Saturday , May 18 2024

ጥዕና

ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ገለ ቦታታት እገዳታት ተኣዊጆም

ኣብ ዌይልስ፣ ስኮትላንድን ሰሜናዊ ኣየርላንድን ‘Boxing Day’ ተባሂሉ ኣብዝፍለጥ ስፖርታዊ ቅነ፡ ሓደሽቲ እገዳታት ክትግበሩ ምዃኖም  ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ለይታዊ ቤት ትልሂታት ይዕጸዉ፣ ናይ ርሕቀት ሮቓሒታትን መስርሓትን ይትግበሩ፣ ከምኡ ውን ናብ ባራት ዝኣትዉ ቁጽሪ ናይ ሰባት እንዳነከየ ክኸይድ ይግበር ከምዘሎ፡ ስካይ ኒውስ ስፖርት ዝተባህለ ናይ ዜና ማዕከን ጸብጺቡ። ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ ምልባዕ ኦሚክሮን ጅር ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተኣወጁ …

Read More »

እስራኤል፡ 4ይ እብረ ክትባት ክትህብ ጀሚራ

ሓደ  ናይ እስራኤል ሆስፒታል፡ ን 150 ዝኾኑ ሰራሕተኛታቱ፡ 4ይ እብረ ጸረ ኮቪድ ቫይረስ ክትባት ክህብ ከምዝኾነ ተገሊጹ። እቲ 4ይ እብሪ ክትባት ክዋሃብ ዝተወሰነሉ ምኽንያት፡ እቲ ክትባት ክሳብ ክንደይ ውጽኢታዊ ምዃኑ  ንምፍታሽን ኣብ ቐጻሊ ድማ ንተወሳኺ ሰራሕተኛታት ክዋሃብ ምግባር ኣድላይ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምፍላጥ ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቶም ሰራሕተኛታት ነቲ 3ይ እብሪ ክታበት ዝወሰዱ ኣብ መወዳእታ ወርሒ …

Read More »

ምኽርታት ጽቡቕ ንምድቓስ – Tips för att sova bra

Read More »

ኣውስትራልያ፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ዝውሰደሉ ግዜ ተሕጽር

ኣውስትራልያ፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ እቲ ካልኣይ እብረ ክትባት ናይ ኮቪድን ሳልሳይ እብረ ክትባት  ዝዋሃበሉ ናይ ግዜ ፍልልይ ክሓጽር ከምዝገበረት ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ቅድም ክብል፡ ኣብ ሞንጎ ክትባታት ናይ 5 ወይ 6 ኣዋርሕ ፍልልይ ክህሉ ከምዝግባእ ክሕበር እኳ እንተጸነሐ፡ ካብ መፈለምታ ናይቲ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ግና ሳልሳይ እብረ ክትባት ንምውሳድ፡ 4 ኣዋርሕ ጥራሕ ፍልልይ ክህሉ ከምዘድልይ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። …

Read More »

ፈረንሳ፡ 3ይ እብረ ክትባት፡ ድሕሪ 3 ኣዋርሕ ክዋሃብ ድሌት ከምዘለዋ ገሊጻ

ፈረንሳ፡ ዕድሚኦም ንዓቕሚ-ኣዳም ዝበጽሑ ሰባት ብዝምልከት፡ ካልኣይ ክትባት ድሕሪ ምውሳድ፡ 3 ኣዋርሕ ስዒቡ እቲ 3ይ እብረ ክትባት ንኽውሰድ ምኽርታት ከምዘመሓላላፈት ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ክትባታት ንዝነበር ናይ 5 ኣዋርሕ ፍልልይ ብሰንኪ እቲ ብቕልጡፍ ዝላባዕ ዘሎ ኦሚክሮን ጅር እቲ ግዜ ንኽሓጽር ገርይዎ ኣሎ ማለት’ዩ። እዚ ውሳኔ ዝመጸ ካብቲ ናይታ ሃገር ናይ ጥዕና በዓል …

Read More »

ኣብ ጉዕዞ ዝግበሩ እገዳታት፡ ካብ ዕለት 28 ታሕሳስ ጀሚሮም ተግባራዊ ከምዝኾኑ ተፈሊጡ

ካብ ታሕሳስ 28 ጀሚሩ፡ ኣብ ልዕሊ 150 ኪ.ሜ ርሕቀት ዘለዎም፡ ብህዝባውያን መጓዓዝያታት ንዝግበሩ ጉዕዞታት ብዝምልከት፡ ካብ ኮቪድ-19 ናጻ ምዃን ዘረጋግጽ ወረቐት ከም ሮቓሒ ክሕተት ከምዝኾነ ህዝባዊ ትካል ጥዕና ሽወደን ገሊጹ። ብህዝባውያን መጓዓዝያታት ናይ ነዊሕ ጉዕዞ ንምውሳድ ዘድልይ ናይ ወንበር ይኹን መደቀሲ ቦታ ንምሓዝ እዚ ዝተጠቕሰ ሮቓሒ ምምላእ ካብ ድሮ ልደት ጀሚሩ እዩ ተግባራዊ ክኸውን ተሓሲቡ ዝነበረ። ካብ ታሕሳስ 28 ጀሚሩ …

Read More »

ዞባ ዳላርና ንሰራሕተኛታት ናይ ክታበት ፓስፖርት ክሓትት ምዃኑ ኣፍሊጡ፡

ምምሕዳር ዳላርና፡ ካብ 1 ጥሪ ጀሚሩ ንሰራሕተኛታቱ ናይ ክታበት ምስክር ወረቐት ምሕታት ከተኣታቱ ምዃኑ ኣፍሊጡ ክብላ ጋዜጣታት ዳላርና ጸብጺበን ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓበሩ፡፡ ስለዚ ድማ እቲ ምምሕዳር፡ ካብ ሰራሕተኛታት ምስክር ወረቐት ክታበት ዝሓትት፡ ካብ መላእ ሃገር ናይ መጀመርታ ምምሕዳር ክኸውን እዩ ተባሂሉ፡፡ እዚ ብዛዕባ ናይ ክታበት ምስክር ወረቐት ዝወሃብ መምርሒ፡ ንሓደስቲ ዝተቖጽሩን ንነባራት ሰራሕተኛታትን ዝምልከት ከም ዝኾነ እቶም ጻብጻባት …

Read More »

ኤኳዶር፥ ግዱድ ክታበት ተተኣታቱ

ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ሓድሽ ጅር ኦሚክሮን; ክታበት ኮቪድ-19; ንዝበዝሑ ዜጋታት ግዱድ ከም ዝኸውን ኤኳዶር ኣፍሊጣ። ንምሉእ ህዝቢ እታ ሃገር ኣንጻር እዚ ሕማም ዝዕጠቐሉ እዂል ብልቃጣት ከም ዘለዋ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ’ሎ። እዚ ንኸይግበር እዂል ሕክምናዊ ምኽንያት ዘቕርቡ ጥራይ ካብዚ ግዱድ ክታበት ናጻ ክኾኑ እዮም። ኲሎም ካልኦት ካብ 5 ንላዕሊ ዝዕድሜኦም ዘበሉ ክኽተቡ እዮም። ክሳብ ሕጂ፡ 77.2% ኲሎም ኣብዚ ዝርዝር ዘለዉ …

Read More »

መንግስቲ ፊንላንድ፡ ህጹጽ ናይ ዕጽዋ ግዜ የተኣታቱ

ኣብ ፊንላንድ፡ ዝተረሩ ቀይድታት ኮቪድ ክተኣታተዉ ምዃኖም ተሓቢሩ። እቲ ብልፍንቲ ቡዙሓት ሰልፍታት ዝቆመ መንግስቲ፡ ውሳነኡ ኣማሓላሊፉ’ሎ፡ ንሱ ከኣ ግድን ” ህጹጽ ናይ ዕጽዋ ግዜ ክተኣታቶ ኣለዎ ” ክትብል ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ፡ ሳና ማሪን፡ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ማለት፡ ቕድሚ ኩሉ እቲ መንግስቲ ኣብቲ ጉዳይ ኣትዪ፡ ኣብ ክንዲ ብደረጃ ምምሕዳራት፡ ብሃገር ደረጃ ውሳነ ከመሓላልፍ እዩ። ” ንሕና በቲ …

Read More »

ብጉዳይ ለበዳ ኦሚክሮን፡ ሻቕላታት ይቕጽሉ

ብሰንኪ መልከፍቲ ኦሚክሮን ክፍጠሩ ዝኽእሉ ጥዕናዊ ጸገማት፡ ምስቶም ብካልኦት ጅራት ኮሮና ዝፍጠሩ ክነጻጸር እንከሎ፡ ዝሓሸ ከም ዝኾነ ኣብ ብሪጣንያን ደቡብ ኣፍሪቃን እተኻየዱ ኣፈናዊ መጽናዕቲታት ኣመልኪቶም። ሕሙማት ኦሚክሮን እቶም ዝወሓዱ ጥራይ ክንክን ጥዕና ከም ዘድልዮም ዝጠቐሰ እቲ መጽናዕቲ፡ ይዂንምበር ብሰንኪ ዘሎ ናህሪ ለበዳ ሆስፒታላት ብሕሙማት ከም ዝመልእ ብምግባር፡ ኣብ ስርዓተ ጥዕና ጸቕጢ ክፈጥር ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ። ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ሓደ መዓልቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com