Sunday , May 5 2024

ቲቪ

ጁቨንቱስ ብ ሓደ መዓልቲ ሽዱሽተ ነጥቢ ትኸስር

ትማሊ ምሸት ዋንጫ ሰሪ ኣ ኣብ ዝተኣንገደሉ  ክለብ ጁቨንቱስ ን ኣብ መበል 15 ደርጃ ዘላ ክለብ ፈረንቲና ዓዲማ ኣብ ዝካይደቶ ጸወታ፣ ክለብ ፈረንቲና ኣብ መበል 3 ደቂቕ ካብ ዱሳን፣ ደጊማ ኣብ 81 ደቂቕ ካብ ማርቲንስ ከማውን ኣብ 76 ደቂቅ ኣለክስ ሳንድሮ ናብ ገዛእ ልዳቱ ብዘመዝገብ ሸቶ ተሓጊዛ ነታ ኣብ 18 ደቂቕ ን ካደራዶ ብ ቀይሕ ዝኸሰረት ጁቬንቱስ 3 ብ 0 …

Read More »

ሽወደን ኣብ ክንክን ኣረጋውያን ፍሽለት ምርኣያ ተገሊጹ።

ነቲ ሽወደን ዘጋጠማ ፍሽለት ንምሕካም መርማሪት ሽማግለ ሓድሽ ንድፊ “ሕጊ ክንክን ኣረጋውያን” ክትጅምር እያ ተባሂሉ። ኣብ ቀረባ እዋን ኮሚሽን ኮሮና ኣብ ዝገብሮ መርመራ ኣብዚ ስርዓተ ክንክን ከቢድ ህጓፋት ሕጊ ምርካቡን ቀዳማይ ሚኒስተር ሉፊን ከይተረፈ ሽወደን ንኣረጋውያን ዝግባእ ክንክን ኣብ ምሃብ ምፍሻላን ምዝራቡ ተገሊጹ። እዚ ብምቕያር ቅዋም ከይተረፈ ንምምሕያሹ ክስራሓሉን መንግስቲ ዝሕይለሉ ኣገባብ ንምንዳይ ክጽናዕ ከም ዝግባእን ምትሕስድሳቡ ድማ ተመልኪቱ።

Read More »

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣዕናዊ ዝተባህለ ወፍሪ ጠቐነ ከምዝጀመረ ሲኤን ኤን ሓቢራ።

ሓድሽ ፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ስርሑ ክጅምር ሰላሳ መዓልታት ተሪፈናኦ ኣብ ዘለዋሉ እዋን ትራምፕ ኣዕናዊ ዝተባህለ ወፍሪ የካይድ ምህላዉ ሲኤንኤን ሓቢራ። እዚ ናይ ጠቐነ ወፍሪ ትራምፕ ብ ተበለጽቲ ባእታታት ይድግፍ ምህላዉ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ ካብ ዋይት ሃውስ ክወጽእ ካብ 30 ዘይበዝሓ መዓልታት ዝተረፎ ትራምፕ ናይ ምርጫ ማሽናት ክእግድ፥ ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ምትእትታው ክገብር ወይ ወተሃደራዊ ሕጊ ከተኣታቱን ዝብሉ ተራ ዝተባህሉ …

Read More »

ኣብ ሃገረ ኢንግሊዝ ዝተራእየ ሓዲሽ ተላባዒ ቫይረስ ኣብ መላእ ዓለም ሻቕሎት ይፈጥር።

ተመሳሳልነትን ምስ ኩሮና ቫይረስ ምኻኑ ዝተነግረሉ ሓዲሽ ተላባዒ ቫይረስ ፡ ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ከም ዝተርኣየ ሰብ መዚ መንግስቲ እታ ሃገር ሓቢሮም። በዚ መሰረት ኣብ መላእ ኤውሮፓ ብዝዕባ እዚ ጉዳይ ዓቢ ሻቅሎት ስለ ዝተፈጥረ ፡ ዓበይቲ ጥንቃቀታት ክግበር ፡ ነፍሲ ወከፍ መንግስቲ ኣድላይ ዘበለ ስጉምትታት ኣብ ምውሳድ ከም ዝርከባ ይግለጽ ኣሎ። ብመሰርት ክሳብ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ሓበሬታ ፡ ብዙሓት ሃገራት ኤውሮፓ …

Read More »

ምድላው ኣልኮምፒስ ትግርኛ ቅርጹን ሽሙን ክቅይር ከም ዝኾነ ተፈሊጡ።

ማዕከን ዜና ኣልኮምፒስ ትግርኛ ፡ ሽምን ቅርጽን ብምልዋጥ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጥሪ ናይ ሓድሽ ዓመት ፡ ኣብ ትሕቲ ሃርሞንይ ሜድያ ዝተባህለ ፡ ሓድሽ ናይ ቃንቃ ትግርኛ ትካል ብሙኻን ፈነውኡ ከካይድ ምኻኑ ክፍሊ ምድላው ኣልኮምፒስ ትግርኛ ሎሚ 21 ታሕሳስ 2020 ኣብ ዝወጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ብመሰረት እቲ መግለጺ ኣልኮምፒስ ትግርኛ ምስቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ብሽርክነት ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ፈነወ መደብ ዓረብ ኣልኮምፒስ …

Read More »

“ናብ ማንቸስተር ዩናይትድ ክሰጋገር ድልው እየ” ልዋንዶውስኪ።

ፓላንዳዊ ኣጥቃዒ ክለብ ባይረ ሙኒኽን ተዓዋቲ ቡሉጽ ፊፋ 2020 ዝኾነ ሮበርት ልዋንዶውስኪ  ምስ ኢንግሊዛዊት ማንቸስተር ዩናይትድ ተሰሊፉ ክጻወት ዘልዎ ባህጊ ብምግላጽ ፣ ናብዛ ክለብ ንክሰጋገር ድልው ምህላዉ ገሊጹ። እዚ ቆማት ኣጥቓዒ ኣብ 2012 ብ ሰር ኣለክስ ፈርጉሰን ንምስግጋሩ ኣብ ጥርዚ እካ በጺሑ እንተነበረ፣ ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ብዘራየእቶ ዛሕልታት ብ ጀርመናዊት ክለብ ዶርትመን ኣብቲ ምሰርሕ ኢዳ ብምሕዋስ ምስኣ ብምንጽንባር ድሕሩ ድማ …

Read More »

ቁኑዕ ኣጠቓቕማ መሸፈኒ ወይ መከላከሊ ኣፍ ከመይ ይመስል

ብመሰረት ሓቤረታ ብዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ነፍሲ ወከፍ ስብ ኣብ ህዝባዊ ኣገሎግሎት ዝህባ ባቡራት ኮነ ኣውቶብሳት ኣብ ዝጥቀመሉ ግዜ ናይ ኣፍ መሸፍኒ ክንወዲ የተሓሳስቡን ለበውኦም የመሓላልፉ ኣለዉ። ብተወስኽውን መሽፈኒ ኣፍ ኣብ ንጥቀመሉ ግዜ፣ ናይ ግድን በቲ ቁኑዕ ኣገባብ ክንጥቀመሉ ከምዘለና ወሲኾም ይሕብሩ። ገለ ካብቲ ኣገባብ ኣጥቃቕምኡ፣ 1, ናይ ግድን ኣፍናን ኣፍንጫናን ብጉቡእ ክንሽፈኖ ከምዘለና 2, ነቲ መከላከሊ ጨርቂ ብ ኢድና …

Read More »

መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሎሚ ዝጅምር ተሪር ጽኑዕ ሕግታት ምርጋጥ ኣንቡሩ።

ኣብ ሃገረ ኤርትራ ብሰንኪ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብናህሪ ዝተራእየ ቫይረስ ኩሮና ምኽንያት ብምግባር ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ካብቲ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ንህዝባውን ማሕበራውን ምንቅስቃሳት ዝምልከት ጽኑዕ ሕግታት ብዝያዳ ዘትርር ሕግታት ከም ዝኣወጀ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ብመሰረት እቲ ዜና ካብን ናብን ከተማታት ምንቅስቃስ ከም ዝተኸልከለ ከምኡ’ውን ካልኦት ጽኑዓት ናይ ምውሻብ ሕግታት ተመሓላሊፎም ከምዘለዉ ሓይሊ ዕማም ምኽልኻል እዚ ቫይረስ ኣፍሊጡ።

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter 21 December 2020

1. ምድላው ኣልኮምፒስ ትግርኛ ቅርጹን ሽሙን ክቅይር ከም ዝኾነ ተፈሊጡ። 2. ዓሌት ኩሮና ዝኾነ ቫይረስ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ከም ዝተርኣየ ትሓቢሩ። #sverige #alkompis #sweden #Tigrinja Sweden

Read More »

ሎሚ 21 ታሕሳስ እታ ዝነውሔት ጸልማትን ለይትን ኣብ ሽወደን።

ብመስረት ስርዓት ዑደት ዓለምና ኣብዛ መዓለትን ወርሕን ዑደት መሬትና ካብ ደቡባዊ ክፋል ዓለም ናብ ሰሜናዊ ክፋል ትጋዓዘሉ እዩ። በዚ መስረት ሎሚ ዕለት 21 ታሕሳስ ሰዓት 1፡02 እታ ዝሓጸረት መዕላትን ዝነውሔት ጸልማትን ለይቲን ኣብ ሽወደን ኮይና ትምዝገብ። ነቶም ብርሃን ዝናፈቕኩም ብፍላይ ኣብዚ ሰሜናዊ ክፋል ዓለም ንነብር ካብ ናብ ጽባሕ ሰሉስ ጀሚሩ እንዳበርሄ ክኸይድ እዩ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com