Tuesday , May 14 2024

ጥዕና

ሰብመዚ ጥዕና Norbotten ሓደስቲ ዓይነታት ለበዳ ቲቢ ከምዝተራእዩ ገሊጾም።

ሰብመዚ ጥዕና Norbotten ሓደስቲ ዓይነታት ለበዳ ቲቢ ከም እየራእየ ብሓፈሻ ቊጽሪ ሕሙማት 7 ምብጽሑን ይገልጽ። ዝሓለፈ ታሕሳስ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ማእከል ጥዕና Gamelstadን ካልእ ማእከል ስኒን ሕክምና እናተኸታተለ ሕማም ቲቢ ከም ዘለዎ ብመርመራ ተፈሊጡ ኔሩ። እዚ ድማ ነቶም ሰብ መዚ ኣብ 700 ካሎኦት ሰባት ናሙና ክወስዱ ከምዝገበሮምን ተወሰኽቲ 6 ሰባት እቲ ሕማም ከም ዘለዎም ምፍላጦምን እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ኣብ Norbotten …

Read More »

መብርሂ ደረጃታት መጠንቀቕታ ካብ ሜትሮሎጂ ስዊድን

መጠንቀቕታ ደረጃ ሓደ….. ብጫ መጠንቀቕታ ሕማቕ ኲነታት ኣየር። ዝምዕብል ዘሎ ኲነታት ኣየር ኣብ ህዝቢን ገለ ማሕበራዊ ንጥፈታይን ስግኣት ክህልዎ እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበረሉ። መጠንቀቕታ ደረጃ ክልተ….ኣራንሾኒ መጠንቀቕታ ሕማቕ ኲነታት ኣየር እዚ ምዕባለ ኣብ ህዝቢ ሓደጋ ከብጽሕ ዕብይ ዝበለ ንዋታዊ ዕንወትን ምትእጒጓል ኣገዳሲ ማሕበራዊ ንጥፈትን ከኽስት ይኽእል እዩ። ህዝቢ ሓድሽ ሓበሬታ ካብ ኢንተርነት ሬድዮን ቴሌቪዥንን ክረክብ ይዕደም። መጠንቀቕታ ደረጃ ሰለስተ….ቀይሕ መጠንቀቕታ …

Read More »

መጠንቀቕታ ካብ ማእከል ሜትሮሎጂ ስዊድን

ብመሰረት ሓበሬታ ማእከል ሜትሮሎጂ ማዕበል ውርጪ ኣብ ስቶክሆልምን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ክወድቕ ምዃኑ ተፈሊጡ። ኣብ ዝቕጽላ ሰዓታት 25 ሴንቲሜትር ዝርጒዱ ውርጪ ኣብ ዞባታት ኣፕሳላ ስቶክሆልምን ያቭለቦሪ ክኽሰት ከም ዝኽእል ካኣ ካልኣይ ደረጃ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ’ሎ። እቲ ማእከል ኣቐዲሙ ኣብ ዳላርና ኦሬቦን ፋርምላንድን ውርጪ ክኽሰት ከም ዝኽእል ቀዳማይ ክላስ መጠንቀቕታ ድሮ ኣመሓላሊፉ እዩ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ቅድሚ ቊሩብ መዓልታት ማዕበል ኣልቨንዳ ብምኽሳታ …

Read More »

ሓደ ሽወደናዊ ቱሪስት ሞባይሉ ንኽዕቅብ ክብል እግሩ ይስእን።

ወዲ 36 ዓመት ሽወደናዊ ቱሪስት ሞንሰራት ኣብ ዝተባህለ ሰፈር ከተማ ቡኖስ ኣይረስ ሓደ ጒሒላ ሞባይሉ ክሰርቆ ክብል ብዙሕ ስለ እተዋጠጦ ብጥይት እግሩ ከም ዘቚሰሎ ክላሪን ዝተባህለ ጋዜጣ እታ ሃገር ሓቢሩ። እቲ ቱሪስት ኣርባዕተ ግዜ መጥባሕቲ እኳ እንተገበረ ዶክተራት እግሩ ከድሕኑሉ ኣይክኣሉን። ካብ ብርኩ ንታሕቲ ክቚረጽ ከኣ ተጌሩ’ሎ።

Read More »

ሓደ እሱር ብልዕቱ ይቖርጽ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ፖሊስ ሽወደን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምምሕዳር ኩልማ ኦሬቢ ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ ኲነታት ኣጋጢምዎም። እቲ ኣቓልቦ ዝሰሓበ ጒዳይ ሓደ ብዙሓት ሰባት ብምቕታል እተወንጀለ እሱር ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ብልዕቱ ምቚራጹ እዩ። እዚ ክስተት ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት እዩ ኣጋጢሙ። ብመሰረት ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ፖሊስ ሓደ እሱር ብዙሕ ደም ከምዝፈሰሶ ምስ ረኣዩ ናብ ሆስፒታል ይወስድዎ። እቲ ወዲ 40 ዓመት እሱር ኣብ ዝደቀሰሉ …

Read More »

ዜናታት ስዊድን ብትግርኛ 01 ጥሪ 2019

Read More »

ሓደጋ ምንሽርታት በረድ ኣብ ሽወደን ይቕጽል ።

ሓደጋ ምንሽርታት በረድ ኣብ ሽወደን ዓርቢ መዓልቲ’ውን ከም እተራእየን ፈለማ ብማእከል ምክትታል ግጉው በረድ እተዋህበ መጠንቀቕታ ኣብ ቦትኡ ምህላዉን ማእከል ሜትሮሎጂ ሽወደን ሓቢሩ። እዚ መጠንቀቕታ ዝሽፍኖም ዞባታት ኣውራጃ ኦስተርጎትላንድ ሶደርማላንድ ይቨልሁፕሪ ዳላርናን ቨስተርቩርላንድ እየን። እቲ ማእከል ከም ዝሓበሮ ምንሃል መሬት ዝኽሰት ዝናብ ኣብ ዝሑል ግጉው በረድ እንክሃርም እዩ። እንተኾነ ግና ኣብ ገሊኡ ቦታታት ሙቐት ልዕሊ ዜሮ ብምዃኑ ናይ ምንሽርታት ሓደጋ …

Read More »

ነዊሕ ሰዓታት ዝድቅስ ዶክተር ካብ ስርሑ ክስጐግ ከም ዝኽእል መጠንቀቕታ ተዋሂቡ።

ላዕለዋይ ምክትታል ጥዕና ሽወደን ኣብ ቫርምላንድ ዝሰርሕ ዶክተር ነዊሕ ሰዓታት ናይ ምድቃስ ዝንባለ ስለዘርኣየ ናይ ስራሕ ፍቓዱ ክሰሓብ ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ። ኒያ ቬርምላንድ ከምዚ ጸብጺባቶ’ላ። ብመሰረት እታ ጋዜጣ እቲ ዶክተር ሰለስተ ናይ ፈተነ ዓመታት ኣሕሊፉ ብቑዕ ሞያዊ ክእለት ኣለዎ ተባሂሉ ከም እተገምገመ እንተኾነ ግና ካብ ዝሓለፈ ጽድያ ጀሚሩ ሕሙማት ይቕበል ዘይምህላዉ ተፈሊጡ። ኮሚተ ጥዕና እቲ ምስሓብ ፍቓድ ስራሕ እዚ ዶክተር ተሪፉ …

Read More »

ኖርበርተን: እቲ ዝበዝሐ መጠን ሞት ሕማም ልቢ ዘመዝገበት ዞባ ስዊድን ኮይና ።

መጠነ ሞት ሕማም ልቢ ኖርበርተን ኣብ ዓመተ 2017 ኣብ ሽወደን ዘጋጠሙ ናይ ሞት ሓደጋታት ዝበዝሐ እጃም ከም ዝወስድ፡ ብሊንክ ድማ ካልኣይ ደረጃ ከምትሕዝ ተገሊጹ። እቲ ዝተሓተ መጠን ሞት ኣብ ኣውራጃ ኣፕሳላ ዝተመዝገበ ኮይኑ ካብ ብለኪን ብ 40 ሚእታዊት ከም ዝንእስ ተገምጊሙ። ” ዞባዊ ፍልልያት ኣብ ከምኒ ክብደት ኣካላት፥ ምትካኽ ሽጋራ፡ ልምዲ ምንቅስቓስን ጭንቀትን ዝኣመሰሉ ኣገባባት መንበሮ ተራ ኣለዎም” ትብል መምህር …

Read More »

ቚጽሪ ናይቶም ብሓደጋ ባቡር ዴንማርክ ዝሞቱ ሰባት ሸሞንተ በጺሑ።

እዚ ሓበሬታ ፖሊስ ዴንማርክ ካብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ እዩ ተረኺቡ። እታ ባቡር ብረቡዕ ንደሴታት ዴንማርክ ዘራኽብ ድልድል ባልትርቦን እናሰገረት እዩ ተኸሲቱ። በዓልመዚ ፖሊስ ዴንማርክ ኣርነ ግሩም “ካልኦት ክልተ ፖሊስ እውን ሞይቶም ኣለዉ” ክብል ገሊጹ። እቲ ሓደጋ ንግሆ 7፡30 ሓደ ፉርጎ ብኻልእ ሸነኽ ተፈንዩ ምስታ ባቡር ብምግጫዉ እዩ ተኸሲቱ። ብመሰረት ትማል እተፈነወ ኣፈናዊ ኣሃዝ ሽዱሽተ ምሟቶምን 16 ኸኣ ብፈኲስ ምቚሳሎምን ተገሊጹ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com