Thursday , March 28 2024

ኢንፎግራፊክስ

ዞባታት ነርሲታት ኣብ ምምጻእ ብዙሕ ወጻኢታት ይገብራ ኣለዋ ተባሂሉ።

ዝሓለፈ ዓመት ዞባታት ሽወደን ግዜያዊ ኣባላት ክንክን ጥዕና ንምምጻእ ክሳብ 6 ቢልዮን ክሮና ወጻኢ ከም ዝገበራን እዚ ድማ ምስ ኣብ ዓመተ 2020 ዝነበረ ወጻኢ እንክወዳደር ናይ 12% ወሰኽ ከም ዘርኣየ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። ክሳብ 40% ካብዘን ነርስታት ካብ ናይ ስራሕ ኤጀንሲታት ዝተረኽባ ኮይነን ናብ ግዜያዊ ስራሕ ናይ ምቕያር ዝንባለታት  ከም ዘለወን እዩ ዝግለጽ። ነርስታት ኣብ ዕዳጋ ሽቕለት ዘለወን ዋጋ ካብ …

Read More »

ብሰንኪ ቅልውላው ዩክሬይን ኣብ ሽወደን ዋጋታት መግቢ  ክውስኽ እዩ።

ኣብ ዩክሬይን ዘሎ ቅልውላው ዘስዓቦ ናህሪ ዋጋ ጋዝ ኣብ ቀረባ ግዜያት ምውሳኽ ዋጋታት መግቢን ዝቕባበን ከኸትል ከም ዝኽእል ተገሊጹ። ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ብቐጥታ ኣብ ዋጋ መግቢ ጽልዋ ክህልዎ እዩ ክብሉ ተንተንቲ ቊጠባ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊጾም ኣለዉ። ዋላኳ እዚ ወሰኽ ክሳብ ክንደይ ክኸውን እዩ ንዝብል ብኣሃዝ ንምቕማጡ ዘሸግር እንተኾነ አባት ዝቕባበ ዋጋ ክጽበዩ ከም ዝግባእ ኣብ ባንክ ኖርዲ …

Read More »

UN: ቊጽሪ ስደተኛታት ዩክሬይን 2 ሚልዮን በጺሑ።

ብመሰረት ኣሃዛት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ምጅማር ኲናት ዩክሬይን ንደሓር ክልተ ሚልዮን ዝኾኑ ዜጋታት እታ ሃገር ተሰዲዶም ኣለዉ። ዛጊት 1.2 ሚልዮን ካብዞም ስደተኛታት ናብ ፖላንድ ምእታዎም ሰብመዚ እታ ሃገር ይገልጹ። ክሳብ ሎሚ ብጠቕላላ 2,011,312 ዩክሬናውያን ካብ ሃገሮም ብምስዳድ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣትዮም ምህላዎም ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ፍሊፖ ግራንደ ብሰሉስ ገሊጹ’ሎ። ትማል ሰሉስ ዩክሬናውያን ብምብራቕ ክፋል ሓንቲ …

Read More »

ሽወደንን ፊንላንድን ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ደብዳበ ልኢኸን።

ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረት ሓንቲ ካብአን እንድሕር ተጠቒዓ ክሕግዛኣ ሓላፍነት ከም ዘለወን ዘዘኻኽር ደብዳበ ብሽወደንን ፊንላንድን ከም እተላእከ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ማግዳሌና ኣንደርሾን ገሊጻ። ብመሰረት ውዕል ሊዝበን ኣውሮጳዊ ሕብረት ሓንቲ ኣባል እቲ ሕብረት እንድሕሪ ግዳይ ተጻብኦ ኮይና መሬታ ተወሪሩ ኲለን ኣባላት እቲ ሕብረት ዓቕመን ብዝፈቐዶ ክሕግዛ ሓላፍነት ከም ዘለወን ይድንግግ እዩ። ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ፈረንሳ ዋዕላ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክካይድ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ …

Read More »

ኖርወይ ኣብ ዝርዝር “ጸላእቲ ሩስያ” እተባህላ ሃገራት ኣትያ ተባሂሉ።

ሩስያ ን ዩክሬይን ድሕሪ ምውራራ ኖርወይ ካብተን ኣብ ልዕሊኣ እገዳታት ክጸንዕ ዝደገፋ ሃገራት ብምዃና ኣብቲ መንግስቲ ሩስያ ዘጽደቖ ዝርዝር “ጸላእቲ ሩስያ ዝኾና ሃገራትን መሬታትን” ከም ዝኣተወት ተገሊጹ። እዚ “ኣብ ልዕሊ ሩስያ፡ ናይ ቢዝነስ ኮማን ህዝባን ናይ ጽልኢ ተግባራት ዝፈጸማ” ብዝብል ኣርእስቲ ንውሕ ዝበለ ዝርዝር ሃገራትን ትካላትን ዘካትት ጸብጻብ ብመንግስቲ ሩስያ ዝጸደቐ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ሩስያ ታስ ሓቢሩሎ።  ብዘይካ ኖርወይ ከምኒ …

Read More »

ኖርዌጃዊ ጥርጡር ግበረሽበራዊ ኣብ የመን ተታሒዙ።

ብግብረሽበራዊ ስርሓት ዝጥርጠር ኖርዌጃዊ ኣንደርሽ ካሜሩን ኡስተንስቪግ ኣብ የመን ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ምውዓሉ ፖሊስ ኣገልግሎት ጸጥታ ን ኖርዌጃን ብሮድካስቲንግ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። “ኣብዚ ሕጂ እዋን ክንብሎ እንኽእሎ እንተሎ እዚ ጥርጡር ኣብ ርእሰ ከተማ የመን ሰንዓ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምህላዉ እዩ” ክብል ኣባል እቲ ኣገልግሎት ጸጥታ ሃሪስ ህረኖቪካ ነቲ ማዕከን ዜና ገሊጽሉ’ሎ። 43 ዝዕድሜኡ ካሜሩን ኦስተንስቪግ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት እዩ …

Read More »

ሩስያውያን ብዛዕባ ኲናት ዩክሬይን ሓቂ ከጋውሑ 29 ስሙያት ደረስቲ ጸዊዖም።

ተሸለምቲ ኖቤል ዝርከቡዎም 29 ስሙያት ደረስቲ፡ ዜጋታት ሩስያ ብዛዕባ ኲናት ዩክሬይን ሓሶትን ፕሮፓጋዳን ዘይኮነ እቲ ሓቂ ክጽብጽቡ ዝጽውዕ ክታም ምንባሮም ተገሊጹ። “ህዝቢ ሩስያ ንብርከት ዝበላ ዓመታት ሓሶታት መንግስቲ ክቕለብ እዩ ኣሕሊፍዎ። ኣብታ ሃገር ናጻ ዘበለ ምንጪ ሓበሬታ ኲሉ ተዓጽዩ እዩ፥ መራሕቲ ተቓወምቲ ስልፊታት እውን ኣፎም ክዕበስ ተጌሩ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ከም ቃሕታአን ዜና ዝፍብርኻሉ ኲነታት እዩ ተፈጢሩ” ክብሉ እቶም ደረስቲ …

Read More »

UN ቊጽሪ ስደተኛታት ዩክሬይን ልዕሊ 1.7 ሚልዮን በጺሑ።

ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ካብ ዝጅመር 10 መዓልታት መሊኡሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን ልዕሊ 1.7 ሚልዮን ዩክሬናውያን ካብ ሃገሮም ከም እተሰደዱ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት (UNHCR) ኣፍሊጡ። ትማል ሰኑይ ጥራይ 1,735,068 ስደተኛታት ከም ዝምዝገበ ዝገለጸ UNHCR እዚ ምስ ቅድሚኣ ዝነበረ መዓልቲ እተመዝገበ ኣሃዝ እንክወዳደር ናይ 200,000 ወሰኽ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ። ፍርቂ ካብዞም ስደተኛታት ቆልዑ ምዃኖም ማዕከን ቆልዑ …

Read More »

ሽወደናውያን ናብ ሩስያ ከይጐዓዙ መጠንቀቕታ ቀሪቡ።

ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ብቕድሚ ትማል ሰንበት ኣብ ዘውጽኦ ናይ ጒዕዞ መምርሒ ዜጋታት እታ ሃገር ናብ ፈደሬሽን ሩስያ ካብ ምጋሽ ክቚጠቡ ኣተሓሳሲቡ’ሎ። እዚ ብምኽንያት ኲናት ዩክሬይን ወጺኡ ዘሎ ሓበሬታ ክሳብ ብኻልእ ክሳብ ዝትካእ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ኢሉ’ሎ እቲ መምርሒ። ኣብዚ መጠንቀቓታ ሰፊረን ዘለዋ ካልኦት ሰለስተ ሃገራት ዩክሬይን፡ ቤላሩስን ሞልዶቫን እየን።.

Read More »

ሽወደን፡ ፈተነ ሲረና ተኻዪዱ።

ትማል ሰኑይ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መላእ ሽወደን ፈተነ ግዳማዊ ናይ መጠንቀቓት ሲረና ተኻዪዱ። እዚ ፈተነ ኣብ ዓመት ኣርባዕተ ግዜ ዝካየድ ኮይኑ ኣብ ወርሓት መጋቢት፡ ሰነ፡ መስከረምን ታሕሳስን ሰኑይ መዓልቲ ክካየድ እዩ። “ፈተነ ሲረና ክንገብር ዝደረኸና ኣብ ዓለምና ዝምዕብል ዘሎ ኲነታት እዩ። ሰባት ነዚ ሲረና ናይ ኲናት ወይ ካልእ መጠንቀቕታ ጌሮም ክወስድዎ የብሎምን” ክብል ኣብ ኤጀንሲ ሲቪላዊ ተኽእሎታት ሃኬን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com