Friday , May 3 2024

ዜና

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ፓስፖርት ድሕሪ ረሲዑ ኣብ ዋዕላ ኪየቭ ተሳኢኑ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ቶብያስ ቢልስትሮም ምስ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኪየቭ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ሕብረት ኤውሮጳ ክሳተፍ እኳ እንተነበሮ፡ ፓስፖርቱ ብምርስዑ ኣብ ዶብ ፖላንድን ዩክሬንን ደው ምባሉ ተፈሊጡ። ሰብመዚ ዶባት ንቢልስትሮም ክሰግር ዘይምፍቃዶም ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ንጋዜጣ ኦስትርያ ዳይ ፕረሰ ሓቢሮም። በዚ ድማ ብሰንኪዚ ጌጋ ቢልስትሮም መዛንኡ ሚኒስተራት ጒዳያት ወጻኢ ናብታ ናብ ኪየቭ ን ሸሞንተ ሰዓታት እትኸይድ ባቡር …

Read More »

“መንእሰያት ቅድሚ ገበን ምፍጻሞም ህዋሳት ዘደንዝዝ ሓሽሽ ይወስዱ ኣለዉ”–ፖሊስ

ኣባላት ጒጅለታት ገበን ኮይኖም ዓመጽ ዝፍጽሙ ብዙሓት መንእሰያት መዐገሲ ቓንዛ ትራማዶል ይጥቀሙ ምህላዎም ፖሊስ ሓቢሮም። ኣብ ዮተቦሪ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ሳህልግረንስካ ዝርከብ ክኢላ መርዛም ባእታታት ካይ ክኑድሰን፡ ትራማዶል ነዞም ጎነጽ ዝፍጽሙ ኣባላት ጒጅለታት ገበን “ኣዝዩ ፍቱን ድራግ እዩ” ክብል ይገልጾ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት “እቲ ክፍጽምዎ ዝእዘዙ ጎነጽ ንምክያድ ዘድሊ ምድንዛዝ ኣእምሮን ድፍረትን ስለዝህቦም እዩ” ክብል ወሲኹ ኣረዲኡ።  

Read More »

ኲሎም መራሕቲ ሰልፊ ናብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ክሳተፉ ብ ቀ/ሚ ክሪስተርሾን ተዓዲሞም

መንግስቲ ሽወደን፥ ኲሎም መራሕቲ ሰልፍታት ን ዝመጽእ ሓሙስ 12 ጥቅምቲ ኣብ ኣኼባ ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ክሳተፉ ዓዲሙ። ፖሊስን ካልኦት ሰብመዚን ነዞም መራሕት ሰልፍታት ብዛዕባ ኣንጻር ገበናት ጕጅለታት ዝግበር ዘሎ ቃልሲ፥ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ሕጋዊ እማመታት ኣመልኪቶም እዋናዊ ሓበሬታታት ክህብዎም እዮም። ብዘይካዚ እዞም ተሳተፍቲ ኣኼባ ዝኾኑ መራሕቲ ሰልፊታይ ናይ ባዕሎም እማመታት እውን ከቕርቡ ክኽእሉ እዮም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሾን ኣብ ዘቕረቦ ዕድመ፡ …

Read More »

“መንግስቲ ኣብ ሓድሽ ሕጊ ደሞዝ ዝኾነ ይኹን ሕድገታት ኣይክገብርን እዩ”–ሚኒስተር ስደተኛታት ማልመ ስተነጋድ

ካብ ዝመጽእ ሕዳር ጀሚሩ፡ እቲ ንፍቓድ ስራሕ ኹሎም ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ዝመጹ ሰራሕተኛታት ዘድሊ ዝተሓተ ወሰኽ ደሞዝ፥ ኣብ ግብሪ ክውዕል እዩ። ድሮ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ወነንቲ ፍቓድ ስራሕ፡ ናይ ስራሕ ግዜኦም ንምንዋሕ እንተወሓደ ኣብ ወርሒ 27,360 ክሮነር ክረኽቡ ከድልዮም እዩ። ሚኒስተር ስደተኛታት ማርያ ማልመር ስቴነጋድ፡ እቲ ለውጢ ኣብቶም ኣብ ሽወደን ዘለዉን ፍቓድ ስራሕ ከሐድሱ ዘይክእሉን ሰባት ”ዓብዪ ጽልዋ” ክህዎ …

Read More »

ኣብ ዕዳጋ ንኡስ ክራይ ኣባይቲ ዝፍጸም ገበናት ናብ ፖሊስ ይጥራዕ የለን ተባሂሉ።

ትካላት ኣባይቲ ምምሕዳራት ከተማ፡ ዘይሕጋዊ ንኡስ ክራይ ኣመልኪተን ንፖሊስ ይሕብራ ዘይምህላወን ብሬድዮ ሽወደን ዝተገብረ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። እቲ ጸገም ሕቶ ግዜን ጸጋን፡ ከምኡ'ውን ዘይሕጋውነት ንምርግጋጽ ኣሸጋሪ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ እዩ ክብሉ ወከልቲ እተን ኩባንያታት ይሕብሩ። እቲ ሕግታት ቅድሚ 4 ዓመት ኣቢሉ ዕዳጋ ክራይ ገዛ ንምምሕያሽ ተሪሩ እኳ እንተነበረ፡ ዓሚ ካብተን ነቲ መጽናዕቲ ዝመለሳ 26 ትካላት ኣባይቲ እተን 3 ጥራይ ናብ ፖሊስ …

Read More »

“ሽወደን ዘላቶ ኲነታት ጸጥታ ኣብ ታሪኻ ዝተፈልየ እዩ” ኣማኻሪ ድሕነት

ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ሽወደን፥ ትማሊ ሰኑይ፥ ምሉእ ብምሉእ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ማዕበል ጎነጽ፡ መቕተልትን ምፍንጃርን ዘተኮረ ኣኼባ ኣካይዱ። ብዘይተለምደ ብዝሒ 12 ሚኒስተራት፣ ኮሚሽነር ሃገራዊ ፖሊስን ሓለፍቲ ሰራዊትን ከምኡ’ውን ኤጀንሲ ሲግናልስ ድሕነት ሽወደን ኤፍ.ኣር.ኤን ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቦም። ሓለፍቲ ሰራዊትን ኤጀንሲ ሲግናልስ ድሕነት ሽወደን መንገስቲ ነዞም ጒጅለታት ገበን ብኸመይ ክገጥሞም ከም ዝግባእ ምኽሮም ሂቦም ኣለኡ። ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ሄንሪክ ላንደርሆም …

Read More »

12 ሰዓታት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ሰለስተ ተወሰኽቲ ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ሽወደን ብዝቕጽል ዘሎ ጎነጻዊ መጥቃዕቲታት ኣብ መፋርቕ ዕስራታት እትርከብ ጓል ኣንስተይቲ ትማሊ ኣብ መንበሪ ቤታ ብዝተፈጸመ ምፍንጃር ህይወታ ምሕላፋ ተሓቢሩ። ብዘይካዚ ኣብ ጆርድብሮ ስቶክሆልም ሓደ ሰብ ብጥይት ከም እተቐትለን ምስዚ ብዝተሓሓዝ ሰለስተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎምን ተፈሊጡ። እዚ እናኾነ ኣብ መወዳእታ ዕድመ ኮትቴነት ዝርከብ ሓደ መንእሰይ ኣብ ስፖርታዊ ልምምድ እናሃለወ ብጥይት ተቐቲሉ’ሎ–ብመሰረት ጸባብ ሬድዮ ሽወደን።  

Read More »

ድሮ ፍቓድ ስራሕ ዘለዎም ሰባት፥ ካብ ሓድሽ ደረት ደሞዝ ነጻ ክኾኑ ጻውዒት ቀሪቡ

ካብ 10-20 % ካብቶም ኣብ ሽወደን ፍቓድ ስራሕ ረኺቦም ኣብ ሽቕለት ዝርከቡ ዜጋታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዘይኮኑ ሰባት ነቲ ኣብ ዝመጽእ ባሕቲ ሕዳር ጀሚሩ ዝተኣታቶ ሓድሽ ደረት ዝዳረግ ኣታዊ ኣይረኽቡን እዮም ዝብል ግምት ከም ዘለዎ ኤጀንሲ ሚግሬሽን ሽወደን ገሊጹ። ካብ ባሕቲ ሕዳር ኣትሒዙ እቶም ወርሓዊ ኣታዊኦም ልዕሊ 27,360 ክሮና ዝኾኑ ዜጋታት ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዘይኮኑን ፍቓድ ስራሕ ረኺቦም ክዓዩ ዝጸንሑ ሰባት …

Read More »

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተወልዳ ደቂ ኣንስትዮ፡ መርመራ መንሽሮ ጡብ ናይ ዘይምግባር ተኽእሎአን ዝለዓለ እዩ።

ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዳ ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብተን ኣብ ሽወደን ዝተወልዳ ብዝለዓለ፥ መርመራ መንሽሮ ጡብ ናይ ምኻድ ተኽእሎአን ዝተሓተ ምዃኑ፥ “ማሕበር መንሽሮ ጡብ” ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ካብ ኖርዲክስ ወጻኢ ዝመጻ ደቂ ኣንስትዮ መብዛሕትኡ ግዜ ብሰንኪ ናይ ቋንቋ ጸገም፡ ወይ ድማ ንምንታይ ናብቲ መርመራ ምኻድ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝገልጽ ሓበሬታ ዘረኽባ ብምዃነን፡ ህይወት ከድሕን ካብ ዝኽእል መርመራ ይታረፋ ኣለዋ ክብል እቲ ጸብጻብ …

Read More »

ኣብ ስቶክሆልምን ሊንሾፒንግን ኣብ መንበሪ ኣባይቶ ብዝተፈጸመ ፍንጀራ ሓያሎ ቆሲሎም

ትማሊ ምሸት ኣብ ሃሰልቢ ስትራንድ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ኣባይቲ ብዝተፈጸመ ፍንጀራ ሰለስተ ሰባት ቆሲሎም። ኣስታት 30 ሰባት ከኣ ናብቲ ኣብ ጥቓኦም ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ክግዕዙ ተገዲዶም ኣለዉ። ትማሊ ሰሉስ ንግሆ፡ ካብ ስቶክሆልም ንደቡባዊ ምዕራብ 200 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ሊንሾፒንግ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ተወሳኺ ምፍንጃር ከም እተፈጸመን ፖሊስ ነቲ ጒዳይ ኣብ ምጽራይ ከም ዝርከቡን ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ጸብጺባ’ላ። “እቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com