Monday , May 13 2024

ዜና ቀዳመ ሰንበት

ሱዳናውያን ፖለቲከኛታት፡ ካብ ትሕቲ ቀይዲ ነጻ ተለቒቖም

ኣብቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ሱዳን፡ ብርክት ዝበሉ ናይ ሱዳን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ምንባሮም ይዝከር። እዞም ሰበ ስልጣን፡ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ምስ ጀመሩ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ዘይኣክል፡ ካብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝልቀቑ ከምዝተገብረ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፡ ዓብደላ ሓምዶክን መራሒ ወተሃደራዊ ሓይልታት ሱዳን፡ ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ንምፍታሕ ናይ …

Read More »

ሰባት ብምስቓይ ተኸሲሱ ዝነበረ ጀነራል፡ ፕረዚደንት ኢንተርፖል፡ ኮይኑ

ሓደ ዜጋ ኢማራት ዓረብ ዝኾነ ጀነራል፡ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብ ናይ ምስቓይ ተግባር ተሓባባሪ ኔርካ ተባሂሉ ተኸሲሱ እኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ፕረዚደንት ዓለማዊ ወኪል ፖሊስ (ኢንተርፖል) ክኸውን ተመሪጹ ኣሎ። እዚ ኣሕመድ ናስር ኣልረኢሲ ዝተባህለን ዋና ኢንስፐክተር ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጒዳያት ኢማራትን ብምዃን ዘገልገለ ዜጋ ኣብዚ ትካል ናይ ኣርባዕተ ዓመት ናይ ትርፊ ግዜን ዘይክፈሎን ኣገልግሎት ክህብ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ሚኒስተሪ ውሽጣዊ ጒዳያት እታ …

Read More »

ኣውስትራልያ. . . ተጣበቕቲ መሰል ግብረሰዶማውያን (LGBTQ) ንሓድሽ ኣዋጅ ይነቕፉ

ኣውስትራልያ፡ ሃይማኖታውያን ትካላት ንግብረሶዶማውያን (LGBTQ) ካብ ቀጽረን ክሰጓ ዘፍቅድ ሓድሽን ኣከራኻሪን ኣዋጅ ኣሕሊፋ ምህላዋ ተገሊጹ። ብመሰረት እዚ ኣዋጅ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊክ “ጽሬት ሃይማኖታዊ ሃዋሁ” ንምሕላው ብዝብል መማህራን ን ግብረሰዶማዊ ተመሃራይ ክሰጒ ክኽእሉ እዮም። እዚ ኣዋጅ ሃይማኖታዊ ተነጽሎ እንድሕር ኣብ ግብሪ ክውዕል ተጌሩ ሃይማኖታውያን ትካላትን ሰባትን እምነቶም ንኽሕልዉ ከኽእሎም እዩ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ስኮት ሞሪስን፡ ገሊጹ’ሎ። እዚ ኲነታት ሚዛኑ ዝሓለወ …

Read More »

ብሪጣንያ . . . ስደተኛታት ክትወስደላ፡ ንፈረንሳ፡ ትጽውዕ

ካብ ፈረንሳ ተበጊሶም መርበብ እንግሊዝ ብምስጋር ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝበጽሑ ስደተኛታት ናብ ፈረንሳ ክምለሱ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ቦሪስ ጆንሰን፡ ናብታ ሃገር ጻውዒት ኣቕሪቡ። ጆንሰን ን ፕረሲደንት ፈረንሳ፡ ኢማኑኤል ማርኮን፡ ኣብ ዝጸሓልፈሉ መልእኽቲ ብረቡዕ ዘጋጠመን 27 ሰባት ዝቐዘፈን ትራጀዲ ንኸይድገም ብፍጥነት ክንቀሳቐሱ ተማሕጺኑ’ሎ። ሰብመዚ ብሪጣንያ ነዚ ኣመልኪቶም ኣብ ካላይ ክጋብኡ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጒዳያት ብሪጣንያ፡ ፕሪቲ ፓተል፡ እዚ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ …

Read More »

ጃፓናዊ ቢልዮነር፡ ናብ መደበር ጠፈር፡ ክጓዓዝ ይዳሎ

ጃፓናዊ ቢልዮነር፡ ዩሳኩ መይዛዋ፡ ነቲ ንዕለት 8 ታሕሳስ፡ ናብ ዓለምለኻዊ መደበር ጠፈር፡ ከካይዶ ወጢኑ ዘሎ ጉዕዞ ንምትግባር ዘኽእሎ ናይ ልምምድ መስርሕ ንምክያድ፡ ናብቲ ኣብ ካዛኪስታን ዝርከብ ባይኮኑር ዝበሃል፡ መደበር ጠፈር በጺሑ ከምዘሎ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ዩሳኩ መይዛዋ፡ ኣብቲ ዝፍጽሞ ናይ ጠፈር በረራ፡ ምስ ተሓጋጋዚኡ ዮዞ ሂራኖ፡ ነቲ ናይ 12 መዓልታት ጉዕዞ፡ ኣብ ናይ ዩቱብ ቻነሉ ክስንዶ፡ መደብ …

Read More »

ፖሊስ ስጳኛ፡ ኣብ ሃድን ሆላንዳውያን ሉኩፋት ኮሮና

ሰብ ስልጣን ስጳኛ፡ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ፡ ብሕማም ኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሆላንዳውያን ጉጅለ በጻሕቲ ንምርካብ ይፍትን ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ዓለምለኻዊ ናይ ጥዕና መጠንቐቕታ ኣመሓላሊፎም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቶም በጻሕቲ፡ ብዝተገብረሎም ናይ ኮቪድ መርመራ፡ ተሰከፍምቲ ኮቪድ-19 ኮይኖም ስለዝተረክቡ፡ ን 10 ማዓልታት ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ክፋል ስጳኛ፡ ዞባ ኤክስትረማዱራ፡  ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆቴል ክውሸቡ ተሓቢሮም ምንባሮም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር፡ ሸውዓተ ካብቶም …

Read More »

ጓል ሽወደን …… ብጸጋብርሃን ጎይትኦም……. ቀዳማይ ክፋል

“ንነብሰይ ከም መማቕርቲ ሽወደን’የ ዝቖጽራ፡ ኣብ ስቶኮሎም ከማይ ትጽብቅ ሓበሻ ዘላ ኮይኑ ኣይስምዓንን! እንታይ እሞ—” ጌና ዕላላ ከይጀመረትለይ ከላ ብንብዓት ተነኽነኸት። ብመንገዲ ተንቓሳቓሲ ቴለፎን እያ ተላልያትኒ፡ ኣብ ሃገረ ሽወደን ጋሻ ብምዃነይ፡ ቁጽሪ ተንቃሳቃሲ ቴሌፎነይ ብመንገዲ ጋዜጠኛ ናይ ዩቲብ ቻነል ራሄና ቲቪ ያሲን ዑመር(ቕጫ)፡ ብምሕታት እያ ክትረኽበኒ ክኢላ። መልክዓ’ኳ እንተዘይፈለጥክዎ፡ ብኣዛራርብኣ ግና ብርግጽ ምልክዕቲ ክትከውን ኣለዋ በልኲ። ታሪኽ ምስ ሰማዕኲ ግና፡ …

Read More »

ኣብ ሆቴል ዝደቀሱ ኣጋይሽ፡ ክልተ ዓርውቲ ሒዞም ተሰዊሮም

ብሰሉስ፡ ኣብ ሓደ ኣብ ኡስተሾንድ (Östersund) ዝርከብ ሆቴል፡ መደቀሲ ክፍሊ ዝሓዙ ክልተ ኣጋይሽ፡ ዋጋ መደቀሲኦም ከይከፈሉ ሃዲሞም ጥራይ ከይኣክል፡ ክልተ ዓበይቲ ዓራውቲ፡ ክልተ ተሌቪዥንን ሓንቲ ናይ ኤሌክትሪክ መጽረይን (vacuum cleaner) ሰሪቖም ከምዝተሰወሩ ጋዜጣ ኡስተሾንድ ፖስተን ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ሆቴል፡ ነዞም ክልተ ኣጋይሽ፡ ናብቲ ሆቴል ኣብ ዝኣተውሉ ግዜ እኹል ምርግጋጽ ብዘይምግባሩን፡ ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብ ግዜ …

Read More »

ክልተ ዜጋታት ሽወደን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም

ክልተ ዜጋታት ሽወደን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ንጋዜጣ ዳገንስ ኒሀተር ከምዘረጋገጸ ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ። እዞም ክልተ ዜጋታት ሽወደን፡ ብኸመይን ስለምንታይን ከምዝተኣስሩ ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፡ በዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ ኤምባሲ ሽወደን ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ምስ ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዛራረብ ከምዘሎ ወሃብ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ገሊጹ። ካብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ …

Read More »

ሽወደናዊት ሲቫን፡ ዝጸበቐት ድሙ ተባሂላ

ትሽዓተ ዓመት ዝዕድሚኣ ድሙ፡ ሲቫን፡ ኣብ ምድብ ሓውሲ ነዊሕ ጸጉሪ ዘለወን ደማሙ ተወዳዲራ፡ ብምዕዋታ፡ ኣብቲ ምድብ’ቲ፡ ናይ ዓለምና ዝጸበቐት ድሙ ተባሂላ ተሸሊማ ኣላ። ኣብ ዓመተ 2015፡ ሲቫን፡ ኣብ ከተማ ማልመ፡ ኣብዚ ምድብ እዚ ድሕሪ ምውድዳራ፡ ተዓዋቲት ኮይና ከም ዝተሮቕሐት ይዝከር። ሲቫን፡ ኣብዚ ምድብ እዚ፡ ክልተ ግዜ ብምዕዋታ፡ ብጣዕሚ ሕጉስን ኩርዓት ይስመዓንን ክብል ዋናኣ ዝኾነ፡ ሶረን ከደርት፡ ድሕሪ ምሕባር፡ ናይ ብሓቂ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com