Friday , May 3 2024

ዜና

ሽወደን ንዲሞክራስያዊ ተቓውሞ ቤላሩስ ክትድግፍ እያ

ሽወደን ኣብ ቤላሩስ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ንዝሰርሑ ትካላትን ውልቀሰባትን ተወሳኺ ደገፍ ክትገብር ምዃና ገሊጻ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ቶብያስ ቢልስትሮም ነዚ ዝገለጸ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ርእሰ ከተማ ሊትዋንያ ቪልኒየስ ምስ ሊትዌንያዊ መዘናኡ ከምኡ’ውን መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ቤላሩስ ሳድላና ቲኺቶቭስኪያ ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ እዩ። ሓደ ካብዚ ሽወደን እትገብሮ ሓገዛት ኣብ ቤላሩስ ንዝርከብን መንግስቲ ቤላሩስ ኣብ እዋን ሃገራዊ ምርጫ 2020 እተፈጸሙ ምግሃስ …

Read More »

ብዝሒ ጥርጡራት ገበን ፍንጀራ ብዕጽፊ ይውስኽ

ኣብዚ ዓመት ኣብ ሽወደን ክብረወሰን ዝሓዘ ብዝሒ ፍንጀራታት ከምዘጋጠመ ካብ በዓል መዚ ዓቃቢ ሕጊ ዝተረኽቡ ኣሃዛት ኣመልኪቶም። ኣብዚ ዓመት ዛጊት 139 ፍንጀራታት ተፈጺሞም ኣለዉ። ካልእ ፍሉይነት ነይዛ ዓመት እቶም ፍንጀራታት እውን ዝሓየሉ ይኾኑ ምህላዎም እዩ። እዚ ማለት ጸኒሂ ንፖሊስ መርትዖታት ኮይኑ ከገልግሎ ዝኽእል ተረፈ ዕንወት ይርከብ ብዘይምህላዉ ነቲ ገበን ንምምርማሮም ኣሸጋሪ ይገብሮ’ሎ። ከም መርኣያ ናይዚ 30% ካብቶም ምስ ገበን ምፍንጃር …

Read More »

ኣድማ ክላርና ድሕሪ ናይ ሓባር ስምምዕ ተቛሪጹ

ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ልዝብ ዝሓለፈ ዓርቢ ምሸት ኩባንያ ክፍሊት ክላርና ምስ ማሕበራት መሃንድሳት ሽወደን ብ ዩንዮነን ብዝተገብረ ጻዕሪ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ በጺሑ። በዚ ድማ ሎም ሰሉስ ክጅምር ተሓሲቡ ዝነበረ ኣድማ ተቛሪጹ’ሎ። ካብ ባሕቲ ጥሪ 2024 ጀሚሩ ክላርና ናብ ትካል ኣስራሕቲ BAO ወይ ኣስራሕቲ ፋይናንሳዊ ጽላት ክጽንበርን ምስ ሰለስተ ማሕበራት ብዝገበርኦ ስምምዕ ክሽፈንን እዩ። ካብዚ ስምምዕ ብዙሕ ክረብሑ እዮም ዝብል ግምት …

Read More »

ኣንጀሊና ጆሊ ንተግባራት እስራኤል ኣብ ጋዛ ኮኒና፣ 250 ፍሉጣት ሰባት ተኹሲ ደው ክብል ይሓቱ

ንነዊሕ እዋን ፍልይቲ ልእኽቲ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኮይና ዘገልገለት ከምኡ’ውን ህብብቲ ተዋሳኢት ሆሊዉድን ነጣፊት ሰብኣዊ ሓገዝን ኣንጀሊና ጆሊ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ዝወሰደቶ ወተሃደራዊ ስጉምትታት ብትሪ ነቒፋ። ብፍላይ ንሰብኣዊ ህልቂት ቓዛ ብምልዓል “ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ገፋሕ ቤት ማእሰርቲ ኮይና እያ ጸኒሓ” ክትብል ኣንጆሊና ተቓውሞኣ ኣስሚዓ’ላ። ክሳብ ህጂ ዝቕጽል ዘሎ ዘስካሕክሕ ክባን ደብዳብን ቓዛ፡ ንስነጥበባውያንን ፍሉጣት ሰባትን ሓዊሱ ብርክት …

Read More »

ሓድሽ ሕግታት ደሞዝ ፍቓድ ስራሕ ንዓሎቕ ደው ከምዘየብሎ ተገሊጹ

ሓድሽ ሕጊ ፍቓድ ስራሕ፡ ዜጋታት ሕብረት ኤውሮጳ ንዘይኮኑን ኣብ ሽወደን ክጸንሑ ዝደልዩን ካብ መጭበርበርቲ ከምዘይከላኸል ማሕበራት ንኣገግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢረን።ዳና ነቲ ሓድሽ ደረት 27,360 ክሮና ኣብ ወርሒ ንምምላእ ዝለዓለ ደሞዝ ከምዝተዋህቦኳ ፡ ነቲ ትርፊ ብጥረ ገንዘብ ንኣስራሒኡ ክመልሶ ከም ዝተነግሮ ይገልጽ። ማሕበር ሰራሕተኛታት ሆቴላትን ኣብያተ መግብን፡ ኣብ ልዕሊ ስነ-ምግባር ዘይብሎም ኣስራሕቲ ዝያዳ ምጽራይ ከምዘድሊ በዚ ኣጋጣሚ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

Read More »

ምስ ዳዕሽ ምትእስሳር ዘለወን ሽወደናውያን ደቂ ኣንስትዮን ደቀንን ክሳብ ሕጂ ኣብ መዓስከር ሶርያ ኣለዋ

ምስ ሽወደን ምትእስሳር ዘለወን ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮን ሓሙሽተ ቆልዑን ክሳብ ሕጂ ኣብ ሶርያ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ። ኣብቲ መዓሰከር ናብ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ኣይኤስ ዝተጸንበሩ ወጻእተኛታት ስድራቤታት ተኣሲሮም ምህላዎም ዝፍለጥ እዩ። ኣቦሓጎ 3 ካብቶም ቆልዑ ዝኾነ ሙስጦፋ፡ እቶም ቆልዑ ናብ ሽወደን ከይበጽሑ ከይሞቱ ከምዝሰግእ ንሬድዮ ኒውስ ሽወደን ገሊጹ። ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ርእይቶ ንምርካብ ናብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቶብያስ …

Read More »

ፎን ደር ሌየን ካብ ስልጣና ክትወርድ ዝጠልቡ ልዕሊ 26 ሽሕ ሰባት ክታምም ኣንቢሮም

ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 26,000 ሰባት ብ – ፖለቲካዊ ሰልፊ ፓን-ኣውሮጳዊ ምንቅስቓስ DiEM25–ዝኾነ MERA25 ጀርመን  ኣቢሎም ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን ካብ ስልጣና ክትለቅቕ ሕቶ ኣቕሪቦም። ን ሕጋዊ መዋቕር ሕብረት ኤውሮጳ ዕሽሽ ብምባላ እዩ እዚ ሕቶ ቀሪቡላ ዘሎ። ብዘይካዚ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሲቪል ቓዛ ዝገበሮ ኣምላዊ ደብዳብ ብሞራል ዘሕትት ደገፍ ምሃባ ምኽንያት እዚ ሕቶ ምዃኑ ተፈሊጡ። “ቮን ደር …

Read More »

News Magazine ዜና መጽሄት – 26-10-2023

Read More »

ኣብ ትካላት ኣይሁድ ተወሳኺ ውሕስነት ንምርግጋጽ 10 ሚልዮን ክሮና ክወሃብ እዩ

መንግስቲ ሽወደን ኣብ ጒዳያት ጸጥታ ዝውዕል 10 ሚልዮን ክሮና ንወግዓዊ ቤት ምኽሪ ማሕበረሰባት ኣይሁድ ሎሚ ዓመት ክህብ እዩ። እቲ ገንዘብ ኣብ ሽወደን ዝርከባ ጉባኤታት ኣይሁድ፡ ትካላት፡ ከምኡ’ውን ኣብያተ ትምህርትን ዝህሉ ኲነታት ጸጥታ ንምምሕያሽ ዝውዕል እዩ። እዚ ብመንግስትን ዲሞክራስያውያን ሽወደንን ዝተበጽሐ ውሳነ፡ ድሕሪ’ቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየዶ ግብረሽበራዊ መጥቃዕትን ሳዕቤናቱን ኣብ ሽወደን ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝፍጸም ስግኣታት እናወሰኸ ብምምጽኡ ምዃኑ …

Read More »

ኣብ ቬትላንዳ ብጌጋ ብቕትለት ተኣሲሩ ዝጸንሐ መንእሰይ ክፍታሕ እዩ

19ን 20ን ዝዕድሚአን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ብቕትለትሓንቲ ጓለንስተይቲ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪደን። ዓሚ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ ቬትላንዳ ደሃያ ዝጠፍአት እዛ ግዳይ ዝኾነት መንእሰይ ድሒሩ ካብታ ከተማ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ጫካታት ሞይታ ከም እተረኽበት ዝፍለጥ እዩ። ብቕትለት እዛ መንእሰይ ተፈሪዱ ዝጸንሐ 19 ዝዕድሜኡ ሕጂ ብይግባይ ቤት ፍርዲ ናጻ ክወጽእ እዩ። እታ ጓል 20 ዓመት መንእሰይ ብምኽንያት ገበን ቕትለት ዝተበየነላ ፍርዲ ተቐባልነት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com