Friday , May 17 2024

ዜና

ሱዳን ንግዳያት መጥቃዕቲ ቦምባ: 335 ሚልዮን ዶላር ትኽሕስ

ሱዳን ነቶም ብ 1998 ኣብ ኬንያን ታንዛንያን ኣብ ዝርከቡ ኤምባሲታት ኣመሪካ ብመጥቃዕቲ ቦምብ ግዳያት ዝኾኑ ሰባት ናይ 335 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ከም ዝኸፈለት ተገሊጹ። እዚ ካሕሳ ነቲ ኣብ 2000 ኣብ መርከብ ኲናት ኣመሪካ USS Cole ዝወረደ መጥቃዕቲ እውን ዘጠቓልል እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ካሕሳ ኣብ መንጐ ካርቱምን ዋሺንግተንን ሓድሽ ምዕራፍ ዝምድና ዝኸፍት እዩ ክብል ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ገሊጹ’ሎ። …

Read More »

Harmony Media ዜና መጽሔት 01 ሚያዝያ 2021

Read More »

Harmony Media News 31/03/2021

Read More »

ፓኪስታን. . .ቤተ መቕደስ ሂንዱ፡ ዓንዩ

ኣብ ከተማ ራዋልፒንዲ፡ ናዕበኛታት፡ ሚእቲ ዓመት ዘቚጸረ ቤተ መቕደስ ሂንዱ ኣዕንዮም ካብቲ ቦታ ምህዳሞም ፖሊስ ፓኪስታን ገሊጾም። እቶም ናዕበኛታት፡ ብቀዳም መዓጹን ደረጃታትን እቲ ቤተ መቕደስ ምዕናዎምን እቲ ቤተ መቕደስ ክሳብ ዳግማይ ዝጽገን፡ ምእመናን ሂብዱ፡ ኣገልግሎት ቤተ መቕደስ ክረኽቡ ተጸጊሞም ኣለዉ ክብል ወሃብ ቃል ፖሊስ እቲ ከባቢ፡ መሓመድ ቶሲፍ ሳጂድ፡ ገሊጹ። ብሰንኪ እዚ ዕንወት፡ ህንዳውያን፡ ሕብርታት እናተገንጨቡ ዘኽብርዎ ዓመታዊ በዓል ሆሊ …

Read More »

ንትሕቲ ዕድመ ዝኸውን ክታበት ኮቪድ-19፡ ኣብ ዝቕጽል ክረምቲ ክቐርብ እዩ

ኣብ ልዕሊ ክሊ ዕድመ 12 ዓመት ክሳብ 15 ዓመት ዘለዉ ቆልዑ ዝተኻየደ ፈተነ ክታበት ኮቪድ-19፡ ጽቡቕ ውጽኢት ይህብ ከምዘሎ ኩባንያ ቢዮንቴክ-ፋይዘር ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ቆልዑ፡ መስርሕ ክታበት፡ ኣብ ዝቕጽል ክረምቲ፡ ክሳብ ምጅማር ሓድሽ ትምህርታዊ ዓመት፡ ብዝዓበየ ደረጃ ንምክያድ መደብ ሒዙ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ቆልዑ ዝተኻየደ …

Read More »

ደብዳብ ነፈርቲ ፈረንሳ፡ ኣብ ማሊ ሲቪላውያን ምቕታለን ተረጋጊጹ

ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ኣብ ጽንብል መርዓ እናሃለዉ 19 ሲቪላውያንን ሰለስተ ዕጡቓትን ብደብዳብ ነፈርቲ ፈረንሳ ከም ዝተቐተሉ፡ መርመራ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመልኪቱ። ሚኒስተር ምክልኻል ፈረንሳ “ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ግብረ-ሽበራውያን እየ መጥቃዕቲ ፈጺመ” ብምባል ነቲ ውጽኢት መርመራ ከም ዝጠራጠሮ ገሊጹ’ሎ። ፈረንሳ ኣብ መላእ ሳሕል 5100 ዝኾኑ ወተሃደራት ምስ ኣልቓዒዳን ዳዕሽን ርክብ ኣለዎም ንዝበልዎም ኣሸበርቲ ንምቅላስ ተዋፊሮም ከም ዘለዉ ዝፍለጥ እዩ። ነበርቲ እቲ …

Read More »

መጠን ዝቕባበ ባጤራ ዩሮ ይውስኽ

መጠን ዝቕባበ ባጤራ ዮሮ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ውን ከምዝወሰኸ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብ ወርሒ የካቲት፡ መጠን ዝቕባበ ባጤራ ናይተን 19 ኤውሮፓውያን ሃገራት 0.9% ከምዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ መጠን ግን ኣብ ወርሒ መጋቢት  ናብ 1.3% ክብ ከምዝበለ ጸብጻባት ዩሮ ሳት ይሕብሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ማለት ድማ፡ ማእከላይ ባንክ ኤውሮፓ፡ ኣንቢርዎ ዝነበረ ዝለዓለ መጠን ዝቕባበ ባጤራ ዩሮ፡ 2%፡ ክስገር ከምዝኽእል …

Read More »

ሃገረ ሊባኖስ፡ ሓድሽ መንግስቲ እንተ ዘይረኺባ፡ ከም መርከብ ታይታኒክ፡ ክትጥሕል እያ

ሊባኖስ፡ ሓድሽ መንግስቲ እንተዘይረኺባ፡ ከም ታይታኒክ ክትጥሕል እያ ክብል ሓደ ላዕለዋይ ፖለቲከኛ ሊባኖስ ኣጠንቂቑ። መላእ ሃገር፡ ኣብ ዓብይ ሽግር ኣትያ’ላ፥ እዛ መርከብ እንተጥሒላ ክድሕን ዝኽእል የለን ክብል ኣፈኛ ባይቶ፡ ነቢ በሪ፡ ገሊጹ’ሎ። ሊባኖስ፡ ብዘይ መንግስቲ ልዕሊ ሸውዓተ ኣዋርሕ ጌራ ምህላዋ ኣላ። ዝሓለፈ መንግስቲ፡ ኣብ ቤይሩት ድሕሪ ዘጋጠመ ዓብዪ ነትጒ ብፍቓዱ ካብ ስልጣኑ ምውራዱ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ቅልውላው ብዘስዓቦ ቊጠባዊ ውድቀት፡ …

Read More »

ቻይና፡ ካብ ኣገዳሲ ኣኼባ ክሊማዊ ለውጢ፡ ተቡክር

ቻይና ካብታ ብብሪጣንያ እተዳለወን ብኣገዳስነቱ ልዑል ምዃኑ ዝንገረሉ ልዝብ ክሊማዊ ለውጢ ከም ዝቦኸረት ቢቢሲ ሓቢራ። ኣብዚ ሎሚ ዝካየድ ዘተ ኪሊማዊ ለውጥን ልምዓትን፡ ካብ 35 ሃገራት እተዋጽኡ ሚኒስተራት ክሳተፉ እዮም። ኣብዚ ኣኼባ ኣመሪካ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት፥ ህንዲን ካልኦትን እናተሳተፋ ቻይና ምብኳራ ኣዛራቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ምህላዉ ተገሊጹ። ቻይና ኣብዚ ኣኼባ ንኽትሳተፍ ብኽብሪ እኳ እንተተዓደመት ኣብኲራ ኣላ ክትብል ብሪጣንያ ሓቢራ’ላ። ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ …

Read More »

ሓደጋ ባርዕ ኣብ ሓውሲ ከተማ ሙርየርቭ

ኣብ ጥቓ ምምሕዳር ከተማ ካሊክስ (kalix) እተርከብ ሓውሲ ከተማ ሙርየርቭ (Morjärv)፡ ኣብ ሓደ ጋራጅ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ፡ 200 ብመካይን ዝሰሓቡ ተንቀሳቓሲ ኣባይት ከምዝተቓጸለ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ፖሊስ ናይቲ ከባቢ፡ ኣብ ከባቢ ሰዓት 5፡00 ወጋሕታ፡ ሓበሬታ ከምዝበጸሖን ኣብቲ ቦታ ፍጻሜ ምስ በጽሐ ድማ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ካብ ኣባይቶም ንኸይወጹን ማዕጾታትን መሳኹትን ክዓጽዉ ክብል ድሕሪ ሓደ ሰዓት፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com