Sunday , May 19 2024

ኣብ መንጎ ፊንላንድን ኣመሪካን ዝጸንሐ ንግዳዊ ርክብ ይድልድል

ኣብ መንጎ ፊንላንድን ኣመሪካን ዘሎ ንግዳዊ ሽርክነት እናዓበየ ይኸይድ ምህላዉ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብጉምሩክ ፊንላንድ ዝተገብረ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። በዚ ድማ ኣመሪካ ሳልሰይቲ ዝዓበየት መባጽሒት ሰደድ ፊንላንድ ምዃና ደጊማ ኣረጋጊጻ’ላ። ኣብ መንጎ ጥሪን መስከረምን 2023 ድማ ሓሙሻይቲ ዝዓበየት ምንጪ እታወት ፊንላንድ ኮይና ኣላ። እዚ ንግዳዊ ዝምድና ንፊንላንድ ርኡይ መኽሰብ ዘለዎ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፥ ኣመሪካ ከም ንግዳዊት መሻርኽቲ ኣገዳስነታ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ …

Read More »

ምሕረት ውነና ዘይሕጋዊ ብረት ክግበር ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጸቕጢ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ብዝሒ ዘይሕጋዊ ብረታት ንምንካይ፡ መንግስቲ ሽወደን ብረታት ብፍቓዶም ንዘረክቡ ሰባት ኣብ ውሽጢ 2024 ሓድሽ ናይ ግዜ ገደብ ከቐምጠሎም ካብ ሓያሎ ውድባት ጸቕጢ ይግበረሉ’ሎ። “እዚ ንኹሉ ንሓዞ ዝዓይነቱ ኣገባብ መፍትሒ ክኸውን እዩ ብል እምነት የብለይን፣ ምናልባት ግና ሓደ ካብ ክውሰዱ ዝኽእሉ ብዙሓት ስጉምትታት እዩ” ክብል ኣፈኛ ጒዳያት ፍትሒ ሓምላይ ሰልፊ ራስሙስ ሊንግ ንሬድዮ ኒውስ ሽወደን ገሊጹ። ኣብ ሽወደን …

Read More »

ኣብ ደቡብ ዮተቦሪ ሞልንዳል ምፍንጃር ተኸሲቱ

ካብ ከተማ ዮተቦሪ ንደቡብ ኣብ እትርከብ ሞልንዳል ኣብ ዝርከብ መንበሪ ህንጻ ፍንጀራ ኣጋጢሙ። በቲ ፍንጀራ ዝኾነ ሰብ ኣይተጎድአን፡፡ እንተኾነ ግና እቲ ነውጺ ኣዝዩ ከቢድ ብምንባሩ፡ ገለ ክፋል ናይቲ ህንጻ ክፈርስ ይኽእል እዩ ተባሂሉ’ሎ። “ኣብዚ ከባቢ ሓያሎ ሕማቕ ነገራት ተኸሲቶም ኣለዉ…ድሕሪ ሕጂ ኣብዚ ክነብር ኣይደልን እየ” ክትብል ካብቲ ቦታ ከም እትግዕዝ ተገብረት ተቐማጢት ጀኒ ራይደል ንሬድዮ ሽወደን ናይቲ ከባቢ ቻነል P4 …

Read More »

ድሕሪ ምንቁልቋል ዋጋ ነዳዲ ገለ መዐደሊ ነዳዲ ቀረብ ይውድኡ

ኣብ ሓድሽ ዓመት ዋጋ ንሓደ ሊትሮ ብልዕሊ ኣርባዕተ ክሮነር ድሕሪ ምውራዱ፥ ብቕድሚ ትማል ሰሉስ ኣብ ገለ መዐደሊ ነዳዲ ሽወደን ናፍታ ሙሉእ ብሙሉእ ከም እተወድአ ተሓቢሩ፡፡ ። ብዙሓት ዋጋ ነዳዲ ክግደል ክጽበዩ ዝጸንሑ ዓማዊል መካይኖም ንምምላእ ብምጒያያኦም እዩ እዚ ተርእዮ ተኸሲቱ ዘሎ። ዋጋ ነዳዲ ካብ ሓደ ሊትሮ ብኣርባዕተ ክሮና ምጒዳል ምርኣዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ምኽንያት እዚ ምንቁልቋል ምጉዳል ግብሪ ነዳዲ ከምኡ'ውን ትእዛዝ …

Read More »

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ብሰንኪ እተኽስተ ሓያል ህቦብላ– ኣራንሺ ዝሕብሩ መጠንቀቕታ ተመሓላሊፉ።

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ዝዞባ ስካነ ብሰንኪ ዝተኸስተ ሓያል ንፋስን ብርቱዕ በረድን ሓያሎ መካይን ምዕናወንን ካብ ቀንዲ ጽርግያታት ከም ምውጽአንን ተፈሊጡ። ኣብ ማልሞ ዝርከብ ጋዜጠኝ ቻነል ውሽጢ ዓዲ ሬድዮ ሽወደን ማርያ ማትሰን፡ ኣብ ምሉእ ዕድሚኣ ክንድዚ ዝኣክል መካይን ካብ ጽርግያ ክስሕባ ርእያ ከም ዘይትፈልጥ ትዛረብ። ንሳ “መብዛሕትኡ ሓደጋታት ዝኽሰአሉ ዘሎ ጎደና ኣብ መንጎ ማልሞን ኤንገልሆልምን ዘሎ E6’ዩ” ክትብል ወሲኻ ትገልጽ። እቶም …

Read More »

ዋጋታት ነዳድን ናፍታን ይንኪ

ብምኽንያት ኣብ ምጅማር ሓድሽ ዓመት ተግባራዊ ዝኾኑ ክልተ ለውጥታት–ኣብ ሽወደን ዋጋ ነዳዲን ናፍታን ክወርድ ተጌሩ፡፡ ነዚ ምጒዳል ዋጋ ኣበርክቶ ካብ ዝገበሩ ምኽንያታት እቲ ሓደ ምጉዳል ግብሪ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ምንካይ በካሊ ጋዝ ክትግበር ዝወጸ ትእዛዝ እዩ። “እዚ ዓቢ መለሳ ዘለዎ ጒዳይ እዩ–ብወገነይ ሕጒስ እየ” ክብል ነባሪ ማልሞን መራሒ ናፍታ መኪናን ዝኾነ ዛይድ ኣሕማዲ ን ሬድዮ ሽወደን ቻነል P4 …

Read More »

መንእሰያት ዝያዳ ብምድቃስ ሓደጋ ጭንቀት ከጉድሉ ይኽእሉ እዮም ተባሂሉ

46% ካብቶም ምርምር እተገብረሎም 8000 ኮተቴ ሽወደን ካብቲ ንቡር ናይ 8 ሰዓታት ንታሕቲ ከም ዝድቅሱ “ማእከል ምርምርን ምክልኻልን ነብሰ ቅትለት” ሽወደን ዝገብሮ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ሓደ ብ ዕድመ ኮተቴነት ዝርከብ መንእሰይ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 8 ሰዓታት ክድቅስ ዝምከር እኳ እንተኾነ እዚ ዳርጋ ኣብ ፍርቂ ዝኾኑ ካብዞም ኮተቴ ይረአ ዘይህላዉ ቲ ማእከል ኣጣሊላ’ላ። እዞም ኮተቴ ካብዚ ዝድቅስዎ ዘለዉ መጠን ብ 30 …

Read More »

ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን ዛሕሊ ነጋቲቭ 44 ብምብጻሑ ጒዕዞ ባቡራት ይስረዝ

ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን ብርቱዕ ቁሪ ምግጣሙ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ከኣ ዛሕሊ ነጋቲቭ 40 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ምብሑ ተፈሊጡ። ብፍላይ ድማ ኣብ ሰሜን ሽወደን ኣብ እትርከብ ከተማ ዕደና ዝኾነት ኪርና ዛሕሊ ብዘሰንብድ መልክዕ ናብ ነጋቲቭ 44 ወሪዱ’ሎ። ሽወደን ጥቓ ቀዝሒ ሰሜናዊ ዋልታ እትርከብ ሃገር እኳ እንተኾነት፥ ዛሕሊ ብኸምዚ ደረጃ ክወርድ ሳሕቲ ጥራይ ዝረአ ክስተት እዩ። “እዚ ዘይልሙድ ዛሕሊ እዩ፡ ብኸምዚ ደረጃ ዝዘሓልናሉ …

Read More »

ኖርወይ፡ ኣን ኖርላንድ እተኸስተ ቅትለት ከቢድ ስንባደ ይፈጥር

ኣብ ሰሜን ኖርወይ ኣብ ኣትርከብ ኣውራጃ ኖርላንድ ትማሊ ኣብ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት ዝተኽስተ ቅትለት ስድራቤት ዓብዪ ስንባደ ፈጢሩ። ፖሊስ እዚ ትራጀዲ ብቅትለትን ነፍሰ ቕትለትን ዝተኸስተ እዩ ዝብል ግምቶም ኣቐሚጦም ኣለዉ። ነዛ ናይ ሓዳስ ዓመት ቅትለት ሓዊስካ ኣብ ዝሓለፈ ቀውዒን ክረምትን ኣብ ኖርወይ ተኸታተልቲ መጥቃዕቲ ስሕለትን ብረትን ተኻዪዶም እዮም። ፖሊስ ኖርላንድ ትማሊ ንግሆ ካብ ፋውስክ ንሰሜን ወገን ኣብ ዝርከብ ሶርፊዮልድ ናብ …

Read More »

ፊንላንድ፥ ጡረተኛታት ኣብ 2024 ናይ ምዕዳግ ዓቕሞም ክብ ክብል እዩ

ኣብ 2024 ጡረተኛታት ፊንላንድ ናይ ምዕዳግ ዓቕሞም ዓቢ ወሰኽ ክረኢ እዩ ክብል “ማሕበር ከፈልቲ ግብሪ ፊንላንድ” ሓቢሩ። ብምኽንያት ኣብ ዝሓለፈት ዓመት 2023 ዝተኸስተ ዝቕባበ፥ ኣብ ሃገራዊ ጡረታ፣ ዋሕስ ጡረታን ኣብ ኣታዊ ዝምርኮስ ጡረታን ዝለዓለ ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ። ሃገራውን ናይ ውሕስነት ጡረታን ብ 5.9%፥ ኣብ ኣታዊ ዝምርኮስ ጡረታ ኸኣ ብ 5.7% ክውስኽ እዩ። ግብሪ ጡረታ እውን ምቕያሩ፣ ኣብ ትሑትን ልዑልን ጡረታ ዝኽፈል …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com