Friday , May 3 2024

ዜና

ኣብ ሓምላይ ሰልፊ ኣብ ምሕጻይ ሓባራዊ መሪሕነት ዘይምርድዳእ ተራእዩ 

ሽማግለ ምቕራብ ሕጹያት ሓምላይ ሰልፊ፡ ዳኒኤል ሄልደን ምስ ናይ ሕጂ መራሒት ማርታ ስቴነቪ ብምዃን ሓባራዊ መራሒ ናይቲ ሰልፊ ክኸውን ሕጹይ ገይሩ ኣቕሪብዎ ። ዳኒኤል ሄልደን ኣባል ባይቶ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ስቶክሆልም ኣባል ባይቶ ምምሕዳር ከተማ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። እቲ ሰልፊ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ኣብ ዝገብሮ ሃገራዊ ዋዕላ፥ ካብ ክልቲኦም መን ነቲ ውድብ ከም ዝመርሕ ብወግዒ ክውስን እዩ።

Read More »

ሕግታት ኣከዳድና ሳውና ክትዓት የለዓዕል

ኣብ ሽወደን ኣዝዩ ፍቱው ኣብ ዝኾነ ህዝባዊ ኣገልግሎት ሳውናታት፥ መሕጸቢ ክዳን ክፍቀድ ኣለዎዶ የብሉን ዝብል ክትዕ ኣብ ህዝቢ ምምቕቓል ርእይቶ ፈጢሩ’ሎ። ዓቃባውያን ባእታታት ዕርቃንካ ሳውና ምጥቃም ክፍቀድ ኣለዎ፥ ኣድላዪ እንተኾይኑ ኸኣ ንእሽቶ ሽጎማኖ ምጥቃም ይከኣል እዩ ኢሎም ክምጉቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ግና ክዳን መሐንበሲ ምጥቓም ቅቡል እዩ ክብሉ ተሟጊቶም ኣለዉ። ፍሪላንስ ጋዜጠኛ ከምኡ’ውን ከምኡ’ውን ኣባል ኣካድሚ ሳውና ሌና ካርነ ምኽዳን መሐንበሲ …

Read More »

ዜና መጽሄት/News magazine 20-10-23

Read More »

ኖርወይ ንነፋሪት ክራይ ዜጋታት ካብ ተልኣቪቭ ተውጽእ

ምስ ምልዓል ኲናት እስራኤልን ሓማስን ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ኣስታት 190 ኖርወጃውያን ብለይቲ፡ ብናይ ብሕቲ ነፋሪት ክራይ ናብ ዓዶም ክምለሱ ተጌሩ። መንግስቲ ኖርወይ ተወሰኽቲ ዜጋታቱ ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ናብ ዓዶም ንምእታው ኣብ ዝገበሮ ፈተነ፡ ተወሳኺት ጀት ምክራዩ ተፈሊጡ። ቀዳማይ ሚኒስተር ዮናስ ጋህር ስቶረ ንባይቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቱ ክሳብ ሕጂ ኣብ እስራኤል፡ ጋዛን ምዕራባዊ ገማግምን ክንደይ ኖርወጃውያን ከምዘለዉ ርግጸኛ ከምዘይኮነ፡ …

Read More »

ፊንላንድ፥ ቊጽሪ ስደተኛታት ናብ ክብረወሰን ይቐርብ

ኣብ ስራሕ ዝተሞርኮሰ ስደት ናብ ፊንላንድ ቁሩብ እኳ እንተነከየ፥ ካልእ ዓይነት ስደት ግና ክብረወሰን ብዝሕዘ ናህሪ ይቕጽል ከምዘሎ ማዕከን ዜና YLE ሓቢሩ። YLE ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ፡ ኣብ መንጎ ባሕቲ ጥሪን 23 መስከረምን መንበሪ ፍቓድ፥ ስራሕ ክደልዩ እተመዝገቡ ዜጋታት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ን ትምህርቲ ወይ ምጥርናፍ ስድራቤት 40,468 ሰባት ምምዝጋቦም ኣፍሊጡ። ኣብዚ ዓመት ዝህሉ ጠቕላላ ትንበያ ተመሳሳሊ ምዝገባታት …

Read More »

ቁርኣን ዘቃጸለ መንእሰይ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ

ቅዳሕ ቁርኣን እናቃጸለ ዘርኢ ቪድዮ ዝዘርግሐ ወዲ 27 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ጉጅለ ህዝቢ ጽልኢ ኣለዓዒልካ ብዝብል ተኸሲሱ ጒዳዩ ቤት ፍርዲ ኣውራጃ ሊንሾፒንግ ክረአ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ። እቲ ቊርኣን እንተቓጸለ ብድሕረ- ባይታ እስልማና ኣጸልኡ ሰባት ዘዘውትርዎ ደርፊ ይስማዕ ምንባሩ ኣብቲ ምስርሕፍርዲ ተገሊጹ። እቲ መንእሰይ ነቲ ቊርኣን ድሕሪ ምቅጻል ነቲ ሓሙኽሽቲ ኣብ ኣፍደገ መስጊድ ሊንሾፒንግ ከም ዝብተን …

Read More »

ፖሊስ ኡፕሳላ ኣብ ዘካየዶ ወፍሪ ኣማኢት ኪሎ ነታጒ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር የእቱ

ትማሊ ምሸት ኣብ ኡፕሳላ ኣብ ዝርከብ ኣባይቲ ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ ፍተሻ ኣማኢት ኪሎ ነታጒ ከም ዝተታሕዘ ጋዜጣ ኡፕሳላ ንያ ቲድኒንግ ሓቢራ። ብመሰረት ሓላፊ ስርሒታት ሃገራዊ ስኳድ ቦምባ ፖሊስ ጆን ዋላንደር፡ እዚ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብ ዝተገብሩ ነታጒ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ናይ ምእታው ስርሒታት ሓደ እዩ። እዚ ስርሒት ምስ ጕጅለታት ዝተኣሳሰሩ ብርክት ዝበሉ ፍንጀራታት ክከላኸል ከምዝኽእል ዋላንደር ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ዕዳጋ ሽቕለት ሽወደን እናተዳኸመ ይኸይድ

ዕዳጋ ስራሕ ሽወደን እናተዳኸመ ይኸይድ ከምዘሎ ዘርእዩ ምልክታት ይበራኸቱ ምህላኦም ናይ ቀረባ እዋን ኣሃዛት ኣመልኪቶም። ኣብ ወርሒ መስከረም ስራሕ ኣልቦ ብምዃኖም ዝምዝገቡ ሰባት ብቚጽሪ ምውሳኾም ካብ ስራሕ ናይ ምፍናው ምልክታታት ከኣ ይብርክት ምህላዉ ከይኣክል ኣስራሕቲ ዝወሓዱ ናይ ስራሕ መወዓውዒታት ይዝርግሑ ምህላዎም ገለ ካብዞም ነዚ ሃዋሁ ዘጒልሑ ተርእዮታት እዮም። ይዂን’ምበር እቲ ምዝሕሓል ዛጊት ብተዛማዲ ቅልል ዝበለ እዩ ክትብል ተንታኒት ኣገልግሎት ህዝባዊ …

Read More »

ኣብ ሸወደን ዝቕመጡ ኣይሁዳውያን ብዛዕባ ድሕነቶም ይስከፉ

ድሕሪ’ቲ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየዶ ሓያል መጥቃዕትን ጭውያን ብዙሓት ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ኣይሁድ ብዛዕባ ድሕነቶም ስክፍታ ከም ዝስምዖም ይገልጹ’ለዉ። ኣብ ከተማታት ደቡባዊ ሽወደን ን ሓማስ ዝድግፉ ሰልፍታት ምክያዶም ከኣ ነዚ ስግኣት ኣዛዪድዎ’ሎ። በዚ ድማ ኣብ ዮተቦሪ ዝርከብ “ጉባኤ ኣይሁድ” ኣባላቱ ካብ ቤቶም ወጻኢ ዝኾነ ናይ ኣይሁድ ምልክት ከይሕዙ፡ ወይ ድማ ኣብ ግዳም …

Read More »

ኑሺ ዳድጎስታር ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ብዝወሓደ እትጥቀስ እያ ተባሂላ

መራሒት ጸጋማይ ሰልፊ ኑሺ ዳድጎስታር ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን፡ ፖድካስትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ካብ ዝኾነ ካልእ መራሒ ሰልፊ ሽወደን ብዝወሓደ እትጥቀስ ሰብ ምዃና ተገሊጹ። እዚ ዝተባህለ ብመሰረት ትካል ድምጺ ካንታር ፓብሊክ ኣብ ቀረባ እዋን ዘካየዶ ዳህሳስ መራኸቢ ብዙሃን ሽወደን ኮይኑ፥ ኣባል ሰልፊ ሞደራትናን ቀዳማይ ሚኒስተርን ኡልፍ ክሪስተርሾን ብመጠን ተጠቃስነት መራኸቢ ብዙሃን ቅድሚት ተሰሪዑ’ሎ። ዳድጎስታር ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ናይዚ ዝርዝር ዝኾነትሉ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com