Friday , May 17 2024

ካብዝን ካብትን

ኬንያ ንጥርጡራት ገበን፡ ኣረኪባ

ኬንያ ነቶም ኣብ ብሪጣንያ ብገበን ቅትለት ዝድለዩ ክልተ ዜጋታት ብሪጣንያ ኣረኪባቶም። እዞም ክልተ ሰባት ኣብ ክሊማኒ ኣብ ዝተባህለ ናይ ዕዳጋ ቦታ ናይሮቢ ከም እተታሕዙ ዳይረክቶረት ምርመራ ገበን እታ ሃገር ኣፍሊጡ። እዞም ኣሌክስ ስሚዝ ንዝተባህለ ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ካምደን ላንደን፡ ኣብ 2019 ብካራ ብምቕታል ዝጥርጠሩ ክልተ ሰባት ክስትለሙ ኣህጒራዊ ናይ መቐየዲ ፍቓድ ከም ዝወጸሎም እቲ ዳይረክቶረት ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ነቲ …

Read More »

ኖርወይ እገዳታት ተፏኽስ

መንግስቲ ኖርወይ፡ መብዛሕትኦም እቶም እገዳታታ ናይ ኮሮና ቫይረስ፡ ካብ ሰዓት 11 ናይ ምሸት ጀሚሩ ከልዕሎም ምዃኑ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።  “ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ናይቲ ለበዳ ኣቲና’ለና” ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ጆናስ ጋህር ስቶረ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ኖርወይ ኣብዚ ውሳነ ክበጽሕ ዝኸኣለ ብርክት ዝበሉ ተቐማጦ ኖርወይ ኣንጻር ኮቪድ-19 ክታበት ምውሳዶም ስዒቡ፡ እቲ ሕጂ ዘሎ ናይ ኦሚክሮን ጅር ግና …

Read More »

ጆንሶን . . . ሩስያ፡ ንዩክሬይን ተፈራርሓ ኣላ ይብል

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ቦሪስ ጆንሶን፡ ናይ ሩስያ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ግንባር ዩክሬይን “ሽጉጥ ዓሊሙ” ኣሎ ክብል ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ክገልጾ ከምዝፈተነን ብተወሳኺ’ውን ሩስያ “ናይ ኤውሮጳ ናይ ጸጥታ ካርታ ከም ብሓድሽ ንምስኣል” ትፍትን ኣላ ክብል ከሲሱ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።። ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ምስ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪይ ንምዝታይ ናብ ዩክሬይን ኣቅኒዑ ከም ዘሎ ተፈሊጡ’ሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግልጺን …

Read More »

ዳድጉስታር፡ ኣካል ናይቲ መንግስቲ ክንከውን ንደሊ ኢና ትብል

እቲ ሰልፊ ጸጋማይ ክንፊ መሰረት ናይቲ ብሶሻል ዲሞክራትና ዝምራሕ መንግስቲ ኣካል እንድሕር ኮይኑ፡ እቲ ሰልፊ ንባዕሉ ኣብቲ መንግስቲ ናይ ምእታው ድልየት ከም ዘለዎ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።  “እቲ መጀመርያ ክንገብሮ ዘለና ነገር ኣብቲ መንግስቲ ምእታው እዩ፡ ኣካል ናይቲ መንግስታዊ ምትሕግጋዝ ብምዃን ኢና ኣብ ፖለቲካ ዝለዓለ ጽልዋ ከነንብር እንኽእል” ክትብል መራሒት ሰልፊ V ዝኾነት ኑሺ ዳድጎስታር ገሊጻ። ከም ዳድጉስታር …

Read More »

Harmony Media News 31/01/2022

Read More »

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሚያንማር፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ተፈጺሙ ክኸውን ይኽእል’ዩ ኢሉ

መርመርቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UN) ኣብ ሚያንማር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ልዕሊ 1000 ዝኾኑ ሰባት ብወታሃደራት ናይታ ሃገር ተቐቲሎም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ኣቃሊሖም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ብመሰረት እቶም መርመርቲ እንተኾይኑ፡ እዞም ቅትለታት፡ መርኣያ ኣንጻር ሰብኣውነት ዝተፈጸሙ ገበናትን ናይ ኲናት ገበናትን ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ተሓቢሩ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ለካቲት ዕለት 1፡ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ሚያንማር ከምዝተፈጸመ ዝዝከር’ዩ። “ብዘሕዝን መልክዕ፡  …

Read More »

ኣፍሪቃዊ ሕብረት ን ቡርኪናፋሶ ካብ ኣባልነት ኣደስኪሉ

ኣፍሪቃዊ ሕብረት ብሰንኪ ኣብ ቡርኪናፋሶ እተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ-መንግስቲ፥ ነታ ሃገር ካብ ኣባልነት ከም ዘደስከላ ገሊጹ። ኣብታ ሃገር ቅዋማዊ ስርዓት ናብ ቦትኡ ክሳብ ዝምለስ እታ ሃገር ካብ ኲሉ ንጥፈታት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ክትእገድ እያ ክብል ገሊጹ’ሎ። ዝሓለፋ ሰሙን ን ቡርኪናፋሶ ካብ ኣባልነት ዝኣገደ ዞባዊ ውድብ ምዕራብ ኣፍሪቃ (ECOWAS) እውን ሓደ ልኡኽ ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዋጋዱጉ ልኢኹ’ሎ። ምስ ጒጅለ UN ብምዃን …

Read More »

ኣብ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ሩስያን ናይ ቃላት ልውውጥ ከም ዝነበረ ተሓቢሩ

ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነ ስምዒት፣ ዘሰንብዱ ሳዕቤናት፣ ሕጽበተ-ሓንጎልን ኣንጻር ሩስያ ዘቕነዐ ምሒር ጽልኣትን”። እዞም ቃላት እዚኦም፡ ብሰኑይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክሬይን ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ብዝምልክት ኣብ ዝተሳለጠ ዋዕላ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሞንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ሩስያን ኣብ ዝነበረ ረጽሚ ዝተሰምዑ ቃላት እዮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣመሓላሊፉ። ሩስያ ነቲ ኣኼባ ክትዓግቶ’ኳ እንተፈተነት፡ ብናይ ሓባር ድምጺ ናይቶም መብዛሕትኦም …

Read More »

ማክሮን ምስ ፑቲን፡ ብጉዳይ ዩክሬይን ተመያይጡ

ናይ ፈረንሳ ፕረዚደንት፡ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ምስ ናይ ሩስያ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሞንጎ ዶባት ዩክሬንን ሩስያን ተፈጢሩ ዘሎ ውጥረት ኣመልኪቱ ብቴለፎን ከምዝተዘራረበ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቶም ክልተ መራሕቲ፡ ንኻልእ ዛዕባታት ወሲኾም፡ ብዛዕባ እቲ ካብ ዓመተ 2015 ጀሚሩ ዝጸንሐ ናይ ምንካይ ስምምዕ (Reduction Agreement) ተባሂሉ ዝፍለጥ መስርሕ ኣመልኪቶም ብዛዕባ ምቕጻል ናይቲ ዘተ፡ ናይ ትግበራ ተዘራሪቦም። እቲ …

Read More »

ወተሃደራዊ መንግስቲ ማሊ፡ ንኣምባሳደር ፈረንሳ፡ ካብ ሃገሩ ሶጊግዎ

ድሕሪ ደጊም ናይ ፈረንሳ ኣምባሳደር ኣብ ማሊ ክጸንሕ ኣይፍቀዶን’ዩ። ናይ ሽወደን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣን ሊንደ፡ ነዚ ውሳኔ ኣመልኪታ ዘሕዝን ፍጻመ ክትብል ኣብ ገጻት ትዊተር ከም ዝጸሓፈት ተፈሊጡ። ኣምባሳደር ዮኤል ሜየር፡ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብ ማሊ ክወጽእ ከምዘለዎ እቲ ወታሃደራዊ ጁንታ ኣብታ ናይታ ሃገር ናይ መንግስቲ ቴሌቪዥን ኣብ ዘቅረቦ መግለጺ ኣፍሊጡ’ሎ። ናይ ፈረንሳ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብወገኑ ኣብ ዘውጾ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com