Monday , May 13 2024

ዜና ቀዳመ ሰንበት

ኤድ ሺራን: ምውላደይ ካብ ሕማቕ ኣመላት ክዕቀብ ሓጊዙኑ

ህቡብ ደራፋይ ኤድ ሺራን: ሊራ ዝሰመያ ጓል: ድሕሪ ምብኳሩ ኣብ ህይወት ዝጸንሖ ኣጠማምታ ፈጺሙ ከም እተቐየረ ገሊጹ። “ፍቕረይ: ቼሪ: ከም ዝጠነሰት ምስ ነገረትኒ ኣብ ህይወተይ ሓድሽ ንፋስ ክነፍስ ጀሚሩ። ብዛዕባ ዝበልዖን ዝሰትዮን ከይተረፈ እየ ክጥንቀቕ ጀሚረ። ኣልኮል ምስታይ ገዲፈዮ: ስሩዕ ምንቅስቓስ ኣካላት ከኣ ጀሚረ” ክብል ን ቢቢሲ ሬድዮ ዋን ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት ሓቢሩ። ብዘይካዚ: ኣቦ ምዃን ጻዕረኛ ሰራሕተኛ ንክኸውን ከም …

Read More »

“ድራጎን ማን” ዝተሰምየ ሓድሽ ዓሌት ሰብ ተረኺቡ

ቻይናውያን ተመራመርቲ: ሓድሽ ዓሌት ሰብ እዩ ናይ ዝበልዎ ሽክና ርእሲ ምርካቦም ገሊጾም። ብመሰረት እዞም ተመራመርቲ እዚ ዓሌት ሰብ ኣብ ስነ ፍልቀት ወዲሰብ ካብ ሆሞ ኤረክተስን ኒያንደርታልን ብዝዛይድ ንህሉው ዓሌት ወዲሰብ እቲ ዝቐረበ እዩ። እዚ ድራጎን ማን ዝተሰምየ ዓሌት ቅድሚ 146 ሽሕ ዓመታት ኣብ ምብራቕ ኤስያ ይነብር ምንባሩ ተገሊጹ’ሎ። እዚ ሽክና ኣብ 1933 ኣብ ሰሜን ምብራቕ ቻይና ኣውራጃ ሃርቢን እዩ ተረኽቡ፥ …

Read More »

ቀታል ጆርጅ ፍሎይድ: ን 22 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ

ፖሊስ ዋይት ሃውስ ነበር: ደሪክ ሾቪን; ብቅትለት ጸሊም ኣመሪካዊ: ጆርጅ ፍሎይድ: ገበነኛ ኮይኑ ስለ እተረኽበ ን22 ዓመታትን መንፈቕን ማእሰርቲ ተፈሪዱ። “ሾቪን ደሪክ: ንዝተዋህበካ ሕድሪን ስልጣንን ብምጥሓስካን ጭካነ ዝመልኦ ተግባር ብምፍጻምካን እዚ ፍርዲ ተዋሂቡካ ኣሎ” ክብል እቲ ዳኛ ውሳነ ኣመሓላሊፉ። 48 ዝዕድሜኡ ፍሎይድ ብምኽንያት ኣብ ክሳዱ ብጉልበቱ እተጻዕኖ ሾቪን ምስትንፋስ ስኢኑ ህይወቱ ምሕላፋ ዝዝከር እዩ። ሞት ፍሎይድ ዓለምለኸ ተቓውሞ ኣንጻር ዓሌትነትን …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…..ብ ኣማኑኤል ሳህለ….. ሰለስተ ባህርያት ወድሰብ (Three Faces in the Mirror)

ወድሰብ፡ ሰለስተ መሰረታውያን ባህርያት ሒዙ ኢዩ ኣብዛ ዓለም ዚንቀሳቐስ። ንሳተን ከኣ፤ እንስሳዊ ሰብኣዊ መንፈሳዊ   ኢየን።   እንስሳዊ ባህርያት፥ ካብ እንስሳ ዝወረስናዮ ባህሪ ኢዩ። ሰብ ብስነህይወት ወይ ባዮሎጂ፡ ካብ እንስሳ ኣይፍለን ኢዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ ነቶም ኣብ ጫካታት ዚነብሩ ሰባት ተዓዘቡዎም። ከምኡ’ውን ነዞም ኣምላኾም ረሲዖም ንወድሰብ ከብክዩ ዚውዕሉ ዘለዉ ገዛእትን ስሱዓት ፈተውቲ ገንዘብን ተመልከቱዎም። እንስሳዊ ባህርያት፡ ኣብ ባእስን፡ ሓይልን፡ ስዕረትን፡ ኣብ …

Read More »

ኣብ ማያት የመን ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ይሞቱ።

ኣብ ማያት የመን ጃልባ ብምግምጣላ ብዓሰርተታት ዝቚጸሩ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ። ጀለብቲ ዓሳ ኣውራጃ ላሃጅ ጥቓ ራስ ኤልኣራ ዛጊት 25 ሬሳታት ምርካቦምን የመን ን AFP ሓቢሮም ኣለዉ። እዛ ጃልባ ካብ 160-200 ዝኾኑ ሰባት ጽዒና ምንባራን ቅድሚ ክልተ መዓልታት ተገምጢላ ምጥሓላን ተገሊጹ’ሎ። ኣህጒራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ብዙሓት ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ምጥሓላ ኣረጋጊጸ ኣለኹ ኢሉ’ሎ።

Read More »

ጥዕና ኬነት ካውንዳ ኣሻቓሊ እዩ ተባሂሉ።

ኣቦ ሃገረ ዛምቢያ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኬነት ካውንዳ ኣብ ደሓን ኲነታት ጥዕና ከም ዝርከብ ናይ ቀረባ ምንጪታት ን ቢቢሲ ሓቢሮም። ካውናዳ ብሰሉስ ብ ረኽሲ ሳንቡእ ናብ ሆስፒታል ኣትዩ ክሕከም ድሕሪ፡ምጽናሕ ሎሚ ናብ ቤቱ ክፋኖ ምዃኑ ንቢቢሲ ተሓቢርዋ ኔሩ። እንተኾነ ግና ሃንደበት ሎሚ ወጋሕታ ናብ ኣሻቓሊ ኲነታት ከም እተቐየረ ተፈሊጡ። ዛጊት ብገዛእ ርእሱ እኳ የተንፍስ እንተሃለወ ዕድሜኡ ኣብ ግምት ብምእታው ኲነታቱ ከም …

Read More »

ቦሊዉድ ናብ ጽዕድው ዝበለ ሕብሪ ቆርበት ከም ዘዳሉ ይሕመ። 

ኢንዱስትሪ ፊልም ህንዲ (ቦሊዉድ) ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ክሳብ ክንደይ ባህላዊ ገስጋስ ኣርእዩ? ዝብል ወሳኒ ሕቶ ንምምላስ ዘንቀደ ብ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ዝምራሕ ትንተና ከም እተኻየደ ተገሊጹ።  ን ዝርርብ ተዋሳእቲ (Dialogue) ካብ 70 ንላዕሊ ዝተመርጻ ፊልምታት ዝመርመረ እዚ መጽናዕቲ  ነዛ ሕቶ “እወ” ን “ኣይፋልን” ዝብላ፡መልሲታት ሒዙ ተቐልቂሉ’ሎ።   ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ብፍላይ ቦሊዉድ ኣብ ደቀንስትዮን ጽልሚ ቆርበትን ኣሉታዊ ኣድልዎ ከም፡ዘሕድር ብተደጋጋሚ ክሕመ ጸኒሑ …

Read More »

መቕተልቲ ጆርጅ ፍሎይድ ብቪድዮ ዝቐረጸት መንእሰይ: ተሸሊማ

ጆርጅ ፍሎይድ: ብበዓልመዚ ፖሊስ እናተቐትለ ብኣካል ኣብኡ ኔራ ብቪድዮ ዝቕረጸት መንእሰይ ፍሉይ ሽልማት ጋዜጠኝነት ፑሊትዘር ተሸሊማ። 18 ዝዕድሜኣ ዳርኔላ ፍሬዘር: ዝሓለፈ ዓመት 25 ግንቦት ምስ ኣሞኣ ኣብ ሚንያፕለስ ኣብ ዝነበርትሉ እዋን እያ ነቲ ፍጻመ ብ ቪድዮ ክቕረጽ ጌራ። በዚ ድማ በቲ ተባዕ ተግባር ነዚ ሽልማት ከም ዝበቕዐት እቲ ቦርድ ገሊጹ’ሎ። እታ ዝቐርጸታ ቪድዮ ኣንጻር እቲ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ዝወርድ …

Read More »

ሃገረ ጣልያን፡ ንትሕቲ 60 ዓመት፡ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ኣቋሪጻ

ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ንልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም እንተዘይኮይኑ ንኻልእ ሰብ ከም ዘይወሃብ፡ ሃገረ ጣልያን ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ዝኾነሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ኣብ 25 ግንቦት፡ ሓንቲ ጓል 18 ዓመት መንእሰይ፡ ብክታበት ኣስትራ ዘነካ ምስ ተኸትበት፡ ደም ናይ ምርጋእ ኩነታት ስለ ዘጋጠማ፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ብሓሙስ ክትመውት ከምዝኻኣለት መንግስቲ ጣልያን ድሕሪ ምሕባሩ እዩ። ኣብ ልዕሊ ናእሽቱ ሰባት፡ ምስ ክታበት …

Read More »

ውቅያኖሳት: ብፕላስቲክ ይብከሉ ምህላዎም ተገሊጹ

ተመራመርቲ ኣብ ሩባታት፥ ውቅያኖሳት ገማግምን ምድርቤት ባሕሪታትን ዝተጓሕፉ 12 ሚልዮን ቊርጽራጽ ጓሓፍ ድሕሪ ምምርማር 80 ሚእታዊት ማያዊ ኣካል ዓለምና ዝብክል ዘሎ ፕላስቲክ እዩ ክብሉ ገሊጾም። 44% ካብዚ ፕላስቲክ ድማ መትሓዝ “ቴክ ኣውት ጠለብን” መስተን ምዃኑ ወሲኾም ሓቢሮም። ዳርጋ 50% ካብ ኣጠቓላሊ ጎሓፍ ዓለምና ምስ መግቢ እተኣሳሰረ ምዃኑ ምግራም ከም ዝፈጠረሉ መራሒ ጒጅለ ናይቲ መጽናዕቲን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቻዲዝ ስፔይን ዝሰርሕን ዶክተር …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com