Sunday , April 28 2024

ዜና ቀዳመ ሰንበት

ናይ ኣመሪካ መንኰርኰር ጠፈር ማርስ ክትበጽሕ ሰለስተ ሳምንታት ጥራይ እዩ ተሪፉዋ ዘሎ ተባሂሉ።

መንኰርኰር ጠፈር ኣመሪካ ዝኾነይ ፐርሰቨራንስ ሮቨር ካብታ ቀያሕ ፕላኔት እናተባህለት እትጽዋዕ ማርስ ንምብጻሕ 4.5 ሚልዮን ኪሎሜትር ርሕቀት ጥራይ ከም ዝተረፋን ብቕልጣፈ ነዚ ርሕቀት ኣብ ምሽፋን ምህላዋን ቢቢሲ ገሊጻ። እዛ ዝዓበየትን ኣዝያ ዝተረቐቐትን ምዃና እተነግረላ ቬይክል ኣብ ካልእ ፕላኔት ዝዓለበት ፋልመይቲ መንኰርኰር ክትከውን እያ ዝብል ግምት ከም ዘሎን  ጀዜሮ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ዞባ ማርስ ክትዓልብ ከም ዝኾነትን ድማ ተገሊጹ። እዛ መንኰርኰር …

Read More »

ሓደ ዓሚል 2020 ዶላር ቲፕ ን ኣሳሳዪ ይገድፍ።

ኣብ ፍሎሪዳ (ሕ/መ/ኣ)ኣብ ዝርከብ ቤት መግቢ 29 ዶላር ዝዋግኡ መግቢ ድሕሪ ምምጋብ 2020 ዶላት ቲፕ ገዲፉ ከም ዝወጸ ተሓቢሩ። እቲ ዓሚል ነዚ ገንዘብ ድሕሪ ከም ቲፕ ምግዳፉ እቶም ኣሳሰይቲ ብማዕረ ክማቐልዎ ምንጋሩ ሳውዝ ሾር ፒዛ ኣብ ፌስ ቡክ ገጹ ዘስፈሮ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። በዚ ድማ ናይታ ቤት መግቢ ኣሳሰይቲ ንሓድሕዶም 80$ ከም ዝበጽሖም ተገሊጹ። እቲ ዓሚል ከም ዝገለጾ ተግባሩ ኣካል ናይቲ …

Read More »

ዴንማርካዊ ሓንባሳይ ብሓንቲ ምዕጐ ትንፋስ ናብ 200 ሜትሮ ጥልቀት ይሕምብስ።

እዚ ስቲግ ሲቨረንሶን ዝተባህለ ዴንማርካዊ ሓንባሳይ ኣብ ላ ፓዝ ሜክሲኮ ሓንቲ ምዕጐ ብምውሳድ 662 ጫማ (ማለት 200 ሜትሮ) ጠሊቑ ብምሕንባሱ ኣብ ክብረ መዝገብ ጊኒስ ክሰፍር ክኢሉ’ሎ። ንሱ በዚ ክብረ ወሰን ኣቢሉ ኣብ ማያዊ ክሊ ዓለምና ዝወርድ ዘሎ ክበላ ንምክልኻል ኣስተምህሮ ንምሃብ ከም ኣጋጣሚ ክጥቀመሉ ከም ዝደሊ ሓቢሩ’ሎ። እ ዚ ሓንባሳይ ኣቐዲሙ እውን ትንፋሱ ንዝነውሐ ግዜ ሓቢኡ ብምጽናሕ ካልእ ክብረ ወሰን …

Read More »

ሓደ ኣውስትራልያዊ ሸያጣይ ብዝመረጸሉ ቴኬት ሎተሪ 19000$ ይዕወት።

ሓደ ብልማድ ሰባት ዝገዝኦ ቲኬት ሎተር ክመርጹሉ ዝገብር ኣውስትራልያዊ በታ ሸያጣይ ዝመረጸሉ ቴኬት ኣቢሉ 19000$ ክዕወት ምኽኣሉ ገሊጹ። እዚ ኣብ ሃስቲንግስ ቪክቶርያ ዝምቕማጡ ሰብኣይ ን ሎት ኦፊሻልስ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ን ባዕሉን በዓልቲ ቤቱን ሎተሪ ናይ ምግዛእ ልምዲ ከም ዝጸንሖ ኣፍሊጡ። እዛ ብሸያጣይ ዝተመርጸት ቲኬት ድማያ ኣብ ዋዜማ ክሪስማስ ናይ 18954$ ተሸላሚ ጌራቶ ዘላ። …

Read More »

ዜና ቀዳመ ሰንበት: ድሕሪ 7 ዓመታት ዋናታት ዝረኸበት ድሙ

ኣብ ኒው ሃምፕሻየር ሓደ ጽምዲ ድሕሪ 7 ዓመታት ምስ ዝፈትዉዋ ዱሙኦም ተራኺቦም። ኣብ 2013 ዱሙኦም ዝጠፍኣቶም ሰብ ሓዳር ሃምፕሻየር ድሕሪ 7 ዓመታት ዳግማይ ክረኽብዋ ምኽኣሎም ተገሊጹ። እዛ ድሙ ኣብ መደበር ዕቚባ እንስሳታት እዮም ረኾቦሟ። እዞም ናንሲን ዴቭን ዝተባህሉ ጽምዲ ቤኒ ዝስማ ዝፈትዉዋ ዱሙኦም ኣብ 2011 ንቤቶም ከም ዘምጽኡዋን ኣዝዮም ይፈትዉዋ ምንባሮምን ይገልጹ። ኣብ 2013 ካብ ቤታ ምስ ኮብለለት ደሃይ ከም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com