Friday , May 17 2024

ዜና

ኣለክሳንደር ኢሳቅ ን ቡሉጽ መንእሰይ 2018 ይወዳደር ድምጺ ኩሉና ይጽበ!!

ምስ እስጳኛዊት ክለብ ርያል ሶሰይዳ ንክጻወት ፈርምኡ ኣንቡሩ ዘሎ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣብዚ ዓመት ምስ ክለብ ሆላንዳዊት ዊልያም ክልተ ብዘንጸባርቖ ብሉጽ ምንቕስቓስ ብጣልያናዊት ብቱቶ ስፓርት ንትሕቲ 21 ዓመት ኣብ ዝወሃብ ሽልማት ወርቃዊ መንእሰይ 2018 ምስ ካልኦት 100 መንእሰያት ተጻወትቲ ተሓጽዩ። ኣብ ውድድር ቱቶ ስፖርት ሎሚ ብሉጻትን ስሙያት ተጻወት ዓለምና ከም በዓል ከም ብዓል ሊዮነል ሙሲ፡ ዋይን ሩኒ፡ ኣንቶኒ ማርሻል፡ …

Read More »

ኩሉ ሰብ ኣንጻር ጎነጽ ክለዓል ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ጸዊዑ!!

ቀዳማይ ሚኒስተር ስቲፈን ሉፈን ገበርቲ ገበን ክቕጽዑ ምዃኖም ብምምልካት ኲሎም ዜጋታት ኣንጻር ጎነጽ ደው ክብሉ ኣተሓሳሲቡ። እዚ ዝተባህለ ሸሞንቲአን ሰልፊታት ሽውደን ኣብ ባይቶ ድሕሪ ዘካየዳኦ ጒዳይ ጎነጽ ዝማእከሉ ዘተ እዩ። “ሰብ ኣብ ካልኦት ራዕዲ ከስፍን ኣዝዩ ተጸላኢ ነገር እዩ” ድማ ኢሉ። “ከምዚ ዝፈትዉ ሰባት ካልእ ዝንባለታት ከማዕብሉ ከነተባብዕ ኣሎና” ክብል ድማ ወሲኹ ገሊጹ። ንሱ ኣብቲ ኣጋጣሚ መንግስቲ ኡልፍ ክሪኣተርሰን ገበን …

Read More »

ኹባንያ ኣልኮላዊ መስተ ሽወድን ሲስተምቦላገት ናብ ገዛውቲ መስተ ከባጻጽሕ ክጅምር እዩ!!

ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጀሚሩ ናብ ኣባይቲ ዝበጽሕ መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ ክሰፍሕ እዩ ተባሂሉ። ካብ ባሕቲ ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ዝኾነ ከተማ ሽወደን ዝቕመጥ ሰብ ኣልኮላዊ መስተ ናብ ገዝኡ ኣዚዙ ዝግልገለሉ ኣገባብ ከም ዘዳለወ ኩባንያ Systembolaget ሓቢሩ። መንግስቲ ሽወደን ምስቲ ኩባንያ ኣብ ዝተወሰና ከተማታት ሽወደን ኣገልግሎት ክህብ ኣብ 2012 ምስምምዑን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነዚ ኣገልግሎት ከስፍሖ ምስምምዑን ተፈሊጡ’ሎ። መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ ኣብ …

Read More »

ዳግም ውርጪ ዝበዝሖ ቑሪ ኣብ ሽወደን ኣይክኽሰትን እዩ!!

ኣብ መወዳእታ ናይዛ ሚእቲ ዓመት ኣዝዩ ቈራሪና ውርጪን ዝበዝሖ ኲነታት ኣብ ሽወደን ዘይክህሉ ምዃኑ ተገሊጹ። ትንበያ ኲነታት ኣየር ሽወደን ከም ዘመልከቶ ኣብ ዝሓለፈ ሓጋይ ኣብ ሽወደን ዝነበረ ልዑል መጠን ሙቐት ንዝመጽእ መወዳእታ ሚእቲ ዓመት ማእከላይ መጠን ሙቐት ክኸውን እዩ ኢሎም ኣለዉ። ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻቡ ኣብ መላእ ሽወደን ማእከላይ ገምጋም ሙቐት ርኡይ ወሰኽ ምምዝጋቡ ኣስሚሩሉ’ሎ። ብመሰረት እዚ ጸብጻብ …

Read More »

ፒኤስጂ ንነይማር ንምሻጥ ተዳልያ!!

ብ ኣቡዳቢያውያን ሰብ ርእሰማል ትውንነ ፈረንሳዊት ክለብ ፒኤስጂ ነቲ ብኹቡር ዋጋ ዝዓደገቶ ብራዚላዊ ነይማር ንምሻጥ ኩሉ ምድላዋታ ወዲኣ። ፈረንሳዊ መርበብ ሓበረታ ላ ኢኹብ ከምዝሓበረቶ ክለብ ፒኤስጂ ትኽክል ዋጋ ነይማር ተረኺባ ዓይና ከይሓሰየት ከምቲሸጦ ኣፍሊጣ። ነይማር ናብ ሊግ ፍረንሳ ካብ ዝሰጋገር ብምንእስ እዚ ሊግ ብተወዳዳርነቱን ዘይዕጋበቱ ክገልጽ ምጽንሑን፣ ምስ ተፈላለዩ ተጻወት ክዋጠጥን ከይ ተሃረም ተሃሪመ ብምባልን ናብ ሃገሩ ብራዚል ብዘይምኽንያት ምጋሸ …

Read More »

ኣብ ኲባንያ ፖስታ ኖርድ ዝሰርሕ መራሒ መኪና ኣብ ስርቂ ኣቕሑ ፖስታ ተዋፊሩ ምንባሩ ተፈሊጡ!!

ኣገልግሎት ፖስታ ኖርድ (Postnord) ሓደ ካብ ኣውቲስታታቱ ኣብ ስርቂ ኣቕሑ ፖስታ ተዋፊሩ ምንባሩ ምፍላጡ ጸብጺቡ። ብመሰረት ጋዜጣ ኣፍቶንብላዳት (aftonbladet)ፖሊስ ነዚ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘእተዉዎ ሰብ ኣብ ምምርማር ይርከቡ። ብዙሓት ሰባት ዝተላእከሎም ኣቕሓ ከም ዘይበጽሖም ከማርሩን ጥርዓን ከቕርቡን ምጽንሖም ይፍለጥ። ድሕሪዚ ፖሊስ ነቲ ኣውቲስታ ምሓዞምን ድሕሪ ምስጓጒ እዚ ሰራሕተኛ እዚ ናይ ስርቂ ተርእዮ ምጒዳሉን ሓቢሮም።

Read More »

ሉፈንን ሚኒስተራቱን ወሰኽ ወርሓዊ ደሞዝ ተጌርሎም!!

ካብ ዝመጽእ ወርሒ ዝጅምር ወሰኽ ደሞዝ ን ሉፈንን ሚኒስተራትን ከም እተገብረ ተፈሊጡ። በዚ መሰረት ሉፊን ብ 4000 ክሮነር ወርሓዊ ደሞዙ ብምውሳኽ ናብ 176 ሽሕ ክሮነር ክብ ኢሉ’ሎ። ከምዚ ዝበለ ምውሳኽን ምጒዳልን ደሞዝ ብሽማግለ ቆንስል ሚኒስተራት ከም ዝውሰን ይፍለጥ። እዚ ምውሳኽ መሃያ ካብ ቡዝሓት ኪኢላት ዝተፈላልየ ዓውዲ ነቐፌታ እካ እንተወርዶ እዚ ልሙድ ኣሰራርሓ መንግስቲ ሽወደን ብሙኻኑ ዝግበረ ነገረ ከምዘየለ ይዛረቡ።

Read More »

ውድድር ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ብ ዓወት ብራዚል ኣብዝጀመረሉ ብቕዓት ብራዚል ግን ንደገፍታ የሻቕል!!

ብውድድር ኮፓ ኣመሪካ ዝፍለጥ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ላቲና ኣመሪካ ሎሚ ዓመት ን ሃገራት ቐጠርን ጃፓን ሓዊሱ ውድድራቱ ኣብ ርእሰ ከተማ ብራዚል ርዮ ዲጀነሮ ናብ ሎሚ ኣብ ዘግሔት ለይቲ ብ ዓወት ብራዚል 3 ብ 0 ኣብ ልዕሊ ቦሊቭያ ብምዕዋት ውድድሩ ፈሊሙ። ኣብዚ ኮቲንሆ ተጻዋታት ክለብ ባርሶሎና ኮኸብ ኮይኑ ኣብ ዘመሰየሉ ክልተ ሸቶታ ብምምዝጋብ ክደምቕ ከሎ ዝተረፈት ሸቶ ድማ ካብ ኤቨርተን …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን መስከርቲ ንምሕላው ሓድሽ ስጒምቲ ንምውሳድ ይሸባሸብ!!

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ሽወደን ሚካኤል ዳምፐሪ (Mikhail Damperi) ብዓርቢ መዓልቲ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ከተማ ሌኮንቢን ምፍንጃር ድሕሪ ምግጣሙ መንግስቲ ውድባት ገበን ንምክልኻል ግቡኡ ክዋጻእ ጸዊዑ’ሎ። መስከርቲ ብዘይፍርሂ ሕነ ምፍዳይ ቤትፍርዲ ቀሪቦም ክምስክሩ ከም ዝግባእ እዚ ንምትብባዕ ድማ ምስክርነት ንዝህቡ ኣባላት ገበን ፍርዶም ከጐድል ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ’ሎ።

Read More »

ብዙሓት መንበሪ ኣባይቲ ስቶኮልም ባዶ ምህላዎም ተገሊጹ!!

ከተማ ስቶክሆልም እታ ዝዓበየት ከተማን ርእሰ ከተማ ሽወደን ከም ምኻና መጠን ዓመታዊ ብ ኣሽሓት ዝቑጸር እንተስ ን ስራሕ እንተስ ን ዝልዓለ ትምህርቲ ይግዕዙ። በዚ መሰረት ሕጽረት ገዛ እቲ ዝንዓለ ሽግር እዛ ከተማ ኮይኑ ክብሪ ክራይ ገዛ ኣብዚ እዋን እቲ ዝኸፍኤን ኣተሓሳሳቢ ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን  ኣብ ስቶክሆልም ናይ መንበሪ ኣባይቲ ብዙሓት ባዶ ኣባይቲ ምህላዎም ቆንስል ምምህዳር ስቶክሆልም ኣመልኪቱ። እዚ ዝኾነሉ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com