Friday , May 3 2024

ዜና

ኣብ ስቴኑሱንድ ዘጋጠመ ምህማም መሬት ንጥፈታት ደቂሰብ ዘስዓቦ እዩ።

እቲ ኣብ ምዕራባዊ ሽወደን ካብ ስቴኑሱንድ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ E6 ሞተርዌይ ዝተኸስተ ምህማም መሬት ፡ ብሰንኪ ንጥፈታት ደቂ ሰባት ዝተበገሰ ክኸውን ከምዝኽእል ተገሊጹ። ነዚ ዝገለጸ ኣብ ዮተቦሪ ኣብ ዝርከብ ቻልመርስ “ዩኒቨርሲቲ ቴክኖሎጂ”– ፕሮፌሰር ኤሜሪቱስ ጂኦሎጂን ጂኦቴክኒክስን– ጎራን ሳልፎርስ እዩ። ኣብ 2006 ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ተመሳሳሊ ምህማም መሬት ዝመርመረ ሳልፎርስ፡ ኣብ ጫፍ ቁልቁለት እቲ ጽርግያ ዘሎ ህንጻዊ ምንቅስቓስ፥ ጠንቂ እዚ …

Read More »

ቱርክ፥ ኣመሪካ ኤፍ-16 እንተሸይጣትለይ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ከጽድቕ እየ።

ፕረዚደንት ቱርክ ረሰፕ ጠይብ ዔርዶጋን፡ ኣመሪካ ንቱርኪ ኤፍ-16 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ክትሸጠላ ዝኣተወቶ መብጽዓ እንተድኣ ኣማሊኣ፡ ባይቶ ሃገሩ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) እወ ክድምጽ ምዃኑ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢራ። ዔርዶጋን ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ምስ መሸጣ ስርሓት ኣሜሪካ ዝኾነ ነፈርቲ ኲናት ኤፍ 16 ብዕሊ ከተኣሳስሮ ሕጂ ንፈለማ ግዜኡ እዩ። ንሱ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ቱርክ …

Read More »

ሽወደን ንዜጋታት ዒራቕ ብሓይሊ ሰጒጓ።

ኣብ ሽወደን ሕቶ ዕቚባኦም ዝተነጽገ 26 ዜጋታት ዒራቕ፥ ሎሚ ንግሆ ብቻርተርድ ነፋሪት ብሓይሊ ናብ ባቕዳድ ከምዝተሰጎጉ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። ሽወደን ድሕሪ 11 ዓመታት ግዱድ ምስጓግ ዒራቓውያን ክትፍጽም ሕጂ ፋልማያ እዩ። ዒራቕ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ዝተኸልከሉ ዜጋታት ብወለንታኦም ክጥረዙ እንተዘይተሰማሚዖም ክትቅበሎም ከም ዘይትደሊ ክትገልጽ ጸኒሓ’ላ።  

Read More »

ኣብ ምዕራብ ሽወደን ብዘጋጠመ ምህማም መሬት ጽርግያ ዓንዩ።

ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት፥ ኣብ ሰሜን ዮተቦሪ ካብ ስቴኑንግሱንድ ውጽእ ኢኡ ዝብ ዝርከብ E6 ዝተባህለ ጎደና ገዚፍ ዕንወት ኣጋጢምዎ። ህንጻታት ዓንዮም መካይን ድማ ኣብቲ ዝተሰናጠቐ ጎደና እኳ እንተወደቓ ብኸቢድ ዝቖሰለ ሰብ ግን የለን። ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ኩባንያ ህንጻ ብጌጋ ፍርስራስን ሓመድን ይዂምር ነይሩ ክኸውን ይኽእል ድዩ ዝብል መባእታዊ ገበናዊ መርመራታት ብፖሊስ ተኸፊቱ’ሎ። እቲ ሓደጋ ካብ እተኸሰተሉ …

Read More »

ድኳናት ኤን.ኬ.፡ ጥረ ገንዘብ ምቕባል ደው ከብላ እየን።

ኣብ ስቶክሆልምን ዮተቦሪን ዝርከባ ኣባይቲ ድኳናት ኤን.ኬ.፡ ጥረ ገንዘብ ምቕባል ደው ከብላ እየን። ኣካያዲ ስራሕ ኤን.ኬ ቦ ዊካረ፡ እቲ ስጉምቲ፡ ገበነኛታት ጕጅለታት ኣብ ድኳናቶም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ እተረክበ ገንዘብ ከይጥቀሙ ንምዕጋት ዝዓለመ ምዃኑ ይዛረብ። መንእሰይ ቀቲሉ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ወዲ 16 ዓመት መንእሰይ፡ ድሕሪ እቲ ምርጥቃዕቲ ሰለስተ መዓልቲ ጸኒሑ ካብ ኤን.ኬ ክቡር ጃኬት ምስርሑ ተፈሊጡ.። ካብ ዜናታት ጒጅለታት ገበን ከይወጻእና፥ ገበነኛታት ትሕቲ …

Read More »

ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ምስ ፖሊስን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ብሓባር ይሰርሓ የለዋን።

ኣብ ዳርጋ ሲሶ ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን፥ ምስ ፖሊስን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ናይ ስራሕ ምትሕብባር ከም ዘየለ ተገሊጹ። ምስ ፖሊስን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ናይ ስራሕ ምትሕብባር ምግባር ኣብ ምክልኻል ገበን ኣገዳሲ ስጉምቲ ምዃኑ እዩ ይንገር። ብተወሳኺ፡ ብግምት ኣብ 3 ካብ ኣርባዕተ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ምስቲ ብቢዩፒ ዝፍለጥ ሕክምና ስነ-ኣእምሮ ህጻናትን መንእሰያትን ኣድላዪ ምትሕብባር ከምዘይብለን ካብ ሃገራዊ ኤጀንሲ ትምህርቲ ዝወጸ ጸብጻብ ይሕብር። እቲ …

Read More »

ንክሊማ ምትዕጽጻፍ ዝግበር ምወላ ኣብ ባጀት ምጉዳል

ንሕብረተሰብ ካብ ዝኸፍአ ሳዕቤናት ጽንኩር ኩነታት ኣየር ንምክልኻል ንክሊማዊ ምትዕጽጻፍ ዝውዕል ፋይናንስ ኣብቲ ን2024 ዝተዳለወ ባጀት ብሲሶ ክጎድል ተጌሩ። ብመሰረት እዚ ቅነሳ፡ እቲ ምወላ ካብ 137 ሚልዮን ክሮና ናብ 90 ሚልዮን ክሮና ተቖሪጹ’ሎ። ዞባታትን ምምሕዳራት ከተማን ንሕብረተሰብ ካብ ሳዕቤናት ጽንኩር ኩነታት ኣየር ንምክልኻል ኣብ ምሕጋዝ ናይ ምቊጽጻር ተራ ዝጻወት ኤጀንሲ ሲቪላዊ ሓደጋታት (MSB)፡ በቲ ዜና ከም እተገረመ፡ ንጋዜጣ ዳገንስ ኒሄተር …

Read More »

ማእከላይ ባንክ ሽወደን ሬት ናብ 4% ከምዘዕበዮ፡ ኣዒንቲ ዝያዳ ክውስኹ

ማእከላይ ባንክ ሽወደን፥ ሎሚ ከምቲ ብሰፊሑ ትጽቢት ዝግበረሉ ናህሪ ዋጋታት ንምግታእ ዕየራ ወለዱ ናብ 4% ከምዘዕበዮ ተገሊጹ። “ሪክስባንክ” ብተወሳኺ ”ጸቕጢ ዋጋታት ኣቕሑ ገና ኣዝዩ ልዑል ብምህላዉ” ተወሳኺ ወሰኽ ክገብር ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ’ሎ። ማእከላይ ባንክ ቁጠባ ሽወደን ኣብዚ ዓመት ብ 0.8% ሚእታዊት ክጎድል ትጽቢት ከም ዘለዎ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ብተመሳሳሊ ዜና፥ ማእከላይ ባንክ ኖርወይ ነቲ ቀንዲ ወለድ ናብ 4.25% ከምዘዕብዮ ትማሊ ሓሙስ ኣፍሊጡ። …

Read More »

ሽወደን፥ ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ኦዲት ንፖሊሲ ​​ጸዓት ይነቅፍ

ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ኦዲት (Riksrevisionen) ኣብ ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት፥ ኣብ ስልጣን መንግስቲ ዘለዉ ፖለቲከኛታት ንፖሊሲ ጸዓት ሽወደን ብጌጋ ምሓዞም ዝገልጽ ቁጥዐ ዝመልኦ ጸብጻብ ኣዳልዩ። ሓያሎ ዓበይቲ ውሳነታት ናይ ሓጺር ግዜ ሽግር ንምፍታሕ ዝተወስዱ ኣብ ልዕሊ ምዃኖም ብደቂቕ ዝተሓስበሎምን ከምዘይነበሩን፡ ዝያዳ ረቛሒታት ኣብ ግምት ውሳነታት ኣትዮም እንተዝነብሩ ቅልውላው ጸዓት ኤለትሪክ ናይ ዝሓለፈ ክቃለል ይኽእል ምንባሩን እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ። ”ገለ ካብቲ …

Read More »

ኤውሮጳውያን ክኢላታት “ሰዓል ሓሰማ” ይምርምሩ።

ኤውሮጳውያን ክኢላታት ፥ ነቲ ኣብ ሽወደን፥ ፋገርስታ፥ እተራእየን ብዙሓት ሓሰማን ዝቐተለን “ኣፍሪካን ስዋይን ፊቨር” ኣብ ምምርማር ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ። ሬድዮ ሽወደን P4 Västmanland ከም ዝሕብሮ፡ እቶም ቅድሚ ሕጂ ወይ ኣብዚ እዋን’ዚ በቲ ቫይረስ ካብ ዝተሃስያ ሃገራት ዝመጹ ሰለስተ ክኢላታት፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ምዕጋትን ምሕደራን እቲ ለበዳ መርመራ ክግብሩን ክኢላዊ ምኽሮም ክልግሱ ምዃኖምን ሓቢሩ’ሎ። “ኣፍሪካን ስዋይን ፊቨር” ኣብ ሽወደን ንፈለማ እዋን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com