Saturday , May 4 2024

ዜና

ሳፖ “ፒ.ኬ.ኬ ኣብ ሽወደን ሽበራ ንምምዋል ይጽዕር ኣሎ”

ብፒ.ኬ.ኬ ዝፍለጥ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ኩርዲስታን ክሳብ ሕጂ ኣብ ሽወደን ንጥፈታት ምወላ ግብረሽበራ የካይድ ከምዘሎ ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን ሳፖ ከሲሱ። ፒ.ኬ.ኬ ኣብ ሽወደንን ሕብረት ኤውሮጳን ከም ግብረሽበራዊ ትካል ዝተመደበ ኮይኑ፡ ማዕከኑ ንምስሳስን ዓመጽን ምፍርራሕ ይጥቀም ከምዘሎ እዩ ዝንገር። ንጥፈታት ፒ.ኬ.ኬ ኣብ ሽወደን ኣዝዩ ዓብዪ ጒዳይ ኮይኑ ክረአ ዝጀመረ ቱርኪ ንኣባልነት ሽወደን ኣብ ኔቶ ንምጽዳቕ ድሕሪ ዘቕረበቶ ቅድመ ኲነት ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።

Read More »

ህሉው ግዜ ትጽቢት ሕክምና ስነ-ኣእምሮኣዊ ህጻናት ቅቡል ኣይኮነን ተባሂሉ

ሓደ ህጻን ኣብ ሽወደን ኣበየናይ ሸነኽ እታ ሃገር ይቕመጥ ዝብል ረቑሒ ናብ ሓኪም ስነ-ኣእምሮ ንምኻድ ክንደይ ግዜ ክጽበ ከም ዘለዎ ይውስን ምህላዉ፥ እዚ ድማ ንውዕል መሰል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ዝጥሕስ ምዃን ተገሊጹ። እዚ ናይ ትጽቢት ግዜ ሕክምና ስነ-ኣእምሮ ህጻናትን መንእሰያትን (BUP) ቅቡል ኣይኮነን ክትብል ሓባሲት ንብዓት ህጻናት ኤልሳቤጥ ዳህሊን ትገልጽ። ብርክት ዝበሉ ህጻናት ብጉዳይ ጥዕና ኣእምሮ ይሳቐዩ ከምዘለዉ፡ ንኣእምሮኣዊ ንጥፈታት …

Read More »

ኣወሃሃዲ ሙዚቃን ሙዚቀኛ ጃዝን ጆርጅ ሪደል ኣብ መበል 90 ዓመቱ ዓሪፉ

ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ፍቱዋት ኣወሃሃድቲ ሙዚቃን ሙዚቀኛ ጃዝን ሽወደን ዝኾነ ጆርጅ ሪደል ኣብ መበል 90 ዓመቱ ዓሪፉ። ሪድል ንገለ ካብቶም ኣብ ሽወደን ፍሉጣት ደርፍታት ንፊልምታት ህጻናት መጽሓፍቲ ኣስትሪድ ሊንድግረን ብምምርኳስ ኣዳልዩ እዩ። ህጻናት ሽወደን እናሰምዕወን ዝዓበዩ ከምኒ ኢዳ ሶማቪዛ ከምኡ’ውን ዱ ሻረሊል ሽንከቡ ስርሃት ድርሰታት ሪደል እየን ኔረን።

Read More »

ድሕሪ ጠሊ ክረምቲ ደረጃ ማይ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ይበጽሕ

ኣብ ደቡብ ሽወደን ዝርከብ ትሕተ-ምድራዊ ዕቋር ማይ ክሳብ ኣፉ ምሉእ ምዃኑ ካብ ጂኦሎጂካዊ ዳህሳስ ሽወደን ዝወጸ ሓድሽ ጸብጻብ ይሕብር። ኣብ ዝሓለፈ ሓጋይ ብዙሓት ከባቢታት እታ ሃገር ብሰንኪ ደረቕ ኩነታት ኣየር ብሕጽረት ማይ ተሃስዮም ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር ኣብዚ እዋን እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ካብ ውሕጅ ዝመጽእ ኮይኑ፡ ኣብ ደቡባውን ማእከላይን ክፋላት እታ ሃገር ድሕሪ ዘጋጠመ ጥልል ዝበለ ክረምቲ ምዃኑ ሬድዮ ሽወደን …

Read More »

ኣብ ቀጽርታት ኣመሓደርትን ተቓወምትን ዘሎ ፍልልይ ደገፍ እናጸበበ ይኸይድ

ኣብ ቀጽርታት ኣመሓደርትን ተቓወምትን ዘሎ ፍልልይ ደገፍ እናጸበበ ይኸይድ ከምዘሎ ኢንዲካተር ብስም ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ዘካየዶ ናይ ቀረባ ዳህሳስ ርእይቶ ኣመልኪቱ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ንማግዳሌና ኣንደርሰን ካብ ተቓወምቲ ሶሻል ዲሞክራት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ክትከውን ዝደልዩ ሰባት ውሑዳት እዮም። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዮተቦሪ ፕሮፌሰር ፖለቲካዊ ሳይንስ ሄንሪክ ኤከንግረን ኦስካርሰን፡ እቲ ውጽኢት ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዙርያ እቲ ሰልፍን መራሒኡን ዝተራእየ ዕግርግር ዘንጸባርቕ …

Read More »

ሃንጋሪ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ክትፈርም 10 መዓልታት ክወስደላ ይኽእል እዩ

ሃንጋሪ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ንምጽዳቕ ዝወሰደቶ ውሳነ ብወግዒ ክትክትም ክሳብ 10 መዓልታት ክወስድ ይኽእል እዩ ተባሂሉ። ነዚ ዝበለ ቤት ጽሕፈት ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ሃንጋሪ ከምዝኾነ ሬድዮ ኒውስ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ብኻልእ ወገን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሽወደን ዝካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ፍሉይ ኣቀባብላ ከምዝተሰጋገረ ማዕከን ዜና TT ሓቢራ’ላ። እዚ እናኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሾን፡ ባይቶ ሃንጋሪ …

Read More »

ካብ ምማር ወራርሩ ሩስያ 31 ሽሕ ወተሃደራት ዩክሬን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።

ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኣብ እዋን ምሉእ ወራር ሩስያ 31 ሽሕ ወተሃደራት ዩክሬን ከምዝተቐትሉ ገሊጹ። ይዂንምበር እዚ ንወተሃደራዊ ውጥን ሩስያ ዝሕግዝ ስለዝኾነ፡ ቁጽሪ ናይቶም ዝቖሰሉ ካብ ምግላጽ ተቖጢቡ’ሎ። ሰብመዚ ዩክሬን ኣሃዛት ጉድኣት ንህዝቢ ናይ ምግላጽ ባህሊ የብሎምን፡ እንተኾነ ግና እቲ ቊጽሪ ልዑል ምዃኑ ግምታት ኣሎ። ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር፡ ፍርቂ ካብቲ ምዕራባውያን ንዩክሬን ክህብኦ እተመባጽዓኦ ሓገዝ ምድንጓዩ፡ እዚ ድማ ህይወትን መሬትን ክኽሰር …

Read More »

‘ዓሌትነት’ ኣብ ኖርወይ ናይ መዓልታዊ ተርእዮ እዩ ተባሂሉ

ልዕሊ ፍርቂ ካብ ኖርወጃውያን፡ ንካልኦት ብሄራት ዘነኣእስ ቃላት ዝመመለዪኡ “ዓሌትነት መዓልታዊ” ብሰፊሑ ከም ዝዕዘቡ ሓደ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። እዚ ድማ ዓሌትነት ክሳብ ክንደይ ጸገም ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ ዘርኢ ኮይኑ፡ ኡኢጽሮም እናወሰኸ ዝመጹ ኖርወጃውያን ከም ዝፈልጥዎ እቲ ዳህሳስ ኣጣሊሉ’ሎ። እቲ ዳህሳስ ብደረጃ ሃገር ብናይ ምርምር ትካል ኖርስታት ንኖርወጅያን ብሮድካስቲንግ (NRK) ዝተኻየደ እዩ። 47% ካብቶም እዚ ሕቶ ዝቐረበሎም መዓልታዊ ዘጋጥም ዓሌትነት “ኣዝዩ ዘስፋሕፍሐ” …

Read More »

ኣብ ስቶክሆልም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንዩክሬን ንምድጋፍ ተኣኪቦም

ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ ሰርገልስ ቶርግ ሰፊሕ ሰልፊ ተኻይዱ፡፡ እዚ ሰልፊ ንኻልኣይ ዓመት ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዘኪሩ’ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሾን ኣብቲ ሰልፊ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ስዕረት ሩስያ እቲ እንኮ ቅቡል መደምደምታ ናይቲ ኲናት ምዃኑ ኣስሚሩሉ’ሎ። ኣምባሳደር ዩክሬን ኣብ ሽወደን ብወገኑ፡ እቲ ሰልፊ ምናልባት ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ብዕጽፊ ዝዓበየ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ።

Read More »

ባይቶ ሃንጋሪ ትማሊ ሰኑይ ንኣባልነት ሽወደን ኣብ ኔቶ ኣመልኪቱ ተኻቲዑ

ባይቶ ሃንጋሪ ሎሚ ሽወደን ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ስሜን ኣትላንቲክ ኔቶ ንምጽንባር ዘቕረበቶ ሕቶ ኣመልኪቱ ኣድሚጹ። ዛጊት ኣብዚ ጒዳይ ንሕቶ ሽወደን ድምጺ ኣብ ምሃብ ሃንጋሪ ናይ መወዳእታ ሃገር ኮይና ጸኒሓ’ላ። እቲ ኣኼባ ከባቢ ሰዓት 1፡00 ድሕሪ ቀትሪ ዝጀመረ ኮይ እቲ ድምጺ ድማ ከባቢ ሰዓት 4፡30 ድሕሪ ቀትሪ ሽወደን ኣባል ኔቶ ክትከውን ብምድማጽ ነቲ ዝጸንሐ ናይ መወዳእታ ዕንቅፋት ክእለ ጌሩ’ሎ። ይኹን’ምበር፡ ባንዴራ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com