Monday , April 29 2024

ሓበሬታ

ጊስሌይን ማክስዌል፡ ክሳ ዳግማይ ክረአ ሓቲታ

ብጾታዊ ዓመጽ ተኸሲሳ ዝጸንሐት ጊስሌይን ማክስዌል ድሕሪ ፍርዳ ሳምንታት ጸኒሓ ጒዳያ ዳግማይ ክረአ ብዕሊ ምሕታታ BBC ሓቢራ። 60 ዝዕድሜኣ ጊስሌይን ናብ መዋቲ ኣመሪካዊ በዓል ሃብቲ ነበር፡ ጀፍሪ ኤፕስቴይን፡ መናእሰያት ደቀንስትዮ፡ ንጾታዊ ዓመጽ ትድልል ኔራ ብዝብል እያ ተኸሲሳ። ጊስሌን ብዝፈጸመቶ ገበን ክሳብ 65 ዓመታት ማእሰርቲ ክጽበያ ይኽእል እዩ ተባሂሉ’ሎ። ሓደ ናይ ሕጊ ሰብ ናይ ባዕሉ ተመኲሮ ጾታዊ ዓመጽ ተጠቒሙ ንነባሮ ቤት …

Read More »

ባይደን፡ ንወጥሪ ዩክሬይን ኣመልኪቱ፡ መልሲ ሂቡ

ቭላድሚር ፑቲን ን ዩክሬይን ክወርር እዩ ኢሉ ከም ዝሓስብ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ገሊጹ። ንሱ ኣብ ሓደ ጋዜጣዊ ዋዕላ ብዛዕባ ስግኣታት ወራር ሩስያ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ “እወ ክወርር እዩ ኢለ እየ ዝሓስብ” ክብል መሊሱ’ሎ። እንተኾነ ግና ፕረዚደንት ሩስያ፡ ንሃገራት ምዕራብ ኣብ ፈተነ ንምእታው ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ፡ ዋጋ ከኽፍሎ እዩ ክብል ወሲኹ ገሊጹ። ሞስኮ፡ ንዩክሬይን ናይ ምውራር ዝኾነ ውጥን ከም …

Read More »

ሓደስቲ መምርሕታት ውሸባ፡ ክመሓላለፉ ምዃኖም ተፈሊጡ

በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን (Health Agency of Sweden-FHM) ኣብ ሓደ ስድራ ቤት ብኮቪድ ዝተለኽፈ ሕሙም ምስ ዝርከብ ብዛዕባ  ዝነበሩ ሕጊታት ናይ ውሸባ ኣመልኪቱ እንደገና ይፍትሾም ከምዘሎ ሓቢሩ። እዞም ሕጂ ክትግበሩ ተሓሲቦም ዘለው እማመታት – ንዝተወሰኑ ኣገደስቲ ኣካላት ናይቲ ሕብረተሰብ ብዝምልከት፡ ዝሓጸረ ናይ ውሸባ መዓልታት ወይ ድማ መሊእካ ነቲ ውሸባ ምግዳፍ ዝብሉ ከምዝኾነ ተተ ገሊጹ። ትሕዝቶ ናይዚ እማመ ኣብዚ …

Read More »

3 ሽሕ ዝኾኑ ኣባላት ፖሊስ፡ ካብ ስርሖም ቦኺሮም 

ፖሊስ ሽወደን፡ ብሰንኪ’ቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ መልከፍቲ ኦሚክሮን ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዝወደቑ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ከም ጸብጻብ ሽወደናዊ ሬድዮ ኢኮት፡ እንተኾይኑ  ብሮቡዕ ጥራይ፡ ካብቲ ሓፈሻዊ ቁጽሪ ናይ ሽወደን ክስላዕ ከሎ ናብ 10% ዝጽጋዕ ኣሃዝ ዝግመት ኣስታት 3 ሽሕ ኣባላት ፖሊስ፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ ወይ ድማ ብሰንኪ ውሸባ ኣብ ገዝኦም ከምዝተረፉ ተሓቢሩ’ሎ። እዚ ማለት፡ ነቶም ኣብ …

Read More »

Harmony Media News 19/01/2022

Read More »

WHO: ለበዳ ኮሮና ገና ጥቓ ምውዳእ ኣይቀረበን ኣሎ ክብል ኣጠንቂቂ።

ሻቕላ ለበዳ ኮሮና ገና ጥቓ ምውዳእ እውን ኣይቀረበን ጥራይ ዘይኮነ እዚ ሓድሽ ጅር ኦሚክሮን ልብጥ ዝበለ እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ነቲ ብዛዕባ ለበዳ ኮሮና ዝጸንሐ ሻቕላ ከወግዶ ከም ዘይክእል ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO)፡ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣተሓሳሲቡ። እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ ኣህጒር ኣውሮጳ ልዑል ቊጽሪ መልከፍቲ እቲ ቫይረስ ይኽሰት ምህላዉ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን እዩ። ትማል ሰሉስ ጥራይ፡ ኣብ ፈረንሳ፡ …

Read More »

ኒውዚላንድ፡ “መስመራት ትሕተ ቅርጺ ቶንጋ፡ ክጽገን ብውሕዱ ሓደ ወርሒ የድሊ”

ኣብ ቶንጋ ብሰንኪ እሳተ ጎመራ ዝዓነወ ቀንዲ ትሕተ ማያዊ መራኸቢ ክጽገን ብውሕዱ ኣርባዕተ ሳምንታት ክወስድ ከም ዝኽእል ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ኒውዚላንድ ገሊጹ። “ብመሰረት ካብ ኣመሪካዊ ትካል መራኸቢታት Subcom ዝረኸብናዮ ሓበሬታ እዚ ኬብል ክጽገን ሓደ ወርሒ ክወስድ እዩ” ኢሉ። ኣብ ሳውዝ ፓሲፊክ 50 ሽሕ ኪሎሜትር ዝዝርጋሕ መስመር መራኸቢታት ዝዘርግሐ subcom ምስ ትካል ተሌኮምዩኬሽን እታ ሃገር ብምዃን ነቲ ጽገና ኣብቲ ዝተተለመሉ ግዜ …

Read More »

ወጥሪ ኣመሪካን ሩስያን መሊሱ ይጋደድ

ሩስያ ንዩክሬይን ከይወረረታ ኣይትተርፍን እያ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ ግዜ፡ ሎሚ ረቡዕ ጸሓፊ ጒዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ናብ ዩክሬይን ምእታዉ ተገሊጹ። ንሱ ምስ መሻርኽቲ ኣውሮጳ ኣብ በርሊን ከምኡውን ምስ መዘናኡ ሩስያዊ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ዝመጽእ ዓርቢ ኣብ ጀነቫ ቅድሚ ምርኻቡ ኣብ ርእሰ ከተማ ዩክሬይን ኪዬቭ ሎሚ ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ቮሎድሚይር ዘለንስኪ፡ ከም ዝዘተየ ተገሊጹ። ሩስያ፡ ንዩክሬይን ናይ ምውራር ምንም ውጥን …

Read More »

ብርክት ዝበሉ መንእሰያት፡ ንኩነታት ጥዕኖኦም ብዝምልከት ዝተዋህቦም ናይ መርመራ መግለጺ ክስረዘሎም ይጠልቡ

ብርክት ዝበለ ኣሃዝ ዘለዎም ብኸም ADHD ወይ ድማ ኦቲዝም ዝኣመሰለ ኒውሮሳይካያትሪክ ናይ መርመራ ውጽኢት (neuropsychiatric diagnoses) ከምዘለዎም ዝተነግሮም መንእሰያት እቲ ናይ ጥዕኖኦም ኩነታት ዝምልከት ሜዲካላዊ ውጽኢት ክስረዘሎም ከምዝደልዩ ጸብጻባት ናይ ራድዮ ስቫሪየ ኣፍሊጦም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቶም ዝግበሩ መርመራታት ነቶም ዝምርመሩ ተሓከምቲ ብትኽክል ዝውክሉ ኮይኖም ኣይርከቡን ዘለው ዝብል ስምዒታት እንዳበዝሐ ይመጽእ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ካብቶም ኣብታ …

Read More »

ቻድ፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝጸንሑ፡ ምሕረት ገይራ

ኣብ ሞንጎ መሰጋገሪ መንግስቲ እታ ሃገርን ተቓወምቲ ሓይልታትን ንምቅርራብ ዝዓለመ ናይ መጀመርታ መርኣያ ክባሃል ዝኽእል፡ ናይ 22 እሱራት ምፍታሕ ዕላዊ ከምዝኾነ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዞም 22 እሱራት፡ ካብ ሞንጎ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ክፍትሑ ትጽቢት ተገይሩሎም ዝነበረ 296 ዝኾኑ ተቓለስቲ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ። እቶም ተቓለስቲ ኣብ ሞንጎ ፕረዚደንት፡ ማሃማት ኢድሪስ ዴቡ ኢትኖን፡ እቲ ብወታሃደራዊ ጁንታ ዝምራሕ ናይ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com