Thursday , May 2 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ብPFAS ዝተበከለ ማይ ቧንቧ ዝሰተዩ ሰባት መሰል ዕንወት ይዕወቱ

ኣብ ካሊንገ፡ ብሌኪንገ ካውንቲ ኣብ ዝተበከለ ማይ ቧንቧ ንኬሚካላት PFAS ዝተቓልዑ ሰባት፡ ካሕሳ ክኽፈሉ መሰል ኣለዎም። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሽወደን ነዚ ውሳነ ትማሊ ሰሉስ ኣፍሊጡ። ሕጂ መጠን ዕንወት ንምውሳን ተወሳኺ መስርሕ ይጽበ ኣሎ።

Read More »

ብሚልዮናት ዝቑጸር ክሮነር ኣብ ፖሊስ ቁርኣን ንምንዳድ ተቓውሞታት ወጺኡ

ሳልዋን ሞሚካ ቅዳሓት ቁርኣን ዘቃጸለሉ ተቓውሞታት ንሓይሊ ፖሊስ ስቶክሆልም ብውሑዱ 3.7 ሚልዮን ክሮነር ከምዘኽፈሎ ሬድዮ ኒውስ ሽወደን ሓቢሩ። እቶም ወጻኢታት ምስቲ ፖሊስ ኣብ ተቓውሞታት ጸጥታ ንምርግጋጽ ዘሕለፍዎ ናይ ስራሕ ሰዓታት ዝተኣሳሰሩ እዮም። ፖሊስ፡ እዚ ተቓውሞታት ካልእ ወጻኢታት'ውን ከምዘስዓበ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብተዛማዲ ዓቃባዊ ግምት ዩ ይብል።

Read More »

ሽወደንን ኣሜሪካን ታሪኻዊ ስምምዕ ምክልኻል ተፈራሪመን

ሽወደንን ኣሜሪካን ታሪኻዊ ስምምዕ ምትሕብባር ምክልኻል ተፈራሪመን። ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ መላእ ሃገር ናብ ዝርከባ 17 ወተሃደራዊ መዓስከራት ክኣቱ ይኽእል። ሚኒስተር ምክልኻል ፓል ጆንሰን፡ እዚ ስምምዕ ምክልኻል፡ ሽወደን ኲናት ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ካብ ኣመሪካ ወተሃደራዊ ሓገዝ ክትረክብ ዝዓበየ ዕድል ዝህብ እዩ ይብል።

Read More »

ፊንላንድ፥ ቋንቋ እንግሊዝ እግሪ ይተክል ምህላዉ ንብዙሓት የሻቕሎም

ብዙሓት ፊንላንዳውያን፡ እንግሊዝኛ ብዋጋ ቋንቋ ፊንላንድን ሽወደንን ዝሰፍሐ ቦታ ክረክብ እዩ ዝብል ፋዕራ ከም ዘይብሎም ብኦማ ኪየሊ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ይሕብር። ኣስታት 85% ሚእታዊት ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት፡ ኩባንያታት ብቐንዱ ብቋንቋ ፊንላንድ ወይ ሽወደን ንተጠቀምቲ ከገልግላ ኣለወን ዝብል መግለጺ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ከምዝሰማምዑ ገሊጾም። ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት ኣስታት 10% ጥራይ እዮም ምስቲ መግለጺ ዘይተሰማምዑ። እንግሊዝኛ እንኮ ቋንቋ ኣገልግሎታት …

Read More »

ኣባይቲ ሽወደን ካልእ ልዑል ዋጋ ጸዓት ዝረኣየሉ ክረምቲ ከጋጥመን ዶ ይኸውን?

ዝሓለፈ ክረምቲ፡ መንግስቲ ነቶም ኣዝዮም ዝተሃስዩ ደገፍ ጸዓት ንምሃብ ኢዱ ብምእታዉ፡ ብዙሓት ስድራቤታት ሽወደን ኣዝዩ ልዑል ዝተባህሀሉ መጠን ክፍሊት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ዘጋጠመን ተሓቢሩ። ክረምቲ 2024 ከመይ ክኸውን እዩ? ከምኡ’ውን ንዝለዓለ ሕሳብ ምውዓይ ነዳዲ ዝድርኹ ረቛሒታት እንታይ እዮም? መልሲ ናይቶም ሕቶታትን ካልእን ንምርካብ፡ ሬድዮ ሽወደን ምስ ካጅ ፎርስበርግ ዝተባህለ ተንታኒ ዕዳጋ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኤጀንሲ ጸዓት ሽወደን ኣዘራሪባ’ላ። ንሱ ኣብ መልሱ …

Read More »

መደብ ምክልኻል ነብሰ ቅትለት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኮተቴ ክፉታት ኮይኖም ከዕልሉ የተባብዑ

ኣብዚ ሎሚ እዋን ኣብ ሽወደን ካብ 15-24 ን ዝዕድሚኦም ሰባት ቀንዲ ጠንቂ ሞት ነብሰ ቅትለት ምዃኑ ተገሊጹ። ኣብ ሽወደን ኣብ ዘለዋ 60 ዝተፈላለያ ምምሕዳራት ከተማ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ንኣስታት 14 ዓመት ዝዕድሚኦም ተማሃሮ ኣብቲ YAM ወይ ‘ንቕሓት መንእሰያት ኣብ ጥዕና ኣእምሮ’ ዝብል መደብ ክሳተፉ ዕድል ይህባ’ለዋ። እቲ መደብ፥ ተማሃሮ ኣብ በዳሂ ኲነታት ንጡፍ ተራ ክጻወቱ ዝኽእሉሉ መዳያት ዘጠቓልል እዩ። ማሪ ዌስተርበርግ …

Read More »

ፖሊስ ን ገበን ተቓላዕቲ ከባቢታት ኣመልኪቱ ዘውጽኦ ዝርዝር የመሓይሽ

ፖሊስ፡ ኣብ ሽወደን ትሑት ማሕበረ-ቁጠባዊ ደረጃ ዘለዎም በዚ ድማ ንገበን ተቓላዕቲ ዝበሃሉ ከምኡ’ውን ንጡፍ ገበናዊ ምንቅስቓስ ዘለዎም ከባቢታት ኣመልኪቱ ዘውጽኦ ዝርዝር ኣመሓይሹዎም። ኣብቲ ዝርዝር ኣርባዕተ ሓደስቲ መዳያት ተወሰኹ፡ ካልኦት ሽዱሽተ ግን ኣብቲ ክልተ ዓመት ዝካየድ ምድላው ተኣልዮም ኣለዉ። ኣስታት 5% ካብ ህዝቢ ሽወደን ኣብዚ ንገበን ተቓላዒ ዝተባህለ ምዱብ ከባቢታት ከም ዝነብር እቲ ዝርዝር ኣመልኪቱ’ሎ። ብተመሳሳሊ ዜና፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ …

Read More »

ክሳራ መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ይውስኽ

መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ (SAS) ኣብ ራብዓይ ርብዒ ዓመት ዳርጋ ክልተ ቢልዮን ክሮነር (191 ሚልዮን ዶላር) ክሳራ ኣመዝጊቡ። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝዛዘም ምሉእ ፋይናንሳዊ ዓመት እቲ ኲባንያ፡ ኣታዊታት እቲ መንገዲ ኣየር ወሲኹ፡ ጽሩይ ክሳራኡ ድማ ካብቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝነበረ ሸውዓተ ቢልዮን ክሮነር ናብ 5.7 ቢልዮን ክሮነር ኣጉዲልዎ’ሎ። ይኹን እምበር ኣብ ራብዓይ ርብዒ ዓመት ጥራይ እቲ ጽሩይ ክሳራ ምስ ቅድሚ …

Read More »

ቊጠባ ሽወደን ምንቊልቋል የጋጥሞ

ቁጠባ ሽወደን ኣብ ምንቁልቋል ከምዘሎ ሎሚ ብወግዒ ተረጋጊጹ ኣሎ፡፡ ን ክልተ ተኸታተልቲ ርብዒ ዓመት ኣሉታዊ ዕብየት ኣመዝጊቡ’ሎ። ኣብ ሳልሳይ ርብዒ ዓመት 2023 ውሽጣዊ ፍርያት ሽወደን ብ 0.3% ምንካዩ ሎሚ ካብ ስታቲስቲክስ ሽወደን ዝወጸ ሓድሽ ስታቲስቲክስ ኣመልኪቱ። “ስድራቤታት ምስ ክብሪ ናብራ ኣብ ምቅላስ እዮም ዝርከቡ፣ ሸመታ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ነክዩ’ሎ፣ ብሰንኪ ልዑል ዋጋታት ንብረትን ልዑል መጠን ወለድን ጸቕጢ ይስምዖም ኣሎ” ክብል …

Read More »

ሽወደን፥ ድሕሪ ቸርኖቢል ክሳብ ሕጂ ጽልዋ ራድዮኣክቲቭ ምህላዉ ተገሊጹ

ኣብ 1986 ኣብ ቸርኖቢል ዘጋጠመ ኒዩክለራዊ ሓደጋ፡ ኣብ ገለ ክፋል ማእከላይን ሰሜናውን ሽወደን ራድዮኣክቲቭ ዝናብ ክሃርም ጌሩ እዩ። እዚ ድማ ኣብቲ ሓመድ ራድዮኣክቲቭ ባእታ ሴዝየም-137 ንኽእከብ ምኽንያት ምዃኑ፣ እዚ ድማ ነቲ ሓሰማ በረኻ ዝበልዕዎ ዕፉን ምብካሉ እዩ ዝንገር። ኤጀንሲ መግቢ ሽወደን፡ ሃደንቲን ከምኡ’ውን ዕፉን ዝምእርሩን ሰባት ናሙናታት መርመራ ክሰዱ ሓቲቱ’ሎ። እዚ መርመራ ደረጃ ሴዝየም-137 ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብኸመይ ከም ዝፈላለ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com