Thursday , May 16 2024

ሓበሬታ

ኣብ ከባቢ ሞሮኮ፡ ልዕሊ 40 ዝኾኑ ሰባት፡ ከይጠሓሉ ከምዘይተረፉ ይግመት

እታ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝጓዓዙላ ዝነበረሩ ጃልባ፡ ኣብ ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ ናይ ሞሮኮ ጣርፋያ ኣብ ዝባሃል ቦታ ብምጥሓላ እንተወሓደ 43 ዝኾኑ ስደተኛታት ከምዝሰመጡ ተሓቢሩ። እዚ ዝተሓበረ ካሚናንዶ ፍሪንቴራስ ተባሂሉ ብዝፍለጥ ናይ መንግስቲ ስጳኛ ትካል ሕጊታት ሓተትቲ ዑቕባ እዩ። ካብቶም ዝሞቱ 3 ህጻናት ከም ዝርከቡዎም’ውን ተፈሉጡ’ሎ። እታ ጃልባ፡ ናብ ደሴታት ካናሪ ተምርሕ ዝነበረት ኮይና፡ ካብ ጣርፋያ ኣብ 10 ማይል ርሕቀት ምስ በጽሐት …

Read More »

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ብዛዕባ መስርሕ ፍርዲ ናይቲ ዝተጨውየ ሽወደናዊ፡ ስክፍትኡ ይገልጽ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ብዛዕባ እቶም ካብ ቴህራን ዝወጹ ዘለው ምስ ምጅማር  ናይ መስርሕ ፍርዲ ናይቲ ሽወደናዊ-ኢራናዊ ዝኾነ ሓቢብ ቻብ ተተሓሒዙ ጸብጻባት፡ ሻቕሎታት ከምዘለዎ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ቻብ፡ ክልቲኡ ናይ ሽወደንን ኢራንን ዜግነታት ዘለዎ ኮይኑ፡ በቶም ተኸሲሱሎም ዘሎ ገበናት ግብረ ሽበራ፡ ናይ ሞት ፍርዲ ይጽበዮ ከምዘሎ እዩ ዝፍለጥ። “እቲ መስርሕ ፍርዲ ከምዝጀመረ ካብ ናይ ሚድያ ጸብጻባት ዝበጽሐና ኮይኑ፡ …

Read More »

ኦሚክሮን፡ ኣብ ሓጺር እዋን ምዕብላሉ ‘ኣዝዩ ዝገርም ፍጻመ’ እዩ ተባሂሉ

ኣብ ረሳሕ ፈሳሲ ማይ ዝርአ መጠን ናይ ኮሮና ቫይረስ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣዝዩ ሃንደበታዊ ወሰኽ ዘርኣየ ኮይኑ፡ እቲ ኦሚክሪን ተባሂሉ ዝፍለጥ ጅር ድማ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ናይታ ሃገር፡ ነቲ ደልታ ዝባሃል ጅር ፈጺሙ ከም ዝዓብለሎ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ዝተቓለሐ፡ ብመሰረት እቲ ውጽኢት ናይቲ SEEC ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ምርምር ማእከል ምስ SLU፣ KTH፣ ካሮኒሊስካ …

Read More »

ዋጋ በንዚንን ናፍታን፡ ከም እንደገና ይውስኽ

ሕጂ እቶም ቀንዲ ሰንሰለታት ነዳዲ ከም እንደገና ይውስኹ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፡፡ ንኣብነት፡ ብሰኑይ OKQ8 ዋጋ በንዚን ብ20 ሳንቲም ዋጋ ናፍታ ድማ ብ10 ሳንቲም ክብ ኣቢልዎ ኣሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡ ኣብዚ እዋን እዚ ዋጋ ናይ ሓደ ሊትሮ በንዚን ኦክታን-95፡ 18.29 ክሩነር ክበጽሕ እንከሎ፡ ዋጋ ናይ ሓደ ሊትሮ ጎኢዚ ናፍታ ድማ 20.77 ክሩነር በጺሑ ምህላዉ ሓቢሮም። ናይ ሰሉስ ዋጋ ኤሌክትሪክ …

Read More »

ሱዳን፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ሰልፊ ዝሞቱ ሰባት ይውስኽ 

ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት፡ ድሕሪ ዝኸፈቱዎ ተኹሲ፡ ቁጽሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት እንዳወሰኸ ከምዝኸደ ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣፍሊጡ። እዞም ተቓውሞታት ኣንጻር እቲ ወታሃደራዊ ጁንታ ዘቕንዑ ምዃኖም ዝፍለጥ’ዩ። ኣብ ሱዳን፡ ኣብቲ ምስቶም ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ዘጋጠመ ጎነጽ፡ እንተወሓደ፡ 7 ሰልፈኛታት ከም ዝሞቱ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። እዚ ጸብጻብ ዝተረኽበ ካብቶም ናይቲ መንግስቲ ዝቃወሙ ሓኻይም ኮይኑ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣንጻር እቲ ወታሃደራዊ …

Read More »

ሓድሽ ስግኣት ብዛዕባ፡ ኣብ ልዕሊ ፎሽማርክ (Forsmark) ዝዘምበያ ድሮናት

ፖሊስ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዛዕባ ናይተን ኣብ ልዕሊ ኡፕላንድ ኣብ  ዝርከብ ናይ ኑክሌሳዊ ሓይሊ መመንጨዊ ትካል ዝዘምበያ ድሮናት ብዝምልከት ተረኺቦም መርመራታት የካይዱ ከምዘለው፡ ኢኮት ንራድዮ ስቫሪየ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ኣብቲ ከባቢ ዝተራእየ ብዛዕባ ናይ ድሮን በረራ ከምዝተራእየ ዝመጸ ናይ መጠንቀቕታ ደወል፡ ትማሊ ሰኑይ፡ ድሕሪ ቐትሪ እዩ ዝነበረ። ይኹን እምበር ክሳብ ሕጂ ዝተረጋገጸ ናይ ድሮን በረራ ከምዘየለ …

Read More »

መስርሕ ፍርዲ ናይቲ ኣብ ኢራን ዝተጨውየ ሽወደናዊ፡ ጀሚሩ

ከም ጸብጻብ ሓደ ናይ ኢራን ቤት ፍርዲ እንተኾይኑ፡ ናይቲ ሽወደናዊ-ኢራናዊ ዝኾነ ሓቢብ ቻብ፡ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፍርዲ፡ ሎሚ ሰሉስ፡ ኣብ ኢራን ክጅመር ምዃኑ ተፈሊጡ። ቻብ፡ ክልቲኡ ናይ ሽወደንን ኢራንን ዜግነት ዘለዎ ኮይኑ ብሰንኪ እቲ ተኸሲሱሉ ዘሎ ናይ ግብረ ሽበራዊ ገበናት ናይ ሞት ፍርዲ ክፍረዶ ከምዝኽእል’ዩ ዝንገር ዘሎ። ናይ ቤት ፍርዲ ሰነዳት ከም ዘመልክትዎ፡ ቻብ፡ ብመንግስቲ ኢራን ከም መራሒ ናይ ሓደ ASMLA …

Read More »

ኣፍረይቲ ስኑስ፡ ንጽሬት ኣከባቢ ተባሂሉ ዝኸፍልዎ ገንዘብ ኣይክህሉን እዩ

ኣብ ጎደናታትን ኣደባባያትን ናይ ዝድርበ ስኑስ፡ ማለት ትንባኾ፡ ንምጽራይ ተባሂሉ፡ ኣፍረይቲ ስኑስ፡ ወጻኢታት ናይ ምስካም ሓላፍነት  ከም ዘይብሎም ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡ መንግስቲ ኣብ ዘካየዶ መርመራታት፡ ናይ ስኑስ መዐሸጊ፡ ናይ ፕላስቲክ ትሕዝቶ ስለዘይብሉ፡ ኣፍረይቱ፡ ናይ ምጽራይ ሓላፍነት ንክስከሙ ዘኸእል ኣይኮነን፡ ክብል ደምዲሙ፡፡ ብመሰረት ኤውርጳዊ ኮምሽን፡ ነዚ መምርሒ እዚ ዝሃቦ ትርጉም ብምምርኳስ ኢና ፕላስቲክ ከም ዘይኮነ ክንግምግም ኪልና ክብል …

Read More »

ኣቡ ዳቢ . . . ብደብዳብ ድሮን፡ ሰባት ሞይቶም

ብሰንኪ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ዘጋጠመ ነትጒ፡ ሰለስተ ሰባት ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ። ጠንቂ ናይዚ ነትጒ፡ ብመንገዲ ድሮን ዝተፈጸመ ናይ ደብዳብ መጥቃዕቲ ክኸውን ከምዝኽእል ጸብጻባት ሰብ መዚ መንግስቲ ሓቢሮም ኣለዉ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ናይ ድሮን፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ መኻዚኖ ዝነበራ ሰለስተ ገንእታት ነዳዲ ናይ ዓርሞሾሽ ኩባንያ ኣድኖክ (ADNOC) ምንባሩ እቲ ጸብጻብ ብምውሳኽ ኣፍሊጡ። እቶም ግዳያት ዝኾኑ ሰባት፡ …

Read More »

ግሪኽ . . . ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ዘይተኸትቡ ሰባት፡ ክቕጽዑ እዩም

ካብ ሎሚ ጀሚሮም፡ ኩሎም ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ክኽተቡ ክግደዱ ምዃኖም፡ ግሪኽ፡ ኣዊጃ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት እሞ ድማ ዘይተኸትቡ እንተድኣ ኮይኖም፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ክሳብ 50 ፖውንድ መቕጻዕቲ ክውሰነሎም ምዃኑን፡ ብድሕሪኡ ኣብ ዘሎ ግዜ ድማ ክሳብ 100 ፓውንድ ክቕጽዑ እዮም። እቲ ናይ መቕጻዕቲ ገንዘብ፡ ብመንገዲ በዓል መዚ ግብሪ ዝእከብ ኮይኑ፡ ናይ ሆስፒታላት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com