Sunday , May 19 2024

ሃገራዊ ዜና

ሕዝቢ ንምኽሪ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈት ይሰምዖ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ ሽወደን ብባህሊ ኣብ እዋን ቅንያት ኣፋስጋ ዝግበሩ ምትኣኽካብ ቤተሰብ ዝሰረቶም መገሻታት ብዝላዓለ ቁጽሪ ምቕናሱ፣ ንወሃብ ቃል ባዓል መዚ መጉዓዓዝያ ምድሪ ቤንግት ኡልሶን ብምጥቃስ ተተ ኣፍሊጡ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ካብ ትማሊ ሓሙስን ሎሚ ዓርቢ ስቕለትን ብ20 ሚእታዊት ካብቲ ዝነበሮ ትሑት ምንቅስቓስ ትራፊክ ከምዝተመዝገበን፣ እዚ ኸኣ ዜጋታት ነቲ ብኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ዝዋሃብ ዘሎ መጠንቀቕታን ንመኸተ ኮቪድ-19 የኽብሮ ከምዘሎ ዘመልክት ምዃኑ ይንገር። …

Read More »

ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ብመገዲ ዲጂታላዊ መራኸቢ ምስ ሓካይም ምርኻብ እንዳዓበየ መጺኡ።

ብሰንኪ ኮቪድ 19 ዝፈጠሮ ዝይንቡር ኩነታት ሰባት ምስሓኻይሞም ብመገዲ ዲጂታላዊ መራኸብታት ዝገብርዎ ዘሎዉ ርክብ እንዳዓበየ ምምጽኡ ክፍለጥ ተኻኢሉ ብመሰረት እቲ ጸንብጻብ እተን በዚ መገዲ እዚ ኣገልግሎ ዝህባ ማእከላት ጥዕና ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ቁጽሪ ጠጠቀምቲ ከምዝበዝሑወን ይሕብራ። ብመገዲ ቪድዮ ቆጸራ ብማሓዝ ምስ ሓካይምካ ምርኻብን ኣገልግሎት ጥዓና ምርካብን፣ ልሙድ እኳ ኮይኑ እንተጸንሐ ሕጂ ግን ቁጽሪ ተገልገልቲ ብ 66 ሚእታዊት ምዕባዩይሕበር። ምስኡ …

Read More »

በዓል መዚ ኢመግረሽን ንዝርጋሐ ኮሮና ዝቕይድ ስጉምቲ ይእውጅ።

ቤትጽሕፈት ኢመግረሽን ነቶም ኣብ ስግኣት ዓንኬል ዚርከቡ (ሽማግለታትን ሕዱር ሕማም ዘለዎምን) ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ፍሉይ ገዛ ከቐምጦም መዲቡ ኣሎ፡ ነዚ ስጉምቲ ዚወስዶ ዘሎ ድማ ኣብቶም ጠየቕቲ ዑቕባ ዝርጋሐ ኮሮና ንምዕጋት እዩ። በዚ ሓበሬታ መስረት ኣስታት 15 ሽሕ ኣብ ናይ ኢመግረሽን ገዛውቲ ኪቕመጡ ከለዉ፡ 21 ሽሕ ድማ ኣብ ናውልቖም ይነብሩ ከምዘለዎ ይሕበር።   የን ሶርማን፡ ሓላፊ ገዛውቲ ሚግረሽን፡ እቲ ምምሕዳር ብዚከኣል …

Read More »

ኣብ ዓቢ ቤተ ክርስትያን ኡፕሳላ ብምኽንያት ዓርቢ ስቕለት ዘርኢ ስእሊ ብምኽንያት ኮቪድ 19 ተማሓላሊፉ ዘሎ እገዳ ምእካብ ሰባት ብርሕቀት ዝተገብረ ዘሎ ናይ ስግደትን ጸሎትን ስነ ስርዓት።

Read More »

ቤት ጽሕፈት ኣታዊ ግብሪ ሃገር Skatteverket ኩሉ ሰብ ካብ ሰርሰርትን መደናገርትን ክጥንቀቑ ይሕብር።

ቤት ጽሕፈት ኣታዊ ግብሪ ሃገር፣ ማለት Skatteverket ብምኽንያት ግብሪ ንዝምለሰሎም ሰባት ምኽፋል ምጅማሩ ተኣሳሲሩ ካብ ሰርሰርትን መደናገርትን ብመገዲ sms ከምኡ እዉን email ናብ ዉልቀሰባት ዝላኣኽ ኤክትሮኒካዊ፣ ሰባት መልሲ ካብ ምሃብ ክቑጠቡን እንተተኻኢሉ ነቲ ዝመጽእ መልእኽትታት ምድምሳሱን ምጉሓፉን ተመራጺ ከምዝኾነ ኣጠንቂቑ። ኩሎም ብመገዲ ዲጂታላዊ መገዲ ዓመታዊ መደቓቀሲ ግብሪ ማለት deklaration ዝላኣኹ ሰባት ካብ ትማሊ ሰሉስ ጀሚሩ ስጋብ ጽባሕ ሓሙስ ገንዘብ ንዝምለሰሎም …

Read More »

ዝመጽእ ቀዳመ ስንበት ዝሑል ኩነታት ኣየር ክህሉ ሙኻኑ ይሕበር።

ዝመጽእ ቀዳመ ሰንበት  ዛሕሊ ዝዓብሎሎ ኩነታት ክህሉ ሙኻኑ በዓል መዚ ሜትሮሎጂ ሽወደን ይእምት። ብመሰረት ሓበሬት እዚ በዓል መዚ ኣብ መላእ እዛ ሃገር ብጸሓይ ዝተሰነየ ዛሕሊ ዝዓብለሎ ቀዳመሰንበት ክህሉ ይኹንምበር  ኣብ ደቡባውን ማእከላይ ሽወደን ጸሓይ ብርትዕቲ ስለ ስለትብል፡ ጸሓይ ብምጽላው ሙቐት ኪርከብ ክንክእል ኢና። ኪኢላ እዚ ዓውዲ ዝኾነ  ጆን ዮርፕላንድ ክምዚ ዝስዕብ ይትንበ  ኣብ ደቡብ ሽወደን ካብ 5-10 ዲግሪ ሙቐት ኪህሉ …

Read More »

ዮቶቦሪ፡ ቁጽሪ ልኹፋት ቫይረስ ኮሮና ብናህሪ ይውስኽ።

ኣብ ምምሕዳር ቨስትራ ዮትላንድ ቁጽሪ ናይቶም ብቫይረስ ኮሮና ዝልከፉ ዘለዉ ሰባት ይውስኽ ምህላዉን ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ዮቶቦሪ ዓቢ ዝላ ከምዘርእየን ይኹን እምበር እቲ ወሰኽ ከምቲ ኣብ ስቶክሆሎም ዝረአ ዘሎ ከምዘይኮነ ሓላፊ ምቁጽጻር ለበዳ እቲ ምምሕዳር ቶማስ ቫልበሪ ሓቢሩ። ኣብዚ ምምሕዳር ካብ ዝተራእየ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ ወሰኽ ልኹፋት ቫይረስ ካብ 30 ክሳብ 60 ሰባት ነይሮም። መብዛሕተኦም ካብ ከተማ ዮቶበሪ …

Read More »

ቲግኒል፡ ስቶክሆሎም ድሕሪ ጣልያንን እስፓኛን ኣይትስራዕን እያ ይብል።

ኣብ ጣልያንን እስፓኛን ቅልጡፍ ዝኾነ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ድሕሪ ምግጣሙ ዝተራእዩ ተርእዩታት ኣብ ስቶክሆሎም እቲ መስርሕ ለባዳ ቀስ ኢሉ ነዊሕ እዋን ዝወሰደ ምዃኑን ከም ኣብዘን ሃገራት ዘጋጠመ ኩነታት ከምዘየጋጠመን ብምብራህ፡ ህዝቢ ግን ነዚ ጉዳይ ከም ውሑስ ከይወሰደ እቲ ዝዋሃቦ ምኽርታት እናተግበረን መሰረታውያን ናይ መከላኸሊ ቅጥዕታት እናፈጸመን ክቕጽል ከምዘለዎ ክብል ኣማኻሪ ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንድሽ ቲግኒል፡ ገሊጹ። ሃገራት ጣልያንን እስፓኛን ቁጽሪ ናይቶም …

Read More »

መምርሒታት ጥዕና ዝጠሓሳ ቤት ምግብን መስተን ክዕጸዋ ምዃነን ተሓ።

ንለበዳ ቫይረስ ኮኖና ንምቁጽጻር ዝምልከቱ ብኣገልግሎት ጥዕና ዝወጹ መምርሒታት ዝጠሓሳ ቤት ምግብታትን ሆቴላትን ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ክውሰደለን ምዃኑ ሓላፊት ማሕበር ቤት ምግብታትን ሆቴላትን ዝኾነት ሞሊን ኣኮልት ኣጠንቂቓ። ገለ ቤት ምግብታት ነቲ ብኣገልግሎት ጥዕና ዝተዋህበ ጣውላታት ኣረሓሒቕካ ኣገልግሎት ምሃብ ዝብል መምርሒ ብምጥሓስ ይሰርሓ ከምዘለዋ ሬድዩ ኢኮት ሎሚ ሓቢሩ። ዝተዋህበ መምርሒታት ብምጥሓስ ንዓማዊል ናብ ሓደጋ ዘውድቕ ኣገባብ ኣገልግሎት ምሃብ ቅቡል ከምዘይኮነ ኣድላይ …

Read More »

ኣብ ሽወደንካብ ዓሰርተ ሰባት እቶም 9 ምልክታት ቫይረስ ኮሮና ከምዘየርእዩ ተገሊጹ።

ኣማኻሪ ተላባዕቲ ሕማማት ኣንዲች ቲግኔል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ካብ ዓሰርተ ሰባት እቶም 9 ምልክታት ቫይረስ ኮሮና ኣየርእዩን እዮም ኢሉ። “እዚ ብብዙሕ መጽናዕቲታት ዝተረጋገጸ እዩ” ክብል ቲግኔል ንተሌቪዥን SVT ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። በዚ ድማ ሰባት ምምርማር ኣዝዩ ኣገዳሲ ስጒምቲ እዩ ክብል ድማ ኣስሚሩሉ። እዚ ይዂንምበር ኲሎም ሰራሕተኛታት ሕክምና ክምርመሩ ኣለዎም ንዝብል ሓሳብ ከም ዘይሰማማዓሉ ኣፍሊጡ። ብመሰረር ጸብጻባት ሬድዮ ሽወደን ኣብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com