Friday , May 17 2024

ፖሎቲካ

መራሒ ሊበራላውያን ዝኾነ Jan Björklund ኣብዚ ዓመት’ዚ ንምርጫ ከም ዘይወዳደር ኣፍሊጡ።

ኣብ ከቢድ ውሽጣዊ ክርክር ናይ ዝርከብ ሰልፊ መራሒ ዝኾነ Jan Björklund ኣብዚ ዓመት’ዚ ንምርጫ ከም ዘይወዳደር ኣፍሊጡ። “ን 12 ዓመታት መራሒ ሰልፊ ኮይነ ድሕሪ ምጽናሕ ንበትረ መሪሕነተይ ናብ ካልእ ዘረክበሉ ግዜ ኣኺሉ’ሎ። ዓሰርተ ክልተ ዓመት ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ እዩ” ክብል Björklund ረቡዕ ቀትሪ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ነዚ ዜና ፈለማ ዝዘርግሐት ናይ ቢዝነስ ጋዜጣ Dagens Industri ኮይና መራሕ …

Read More »

ጥሪ ብዝሒ ዘለዎም ዜጋታት ብሪጣንያ ሽወደናዊ ዜግነት ዝሓተቱላ ወርሒ ኮይና ከም ዝሓለፈት ተገሊጹ፡

ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 471 ዜጋታት ብሪጣንያ ሽወደናዊ ዜግነት ሓቲቶም ኣለዉ። ሕቶ ሽወደናዊ ዜግነት ብሪጣንያውያን ክንህር ዝጀመረ ብሪጣንያ ካብ ኣባልነት ኣውሮጳዊ ሕብረት ክትስሕብ ምዃና ብዕሊ ካብ ዝኣወጀትሉ ዓመተ 2016 እኳ እንተኾነ ክንዲ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ በጺሒ ከም ዘይፈልጥ እዩ ዝሕበር ዘሎም ሽወደናዊ ዜግነት ንኽወሃቦም ዝሓቱ ዘለዉ ብሪጣንያወያን ከም ዘይስካንዲናቫውያን ዜጋታት መጠን ከማልእዎ ዝግብኦም ቅጥዕታት ከቕርቡ ክሕተቱ እዮም። …

Read More »

ሩስያ መጠነ-ሰፊሕ ልምምድ ስርሒት ኲናት ተካይድ።

ብመሰረት ጸብጻብ ትካል መጽናዕቲ ሓይልታት ምክልኻል ሽወደን፡ ሩስያ ካብ ቀረባ ዓመታት ጀሚራ ጽዑቕን መጠነ-ሰፊሕን ልምምድ ስርሒት ኲናት ተካይድ ምህላዋ ተፈሊጡ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ እዞም ታዕሊማት ሸቶኦም ካብ ናእሽቱ ግርጭታት ናብ ዓበይቲ ኲናት ቀዪሮም እዮም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ። ዳይረክተር ትካል ምርምር ሓይልታት ምክልኻል ሽወደን Johann Norberg ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ “ሩስያ ኣንጻር ቻይና ወይ ኔቶ ኲናት ንምግጣም ዘኽእላ ዞባዊ ኲናት ንምክያድ እያ …

Read More »

ምምሕዳር ከተማ Karlskorna ስቨርየ ዲሞክራተርና SD ዘቕረቦ ኣዛን ናይ ምኽልካል እማመ ነጺግዎ::

ምምሕዳር ከተማ Karlskorna ነቲ ስቨርየ ዲሞክራተርና SD ዘቕረቦ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ምእዛንን ሃይማኖታዊ ሰበኻ ምክያድ ክእገድ ዝብል እማመ ነጺግዎ። ነዚ እማመ 39 ኣባላት ክነጽግዎ እንከለዉ 29 ደገፎም ሂቦም ኔሮም። እስላማዊ ባህላዊ ማሕበር ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ክሰብኽ ብዝብል ሕቶ ፖሊስ ከም እተሰማምዓሉ ይፍለጥ። እቲ ድምጺ ነበርቲ ዘይርብሽ እንተኾይኑ መሳጊድ ስብከት ከካይዳ ሰብመዚ ሽወደን ፍቓድ ሂቦም እዮም። እቲ ሕቶ እቲ ድምጺ ምስቲ …

Read More »

Arbetsförmedlingen 4400 ሰራሕተኛታቱ ጽባሕ ረቡዕ ከፋንው እዩ ተባሂሉ።

ቤትጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen)  ንኣሽሓት ሰራሕተኛታቱ ካብ ኣገልግሎት ከሰናብቶም እዩ ይበሃል ኣሎ። ረቡዕ ንግሆ ን 4400 ሰራሕተኛታት ቤትጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen)  ናይ ስንብት ምልክታታት ክንገሮም እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብመሰረት ጋዜጣ DN እዚ ካብቲ ኣቐዲሙ ተገሚቱ ዝነበረ ቊጽሪ (ማለት 2400 ) ኣጸቢቑ ዝለዓለ እዩ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ሓድሽ እማመ ባጀት ብባይቶ ድሕሪ ምጽዳቑን ዓቃባዊ ክርስትያን ዲሞክራስያዊን ሰልፊታት ባጀት ቤትጽሕፈት ዕዮ ክጐድል ዝብል …

Read More »

ቓኒ ምስ ጣሊባን ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ክዛተ ከም ዝደሊ ኣፍሊጡ።

ጣሊባን ምስ መንግስቲ ካቡል ብዛዕባ ሰላም ክዛተዩ ቅሩብነት ከርእዩ ይግባእ ክብል ፕረሲደንት ኣፍጋኒስታን ኣሽራፍ ቓኒ ተዛሪቡ። ቓኒ ነታ ቀንዲ ፖለቲካዊ መዋገዪ ዛዕባ ጣሊባን ኣመልኮቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ መንግስቱ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ወተሃደራት ወጻኢ ኣብ ሃገሩ ክሰፍሩ ከም ዘይደሊ ንተሌቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ’ሎ። እዚ ጻውዒት ሰላም ዝመጸ መንግስቲ ኣመሪካን ጣሊባንን ኣብ ቐጠር ንሽዱሽተ መዓልቲ ድሕሪ ምዝታዮም እዩ። መንግስቲ …

Read More »

ሓላፊ ጒጅለ SD ስቶክሆልም Peter Valmark ንገዛእ ነብሱ ፖለቲካዊ ጸሓፊ ጌሩ ምሻሙ ተገሊጹ።

እዚ ማለት ብ ክልተ ደሞዝ ብምውሳድ ክኽሰስ ይኽእል’ዩ ክትብል ጋዜጣ Aftonbladet ሎሚ ጸብጺባ። ብመሰረት እታ ጋዜጣ Valmark ከም ሓላፊ SD መጠን ወርሓዊ ደሞዙ 40,623 ክሮነር ምዃኑ ተመልኪቱ’ሎ። ብዘይካዚ ከም ፖለቲካዊ ጸሓፊ ናይቲ ሰልፊ ካልኣይ ናይ 50,000 ክሮነር ደሞዝ ከም ዝቕበል እውን ተፈሊጡ’ሎ። ኣብ ህንጻ ቆንስል ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም ተመሳሳሊ ድርብ ስራሕ ዘለዎ ካልእ ሰብ የለን ክትብል እታ ጋዜጣ ብተወሳኺ ገሊጻ’ላ። …

Read More »

ዜናታት ስዊድን ብትግርኛ 25 ጥሪ 2019

Read More »

ሓድሽ ሚኒስተር ኣውሮጳዊ ሕብረት Hans Dahlgren ብዛዕባ BREXIT ርእይትኡ ይህብ።

ሓድሽ ሚኒስተር ኣውሮጳዊ ሕብረት Hans Dahlgren ብሪጣንያ ነታ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ብዕሊ እትወጸላ ዓንቀጽ 50 ኣብ ምትግባር እንተደንጐየት መብዛሕትአን ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረት ቅር ከም ዘይብለን ገሊጹ። ንሱ እቲ ምድንጓይ ቅቡል ዝኸውን ግና ግዜ ዝጠልብ ዓቢ ለውጢ ምስ ዝህሉ እዩ ኢሉ። ንኣብነት መንግስቲ ብሪጣንያ ፖለቲካዊ መስመሩ ንዘተ እንተ ኣቕሪብዎ፡ ረፈረንዱም ወይ ምርጫ ክካየድ ወይ’ውን ከምኡ ዝመስል ገዚፍ ፖለቲካዊ ጒዳይ ምስ ዝህሉ …

Read More »

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን Stephan Löfven ሓፈሻዊ መርሓ ፖሊሲ ሓድሽ መንግስቱ ኣቕሪቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን Stephan Löfven ሎሚ ንግሆ ኣብ ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መደረ መንግስቱ ዝምርሓሎም ፖሊሲታትን ዝትሸየሙ ሚኒስተራትን ዕላዊ ጌሩ። እዚ ክሳብ 2022 ዝገዝእ ፖሊሲ ኣብ ብዙሕ መዳያት ሓድሽ ሕጊታት ከትኣታቱን ተኸታቲሎም ዝስዕቡ ለውጢታት ከምጽእን ብፍላይ ድማ ኣብ ሕቶ ዜግነት ምልከት ቋንቋ ሽወደን ከም ወሳኒ ረቛሒ ከእቱ እዩ ተባሂሉ ይግመት። እዚ ናይ ቋንቋ ረቛሒ እማመ ናይዚ ሓድሽ መንግስቲ ኮይኑ ከም ሕጊ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com