Sunday , May 12 2024

ዜና ቀዳመ ሰንበት

ኬንያ: ሓንቲ ከተማ ብዂለንትናኣ ንጣልያን ትመስል

ኣብ ገማግም ህንዳዊ ውቅያኖስ እትርከብ ከተማ ማሊንዲ ኣብ መበል 13 ክ/ዘመን እያ ተደኲና። እዛ ካብ ሞምባሳ ብሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ 120 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ መዘናግዒት ከተማ ማሊንዲ ካብ 1960ታት ንደሓር “ንእሽቶ ኢጣልያ” ተባሂላ እያ ትጽዋዕ። እዛ ናይ በጻሕቲ ከተማ ብናይ ጣልያን ኣብያተ መግቢ፥ እንዳ ፒዛ ድሊን ጀላቶን ዝደመቐት ኮይና ኣበየ ጎደናኣ ድማ ብቋንቋ ጣልያን ዝተጻሕፉ ዓበይቲ ቢልቦርድ ይረኣያ። ኣብዛ ከተማ፡ …

Read More »

ሰሜን ኮርያ: ሩስያውያን ዲፕሎማሰኛታት ካብታ ሃገር ብዓረብያ ይወጹ

ሓደ ጒጅለ ሩስያውያን ዲፕሎማሰኛታትን ስድራቤቶምን ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኣዝዩ ተሪር ናይ ኮቪድ ሕጊታት ንምህዳም ካብ ሰሜን ኮርያ ብዘይልሙድ ኣገባብ ብዓረብያ ምውጽኦም ቢቢሲ ገሊጻ። እዞም ሸሞንተ ሰባት ኣቐዲሞም ብባቡርን ኣውቶቡስም ድሕሪ ምጒዓዝ ኣብ ዶብ ሩስያ ምስ በጽሑ ነቲ ዝተረፍ ሓዲ ኪሎሚትር ብ ዓረብያ ሲጊሮሞ ተባሂሉ። ሰሜን ኮርያ ለበዳ ኮሮና ንምዕጋት ብዝብል ሰበብ ዝበዝሕ መጓዕዝያ ምእጋዳ ዝፍለጥ እዩ። እታ ሃገር ዛጊት …

Read More »

ህንዲ: ሓደ ሰብኣይ ብገዛእ ደርሆኡ ተቐቲሉ

ኣብ ደቡብ ህንዲ ኣብ ዘይሕጋዊ ግጥም ደርሁ ዝተሳተፈ ደርሆ ዋናኡ ቀቲሉ ክትብል ቢቢሲ ሓቢራ ። እቲ ደርሆ ኣብ ኣእጋሩ ስሕለት ተኣሲሩሉ ከም ዝነበረ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ እቲ ደርሆ ከምልጥ ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ንዋናኡ ኣብ ከባቢ ፍረነብሱ ብምቚሳል ብዋሕዲ ደም ክመውት ጌሩ ኣሎ ኢሉ። ፖሊስ ኣብዚ ግጥም ዝተሳተፉ 15 ካልኦት ሰባት ይደሊ ምህላዉ ገሊጹ’ሎ። እዚ ፍጻመ ኣብ ክልል ተላንጋና ሎቲኑር …

Read More »

ብሪጣንያ፥ ብጉዳይ ሻሚማ በጉም ምጉት ተላዒሉ።

ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ፡ ሻሚማ በጉም፡ ናብታ ሃገር ከይትምለስን ዜግነታ ክስረዝን ምውሳኑ “ጥሕሰት ግዝኣተ ሕጊ እዩ” ክብል ሓደ ጉጅለ ሲቪላዊ መሰላት ተማጒቱ። ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ብሪጣንያ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ነቲ ሻሚማ በጉም ናብ ብሪጣንያ ክትኣቱ ዝሃቦ ፍቓድ ደጊሙ ውዱቕ ድሕሪ ምግባሩ እዩ እዚ ናይ ተቓውሞ ምጉት ስዒቡ ዝመጽእ ዘሎ። ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት ሻሚማ ምስ ገለ መሓዙታ ናብ ሶርያ ብምኻድ ምስ ዳዕሽ ብምጽንባራ …

Read More »

ሓሙሸይቲ መንኰርኰር ኣመሪካ ማርስ ዓሊባ።

ዝዓበየት ተልእኾ ትካል ምርምር ጠፈር ኣመሪካ (ናሳ) ዝኾነትን ጽንዓት ዝተሰምየትን መንኰርኰር ኣመሪካ ኣብ ማርስ ህይወት እንተሎ ንምድህሳስ ናብታ ፕላኔት ዕዉት ምዕላብ ምግባራ ተገሊጹ። እዛ መንኰርኰር ክሳብ ሕጂ ናብ ካልኦት ፕላኔታት ካብ ዝተላእኩ እቲ ኣዝዩ ዝተራቐቐ ላቦራቶሪ ህይወታዊያን ዝሓዘለት ኮይና ብሓሙስ ኣብ ክሊ ኣየር ማርስ ክትዝምቢ ጸኒሓ ድማ ከም ዝዓለበትን ድምጺ ኣመሪካ ገሊጻ። እዛ መንኰርኰር ተልእኾኣ ኣብ ማርስ ጥንታዊ ህይወት ብዛዕባ …

Read More »

Enkla fraser Svenska-tigrinja ..Hager Teklay

Read More »

Harmony Media ዜና ስፖርት 26-02-2021

Read More »

ለንደን: ተመሃሮ ኣዋልድ ዝበለጸት ፊልም ብምስራሕ ይሽለማ።

ሓንቲ ጀመርቲ ምውሳእ ዝኾና ተመሃሮ ምብራቕ ላንደን ዘሳተፈት ፊልም ሓሙሽተ ዓይነት ሽልማታት ብሪቲሽ ኢንደፐንደንት ፊልም ኣዋርድስ ምዕዋታ ቢቢሲ ሓቢራ። ኣብዛ ሮክስ ዝተባህለት ተሸላሚት ፊልም እትዓዪ 17 ዝዕድሜኣ ኮኾብ ተዋሳኢት ከውሰር ዓሊ ድማ ብብሉጽ ናይ ምውሳእ ብቕዓት ተሸሊማ። ተስፋ ዘለዋ ተዋሳኢት ብዝብል እውን ካብ ኣድነቕቲን ሃየስትን ፊልም ብዙሕ ናእዳ ረኺባ’ላ። ዝሓለፈ ዓመት ብዙሕ ተፈታውነት ዝረኸበት ፊልም ሮክስ ሕጂ ኣብ ኔትፍሊክስ ትረአ …

Read More »

ግሪኽ: ህቡብ ተዋሳኣይን ዳይረክተርን ብጾታዊ ዓመጽ ይኽሰስ

ህቡብ ግሪኻዊ ተዋሳኣይን ዳይረክተርን ናይ መድረኽ ቲያትር ዲሚትሪስ ሊግናዲስ ብጾታዊ ምድፋር ትሕቲ ዕድመ ኣብ ትሕቲ ቅይዲ ኣትይ። 56 ዝዕድሜኡ ሊግናዲስ ኣብ 2010 ኣብ ልዕሊ ወዲ 14 ዓመት ህጻን ጾታዊ ምድፋር ብምፍጻሙ ከምኡውን ካልእ ዛጊት ዝርዝራቱ ዘይተገልጸ ተመሳሳሊ ክሲን እዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ። እዚ ህቡብ ዳይረክተር ሃገራዊ ትያትር ግሪኽ ነዚ ክሲታት ናይ ክሕደት ቃል ምሃቡ ጠበቓኡ ገሊጹ’ሎ። ሊግናዲስ ብገዛእ ፍቓዱ …

Read More »

ጓል 28 ደቡብ ኣፍሪቃዊት ነፍሰጾር ዝቐተለ ሰብ ተፈሪዱ

ጓል 28 ዓመት ነፍሰ ጾር ብዘስካሕክሕ ጭካኔ ዝቐተለ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ወንጀለኛ 20 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ። እዚ መቕተልቲ ኣብ መላእ ደቡብ ኣፍሪቃ ቊጠዐ ፈጢሩ ፕረሲደንት እታ ሃገር መደረ ከስምዕ ደሪኹ እዩ። ሬሳ መዋቲት ሸጎፋሶ ፑለ ኣብ ገረብ ተንጠልጢሉ እዩ ተረኺቡ። ብርክት ዝበለ ክፋል ኣካላታ ብስሕለት ከም እተወግአ ድማ ፖሊስ ሓቢሮም ኣለዉ። 31 ዝዕድሜኡ ክሱስ ሚዚካዪሰ ማሌፋን ነቲ ገበን ምፍጻምጅ ቃልይ ን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com