Sunday , May 12 2024

ዜና ቀዳመ ሰንበት

መታን ጽቡቕ ክትወሃሃዱ ምስ መዋስእትኺ ጾታዊ ርክብ ፈጽሚ ብምባል ኣፍራዪ ፊልም ጸቕጢ ይገብረለይ ኔሩ”–ሻሮን ስቶን።

ዝሓለፈ ሓሙስ ታሪኽ ህይወታን ተመኲሮኣን ናብ ንባብ ዘብቅዐት ህብብቲ ኣመሪካዊት ተዋሳኢት ሻሮን ስቶን ገለ ኣቓልቦ ዝስሕቡን ዘገርሙን ሓቂታት ኣካፊላ ኣላ ክብል ኢንሳይደር ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ገሊጹ። ሻሮን ስቶን ናይታ ኣብ 1992 ኣዝያ መዘራረቢት ዝነበረት ፊልም Basic Instinct ቀንዲ ተዋሳኢት እያ። ዳይረክተር እታ ፊልም ናብ ካሜራ ዝምለስ ነጸብራቕ ብምምኽናይ ኮስቱሞኣ ከተውጻኦ ከም ዘእመናን ንኣኣ ከየማኸረ ዕርቃነ ሕፍረታ ዘርኢ ስእልታት ከም ዝወሰደን …

Read More »

ኣሚታብ ባቻን: ብዕቀባ ፊልም ኣቓልቦ ይስሕብ።

ንዓሰርተታት ዓመታት ተዋሳኣይ ኣሚታብ ባቻን 60 ዝኾና ፊልምታት ውሑስ ኲነታት ኣየር ምዕቃቡ ተገሊጹ። ንሱ ኣብ ምዕራብ ከተማ ሙምባይ ኣብ ዝርከብ ቤቱ ዓቂብዎም ዝነበሩ ፊልምታት ትካል ዕቀባ ፊልም እታ ሃገር ኣረኪቡ’ሎ። ንብዙሕ ዓመታት ድማ ፊልምታት ህንዲ ብውሑስ ኣገብባ ተዓቂቦም ንወለዶታት ንኽሰጋገሩ ብውልቁ ጻዕርታት ክገብር ምጽንሑ ተገሊጹ። ንሱ ኣብ ቦኽሪ ዓመታት ቦሊዉድ ዝፈረዩ ፊልምታት ሰኣን ዕቀባ ምጥፍኦም ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ምግላጹ ዝዝከር …

Read More »

ናሳ: ዓርሞሸሽ ጠፈራዊ እምኒ (ኣስትሮይድ) ጥቕ ምድሪ ክሓልፍ እዩ

ዝመጽእ 21 መጋቢት ዛጊት ዝዓበየ ምዃኑ እተነግረሉ ጠፈር እምኒ (ኣስትሮይድ) ካብ ምድሪ 2 ሚልዮን ኪሎሜትር ጥራይ ተፈንቲቱ ከም ዝሓልፍ ሃገራዊ ምምሕዳር ጠፈር ኣመሪካ (ናሳ) ኣፍሊጡ። ተመራመርቲ ካብቲ ንቡር ቅርብ ዝበለ ትዕዝብቲ ንኽወስዱ ከም ዘፍቅድ እውን ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። እዚ 2001FO32 ዝተሰምየ እምኒ ጠፈር ቅድሚ ዕስራ ዓመት ዝተረኽበ ኮይኑ 915 ሜትሮ ቁመት ከም ዘለዎ ተፈሊጡ። እዚ ኣስትሮይድ ኣብ ጸሓይ ዝዖደሉ ዛቢያ ኣጸቢቕና …

Read More »

ኢራን: ስነምግባር ዝጎደሎ ሙዚቃዊ ቪድዮ ሰሪሖን ንዝበለቶም ትኣስር

ኢራን: ምስ ኣብ ካሊፎርኒያ ዝመደብሩ ኢራናዊ ሙዚቀኛ ምትእስሳር ዘለዎም ብርክት ዝበሉ ኣፍረይቲ ሙዚቃ ብሓሙስ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታዋ ተገሊጹ። ኢራን ምዕራባዊ ብልሽውና የተኣታቱ እዩ ንእትብሎ ሙዚቃዊ ቪድዮ ናይ ምእጋድ ልሙድ ኣሰራርሓ ከም ዘለዋ ዝፍለጥ እዩ። እዛ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተራእየት ሙዚቃዊት ቪድዮ ደራፋይ ሳሳን ሓይደሪ ያፍተሕ ምስ ቅርጺ ኣካላተን ዘርኢ ጥብቕ ዝበለን ሓጺርን ክዳን ዝወደያ ደቀንስትዮ እናሳዕስዐ እያ ተሰሪሓ። ኣብ ሰሙን …

Read More »

ሓንቲ ቀለቤት፡ ዛንታ ዝተረሰዐ ጅግና ተዘክር

ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ሰላይ ብሪጣንያ ኮይኑ ኣብ ድሕሪ መስመር ዝሰርሕ ዝነበረ ፈረንሳዊ ዜጋ፡ ዓቢ ጅግንነት ፈጺሙ ክንሱ፡ ተረሲዑ ጸኒሑ ክብል ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ ጆን ኬሊ፡ ዘዳለዎ ጸብጻብ ሓደ ዛንታ፡ ንንባብ ኣብቂዑ’ሎ። ዛንታ እዚ ጅግና ድሕሪ ሰብዓ ዓመታት ብምኽንያት ሓንቲ ናይ ኢድ ቀለቤትን ቃል ወዲ 98 ዓመት ጡረተኛ ሓርበኛን ክዕቀብ ክኢሉ’ሎ ይብል እቲ ጸብጻብ። እዚ ፈረንሳዊ ሰላይ ናብቲ ስርዓት ናዚ፡ …

Read More »

መንኰርኰር ናሳ: መሬት ማርስ ትረግጽ

ሓዳስ መንኰርኰር ናሳ፡ ኣብዚ ሰሙን፡ ሓመድ ፕላኔት ማርስ ረጊጻ ክትብል ድምጺ ኣመሪካ ገሊጻ። እዛ ፐርሲቨራንስ ዝስማ መንኰርኰር ኣብ ማርስ ኣሰር ህይወት እንተሎ ምምርማር ቀንዲ ዕላማኣ ምዃኑ ወሲኻ ገሊጻ። ነዚ ጒዕዞ ኣብ ምውህሃድ ዝነጥፍ መሃንዲስ ናሳ፡ ሪች ሪበር፡ “ናብ ማርስ እንገብሮ ዘይተርፍ ጒዕዞ በዚ ጀሚርናዮ ኣሎና። እዛ ተበግሶ ታሪኻዊት እያ ኢሉ’ሎ። ተቘጻጸርቲ እዚ በረራ እቲ ተልእኾ ብዓወት ንኽዛዘም ኣብ ነቚጣኦም ኮይኖም …

Read More »

ኣሌክስ ፈርጉሰን፡ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ውሽጣዊ መድመይቲ ሓንጎል ይዛረብ

ኣካያዲ ስራሕ ማንቸስተር ዩናይትድ ነበር፡ ሰር ኣሌክስ ፈርጉሰን፡ ኣብ 2018 ሕማም መድመይቲ ሓንጐል ከም ዘለዎ ምስ ፈለጠ “ክንደይ መዓልታት ኮን ብህይወት እጸንሕ እኸውን” ዝብል ሓሳብ ከም ዝሓዞ ይዛረብ። በዓልቲ ቤቱ፡ ካቲን፡ ደቁ ዳረንን ማርክን በቲ ኲነታት ብዙሕ ከም እተሳቐዩ ዘዘንተወት እዛ “ሰር ኣሌክስ ፈርጉሰን፡ ነቨር ጊቭ ኢን” ዘርእስታ ፊልም እያ። እዛ ፊልም ትማል ቐዳም ኣብ ፈስቲቫል ፊልም ግላስጎው ብፍሉይ ስክሪኒንግ …

Read More »

ኢጣልያ… መዝገበ ቓላት፡ ጾታዊ ኣድልዎ ከወግድ ይሕተት።

100 ዝኾኑ ውሩያት ኢጣልያውያን ዜጋታት ናብ ትረቺያኒ መዝገበ ቓላት፡ ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ፡ ሰበይቲ ዝብል ቃል፡ ትርጒሙ ክቕየር ሓቲቶም ኣለዉ። እቲ ወፍሪ ከምኒ ፑታና (ኣመንዝራ) ዝበሉ ምስ ሰበይቲ ዝብል ቃል ተመሳሳሊ ትርጒም ተባሂሎም ዝኣተዉ ትርጒማት ክእለዩ ጸዊዑ’ሎ። ከምዚ ዓይነት ቃላት ንደቀንስትዮ ናብ ጾታዊ ኣቕሓ ብምቕያር ካብ ሰብኣውነት ዘነኣእሱ እዮም ብምባል ድማ ብትሪ ኰኒኖሞም ኣለዉ። ካብዞም ነዚ ደብዳበ ዝኸተሙ ህቡባት ሰባት፡ ኣክቲቪስትን …

Read More »

ሃገረ ዩክሬን፡ ንባህላዊ ጸብሒ፡ ብዩኔስኮ ተፈላጥነት ክወሃቦ ትጽዕር።

ሃገረ ዩክሬን፡ ትማሊ ዓርቢ ብ ኦንላይን ኣብ ዝፈነወቶ ናይ ምኽሻን በዓል፡ ነቲ ቦርሽ-ቢትሩት፡ ዝበሃል ዓይነት ባህላዊ መግቢ ብዩኔስኮ ተፈላጥነት ክወሃቦ ድርኺት ጌራ’ላ። እዚ ዓይነት መግቢ፡ ብዘይካ ኣብ ዩክሬን፡ ኣብ ሩስያ እውን ልሙድ ምዃኑን ብወገን ፖላንድ ድማ ባርዥ እናተባህለ ከም ዝጽዋዕ ይፍለጥ። ትካል ዕቃበ ዘይድህሰሱ ቅርስታት ው.ሕ.ሃ. ናይ ገለ ሃገራት ባህላዊ መግቢ ከም ቅርሲ ዓለም ኣፍልጦ ክህብ ከምዝጸንሐ ይግለጽ። ሚኒስተር ባህሊ …

Read More »

ኣብ ዓለም: ብዕድመ ዝዓበየት ዑፍ መሮር ወሊዳ።

ኣብ ዓለም ብዕድመ ዝዓበየት ዊዝደም ዝስማ፡ ጻዕዳ ዑፍ ኣልባጥሮስ ባሕሪ: ኣብ 70 ዓመታ: ምውላዳ ተገሊጹ። እዛ ዑፍ ኣብ መዕቈብ ኣራዊት ሰሜናዊ ውቅያኖስ ፓሲፊክ ኣብ ባሕቲ ለካቲት ውሉዳ ምፍልፋላ ኣገልግሎት ዓሳን ኣራዊትን ኣመሪካ ገሊጹ። ኣልባጥሮስ ላይሳን፡ በዚሑ እንተተባህለ ክሳብ 40 ዓመት እዩ ብህይወት ዝጸንሕ። ኣልባጥሮስ ምስ ሓደ እንኳ መጻምዲ ተወሲኖም እዮም ዝነብሩ፡ እንተኾነ ግና መጻምዳ ስለዝሞቱ ዊዝደም ብተደጋጋሚ ከም እተዛመደት እቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com