡ ምትብባዕ ከም ዘድሊ ይሕብሩ’ለዉ። እዞም ኣብ ስቶክሆልም ዝተጋብኡ ተመራመርቲ ዓሳ ምብላዕ ካብ ምኽራሽን ሕማም ልቢን ከም ዝከላኸልን ካብ ካልእ ዓይነት ስጋ ብዝበለጸ ንከባቢ ከም ዝሰማማዕን እዮም ገሊጾም። “ንኣፍረይቲ መግቢ ዝያዳ ኣብ ዓሳ ከተኲሩ ምኽርና ኣብ ምልጋስ ንርከብ። ምኽንያቱ ዓሳ ምብላዕ ፍዂስ ከም ዝብለና እውን ይገብር እዩ” ትብል …

Read More »

ሚኒስተሪ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ንምንቅስቓስ ኣምባሳደር ሽወደን ኣብ ቻይና ብዕቱብ ይከታተል ምህላዉ ገሊጹ።

ኣምባሳደር ሽወደን ኣብ ቻይና ካብ ኣፍልጦ ሚኒስትሪኣ ወጻኢ ንጓል ሓደ ተቓዋሚን ካልእ ቻይናዊ ነጋዳይን ብምርኻብ ኣብ ሆቴል ስቶክሆልም ክዛተዩ ምግባራ ንባይቶ ሽወደን ገሊጻ። ሚኒስትሪኣ ካብዚ ጒዳይ ብምጒናያ ከኣ ብትሪ ነቒፋታ’ላ። ወኪል ጸጥታ ሽወደን ኣምባሳደር ኣና ስልጣና ንዘይሕጋዊ ጽልዋ ተጠቒማትሉ እንተኾይና ንምፍላጥ ኣብ መርመራ ምህላዉ ገሊጹ’ሎ፡ ዓቃባዊ ሰልፊ ብወገኑ ኲሎም ሓቂታት ናብ ዘተ ክቐርቡ ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ። “እዚ ኣዝዩ ህጹጽ ጒዳይ ስለዝኾነ …

Read More »

ሽወደን ኣብ 2019 21 ሽሕ ሓተትቲ ዕቚባ ክትቅበል ትጽቢት ይግበር።

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ኣብዚ ዓመት’ዚ ን 21 ሽሕ ሓተትቲ ዕቚባ ክቕበል ትጽቢት ይግበረሉ። ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ቊጽሪ ሓተትቲ ዕቚባ ምስቲ ናይ ዓሚ ብምውድዳር ኣብ ተመሳሳሊ ደረጃ ክህሉ እዩ ኢሉ’ሎ። እዚ ዓርቢ ካብ ዝወጸ ዕላዊ መግለጺ ኮምብስ ዝተረኽበ እዩ። ብመሰረት ክፍሊ ኢሚግሬሽን ኣብ ዓመተ 2019 ዕስራን ሓደን ሽሕ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ከኣ ከባቢ 22 ሽሕ ሓተትቲ ዕቚባ ክህልዉ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ኣብ …

Read More »

ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 20190215

# መንግስቲ ሽወደን መጻኢ ንድፊ ፖሊሲ ጒዳያት ወጻኢ ዕላዊ ጌሩ። # ኣውሮጳዊ ሕብረት ንስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝርዝር ጠንቂ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ሰሪዕዋ።

Read More »

ስዊድን ጉዳይ ስደተኛታት

Read More »

ኣብ ማእከላይ ማልሞ ምፍንጃር ይኽሰት።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ማእከላይ ማልም ሓደ ተፈንጃሪ ምንታጒነ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋላት እታ ከተማ እቲ ነውጺ ከም እተሰምዐን ተገሊጹ። ብዘይካ ኣብ ጥቓ ምፍንጃር ዝተኸስተሉ ቦታ እተራእየ ምስብባር መስትያት መሳዂቲ ካልእ በቲ ምፍንጃር ዝወረደ ጒድኣት ከም ዘየልቦ ተፈሊጡ’ሎ። ክኢላታት ተፈንጀርቲ ነቲ ቦታ ብምኽላል መርመራ ክገብሩ ድሕሪ ምጽናሕ ነቲ ምኽላል ሎሚ ንግሆ ኣልዒሎሞ’ለዉ። ኣፈኛ ፖሊስ Anna Joranson “እዚ ምፍንጃር ስለምንታይ ኣጋጢሙ ዛጊት …

Read More »

ሽወደን ንኣምባሳደር ሽወደን ኣብ ቻይና ንመርመራ ትጽውዕ።

ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ንኣምባሳደር ሽወደን ኣብ ቻይናAnna Libdsteadt ንጒዳይ Gui Minhai ከመይ ከም ዘሓዘቶ ንምምርማር ጸዊዓታ’ላ። ኣብ ቤትማሕቡስ ቻይና እትርከብ Gui Minhai ካብ ቻይናን ሽወደንን እትውለድ ኣሕታሚት እያ። ብመሰረት እቲ ሚኒስትሪ Ann ኣብቲ ጒዳይ ጽቡቕ ምውሳእ ኣየርኣየትን ጥራይ ዘይኮነ ብዘይ ኣፍልጦ እቲ ሚኒስትሪ እዮም እቶም ርክባት ዝካየዱ ኔሮም ዝብል ወቐሳ ቀሪቡላ’ሎ። Lindsteadt ኣብ መንጐ ጓልእዛ ኣሕታሚት ሚንሃይን ገለ ሰብ ቢዝነስን …

Read More »

ኣብ ሽወደን ቊጽሪ ፖላንዳውያን ሰራሕተኛታት ህንጻ ብናህሪ ይውስኽ።

ብመሰረት ኣገልግሎት ከባቢ ሽወደን ኣብ ሽወደን ቊጽሪ ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ህንጻ ብናህሪ ወሲኹ’ሎ። ብመሰረት እዚ መግለጺ ዝበዝሑ ካብዞም ሰራሕተኛታት ህንጻ ፖላንዳውያን እዮም። “ዓብዪ ሽሻይ ዓቕሚ ሰብ ህንጻ እሎና። ሕጂ ኣብዛ ሃገር ዓበይትን ናእስቱን ናይ ህንጻ ፕሮጀክቲታት ኣለዋ” ትብል ሓላፊት ARNA Arne Alferdsson። ቊጽሪ ምዝጉባት ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ኣብ 2018 72552 በጺሑ ኔሩ። እዚ ድማ ምስ ዓመተ 2017 ብምንጽጻር ኣዝዩ ወሰኸ ኣርእዩ’ሎ። እዚ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com