Monday , May 13 2024

ዜና ቀዳመ ሰንበት

ቤተ ክርስትያን እንግሊዝ፡ ንሓወልቲ ኣስራዚ በኒን ክትመልስ እያ

ቤተ ክርስትያን እንግሊዝ፡ ካብ ናይጀርያ እተረኽባ ክልተ ሓወልቲ ኣስራዚ፡ ናብ ሃገረን ክትመልስ ከም እተሰማምዐት ወኪል ቢቢሲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ በን ሁንት፡ ጸብጺቡ። እዞም ቅርስታት፡ ኣብ 1980 ካብ ትካላት ናይጀርያ ህያብ ተባሂሎም ዝተላእኩ ምንባሮም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ቤተክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ፡ ነቶም ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ብራስያን ካልእ ኣገባብን ካብ ኣፍሪቃ ዝወጹ ቅርሲታት ኣፍሪቃ፡ ናብ ሃገሮም ኣብ ምምላስ ዝሰርሑ ዘለዉ ትካላት መሪሕ …

Read More »

ኣብ ቀረባ እዋን ዘተ ፈደሬሽን ኤርትራ-ምስ ኢትዮጵያ ክገሃድ ከም ዝኽእል ገለ ዘይተጣለሉ ምንጪታታት ገሊጾም

ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፈደሬሽን ንምትእስሳር ዝርርብ ከም ዝጅመር ገለ ሓበሬታትት ምህላዉ ሆርን ደይሊ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣብ ሰነ 2018 ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንምርኻብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣምሪሑሉ ኣብ ዝነበረ እዋን “ንስኻ ኢኻ መራሒና! ንስኻ ምርሓና፥ ኩሉ ሓላፍነትን ስልጣንን ሂበካ ኣለኹ” ክብል ንብዙሓት ኤርትራውያን ዘገረመ ዘርባ ሰው ኣቢሉ ምንባሩ ኲሉ ዝዝክሮ እዩ። እታ ካብ 1961-1991 ንሰላሳ ዓመታት …

Read More »

ልኡል ዮርዳኖስ ሓምዛ ቢንሑሴን ኣብ ናይ ቤት ማሕዩር ኣሎ ተባሂሉ

ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ዝግበር ዘሎ ዓፈና ወራስ ዓራት ዮርዳኖስ ነበር ልኡል ሓምዛ ቢንሑሴን ኣብ ናይ ቤት ማሕዩር ክኣቱ ከም እተገብረ ተገሊጹ። ጠበቓ ልኡል ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ ንሓዉ ንጉስ ዓብደላ ብ ብልሽውና፥ ሕጽረት ዓቕሚን ምንግልታዕ ዜጋታትን ብምኽሳሱ እዩ ኣብ ዘቤታዊ ማሕዩር ክኣቱ ተጌሩ ዘሎ። ንጉስ ዓብደላ ኣብ ልዕለይ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ክገበሩ ውዲት ኣሊሞን ንዝበሎም ሰባት …

Read More »

“መርዕድ” ዝተሰምየ ሽክና ዳይናሶር ኣብ ኣርጀንቲና ተረኺቡ።

ተመራመርቲ ኣርጀንቲና መርዕድ ዝሰመይዎ በላዕ ስጋ ዝዓይነቱ ሽክና ዳይናሶር ምርካቦም ቢቢሲ ሓቢራ። እዚ ቀርኒ ዘለዎ ሉካልካን ኣሊዮክራኒዬስ ብዝብል ሳየንሳዊ ስሙ ዝጽዋዕ ዳይናሶር ቊመቱ 5 ሜትሮ ከም ዝበጽሕን ቅድሚ 85 ሚልዮን ዓመታት ኣብ ጐላጒል ኣርጀንቲና ይነብር ምንባሩን እቶም ተመራመርቲ ገሊጾም ኣለዉ። እዚ ዳይናሶር ብናይ ድሕሪት መሓውሩ ደው ኢሉ ዝኸይድ ምንባር፥ በንጻሩ ናይ ቅድሚት መሓውሩ ሓጸርቲ ምንባረን ብሓፈሻ ምስ T-Rex ዝተባህለ ዓሌት …

Read More »

ኣብ ካይሮ ዕቁብ ሬሳታት ፎርኦናት (ማሚስ) ብምዕሩግ ሰልፊ ናብ ሃገራዊ ሙዚዬም ይስነዩ።

ግብጻውያን ፎርኦናት ናብ ነቓብር ዝስነዩሉ ኣገባብ ዘርኢ ትያትራዊ ሰልፊ ኣብ ካይሮ ኣካዪዶም። እዚ ንኽዳሎ ሚልዮናት ዶላራት ከም ዝወድአ እተነግረሉ ሰልፊ ናይ 18 ነጋውስን 4 ደቀስትዮ ነጋውስን ዕቊብ ሬሳታት ሒዙ ናብቲ ሓሙሽተ ኪሎሜትር ዝርሕቀቱ ሓድሽ ሚዝዬም ካይሮ ከም ዘምርሐ ተገሊጹ። እዚ ሰልፊ መሰነይታ ማሚስ ብ ጥንታዊ ኣልባሳትን ድሙቕ ኣገባብን ከመሰረት ዕድመ ስልጣኖም ናብቲ–ሓለዋ ወርቃዊ ፎሮናት ዝተሰምየ ሓድሽ ሚዝዬም ክዓርፉ ተጌሮም ኣለዉ። …

Read More »

ካብ ዓለምና ዝሃብተማ 10 ስድራቤታት

እንዳ ማርስ (ኣመሪካ)፥ ሃብቶም 70.8 ቢልዮን ዶላር ይግመት። እዞም ስድራቤት ወነንቲ ኩባንያ ማርስ እዮም። መስራቲ እዚ ኲባንያ ፎረስት ማርስ እዩ።እንዳ ስሊም (ሜክሲኮ)–መጠን ሃብቶም 64.9 ቢልዮን ይግመት። እዞም ስድራ ኣብ ዓመታት 2010-13 ኣብ ዓለምና ቀዳሞት ዝሃብተሙ እዮም ኔሮም። እንተኾነ ብምኽንያት ምንቊልቋል ዋጋ ኮርፖሬሽንን ብርኪን ናብ ካልኣይ ደረጃ ወሪዶም ኣለዉ። ምንጪ ሃብቲ እዞም ስድራ ኲባንያ ግሩፖ ካርሶ እዩ።እንዳ ዛክበርግ (ኣመሪካ)–መጠን ሃብቲ 63 …

Read More »

ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ብ ኮቪድ-19 ተለኺፉ

ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ዒምራን ኻን ብ ኮቪድ-19 ከም እተታሕዘ ንጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ብምጥቃስ ቢቢሲ ሓቢራ። 68 ዝዕድሚኡ ዒምራን ኻን ኣብ ገዝኡ ተወሺቡ ኣሎ ክብል ሚኒስተር ጥዕና ፓኪስታን ፈይሰል ሱልጣን ኣብ ዝኸተቦ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሩ’ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ቅድሚ ምዃኑ ኮኾብ ተጻዋታይን ካፕቴንን ጋንታ ክሪኬት ዝነበረ ዒምራን ኣብ ነሓሰ 2018 እዩ ነቲ መዝነት ተረኪቡ። ቅድሚ ክልተ ዓመታት ቀዳማይ ክታበቱ …

Read More »

ህቡብ ኮንዳክተር ኦፔራ ጄምስ ለቫይን ዓሪፉ

ምስ ሜትሮፖሊታን ኦፔራ ኒው ዮርክ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰርሐ ኣዝዩ ህቡብ ኮንዳክተር ኦፔራ ዓለምና ጄምስ ሌቫይን ኣብ መበል 77 ዓመቱ ዝሓለፈ ረቡዕ ዓሪፉ። ኣቐድም ኣቢሉ ምስ ጾታዊ ምድፋር ብዝተኣሳሰሩ ክሲታት ካብ ሞያኡ ተፈናቒሉ ምጽንሑ ድምጺ ኣመሪካ ሓቢራ’ላ። እዚ ብብንጫር ጸጒሩን ከበብቲ መነጽሩን ዝልለ ኮንዳክተር ሙዚቃ ብፍላይ ብሙዚቀኛታት ሜት ኣዝዩ ፍቱው ምንባሩ ይፍለጥ። ድሕሪ ሊዮናርድ በርንስቲን እቲ ኣዝዩ ፍቱው ኮንዳክተር ምዃኑ ዝነገረሉ …

Read More »

ጓል 22 ዓመት መንእሰይ ኩለን ሃገራት ዓለም ትበጽሐን

ሌክሲ ኣልፎርድ ኲለን ሃገራት ዓለም ከተባጽሕ እንከላ ጓል 21 ዓመት እያ ኔራ። ሕጂ ድሕሪ ዓመት “ሌክሲ ሊሚትለስ” ዝተባህለ ናይ ኦንላይን መድረኽ ብምፍጣር ብ ኢንስታግራም፥ ዩቱብን ናይ ባዕላ መርበብ ሓበሬታን ኣቢላ ክጐዓዙ ንዝደልዩ ሰባት ኣብ ምብርታዕ ትርከብ። ንመላእ ዓለም ዘባጽሐት ዝነኣሰት ሰብ ዝብል ክብረ ወሰን ዝሓዘት ሌክሲ ኣብ ካሊፎርኒያ እያ ተወሊዳ። ንሳ ንካሊፎርኒያ ብብዝሑነት ዝሃብተመት ሃገር ብምባል እያ ትገልጻ። ሕጂ ኣብታ …

Read More »

መንእሰያት ኢማራት: ብናይ ሰብዓታት ሙዚቃ: ፍቕሪ ይተሓዙ

መንእሰያት ኢማራት ብፍቕሪ ሙዚቃ 70ታት ብፍላይ Rasputin ዘርእስታ ደርፊ Bonny M ተታሒዞም ኣለዉ ክብል ጋልፍ ኒውስ ሓቢሩ። ኣብ ዱባይ እትቕመጥ 22 ዝዕድሜኣ ሚካይላ ቼቲ “ኣነን ኣሕዋተይን ሙዚቃታት 70ታት 80ታትን 90ታት ምሒር ኢና ንፈቱ። እዚ ምናልባት ካብ ወለድና ዝወረስናዮ ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ” ትብል። ብፍላይ ደርፊታት ብርያን ኣዳምስ፥ ኤልቪስ ፕሬስሊ፥ ዶሊ ፓርተንን ቦን ጆቪን ኣዝዮም ፍቱዋት እዮም ትብል። ወደይ ናይ ቦኒ ኤም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com