Friday , December 9 2022

ኢንፎግራፊክስ

ደንማርክ ወረቐት መንነት ንዘይብሎም ዩክሬናውያን ምቕባል ትኣቢ።

ኣማኢት ስደተኛታት ዩክሬይን ፓስፖርት ስለዘይብሎም ወይውን ናብ ካልእ ሃገር ኖርዲክ ክኸዱ እዮም ብዝብል ብ ዴንማርክ ተዓጊቶም ምህላዎም ተገሊጹ። መዓልታዊ ካብ 10-20 ዝኾኑ ስደተኛታት ዩክሬይን ብኸምዚ ምኽንያት ይዕገቱ ምህላዎም ሬድዮ ደንማርክ ሓቢራ። ኣብዚ እዋን ኣብ ደንማርክ ሕቶ ዕቑባ ከቕርቡ ንዝደልዩ ገዲፍካ ባዮሜትሪካዊ ፓስፖርት ወይ ካልእ ኣህጒራዊ ተቐባልነት ዘለዎ ወረቐት መንነት ዘይብሎም …

Läs mer »

ሽወደን ብዙሓት መዳልያታት ተዓዊታ።

ኣብ ቤይጂንግ ክሳተፉ ዝጸንሑ ኣትሌታት ሽወደን ኣብ ዝሓለፋ ድሕሪ 20 ዓመታት ዝበዝሐ ሜዳልያታት ሒዞም ብሰሉስ ናብ ዓዶም ከም እተመልሱ ተገሊጹ። 2 ሜዳልያታት ጥራይ ክዕወቱ እዮም ዝብል ትጽቢታት እኳ እንተነበረ ካብዚ ኣዝዩ ብዝለዓለ ቊጽሪ ሓፊሶም ኣለዉ ተባሂሉ። ኣትሌታት ሽወደን ብጠቕላላ 2 ናይ ወርቂ፡ 2 ብሩርን 3 ነሓስን ተዓዊቶም ኣለዉ። “ኣዝየ ተሓጒሰ’ለኹ” …

Läs mer »

ሚድያታት ሽወደን ብቋንቋ ሩስያ ዜናታት ይዝርግሓ።

ማዕከናት ዜና ሽወደን ነቲ ኣብ ክሬይን ዝካየድ ዘሎ ፍጻመታት ኣመልኪተን ብቋንቋ ሩስያ ዜናታት ክዝርግሓ ምጅማረን ተገሊጹ። ምስ ምጅማር ኲናት ዩክሬይን መንግስቲ ሩስያ ኣብታ ሃገር ዝነጥፋ ነጻ ሚድያታትን ኢንተርነትን ብምዕፋኑ ጋዜጣን ሬድዮን ሽወደን ዝኾነ ዳገንስ ንሂተር ነዚ ተበግሶ ብምውሳድ ሓቂ ዝመሰረቱ ፈነው ዜና ብቋንቋ ሩስያ ይፍኑ ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’። ኣቕራብ …

Läs mer »

ዋጋታት መግቢ ንምምሕዳራት ከተማ ብድሆ ይኸውን ኣሎ ተባሂሉ።

ብምኽንያት ምውሳኽ ዋጋታት መግቢ ቆንስላት ምምሕዳራት ከተማ ስርሒታተን ብግቡእ ከየካይዳ ብኣሉታ ይጽለዋ ምህላወን ተገሊጹ። ንኣብያተ ትምህርቲ፡ መእለዪ ዓበይቲን ካልኦት ጽላታትን መግቢ ንምቕራብ እዘን ቆንስላት ቢልዮናት ክሮና ወጻኢ ይገብራ ምህላወን ሬድዮ ሸወደን ጸብጺባ’ላ። እዘን ቆንስላት ንመግቢ ጥራይ ኣብ ዓመት 7 ቢልዮንን ፈረቓን ክሮና ወጻኢ ይገብራ ምህላወን ሓላፊት ማሕበር ውሽጣዊያን ሰብመዚን ዞባታትን …

Läs mer »

ኣንደርሾን ኲናት ዩክሬይን ንምዝታይ ናብ ዶውኒንግ ስትሪት ከተምርሕ እያ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ማግዳሌና ኣንደርሾን ምስ ብሪጣንያዊ መዘናኣ ቦሪስ ጆንሰን ብዛዕባ ኲናት ዩክሬይን ንምዝታይ ሎሚ ቀትሪ ናብ ዶውኒንግ ስትሪት ከተምርሕ እያ።. ጆንሰን ጒባኤ ጥሙር ሓይልታት የአንግድ ምህላዉ ዝገለጸት ሬድዮ ሽወደን ኣብዚ ኣኼባ ብሪጣንያ፡ ዴንማርክ፡ ፊንላንድ፡ ኤስቶንያ፡ ኣይስላንድ፡ ላትቪያ፡ ሉቲዌንያ፡ ሆላንድን ኖርወይ ይሳተፋ ምህላወን ውሲኻ ኣመልኪታ። እቲ ጒባኤ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ …

Läs mer »

ኖርወይ፡ ዋጋ ድዂዒ መሊሱ ወሲኹ።

ኣብ ብርክት ዝበለ ከባቢታት ኖርወይ ዋጋ ድዂዒ ንኪሎ ብ 10 ክሮና ወሲኹ ተባሂሉ። ብምኽንያት ኣብ ዩክሬይን ዝግበር ዘሎ ኲናት ዋሕዲ ጥረ ነገራት ከጋጥም ከም ዝኽእል ያራ ኣጠንቂቑ’ሎ። በዚ ድማ ያራ ዋጋ ፍርያቱ ካብ ትማል ሰኑይ ኣትሒዙ ዋጎም ከም ዝውስኹ ጌሩ’ሎ። “ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ዋጋታት ኣብ ኣውሮጳ ክውስኽ ብምጽንሑ ንሕና’ውን …

Läs mer »

ኖርወይ፡ መጠን ወለድ ብናህሪ ክውስኽ እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ።

ባንክ ኖርገስ ኣብዚ ዓመት 4% ወሰኽ ወለድ ክገብር ከም ዝኽእል ዋና ክኢላ ስነቚጠባ DNB’s ሸርስቲ ሆግላንድ Kjersti ገሊጻ። መንግስቲ ዝለዓለ መጠን ዝቕባበ መታን ከይክሰት ስጥም ዝበለ ባጀት ከም ዝጥቀም ሚኒስተር ፋይናንስ ቲርጊቭ ስላግስቮልድ ቬደም ኣብ ቀረባ እዋን ኣንፈታት ሂቡ ኔሩ እዩ። መንግስቲ ከምዚ ዝበለ መጠንቀቕታታት ይወስድ ብምህላዉ ከም እትንእዶ ሆግላንድ …

Läs mer »

ኤጀንሲ ሲቪላዊ ምህንድስና ሽወደን ን OSCE ነቒፉ።

ኣባላት ኤጀንሲ ሲቪላዊ ምህንድስና ሽወደን (MSB) ነቲ ድሕሪ ወራር ሩስያ ካብ ዩክሬይን ዝገዓዘ OSCE ነቒፉ። ውድብ ጸጥታን ምትሕብባርን ኣውሮጳ ነቲ MSB ዝሰርሓሉ ዝነበረ ፕሮጀክት የወሃህድ ምንባሩ እውን ተፈሊጡ። . ኲሎም ሽወደናውያን ኣባላት እቲ ኤጀንሲ ሕጂ ተቕሊሎም ከም ዝገዓዙ ዝገለጸ ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን ሕጂ እቲ ኤጀንሲ ነቐፎአታኡ ናብ OSCE ከቕንዖ ምዃኑ …

Läs mer »

ኮርኒልያ ጃኮብስ ተዓዋቲት ሜሎዲፈስቲቫለን ኮይና።

ኮርኔልያ ጃኮብስ ብቐዳም ምሸት ኣብ ዝቶክሆልም ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ደርፊ ሜሎዲፈስቲቫለን ተዓዊታ። ኣዐዊታታ ዘላ ደርፊ ሆልድ ሚ ክሎሰር (ሕቖፈኒ) ዘርእስታ እያ። ድሕሪ ዓወታ ኮርኒልያ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ቃል እዚ ዓወት ኣዕዚዛ ከም እትርእዮ ገሊጻ’ላ። በዚ ድማ ጃኮብስ ኣብ ዝመጽእ ግንቦት ኣብ ቱሪን ዝካየድ ውድድር ዩሮኢዥን ን ሽወደን ክትውክል እያ።

Läs mer »

ሽወደን ምስ ሃገራት ኔቶ ኣብ ወተሃደራዊ መናውራ ትገብር።

ድሕሪ ዝሑል ኩናት ዝዓበየ እተባህለሉ ወተሃደራዊ መናውራ ኔቶ ኣብ ኖርወይ ይካየድ ኣሎ። ኣብዚ መናውራ ሰራዊታት ሽወደን ኖርወይን ሽወደንን ክሳተፉ እዮም። ኣብዚ ብሰራዊት ኖርወይ እተወደበ Cold Response 2022 ዝተባህለ መናውራ 30,000 ዝኾኑ ሰራዊት ኣብ ኖርወይ ኣብ ዘሎ ትሕቲ ዜሮ ዛሕሊ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክገብር እዩ። ብዝይካ ሽወደን ኖርወይን ፊንላንድን ኣብዚ ልምምድ ኣባላት …

Läs mer »